ኣቦታትና ካብ ዝምስልዎ ብዙኅ ቁውም-ነገራት ዝሓዘ ዓበይቲ ምስላታት ሓደ ‘’ድሕሪ ሞት ጥዕና ቕበጽ’’ ዝብል ይርከቦ። እወ! ሰብ ቅድሚ ሞቱ ድኣ እምበር ድሕሪ ሞቱስ ጥዕና ዝጽበ የለን፡ እሞ እዚ ከካትዕ ዝኽእል ጉዳይ ከም ዘይኮነ እሙን እዩ። ግናኸ ሰብ ምእንታን ክነብር ጥዕና የድልዮ። ምእንታን ጥዕና ክረክብ ከኣ ካብቶም ንጥዕናኡ ዝጻብኡ ነገራት ክርሕቕ ይግባእ። ብዘይክኡ እውን ከምቲ ሊቃውንቲ ዓለም ዝብልዎ መግቢ፥ ክዳንን መጽለልን ከም ዘድልይዎ
መልእኽቲ ናብ ኵሎም ኦርቶዶክሳውያን ምእመናን፡
ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ምስ ኵላትና ይኹን እናበልና፡ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ ብዘውጽኦ መደብ መሠረት፡ ሠናይ ድሌት ምእመናን ምስ ምምሕዳር ሰበኻ ጉባኤ ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኒው ዮርክ ኮይኑ፡ እቲ ዓቢይ መበል 12 ዓመታዊ ጉባኤ ሰሜን ኣሜሪካ ኣብታ ዓባይ ከተማ ኒው ዮርክ ብኤርትራዊ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ እናተመርሐ ብምዕሩግ ኣገባብ ክካየድ ሰፊሕ ምድላው ይግበር ከም ዘሎ ብሓጎስ ክንሕብር ንፈቱ።
“ነተን ኣባጊዑ ምስ ኣውፈረን ድማ ቀቅድሚአን ይኸይድ፡ እተን ኣባጊዑ’ውን ድምጹ የለልያ’ሞ ይስዕባኦ፡ ድምጺ ኻልእ ዘይፈልጣ ስለ ዝዀና፡ ንኻልእ፡ ካብኡ ይገልባ እምበር፡ ኣይስዕባኦን’የን።” ዮሃ 10፡4,5።
ክህነት ኣብ ምድሪ ንመጀመርያ ጊዜ በቲ ኣብ ከተማ ሳሌም ሃገር ከንኣን ነጊሱ ዝነበረ መልከጼዴቅ ዝተባህለ ከንኣናዊ (ጸሊም) ንጉሥ ተጀመረ (ዘፍ፡14፡18)። እዚ ካህን እዚ ድማ ምሳሌ ናይቲ ብድሕሪኡ ዝመጽእ ዘለኣለማዊ ካህን ኢየሱስ ክርስቶስ ነበረ። (መዝ፡109-110) (እብ፡ 6፡20። 7፡1-3)
“ብርሃንካን ሓቅኻን ለኣኽ፣ ንሳተን ይምርሓኒ፣ ናብ ጽዮን ናብታ ቅድስቲ እምባኻን፣ ናብታ መሕደሪኻ ዜኾነት ቤተ መቅደስን የብጽሓኒ” (መዜ.43፣3)።
ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ሊቀ ጳጳስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ መንበረ-ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ
“ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚኣምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም። ሓደ’ኳ ንኣምላኽ ዝረኣዮ የልቦን፡ እቲ ኣብ ሕቚፊ ኣቦኡ ዘሎ ሓደ ወዲ፡ ንሱ ኣግሃዶ።” ዮሃ 1፡12,18።
”ግናኸ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ኩላ ዝባን ምድሪ፡ ንዝነብሩ ዘበሉ ከም መፈንጠራ ክትበጽሖም እያ እሞ፡ ስስዐን፡ ስኽራንን ሓልዮት ሓዳርን ንልብኹም ከይከብድ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ብድንገት ከይትመጸኩምሲ ንነፍስኹም ተጠንቀቑ። ስለዚ ኻብዚ ዝመጽእ ኵሉ ነገር ንምሙላቕን፡ ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ደው ንምባልን ሓይሊ ምእንቲ ክትረኽቡስ፡ ኵሉ ሳዕ እናጸለኹም ንቕሑ።” (ሉቃ 21፡34-36)
እቲ ስጋዊ ምልማድ ንቕሩብ ነገር እዩ ዚጠቅም ኣምልኾ ግና ንዅሉ ይጠቅም፡ ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወት እዚኣን ነታ እትመጽእን ከኣ ተስፋ ኣለዎ። 1ይ ጢሞ. 4፡8.
ልዑል እግዚኣብሔር ምእንቲ ድኅነትን እምነትን ህዝቢ ክብል ብዙሕ ትእምርትን ተኣምራትን ከም ዝገበረ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢብና እንረኽቦ ግልጺ ነገር ኢዩ። ይኹን እምበር ደቂ ሰብ ግና ነቲ ኣብ ቅድሜኦም ዝተገብረ ተኣምራት እናረስዑ ብሸለልትነት ብዕሽነት ምንባር ተታሓሒዞሞ ከም ዘለዉ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ንርእዮ ዘሎና ግሁድ ሓቂ ኢዩ። እዚ ሎሚ ኣብ ኣርእስቲ ጽሑፍና ጠቂስናዮ ዘሎና ‘’እግዚኣብሔር ጽባሕ ኣብ ማእከልኩም ዘገርም ነገር
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ