“እቲ ፍርዲ ኸኣ እዚ’ዩ፡ ብርሃን ናብ ዓለም መጸ፡ ደቂ ሰብ ግና ግብሮም ክፉእ ስለ ዝዀነ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ። ምኽንያቱ እቲ ኽፉእ ዚገብር ዘበለ ዅሉ፡ እቲ ግብሩ ምእንቲ ኸይግለጽ ብርሃን ይጸልእ’ምበር ናብ ብርሃን ኣይመጽእን’ዩ። እቲ ሓቂ ዚገብር ግና፡ ከም ትእዛዛት ኣምላኽ ስለ ዝገበረ፡ እዚ ግብሩ ምእንቲ ኺግለጽ ናብ ብርሃን’ዩ ዚመጽእ።”ዮሃ 3፡19-21 ካ.ት
እዚ መበል 25 ሰንበት’ዚ፡ ዋዜማ ናይ’ዚ ጽባሕ (ለካ. 21) ጀሚሩ ክሳዕ ድሮ ፋሲካ ቀዳም ስዑር (ሚያ. 15) ዚቕጽል ዓብይ ጾም’ዩ። እዚ ቐዳማይ ሰንበት’ዚ፡ ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና “ዘወረደ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ንእግዚአብሔር ዜኽብር ንኣና ኸኣ ጸጋን ምሕረትን ዜዕዝዝ ዝተባረኸን ዕዉትን ናይ ጾም ወርሓት ይግበረልና። ነዚ ዕለት’ዚ ዝተሰርዐ ንባብ ቅዱስ ወንጌል (ዮሃ 3፡10-21)፡ ብዛዕባ’ቲ ንድሕነትና ብርሃን ዓለም ኰይኑ፡ ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ፡ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ተወሊዱ፡ ኣብ ማእከልና ዝሓደረ፡ መከራ መስቀል ተቐቢሉ ምእንታና ዝሞተን ዝተንስአን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዜመልክተና ንባብ’ዩ። ስጋና ለቢሱ ኣብ ማእከልና እንተ ሓደረ’ኳ፡ ብመለኮታዊ ህላዌኡ ድማ ካብ ሰማይ’ውን ከም ዘይተፈልየ ባዕሉ ዘረጋገጸሉ ንባብ’ዩ። እቲ፦
“ብጀካ’ቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ፡ ኣብ ሰማይ’ውን ዘሎ ወዲ ሰብ፡ ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደ’ኳ የልቦን።”
ዚብል ቃል፡ ብመለኮቱ ሰማይን ምድርን ዚመልእ ኣምላኽ ምዃኑ ዜረጋግጽ ቃል’ዩ (ዮሃ 3፡13)። ኣብ’ዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ፡ ጐይታና ኻብ ዝጠቐሶ ኣገዳሲ ኣርእስቲ ሓደ ኸኣ፡ ንብርሃንን ጸልማትን ዚምልከት’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ነዚ ወንጌሉ ኺጅምሮ ኸሎ፦
“ህይወት ኣብኡ ነበረት፡ እታ ህይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበረት። ብርሃን’ውን ኣብ ጸልማት የብርህ፡ ጸልማት ግና ኣይሓዞን።. . . ኵሎም ብእኡ ናብ እምነት ምእንቲ ኺበጽሑ፡ ብዛዕባ ብርሃን ኪምስክር ንሱ ንምስክር መጸ። ብዛዕባ ብርሃን ደኣ ኺምስክር መጸ እምበር፡ ንሱስ ብርሃን ኣይነበረን። እቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዜብርህ ብርሃን ሓቂ ናብ ዓለም ይመጽእ ነበረ። ኣብ ዓለም ነበረ፡ ዓለምውን ብእኡ ዀነት፡ ዓለም ግና ኣይፈለጠቶን።”
ኢሉ ኣሎ (ዮሃ 1፡4,5,7-10)። ጐይታና፡ ብርሃን ኰይኑ ምምጽኡ፡ ናይ ብርሃንን ናይ ጸልማትን ሰብ መን ምዃኑ ኺፈላልይ ከም ዝወረደ ርዱእ’ዩ። መሪሕ ጥቕስና ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ፡ እቶም ገበርቲ ኽፉእ፡ ፈተውቲ ጸልማት፡ እቶም ገበርቲ ሰናይ ግና ፈተውቲ ብርሃን’ዮም። ስለ’ዚ መንነትና በቲ ንብርሃን ዘሎና ኣረኣእያ’ዩ ዚግለጽ። “ብርሃን ናብ ዓለም መጸ” ዚበሃል ዘሎ፡ ብዛዕባ’ቲ ኻብ ሰማያት ወሪዱ ሰብ ዝዀነ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ዩ። እቲ ጸልማት ከኣ፡ እቲ ኻብ ሰማያት ናብ ምድሪ ዝተደርበየ መልኣኽ ጸልማት፡ ድያብሎስ’ዩ። ግብሪ-ጸልማት ወይ ግብሪ-ብርሃን ነዘውትር ምዃንና፡ ናይ ክርስቶስ ወይ ከኣ ናይ ሰይጣን ኣፍቀርትን ሰዓብትን ምዃንና ዜመልክት’ዩ።
ብርሃን መን’ዩ፧ ቅዱሳን ነብያትን ሃዋርያትን ከም ዘረጋገጹልና፡ ጐይታና ባዕሉ’ውን ከም ዝነገረና፡ ብርሃን ዓለም፡ ንሱ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ዩ። ካብ ብሉይ ኪዳን ኣትሒዙ፡ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ብትንቢት ገይሩ፡ ናብ’ዛ ብጸልማት ዝተዋሕጠትን፡ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ጸልማት ትግዛእ ዘላን ዓለም፡ ብርሃን ከም ዚመጽእ ገሊጹ’ዩ። እዚ ትንቢታዊ ተስፋ’ዚ ኸኣ፡ ጐይታና ምስ ተወልደ ተፈጸመ። እቲ ብስልጣን ጸልማት ዚዓይዪ ድያብሎስ ከኣ፡ ነዚ ብርሃን’ዚ ኼጥፍእ ብዅሉ ሓይሉ ተጋደለ። እቶም ካብ ዓሌት ኣህዛብ ዝዀኑ ሰብ-ጥበብ በቲ ትእምርቲ ክርስቶስ ዝዀነ ኰዀብ ተመሪሖም ናብ’ታ ህጻን ኢየሱስ ዘለዋ ቦታ መጹ። ካብ’ቶም ዘይኣምኑ ኣህዛብ’ኳ እንተ ነበሩ፡ ብርሃን ዓለም ምዃኑ ተገሊጹሎም ፈሊጦምን፡ ነዊሕ ተጓዒዞም ናብኡ ቐሪቦም፡ ኣብ መብልዕ ማል ብግምባሮም ተደፊኦም ሰገዱሉ (ማቴ 2፡1-12)። እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ናብኡ ዝመጸ ነብዪ ስምኦን’ውን፦
“ንሱ እቲ ንኣህዛብ ብርሃን (ዚኸውን)፡ ንህዝብኻ እስራኤል’ውን ክብሪ ዚገልጽ’ዩ።”
ኢሉ መስከረሉ (ሉቃ 21፡32 ካ.ት)። ልዕል ኢልና ኸም ዘንበብናዮ፡ ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቕ’ውን፡ ብዛዕባ’ዚ ብርሃን’ዚ ኺምስክር’ዩ ዝመጸ። ጐይታና፡ ኣብ 30 ዓመት ዕድሚኡ ኣገልግሎቱ ምስ ጀመረ ኸኣ፡ ባዕሉ ብርሃን ዓለም ምዃኑ ተኣመነ (።
“ሽዑ ኢየሱስ፡ ኣነ ብርሃን ዓለም’የ። እቲ ዚስዕበኒ ብርሃን ህይወት ኪረክብ’ምበር፡ ብጸልማት ኣይኪኸይድን’ዩ፡ ኢሉ ኸም ብሓድሽ ተዛረቦም።” ዮሃ 8፡12
“ሽዑ ኢየሱስ፡ “ገና ንቕሩብ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ማእከልኩም ኣሎ፡ ጸልማት ከየርከበኩም፡ ብርሃን ከሎኩም ተመላለሱ። እቲ ብጸልማት ዚመላለስ ናብ ዚኸዶ ኣይፈልጥን’ዩ። ደቂ ብርሃን ምእንቲ ኽትኰኑስ፡ ብርሃን ከሎኩም፡ ብብርሃን እመኑ፡” በሎም። ኢየሱስ እዚ ተዛሪቡ ኻባታቶም ከይዱ ተሓብኤ። . . . እቲ ብኣይ ዚኣምን ዘበለ ኣብ ጸልማት ምእንቲ ኸይነብር፡ ኣነ ብርሃን ኰይነ ናብ ዓለም መጺኤ ኣሎኹ።” ዮሃ 12፡35,36,46
ቅዱሳን ሃዋርያት ከኣ፡ ጐይታ ባዕሉ ዝገለጸሎም ባዕላቶም’ውን ዘስተማቐርዎ ሓቂ ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ኣብ ጸልማት ዘሎ ህዝቢ ዓለም፡ ነዚ ብርሃን’ዚ ሰበኹሉ። ብርሃን ምዃን፡ ተወራሲ መለኮታዊ ባህርይ ስለ ዝዀነ፡ ጐይታና ባዕሉ ንቕዱሳን ደቀ መዛሙርቱ፦
“ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም። ኣብ ከረን ዘላ ኸተማ ኽትክወል ኣይከኣላን’ዩ። መብራህቲ፡ ኣብ ቤት ንዘሎ ዅሉ ኼብርህ፡ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ኪሰቕልዎ’ምበር፡ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ኬንብርዎ ኣየብርሁን’ዮም። ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።”
ብምባል ኣረጋገጸሎም (ማቴ 5፡14-16)። ስለ’ዚ ድማ ንዝሰምዖም ዘበለ፡ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ኪመርሕዎ ወንጌል ኣዕጢቑ ናብ ህዝብን ኣህዛብን ለኣኾም።
““ካብ ህዝብኻን ካብ’ቶም ናብኣቶም ዝልእከካ ኣህዛብን ከኣ ኸናግፈካ’የ። ንኣይ ብምእማን ከኣ ሕድገት ሓጢኣት ኪረኽቡ፡ ምስ’ቶም ብእምነት ዝተቐደሱ ኸኣ ርስቲ ኪቕበሉ፡ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ካብ ስልጣን ሰይጣን’ውን ናብ ኣምላኽ ኪምለሱ ኣዒይንቶም ክትከፍተሎም እልእከካ ኣለኹ” በለኒ።” ግብ 26፡17,18 ካ.ት
ጐይታና ነዚ ብርሃን’ዚ ብኸመይ’ዩ ዜብርሃልና፧ እቲ ጐይታ ዜብርሃልና ብርሃን፡ ብዓይኒ ስጋ ዚረኣይን ንኸባቢና ዜብርህን ብርሃን ከም ዘይኰነ ርዱእ’ዩ። መንፈሳዊ ብርሃን ስለ ዝዀነ ኣብ ልብና’ዩ ዜብርህ። እቲ ጸሓይ ወይ ኤሌክትሪክ ወይ’ውን ካልእ ዓይነት መብራህቲ ኸይተዓንቀፍና ኽንንቀሳቐስ፡ ዝደለናዮ ኽንርእይን ኽንሰርሕን ከም ዜኽእለና፡ እቲ መንፈሳዊ ብርሃን ከኣ ክፉእን ጽቡቕን ፈሊና ኽንፈልጥ፡ ኣብ’ታ ቐጣን መገዲ ጽድቂ ብሓጢኣት ከይተዓንቀፍና ኽንጐዓዝ፡ ኵሉ መንፈሳዊ ዕዮ ኽንዓይዪ ዜኽእለና’ዩ። እዚ ብርሃን’ዚ ጐይታና ወንጌል ኬስተምህር ምስ ጀመረ’ዩ ንደቂ ሰብ ዝተገልጸ። ስለ’ዚ ብርሃን ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ቅዱስ ወንጌል’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ’ዚ ብብሩህ መገዲ ገሊጹልና ኣሎ።
“እቲ እንሰብኮ ወንጌል ስዉር እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ኣብ’ቶም ዚጠፍኡ ጥራሕ’ዩ ዝተሰወረ። እቲ ገዛኢ’ዛ ዓለም’ዚኣ ዝዀነ ሰይጣን፡ ብርሃን ወንጌል ምእንቲ ኸይርእዩ፡ ንልቢ’ቶም ዘይኣምኑ ደፈኖ። እዚ ብርሃን’ዚ ኸኣ፡ ክብሪ ናይ’ቲ ኣርኣያ ኣምላኽ ዝዀነ ክርስቶስ’ዩ። ...ምኽንያቱ፡ እቲ ‘ኣብ ጸልማት ብርሃን ይብራህ > ዝበለ ኣምላኽ፡ ነቲ ኣብ ገጽ ክርስቶስ ክብሪ ኣምላኽ ዜንጸባርቕ ብርሃን ፍልጠት ምእንቲ ኺህበና፡ ኣብ ልብና ኸም ዚበርህ ገበሮ።”2ቈረ 4፡3,4,6 ካ.ት
ንቕዱስ ወንጌል ኣንቢቡ ወይ ሰሚዑ ብርሃን ዘይርእይን ዘይረክብን ሰብ እንተ’ሎ፡ እቲ ገና ኻብ ስልጣን ጸልማት፡ ካብ ማእሰርቲ ድያብሎስ ዘይተናገፈ ሰብ’ዩ። ከም ፈሪሳውያን ገይሩ ቃል ወንጌል ዝሰምዐ እስራኤላዊ ኣይነበረን። እንተ ዀነ ፍቕሪ ወንጌል ሓዲርዎም ዘይኰነስ፡ ንጐይታና ዚቃወሙሉን ዚኸስሱሉን ቃል ቈጠፋ ምእንቲ ኺረኽቡ ነበረ። ናይ ወንጌል ብርሃን ኪረኣዮም ስለ ዘይከኣለ፡ ጐይታና ‘ኣቱም ዕዉራት” እናበለ ይጽውዖም ነበረ (ማቴ 15፡12-14፣ 23፡16,17,26)። ስለ’ዚ ወንጌል ፈጺሙ ጠላሕ ዘይብለካ ምዃን፡ ኣብ ከቢድ መንፈሳዊ ዑረትን ጸልማትን ከም ዘለኻ ንጹር ምልክት’ዩ። ኣዒንቶምን ኣእዛኖምን ብኽፉቱ፡ ነቲ ኣምላኽ ዚህቦም ብርሃን ኪርእዩ ንዘይከኣሉ ሰባት እግዚአብሔር ይጒህየሎምን ይፈርዶምን ነበረ። ምኽንያት መቘጥዒኡ ኸኣ፡ ብዕልወት ዝገበርዎ ስለ ዝዀነ’ዩ።
“ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንስኻስ ኣብ ማእከል ዓላዊት ቤት ትነብር ኣለኻ። ዓላዊት ቤት’ዮም’ሞ፡ ኣዒንቲ ንምርኣይ ዘለዎም፡ ዘይርእዩ፡ ኣእዛን ከኣ ንምስማዕ ዘለዎም፡ ዘይሰምዑ’ዮም።” ህዝ 12፡2
“ኣቱም ጸማማት፡ ስምዑ፡ ኣቱም ዕዉራት ከኣ፡ ክትርእዩስ ጠምቱ። ባርያይ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ዕዉር መን’ዩ ከም’ቲ ዝልእኮ ልኡኸይ ጸማምከ መን’ዩ፧ ዕዉር ከም ፈታውየይ፡ ዕዉር ከም ባርያ እግዚአብሔር መን’ዩ፧ ብዙሕ ነገር ርኢኻ፡ ግናኸ ኣይሓሎኻዮን፡ ኣእዛን ተኸፊቱ ነይሩ፡ ግናኸ ገለ’ኳ ኣይሰማዕካን።” ኢሳ 42፡18-20
ነዚ ብርሃን’ዚ ኸም ዝረኸብናዮን ናይ ብሓቂ ደቂ ብርሃን ከም ዝዀንናን ብኸመይ ኢና እንፈልጥ፧ መንነት ናይ ዝዀነ ይኹን ኣካል፡ ብግብሩን ብፍሪኡን’ዩ ዚፍለጥ። ከም ኵሉ ኻልእ ነገር፡ ብርሃን’ውን ብፍሪኡ’ዩ ዚፍለጥ። ብርሃን ዝረኸበ ሰብ፡ ግብሪ ብርሃን ይገብር፡ ፍረ ብርሃን ከኣ ይፈርይ። ንወንጌል ክትፈልጦን ከተፍቅሮን ምኽኣልካ ጥራሕ፡ ነቲ ብርሃን ረኺብካዮ ማለት ኣይኰነን። ብርሃን ወንጌል፡ ዚዓይይን ዜፍርይን መንፈሳዊ ብርሃን’ዩ። ይትረፍ’ዚ ሰማያውን መንፈሳውን ብርሃን፡ እዚ ግኡዝ ናይ ጸሓይ ብርሃን’ኳ ምንጪ ናይ’ዚ ዅሉ ኣብ ዓለምና ዘሎ ፍረን ህይወትን’ዩ። ብርሃን ጸሓይ እንተ ዘየልቦ፡ ኣትክልቲ ብህይወት ኪነብሩን ኬፍርዩን ኣይክእሉን’ዮም። ምኽንያቱ ብናይ ብርሃን ኣኽኣልነት’ዮም ምግቦም ዜዳልዉን ዜፍርዩን (photosynthesis)። ኣትክልትን ዘራእትን እንድሕር ዘየፍርዮም ከኣ፡ ሰብን እንስሳን ብህይወት ኪነብሩ ኣይክእሉን’ዮም። እዚ ሓቂ’ዚ ኣብ መንፈሳዊ ህይወትን ብርሃንን’ውን ልክዕ ከምኡ’ዩ። ብርሃን ወንጌል ዘይረኸበ ሰብ፡ ግብሪ ብርሃን ኪገብር፡ ፍረ ብርሃን ኪፈርይ ኣይክእልን’ዩ። ግብሪ ብርሃን ማለት “ሰናይ ግብሪ፡ ግብሪ ጽድቂ” ማለት’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፦
“ፍረ ብርሃን፡ ሰናይን ጽድቅን ሓቅን ዘበለ ዅሉ’ዩ።” ብምባል ነዚ ሓቂ’ዚ ኣብሪሁልና ኣሎ (ኤፌ 5፡9 ካ.ት)። ስለ’ዚ ዅሉ’ቲ “ግብሪ ጽድቂ” ወይ ከኣ “ሰናይ ግብሪ” ኢልና እንጽውዖ ተግባር ናይ ብርሃን ፍረን ግብርን’ዩ። እቲ ኣብ ልቦናኡ ብርሃን ዘለዎን ዘይብሉን ኪፈልጥ ንዚደልይ ሰብ፡ ፍረ-ህይወቱ ምፍታሽን ምምርማርን ጥራሕ’ዩ ዜድልዮ። ሓሶት ዚዛረብ፡ ብጽልኢ ዚነብር፡ ትዕግስቲ ዀነ ትሕትና ዘይርከቦ፡ ቂም በቐል’ምበር ምሕረት ዘይገብር ሰብ ኣብ ትሕቲ ማእሰርትን ስልጣንን ናይ ጸልማት ከም ዘሎ ንኻልኢት’ኳ ዘየወላውል ውሁብ ሓቂ’ዩ። መሪሕ ጥቕስና’ውን ነዚ ሓቂ’ዚ’ዩ ኣረጋጊጹልና።
ንብርሃን ጸሊኡ ንጸልማት ዜፍቅር መን’ዩ፧ ንጸልማት ዜፍቅር፡ እቲ “ግዙእ ሰይጣን፡ ውሉድ ድያብሎስ” ዝዀነ ሰብ’ዩ። ኵሉ ሰብ ነናይ ኣቦኡ’ዩ ዚገብር። ኵሉ ባርያ ድማ ጐይታኡ ዝኣዘዞ ጥራሕ’ዩ ዚገብር። ጐይታና ብእኡ ኣሚኖም ኬብቅዑ፡ ግን ከኣ ኪቐትልዎ ዚደልዩ ኣይሁድ ኣጓኒፎምዎ ነበሩ። ኣብ እምነት ዘለዉ እናመሰሎምሲ፡ ገና ግን ግብሪ ድያብሎስ ዘይገደፉ ነበሩ። ኣብ መንጎ ጐይታናን ኣብ መንጎ’ዞም ኣጐላጕል ኣይሁድን ዝተገብረ ዝርርብ ኣብ ዮሃ 8፡31-59 ሰፊሩ ኣሎ። ነቶም ብእኡ ዝኣመኑ፡ “ሓቂ ሓራ ኸተውጽኣኩም’ያ” እንተ በሎም፡ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ወይ ከኣ ሃገራዊ ሓርነት ዚዛረብ ዘሎ መሲልዎም፡ “ባሮት ኴንና ንእተገዛእናዮ ከቶ የብልናን” ኢሎም መለሱ። ሓሰውቲ ደኣ ዀይኖም’ምበር፡ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ’ኳ ብሮማውያን ዚግዝኡ ባሮት’ዮም ዝነበሩ። ጐይታ ግና ብዛዕባ ምድራዊ ጒዳያት ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ ባርነቶም ይዛረብ ስለ ዝነበረ፡ መንፈሳዊ ሃለዋቶም እንታይ ከም ዚመሰል ኣነጺሩ ነገሮም።
“ኢየሱስ ድማ፡ “ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ሓጢኣት ዚገብር ዘበለ፡ ንሱ ባርያ ሓጢኣት’ዩ”። . . . ወልድ ሓራ እንተ ኣውጽኣኩም፡ ብሓቂ ውጹኣት ሓራ ኽትኰኑ’ኹም። ንስኻትኩም ዘርኢ ኣብርሃም ምዃንኩምሲ እፈልጥ’የ። ቃለይ ኣባኻትኩም ስለ ዘይሓደረ ግና፡ ኽትቀትሉኒ ትደልዩ ኣሎኹም። ‘ኣነ ነቲ ኣብ ኣቦይ ዝረአኽዎ እዛረብ ኣሎኹ፡ ንስኻትኩም ከኣ ነቲ ኣብ ኣቦኹም ዝረአኹምዎ ትገብሩ ኣሎኹም። እናበለ መለሰሎም።> . . . ‘ንስኻትኩምሲ ግብሪ ኣቦኹም ደኣ ትገብሩ ኣሎኹም፡’ በሎም። ንሳቶም፡ ድማ ‘ንሕናስ ብወሰን ዝተወለድና ኣይኰንናን። ሓደ ኣቦ ኣሎና፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ’ዩ፡> በልዎ። ኢየሱስ ከኣ ‘ኣነ ኻብ ኣምላኽ’የ ዝወጻእኩን ዝመጻእኩን ንሱ ደኣ ልኢኹኒ’ዩ’ምበር፡ ባዕለይ ኣይመጻእኩን፡ ስለ’ዚ ኣቦኹም ኣምላኽ እንተ ዚኸውንሲ፡ ንኣይ መፍቀርኩምኒ ኔርኩም። ስለምንታይከ ኢኹም ዘረባይ ዘይተስተውዕሉ፡ ቃለይ ክትሰምዑ ስለ ዘይከኣልኩም’ዩ። ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም፡ ትምኒት እቲ ኣቦኹም ክትገብሩ ኢኹምውን እትደልዩ ዘሎኹም። ንሱ ኻብ መጀመርያ ቐታል ነፍሲ’ዩ፡ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዘየልቦ’ውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዕን’ዩ። ሓሳዊ፡ ንሓሶት’ውን ኣቦኣ ስለ ዝዀነ ሓሶት ኪዛረብ ከሎ፡ ካብ ርእሱ’ዩ ዚዛረብ።” ዮሃ 8፡34,36,38,41-44 ካ.ት
እምበኣር እቲ ጸልማት ዜፍቅር፡ እቲ ኻብ ድያብሎስ፡ ማለት ውሉድ ድያብሎስ፡ ዝዀነ’ዩ። ብጸልማት ዚገዝእን ዜመሓድርን ስልጣን ጸልማት ዝተዓጥቀን፡ ድያብሎስ’ዩ። እቶም ናቱ ሰዓብትን ኣገልገልትን ዝዀኑ ዅሎም ከኣ፡ ነቲ ናቱ ግብሪ ጸልማት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ማእከል’ቲ ዚነብሩሉ ሕብረተ ሰብን ብምፍጻም የገልግልዎ። ሓሶት፡ ጽልኢ፡ ቂምታ፡ ምፍዳይ ሕነ፡ ቅትለት፡ ዝሙት፡ ስሰዐ፡ ትዕቢት፡ ቅንኢ፡ ባእሲ ወዘተ ዝኣመሰሉ ግብርታት ዓመጻ፡ ሰይጣን ነቶም ኣፍቀርቲ ጸልማት ዝዀኑ ሰዓብቱ ዜዕጥቖም ናይ ጥፍኣት ኣጽዋር’ዮም። እቶም ግብሪ ጸልማት ዜዘውትሩ ሰባት ኣፍቀርቲ ጸልማት ጥራሕ ዘይኰኑስ፡ ንርእሶም’ውን ጸልማት’ዮም። ቅዱስ ጳውሎስ፦
“. . . ቀደም ጸልማት ኔርኩም ኢኹም’ሞ፡ ብጐይታ ግና ሕጂ ብርሃን ኢኹም፡ . . . ነቲ ፍረ ዘይብሉ ግብሪ ጸልማት ኣይትሕበርዎ። . . . እቲ ብኣታቶም ብሕቡእ ዚግበር ንምዝራቡ’ኳ ነውሪ’ዩ።”ብምባል ኣብሪህዎ’ሎ (ኤፌ 5፡8-12)።
ገበርቲ ኽፉእ ንምንታይ’ዮም ንጸልማት ዜፍቅርዎ፧ ምኽንያቱ እቲ ጸልማት ከም መጋረጃ ወይ ከም መንደቕ ኰይኑ ዚኽውሎም’ሞ፡ እቲ ኽፉእ ግብሮም ከይተገልጸ ዚነብር ስለ ዚመስሎም’ዩ። እቲ ዚፈትውዎ ጸልማት ከኣ፡ ንኽልቲኡ፡ ማለት ነቲ መንፈሳውን ምድራውን ጸልማት’ዩ። እቲ ኣብ መንፈሳዊ ጸልማት ምህላዎም፡ ነቲ ኽፉእ ተግባር ዜዘውትሩሉ ድፍረት ስለ ዚህቦም፡ ነቲ ብዝጸልመተ ልቦና ምምልላስ ይፈትውዎ’ዮም። ዋላ ንሕጊ ወንጌል እንተ ዘይተቐበልዎ’ኳ፡ እቲ ኣብ ውሽጦም ዝተጻሕፈ ሕጊ-ሕልና ግን ድቃስን ቅሳነትን ስለ ዚኸልኦም ኣብ መንፈሳዊ ጸልማት ኪነብሩ ኸለዉ፡ ካብ’ቲ ሕጊ ሕልና ኸይተረፈ ሓራ ከም ዝዀኑ ገይሩ ስለ ዚጥብሮም’ዩ።
ነቲ ምድራዊ ጸልማት ዚደልዩሉ ምኽንያት ከኣ፡ ካብ ዓይኒ ሰብ ሓራ ስለ ዚገብሮም’ዩ። መብዛሕትኡ ኻብ’ቲ ግብሪ ጸልማት፡ ኣብ’ቲ ጸሓይ ዝዓረበትሉ ናይ ጸልማትን ለይትን ጊዜ’ዩ ዚፍጸም። ስርቂ፡ ዝሙትን ምንዝርናን፡ ቅትለት፡ ጓይላ፡ ዕብዳን ስኽራን ወዘተ ኣብ ጊዜ ጸልማት’ዮም ዚዝውተሩ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ’ዚ፦ “ንስኻትኩም ግና፡ ኣሕዋተየ፡ ኣብ ጸልማት ስለ ዘይትነብሩ እታ መዓልቲ’ቲኣ ኸም ሰራቒ ኣይክትመጸኩምን’ያ። ንስኻትኩምሲ ደቂ ብርሃንን ደቂ መዓልትን’ኹም። ንሕና ናይ ለይትን ናይ ጸልማትን ኣይኰንናን። ...ከመይ እቶም ዚድቅሱስ ብለይቲ’ዮም ዚድቅሱ፡ እቶም ዚሰኽሩ’ውን ብለይቲ’ዮም ዚሰኽሩ።” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (1ተሰ 5፡4,5,7 ካ.ት)። ክፉእ ግብሪ ኪቕላዕን ኪግለጽን ኣይድለይን’ዩ። ምኽንያቱ ትዕዝብትን ፍርድን ከም ዜስዕብ፡ እቶም ገበርቱ ጽቡቕ ገይሮም ይፈልጡ’ዮም። እንተ ዀነ እቲ ኸዊልዎም ዘሎ ጸልማት ንዘለኣለም ከም ዘይነብር ግን ፈትዮም ይርስዕዎ’ዮም። ሓደ መዓልቲ እቲ ብጸልማት ዝተኸድነን ዝተሓብአን ተግባሮም፡ ናብ ብርሃን ምውጽኡን ምቕላዑን ኣይተርፎን’ዩ።
“ስለ’ዚ ነቲ ኣብ ጸልማት ዝተሓብአ ናብ ብርሃን ዜምጽእ፡ (ነቲ ስዉር) ሓሳባት ልቢ ኸኣ ዚገልጽ ጐይታ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ቅድሚ’ቲ ምዱብ ጊዜ ሓንቲ’ኳ ኣይትፍረዱ። ሽዑ ነፍሲ ወከፍ መምስጋናኡ (ፈፍርዱ) ኻብ ኣምላኽ ኪቕበል’ዩ።”1ቈረ 4፡5 ካ.ት
ስለ’ዚ እቲ ሕጂ ኣጐልቢቡ ሰቲሩካ ዘሎ ዚመስለካ ጸልማት ንዘለኣለም ከምኡ ኢሉ ዚነብር ኺመስለካ ኣይግባእን’ዩ። እዚ ዅሉ ኣብ ቅድሚ ሰብን ኣምላኽን ብኽፉእ ግብሪ ኽንንውር ዜተባብዓና ዘሎ ጸልማት፡ ንዘለኣለም ከም ዘይነብር ኣስተውዒልና ንግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢና ናብ ብርሃን ንምእታው ቈራጻት ክንከውን ይግባእ።
ሳዕቤንን መወዳእታን ናይ ፍቕሪ ጸልማት እንታይ’ዩ፧ ኣምላኽ ፍትሓዊ ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ኸለና ዝመረጽናዮ ቕዲ ህይወት፡ በቲ ጻድቕ ፍርዱ ዘለኣለማዊ ኺገብረልና’ዩ። ነቶም ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ጸልማት ዝፈተዉ፡ ግብ ዝበለ ጸልማት ንዘለኣለም ኣኪቡሎምን ዓቚሩሎምን ኣሎ።
“ኣምላኽ ነቶም ሓጢኣት ዝገበሩ መላእኽቲ ብመቑሕ ጸልማት ተኣሲሮም ንፍርዲ ኪጽበዩ ኣብ ገሃነም እሳት ደርበዮም’ምበር፡ ኣይነሓፎምን። ...ዓስቢ ዓመጻኦም ኪቕበሉ’ዮም። ንኣኣቶም ሓጐስ፡ ብቐትሩ ምዕባይ ማለት’ዩ። ነውርን ርስሓትን’ዮም። ንኺጥብሩኹም ኢሎም ኣብ መኣድኹም ይሳተፉ፡ በዚውን ይሕጐስ። ዝሙት ዝመልኦ ኻብ ሓጢኣት ከኣ ዘየቛርጻ ኣዒንቲ ኣለዋኦም፡ ነተን ብእምነት ዘይጸንዓ ነፍሳት ይሓብልወን፡ ስስዐ ዝለመደ ልቢ ኣለዎም፡ ደቂ መርገም’ዮም።” 2ጴጥ 2፡4,13,14,17 ካ.ት
“ነቶም ሰፈሮም ዝሓደጉ፡ መዓርጎም ዘይሓለዉ መላእኽቲ’ውን፡ በታ ዓባይ መዓልቲ ምእንቲ ኺፍረዱ ብናይ ዘለኣለም ሞቕሕ ኣብ ጸልማት ኣሲሩ ዓቚርዎም’ሎ። . . . እዚኣቶም ኣብቲ ናይ ፍቕሪ መኣድኹም ጸያቒቶ’ዮም። ከይሓፈሩ ኣብ መኣድኹም ይሳተፉ፡ ንገዛእ ርእሶም ጥራይ ይጓስዩ፡ ንፋስ ንየው ነጀው ዚደፍኦ፡ ማይ ዘይብሉ ደመና’ዮም። ካብ ሱረን ዝተመንቈሳ፡ ክልተ ሳዕ ዝሞታ፡ ፍረ ዘይብለን ኣእዋም ሓጋይ’ዮም። ንሳቶም ከምቲ ብርቱዕ ማዕበል ባሕሪ፡ ነቲ ነውራም ተግባራቶም ከም ዚዓፍር ዚገብሩ፡ ካብ መገዶም ዝዘንበሉ ኸዋኽብቲ’ዮም። ነዚኣቶም ግብ ዝበለ ጸልማት ንዘለዓለም ተዓቚሩሎም ኣሎ።” ይሁ 6,12,13 ካ.ት
“ደቂ መንግስቲ ግና ናብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ኪድርበዩ’ዮም። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ።” ማቴ 8፡12
“ኣታ ዓርከይ፡ “ከመይከ ኽዳን መርዓ ዜብልካ ናብ’ዚ ኣቶኻ፧” በሎ። ንሱ ግና ኣጽቀጠ። ሽዑ እቲ ንጉስ ንገላዉኡ በሎም፡ ‘ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣሲርኩም፡ ኣብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ደርብይዎ። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን’ ይኸውን።” ማቴ 22፡12,13
“ነዚ ሃካይ ጊልያ ግና ኣብ ፍጹም ጸልማት ደርብይዎ። ኣብኡ ኸኣ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ።” ማቴ 25፡30 ካ.ት
እዚ ፍጹምን ዘለኣለማውን ጸልማት’ዚ፡ ናይ’ቲ ኣብ’ዚ ምድሪ’ዚ ዘርኣይዎ ፍቕሪ ጸልማት ናይ መወዳእታ ጫፉ’ዩ። ኣብ ካልእ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ እቶም መፍቀርቲ ጸልማት ናብ ቀላይ ሓዊ ኸም ዚድርበዩ ተነጊሩና ኣሎ (ራእ 20፡7-15፣ 21፡8፣ ማቴ 3፡10,12፣ 7፡19፣ 13፡41,42፣ 25፡41፣ ዮሃ 15፡6፣ 1ቈረ 3፡13፣ 2ተሰ 1፡8-10)። ምናልባት “እዚ ሓዊ’ዚ ነቲ ፍጹም ጸልማትዶ ኣየብርሆን’ዩ፧” ዚብል ሕቶ ይፈጥረልና ይኸውን። ንኼሳቕይ’ምበር፡ ንኼብርህ ዝተዳለወ ዘይምዃኑ ከቶ ኣይንዘንግዕ። ናይ ጸልማት ስቓይ ከመይ ከቢድ ከም ዝዀነ ዓይነ ስዉራንን እቶም ኣብ ጸልማታ ዚበዝሕ ሃገር ዚነብሩ ሰባትን ጽቡቕ ገይሮም ይፈልጥዎ’ዮም። እቶም ባዕላትና ጸልማት ክንከውን፡ ግብሪ ጸልማት ከነዘውትር ኣጽዋር ጸልማት ክንዓጥቕ፡ ደቂ ለይትን ደቂ ጸልማትን ኽንከውን ዝመረጽና፡ ብፍቕሪ ጸልማት ዝተለኸፍና ዓያሱ ሰባት፡ ዘለኣለማዊ ጽሕፍቶናን ናብራናን እንታይ ከም ዚመስል ብንጹር ተነጊሩና ኣሎ። ዚተርፈና እንተ’ልዩ፡ ብምስትውዓል ምርጫኻ ምትኽኻልን ምልዋጥን ጥራሕ’ዩ።
ጻማን ዓስብን ናይ ፍቕሪ ብርሃንከ እንታይ’ዩ፧ እቶም ብርሃን ናይ ምምራጽ ልቦና ዜጥርዩ፡ እቶም ናይ ምርጫኦም ዘለኣለማዊ ውጽኢት ብዓይኒ እምነት ኪርእዩ ዚኽእሉ’ዮም። ኣብ’ዛ ጸልማት ዓለም’ዚኣ ብብርሃን ምምልላስን ብርሃን ምዃንን፡ ኣዝዩ ኸቢድን መሪርን ዋጋ ዜኽፍል’ዩ። ተስፋኦም ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ጥራይ እንተ ዚኸውን፡ እዚ ናይ ብርሃን ምርጫኦም ፍጹም ዕሽነት ምዀነ፡ ንሳቶም ከኣ እምብዛ ዜደንግጹ ምዀኑ ነይሮም (1ቈረ 15፡18,19)። እቶም ደቂ ብርሃን ግና ናብ’ታ እቲ ቅዱስ ገንሸል ብርሃና ዝዀነ ቅድስቲ ኸተማ ኺኣትዉ’ዮም። ናብ ብርሃን ኪኣትዉ ጥራይ ግን ኣይኰነን። ንሳቶም ንርእሶም ከም ጸሓይን ከም ከዋኽብትን ኰይኖም ኪበርሁን ኪደምቁን’ዮም።
“እታ ኸተማ ኸኣ ኽብሪ ኣምላኽ ኣብሪሁላ’ሎ፡ መብራህታስ እቲ ገንሸል’ዩ’ሞ፡ ጸሓይ ወይስ ወርሒ ኼብርሃላ ኣየድልያን’ዩ። . . . እቶም ኣብቲ ናይቲ ገንሸል መጽሓፍ ህይወት እተጻሕፉ ደኣ’ምበር፡ ገለ ርኽሰት ወይስ እቲ ዜፈንፍንን ሓሶትን ዚገብር ዘበለ ኸኣ ናብኣ ከቶ ኣይኪኣቱን’ዩ።” ራእ 21፡23,27 ካ.ት
“ወዲ ሰብ መላእኽቱ ኺልእኽ’ዩ፡ ንሳቶም ከኣ ንዅሎም ምኽንያት ሓጢኣት ዝዀኑን ገበርቲ ካብ መንግስቱ ኺእክብዎም’ዮም። . . . ሽዑ ጻድቃን ኣብታ መንግስቲ ኣቦኦም ከም ጸሓይ ኪበርሁ’ዮም። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ።” ማቴ 13፡41,43 ካ.ት
“እቶም ዝሞቱ ኺትንስኡ’ዮም። ገሊኦም ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት፡ ገሊኦም ከኣ ናብ ሕፍረትን ናብ ናይ ዘለኣለም ነውርን ኪኸዱ’ዮም። እቶም ጠቢባን ከም ናይ ሰማይ ብርሃን ኪበርሁ’ዮም። እቶም ንብዙሓት ናብ ጽድቂ ዚመርሑ ኸኣ ከም ከዋኽብቲ ንዘለኣለም ዓለም ኪበርሁ’ዮም።” ዳን 12፡2,3 ካ.ት
ብኸመይ ኢና ኻብ ፍቕርን ስልጣንን ናይ ጸልማት ኣምሊጥና፡ ብርሃን ደቂ ብርሃንን እንኸውን፧ ስጋ-ለበስ ሰብ፡ ብናቱ ዓቕሚ ካብ ስልጣን ጸልማት ኪናገፍ ከም ዘይክእል፡ ከቶ ዘየጠራጥር’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ጐይታና፡ ብርሃን ዓለም ኰይኑ ዝተገልጸ። እምበኣር እቲ ኻብ ስልጣን ጸልማት ኪድሕን ዚደልይ፡ ኣብ’ቲ ብርሃን ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዓብይን ጽኑዕን እምነት ኪህልዎ፡ ብብርሃን ናይ ወንጌል ኪምራሕ፡ ግብሪ ብርሃን ኪገብር፡ ፍረ ብርሃን ከኣ ኪፈርይ ይግብኦ። እቲ ኣቐዲምና ኣብ ዮሃ 8፡12፣ 12፡35,36,46 ዘንበብናዮ ጥቕስታት ምልስ ኢልና ንርኣዮ። ብብርሃን ዘይኣመነን በቲ ብርሃን ዘይተመላለሰን ሰብ፡ ካብ ስልጣን ጸልማት ኬምልጥ ኣይክእልን’ዩ።
“ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ፡ ፍረ እናፈሬኹምን ብፍልጠት ኣምላኽ እናዓቤኹምን ንእኡ ዚበቅዕ ህይወት እናነበርኩም፡ ንጐይታ ብዅሉ ምእንቲ ኸተሓጕስዎ፡ ንጽሊ ኣሎና። ዓቢይ ትዕግስትን ጽንዓትን በቲ ክቡር ሓይሊ ረኺብኩ ብዅሉ ሓይሊ ምእንቲ ኽትብርትዑ፡ ነቲ ግደ ርስቲ ቕዱሳን ዝዀነ መንግስቲ ብርሃን ዘብቅዓና ኣቦ ብሓጐስ ከተመስግኑ ንጽሊ ኣሎና። ንሱ ኻብ ስልጣን ጸልማት ኣውጽኣና፡ ናብታ መንግስቲ ፍቁር ወዱ’ውን ኣእተወና። ኣብኡ ድሕነት፡ ማለት ሕድገት ሓጢኣት፡ ኣሎና፡” ቈሎ 1፡10-14 ካ.ት
“ንስኻትኩም ግና ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃን ዝጸውዓኩም ምእንቲ ኽትነግሩ፡ ሕሩይ ወለዶ፡ ናይ መንግስቲ ኽህነት፡ ቅዱስ ህዝቢ፡ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀኑ ህዝቢ ኢኹም።” 1ጴጥ 2፡9 ካ.ት
እግዚአብሔር ኣቦ ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝሃበና ክቡር ጽሕፍቶ ነዚ’ዩ ዚመስል። ድሕሪ’ዚ፡ እቲ ምርጫ ናትና’ዩ። እግዚአብሔር ብብርሃን ክንመላለስ ይጽውዓና፡ ንጽውዓኡ ኣኽቢርና ምስ ተቐበልናዮ ኸኣ ይረድኣና’ምበር፡ ብብርሃን ክንመላለስ ኣየገድደናን’ዩ።
እምበኣር ብፍቕሪ ጸልማት ዲና ብፍቕሪ ብርሃን ንመላለስ ዘለና ርእስና ንመርምር። ፍሬናኸ እንታይ ይመስል፧ ዕጥቅናኸ እንታይ’ዩ፧ ኣጽዋር ብርሃን ተዓጢቕና፡ ፍረ ብርሃን እናፈረና፡ ንርእስና ብርሃን ዓለም ኴንና ንመላለስ ደዀን ንህልው፧ ወይስ ድያብሎስ፡ እቲ መልኣኽ ጸልማት፡ ብፍቕሪ ጸልማት ለኺፉና ይኸውን፧ ንደቂ ጸልማት፡ መሪርን ኣስናንካ ዜሐርቅምን ስቓይ ዘለዎ፡ ግብ ዝበለ ጸልማት ተዓቝሩሎም ካብ ሃለወ፡ ብኣግኡ ምርጫና ነጸብቕ። ንጸልማት ተጸዪፍና ንብርሃን ንምረጽ፡ ብርሃን ከኣ ንኹን!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ የካቲት ፳, ፳፻፲፬ ግዕዝ (27 የካቲት 2022 ፈ). [መበል 24 ሰንበት: ቊ.31/፴፩ ] |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
||||
ዲያቆን |
ንፍቀ ዲያቆን |
ንፍቀ ካህን |
ወንጌል |
ቅዳሴ |
ገላ 5፡13-ፍጻመ |
1ጴጥ 4፡1-11 |
ግብ 15፡25-35 |
ዮሃ 3፡10-21 |
ዘእግዚእነ |
መዝ.፪፡፲-፲፪ "ተቀነዩ ለእግዚአብሔር በፍርሃት። ወተኃሠዩ ሎቱ በረዓድ። አጽንዕዋ ለጥበብ ከመ ኢይትመዓዕ እግዚአብሔር።" ዓዲ፡ መዝ.፺፱(፻)፡፫-፭ "ንሕነሰ ሕዝቡ ወአባግዐ መርዔቱ። ባኡ ውስተ አናቅጺሁ በተጋንዮ። ወውስተ አዕፃዲሁ በስብሐት እመንዎ።" |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ