ክርስቲያን ንሞትን ትንሣኤን ክርስቶስ ተኻፋሊ ከም ዝዀነ፡ ኣብቲ ዝፍጸም ሥነ ሥርዓት ጥምቀቱ ክመሃሮ ይኽእል። ንተጠማቒ ኣብ ውሽጢ ማይ ምእታው፡ ምስ ጐይታ ምማቱን ምቕባሩን ከም ዝዀነ እቲ ጽሑፍ ከምዚ ይብል “ብክርስቶስ ኢየሱስ እተጠመቕና ዘበልና ዂላትና ብሞቱ ኸምእተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምብኣርሲ ኸምቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦኡ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ፥ ከምኡ ኸኣ ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ
“ንሳ ሰማንያን ኣርባዕተን ዓመት ዝዕድሚኣ መበለት’ያ። ካብ ቤት መቕደስ ከይወጸት፡ ብጾምን ብጸሎትን ለይትን መዓልትን ንኣምላኽ ተገልግል ነበረት።” ሉቃ 2፡37።
እዛ ናይ’ዚ ዕለት ንባብ ቅዱስ ወንጌል ጠቒስዋ ዘሎ ቅድስቲ ኣደ፡ ብኣገልግሎታ ነብዪት’ያ። ድሕሪ ናይ ሾብዓተ ዓመት ሓዳር፡ በዓል ኪዳና ብሞት ተፈልይዋ ምስ መብለወት፡ ኣብ ቤት መቕደስ ተኸቲታ፡ ካብኡ ኸይወጸት ንኣምላኽ ተገልግል ነበረት። ኣብቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ቤት መቕደስ ንደቀንስትዮ ዝተሰርዐ ኣገልግሎት ከም ዝነበረ፡ ኣብ መጻሕፍቲ ኦሪት ኣይንረክብን ኢና። ስለዚ ካብ ቤት መቕደስ ከይወጸት ኪበሃል ከሎ ናብቲ ውሽጢ ቤት መቕደስ ትኣትው ከም ዝነበረት ዜመልክት ኣይኰነን።
ኩሉ ከም ዝፈልጦ ኣብዚ ዘመን እዚ ዘመን ሓበሬታን ቴክኖሎጂን፡ ንእምነት ክርስትናና ካብ ጫፍ ዓለም ክሳብ ጫፍ ዓለም ንምስፋሕን ምእመናንና ንምምሃር ንኽንጥቀመሉ ድማ ኣምላኽ ዝፈቕዶ እዩ።
ቃል ብቕድሙ ነበረ፥ እቲ ቃል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፥ እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ። …. ሕይወት ኣብኡ ነበረት፥ እታ ሕይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበርት። ብርሃንውን ኣብ ጸልማት የብርህ፥ ጸልማት ከኣ ኣይሰዓሮን። ዮሓ 1፡1-5። እዚ ጥቕሲ ካብ ቅዱስ ወንጌል ዝተወስደ ቃል ኢዩ። ካብዚ ክንመሃሮ ዝግብኣና ድማ ሕይወት ሰብ ካብ ብርሃን ኣምላኽ ከም ዝተፈጥረትን ኣብ ብርሃን ክትነብር ከም ዝተመደበትን ይነግረና። እወ ኣቦና ኣዳምውን ኣብቲ ምሉእ
“ኢየሱስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ብጥበብን ብቑመትን ብጸጋን ዓበየ።” ሉቃ 2፡52
እቲ ነዚ ዕለት’ዚ ተሰሪዑልና ዘሎ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ዕብየት ብቓልን ብግብርን ዜስተምህር ክፍሊ’ዩ። እቲ ንድሕነትና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንኣርኣያናውን ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ፡ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ተወሊዱ ፍጹም ሰብ ዝዀነ እግዚኣብሔር ወልድ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብግብሪ ዘስተምሃረና ዓባይን ቀዳመይትን ትምህርቲ ዅለንተናዊ ዕብየት’ያ። ምኽንያቱ ሰብ ኺፍጠር ከሎ ኣትሒዙ ምሉእ ኰይኑ ስለ ዘይፍጠር፡ ነቲ ኺበጽሖ ዚግባእ ምልኣት ብዕብየት ገይሩ’ዩ ዚበጽሖ።
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ። ኣሜን።
ክቡራንን ክቡራትን ምእመናን ኣብ ውሽጥን ወጻእን።
ናይ 80 ዓመት ዕድመ፣ ን60 ዓመት ምንኩስናን ን20 ዓመት ጳጳስ ኮይነም ካብ ዘገልግሉን ኣብ ዝብል ሰለስተ ኣርእስቲ ዝተመርኮሰ ጽንብል ንብፁዕ ኣብነ መቃርዮስ ዝምልከት በዓል ጽምብል ሰንበት ግንቦት 1, 2011 ኣብ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ