“እታ ሰበይቲ ድማ፡ ‘‘ክርስቶስ’ ዚብልዎ መሲሕ ከም ዚመጽእ እፈልጥ ኣለኹ፡ ንሱ ምስ መጸ ኵሉ ኺነግረና’ዩ፡’ በለቶ። ኢየሱስ ከኣ፡ ‘ኣነ ዝዛረበኪ ዘለኹ ንሱ’የ፡’ በላ።” ዮሃ 4፡25,26።
ክህነት ኣብ ምድሪ ንመጀመርያ ጊዜ በቲ ኣብ ከተማ ሳሌም ሃገር ከንኣን ነጊሱ ዝነበረ መልከጼዴቅ ዝተባህለ ከንኣናዊ (ጸሊም) ንጉሥ ተጀመረ (ዘፍ፡14፡18)። እዚ ካህን እዚ ድማ ምሳሌ ናይቲ ብድሕሪኡ ዝመጽእ ዘለኣለማዊ ካህን ኢየሱስ ክርስቶስ ነበረ። (መዝ፡109-110) (እብ፡ 6፡20። 7፡1-3)
“ብርሃንካን ሓቅኻን ለኣኽ፣ ንሳተን ይምርሓኒ፣ ናብ ጽዮን ናብታ ቅድስቲ እምባኻን፣ ናብታ መሕደሪኻ ዜኾነት ቤተ መቅደስን የብጽሓኒ” (መዜ.43፣3)።
“ኣብ ሕግኹም፡ ኣነ፡ ‘ኣማልኽቲ ኢኹም’ በልኩ” ዚብልዶ ኣይተጻሕፈን’ዩ፧ ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝመጸሎም ኣማልኽቲ ኻብ ዚብሎም፦ ጽሑፍ ኪፈርስ ኣይከኣልን’ዩ፦ ነቲ ኣቦ ዝቐደሶ ናብ ዓለማውን ዝለኣኾ ግዳ፡ ‘ወዲ ኣምላኽ’የ’ ስለ ዝበልኩኹም፡ ከመይ ኢልኩም፡ ‘ትጻረፍ ኣለኻ’፡ ትብሉኒ ኣለኹም።” ዮሃ 10፡34-36።
”ግናኸ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ኩላ ዝባን ምድሪ፡ ንዝነብሩ ዘበሉ ከም መፈንጠራ ክትበጽሖም እያ እሞ፡ ስስዐን፡ ስኽራንን ሓልዮት ሓዳርን ንልብኹም ከይከብድ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ብድንገት ከይትመጸኩምሲ ንነፍስኹም ተጠንቀቑ። ስለዚ ኻብዚ ዝመጽእ ኵሉ ነገር ንምሙላቕን፡ ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ደው ንምባልን ሓይሊ ምእንቲ ክትረኽቡስ፡ ኵሉ ሳዕ እናጸለኹም ንቕሑ።” (ሉቃ 21፡34-36)
እቲ ስጋዊ ምልማድ ንቕሩብ ነገር እዩ ዚጠቅም ኣምልኾ ግና ንዅሉ ይጠቅም፡ ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወት እዚኣን ነታ እትመጽእን ከኣ ተስፋ ኣለዎ። 1ይ ጢሞ. 4፡8.
ልዑል እግዚኣብሔር ምእንቲ ድኅነትን እምነትን ህዝቢ ክብል ብዙሕ ትእምርትን ተኣምራትን ከም ዝገበረ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢብና እንረኽቦ ግልጺ ነገር ኢዩ። ይኹን እምበር ደቂ ሰብ ግና ነቲ ኣብ ቅድሜኦም ዝተገብረ ተኣምራት እናረስዑ ብሸለልትነት ብዕሽነት ምንባር ተታሓሒዞሞ ከም ዘለዉ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ንርእዮ ዘሎና ግሁድ ሓቂ ኢዩ። እዚ ሎሚ ኣብ ኣርእስቲ ጽሑፍና ጠቂስናዮ ዘሎና ‘’እግዚኣብሔር ጽባሕ ኣብ ማእከልኩም ዘገርም ነገር
“ዎ ጐይታይ፡ ነቲ ንምብራህ ኣህዛብ ብርሃን፡ ንህዝብኻ እስራኤልውን ክብረት ምእንቲ ኪኸውን፡ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ዘዳሎኻዮ ምድሓንካ ኣዒንተይ ካብ ረኣያስ፡ ሕጂ ኸምቲ ዘረባኻ ንባርያኻ ብሰላም ተፋንዎ ኢኻ፡ በለ።” ሉቃ 2፡29-32።
ደድሕሪ ኣሮን ክህነት ኣብ ሥልጣን ክህነት ዝመጸ ፊንሃስ ነበረ። በቲ ዝገበሮ ሰናይ ቅንኢ ርእዩ፡ ንዕኡን ንደቁን ኪዳን ክህነት ዘለኣለም ይኹም ኢሉ፡ ኪዳን ከም ዝኣተወሉ እዞም ጥቅስታት እዚኣቶም ይዛረቡ (ዘህ፡25:11-15; ሲራክ 45:24) "እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ ፊንሃስ ወዲ ኣልኣዛር፡ ወዲ ኻህን ኣሮን፡ ኣብ መንጎኦም ብምቕናኤይ ስለ ዝቐንኤ፡ ንኹራይ ካብ ደቂ እስራኤል መለሶ እሞ፡ ንደቂ እስራኤል ብቕንኣተይ ኣየጥፋእክዎምን። ስለዚ በል እንሆ ንእኡ ናይ ሰላም ኪዳነይ እህቦ ኣለኹ። ንኣምላኹ ቐኒኡ፡ ንደቂ እስራኤል ከአ ኣተዓሪቑ እዩ እሞ፡ ስለዚ ንእኡ፡ ብድሕሪኡ ድማ ንዘርኡ ኺዳን ክህነት ዘለኣለም ይኹን”። ኣብዚ ሕጂ ኣቐዲምና ክንርእዮ ዝግብኣና እቲ “ኪዳን” ዝብል ቃል እዩ።
ናብ ኩሎም ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን
ብመጀመርያ ሰላመ እግዚኣብሔር ምስ ኩላትኩም ይኹን እናበልና፤ ብሩኽ በዓለ-ሃዋርያት ይግበረልና።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ