ልዑል እግዚኣብሔር ምእንቲ ድኅነትን እምነትን ህዝቢ ክብል ብዙሕ ትእምርትን ተኣምራትን ከም ዝገበረ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢብና እንረኽቦ ግልጺ ነገር ኢዩ። ይኹን እምበር ደቂ ሰብ ግና ነቲ ኣብ ቅድሜኦም ዝተገብረ ተኣምራት እናረስዑ ብሸለልትነት ብዕሽነት ምንባር ተታሓሒዞሞ ከም ዘለዉ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ንርእዮ ዘሎና ግሁድ ሓቂ ኢዩ። እዚ ሎሚ ኣብ ኣርእስቲ ጽሑፍና ጠቂስናዮ ዘሎና ‘’እግዚኣብሔር ጽባሕ ኣብ ማእከልኩም ዘገርም ነገር
ናብ ምእመናን ሕዝበ ክርስቲያን፡
ብሩኽ በዓል ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ርሑስ ሓድሽ ዓመትን ይግበረልና። ቀጺልና ንጥሪ/January 30-31/ 2010 (ጥሪ ፳፪ - ፳፫ 2002 ዓ.ም. ግእዝ) ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣስተርእዮታ እነብዕለሉ ዓመታዊ ብዓልና ተኻፈልቲ ናይ ዝተፈላለየ መንፈሳዊ መደባት ክትኮኑ ብኽብሪ ንዕድም።
ስብከተ ወንጌል ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - Sermon from the lectern of the Church
“ሓቛቝኹም ዕጡቕ፡ መባርህትኹም ብሩህ ይኹን። . . .እቶም ጐይታኦም ኪመጽእ ከሎ ነቒሖም ዚረኽቦም ባሮት እቲኦም ብጹኣን’ዮም። ተዓጢቑ ኣብ መኣዲ ኸም ዜቐምጦም፡ ቀሪቡ’ውን ከም ዜገልግሎም፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።” ሉቃ 12፡35,37።
ደድሕሪ ኣሮን ክህነት ኣብ ሥልጣን ክህነት ዝመጸ ፊንሃስ ነበረ። በቲ ዝገበሮ ሰናይ ቅንኢ ርእዩ፡ ንዕኡን ንደቁን ኪዳን ክህነት ዘለኣለም ይኹም ኢሉ፡ ኪዳን ከም ዝኣተወሉ እዞም ጥቅስታት እዚኣቶም ይዛረቡ (ዘህ፡25:11-15; ሲራክ 45:24) "እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ ፊንሃስ ወዲ ኣልኣዛር፡ ወዲ ኻህን ኣሮን፡ ኣብ መንጎኦም ብምቕናኤይ ስለ ዝቐንኤ፡ ንኹራይ ካብ ደቂ እስራኤል መለሶ እሞ፡ ንደቂ እስራኤል ብቕንኣተይ ኣየጥፋእክዎምን። ስለዚ በል እንሆ ንእኡ ናይ ሰላም ኪዳነይ እህቦ ኣለኹ። ንኣምላኹ ቐኒኡ፡ ንደቂ እስራኤል ከአ ኣተዓሪቑ እዩ እሞ፡ ስለዚ ንእኡ፡ ብድሕሪኡ ድማ ንዘርኡ ኺዳን ክህነት ዘለኣለም ይኹን”። ኣብዚ ሕጂ ኣቐዲምና ክንርእዮ ዝግብኣና እቲ “ኪዳን” ዝብል ቃል እዩ።
ናብ ኩሎም ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን
ብመጀመርያ ሰላመ እግዚኣብሔር ምስ ኩላትኩም ይኹን እናበልና፤ ብሩኽ በዓለ-ሃዋርያት ይግበረልና።
ክርስቲያን ንሞትን ትንሣኤን ክርስቶስ ተኻፋሊ ከም ዝዀነ፡ ኣብቲ ዝፍጸም ሥነ ሥርዓት ጥምቀቱ ክመሃሮ ይኽእል። ንተጠማቒ ኣብ ውሽጢ ማይ ምእታው፡ ምስ ጐይታ ምማቱን ምቕባሩን ከም ዝዀነ እቲ ጽሑፍ ከምዚ ይብል “ብክርስቶስ ኢየሱስ እተጠመቕና ዘበልና ዂላትና ብሞቱ ኸምእተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምብኣርሲ ኸምቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦኡ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ፥ ከምኡ ኸኣ ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ
ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ኮይኖም ተመዚዞም። ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ሃገረ-ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ, ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያ ኮይኖም ዝተመዘዙ፡ ልኡኽ ሃገረ-ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ብ26 መስከረም 2009 (፲፮ መስከረም ፳፻፪ ዓ.ም ግእዝ) ምስ ፖፕ ሺኖዳ 3ይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፓትርያርክ ናይ እስክንድርያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ድሕሪ ዝተገብረ ርክብ እዩ።
ስብከተ ወንጌል ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - Sermon from the lectern of the Church
“መዓልቲ ኸላ፡ ግብሪ’ቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር ይግብኣኒ’ዩ፡ ሓደ’ኳ ኺዓየላ ዘይከኣሎ ለይቲ ትመጽእ ኣላ፧ ዮሃ 9፡4።
ኩሉ ከም ዝፈልጦ ኣብዚ ዘመን እዚ ዘመን ሓበሬታን ቴክኖሎጂን፡ ንእምነት ክርስትናና ካብ ጫፍ ዓለም ክሳብ ጫፍ ዓለም ንምስፋሕን ምእመናንና ንምምሃር ንኽንጥቀመሉ ድማ ኣምላኽ ዝፈቕዶ እዩ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ