እዚ ኣብ ኣርእስቲ ተጠቒሱ ዘሎ ረዚን ቃል ናይ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ እዩ። እንሆ ድማ እቲ ኣብ ምድሪ ዘይወድቕ ቃሎም
አብ ቅድሚ ዓይንና ክፍጸም ከሎ ንርእዮ አሎና። ከምይሲ 3ይ ፓትርያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቦና እንጦንዮስ ብመሠረቱ ምስ ዮፍታሔ ይኹን ኣባላት ሲኖዶስ፡ ከምኡውን ምስ መንግስታውያን ሓለፍቲ ዘሰሓሓቦም ቀንዲ ጉዳይ “ልዕልና ሕጊ ይከበር” ብምባሎም ጥራይ እዮም። ከምቲ አብ መርበብ ሓበሬታ ተዋሕዶ ዳት ኦርግ ዝወጸ፥ ጠንቂ ናይቲ ሽግር ብመሠረቱ ደፋር ዮፍታሔ ድሜጥሮስ ብገዛእ ኢዱ ነቲ መንፈሳዊ መማሓደሪ ሕጊ ቀሊሱ ንነብሱ ምሉእ ሥልጣን ዝህብ ዓንቀጻት ብምውጽኡ እዩ። ቅዱስ ኣቦና እንጦንዮስ ድማ ነዚ ልዕሊ ሕጊ ምዃን ናይ ዮፍታሔ ሸለል ክብልዎ አብ ዘይክእልሉ ደረጃ ምስ በጽሑ ነታ ዝመሓልኩላ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንን ንሓዋርያዊ-ሓላፍነተይ አየዝልቕን ኣሕሊፈ ኣይህብን ብምባል፡ አንታ! ክንደይ’ ከ ትደፍር? ምምሕያሽ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን እኮ ሓላፍነት ናይ ቅዱስ ሲኖዶስ ጥራሕ እዩ። ንስኻ ደኣ መን ምስበለካ ኢኻ ብገዛእ ርእስካ ሕጊ-ተዋህዶ ትቅይር ? በልዎ። ግናኸ ዮፍታሔ በዓል ጊዜን ዝአመኖ ስለ ዘለዎን ብ3ይ ፓትርያርክ ብወግዒ ተወጊዙ እንከሎ፥ እንሆ ልዕሊ ፓትርያርክ ኮይኑ ድላዩ ይገብርን ይዕንድርን አሎ። እቶም ናይ አምላኽ ክቡር ሰብ ግና ኣቐዲሞም ብቃሎም አጠንቂቖምን ነጊሮምን እዮም።
“ኣቦታትካ ዘቘምዎ ናይ ቀደም ደረት ኣይተዝብል።” (ምሳሌ 22:28) ዝብል ቃል ቅዱስ ጽሑፍውን ብመሰረቱ “ደረት ሕጊ” ከተዝብል ከሎኻ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ምፍላጥ የድሊ። ብመስረቱ ልቦና እንተሎ? ቅድሚ ደረት ምዝባልካ ከኣ ንምታይ እዩ እዚ ደረት ተጌሩ? ኢልካ ምሕታት አድላዪ ኢዩ። ሕጋዊ ፖትርያርክ ብሕይወት ከሎ ብዘይ ቀኖናዊ አገባብ አይትካእ እዩ፡ ዝብል ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ከኣ ኣብ መጀመርያ ጉባኤ ኒቅያ ዝጸደቀ ጥንታዊ-ሕጊ(ደረት)፡ ንቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብሓድነት ንምሕላውን ሓዋርያዊ ሰንሰለት ንምትሕልላፍን ዝቖመ እዩ (ማቴ 28:19-20)። እዚ ሕጊ ክኽበር ኩለን አሓት ኣብያተ ክርስቲያናት ብሕልፊ እተን ሓዋርያዊ ሕብረት ዘለወን አጢቢቀን ይሰርሓሉ አለዋ። በዚ ምኽንያት ከአ እዮም እኒ ቀይዲ በተኽ ዮፍታሔን ሰዓብቱን አብ ምቕባእ መበል 118 ፖፕ ናይ ኣለክሳንደርያ (ግብጺ)ዘይተኻፈሉ። እታ ቅድሚ 7ተ ዓመት ከይአክል ከኣ አብ ዝተፈላለዩ ዓለም-ለካዊ ጉባኤታት ብሕልፊ ኣብ ናይ አሓት ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ዝግበር ጉባኤታት ጉጅለ ኣቶ ዮፍታሔ ፈጺሞም ንኸይሳተፉ ኩልኩላት እዮም። እምበር መን ርሒቁ ወይ መን ቀሪቡ? ምኽንያቱ እቲ ዝዘርእዎ እዮም ዝዓጽዱ ዘለዉ።
እንተ ዘይኮነ ግና እዚ እንርእዮ ዘሎና ቀቀሊሉ እዩ። ልዕሊ ኩሉ አምላኽ ዝገደደ መዓት ከየውርደልና ብሓቂ ጸሎትን ንስሓን ዘድልዮ እዋን እዩ። እቲ ንኣኻትኩም ዚሰምዕ ንኣይ ይሰምዕ፥ እቲ ንኣኻትኩም ዚንዕቕ ድማ ንኣይ ይንዕቕ፡ እቲ ንዓይ ዚንዕቕ ከኣ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዚንዕቆ።” (ሉቃስ 10:16) ዝብል ቃል መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ዘልናዮ ግዜ ዝግስጽ ማዕዳ እዩ። ስለዚ እምበኣር ብዘይ ወዓል ሕደር ሰማይን ምድርን ኪሐልፍ፡ ቃለይ ግና ኣይኪሐልፍን እዩ።” ሉቃስ 21:33 ዝብል ቅዱስ ቃል ከተሓሳስበና ኣለዎ። እቶም ቅቡአት ናይ አምላኽ ኣገልገልቲ’ውን ቃላቶም መንፈሳዊ ሓይሊ አለዎ እዩ፡፡ እንሆ እኳ ቃል
እግዚኣብሔር ሰላሙን ጸጋኡን ንተዋህዶ ቤተ ክርስቲያናን ሃገርናን የብዝሓልና።
ኣምላኽ ሰማይ ጥዕናን ሰላምን
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ