“ገለ መበለት ግና ደቂ ወይስ ደቂ ደቂ እንተ ኣለዉዋ፡ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል’ዩ’ሞ፡ ንሳቶም ቅድም ንስድራ ቤቶም ፍርሃት እግዚአብሔር ኬርእዩ፡ ንወለዶም’ውን ውሬታ ኺመልሱ ይመሃሩ። .....ሓደ’ኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ፡ ዘይሓልይ እንተ’ሎ፡ እምነት ዝኸሓደ፡ ካብ’ቲ ዘይኣምን’ውን ዝገደደ’ዩ።”1ጢሞ 5፡4,8
ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ኻብ ዕለተ ገሃድ (ታሕ. 28) ክሳዕ ቅበላ ጾም (ለካ.20) ዘሎ ቕንያት “አንሶሰወ፡ ተወልደ፡ ተጠምቀ፡ አውየኖ ሰማይ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ትርጕሙ ኸኣ “ተመላለሰ፡ ተወልደ ተጠምቀ፡” ማለት’ዩ። “ዕለተ ገሃድ” እትበሃል ድሮ ልደት ዘላ መዓልቲ’ያ፡ “ቅበላ ጾም” እትበሃል ከኣ ድሮ ናይ’ታ ዓብይ ጾም (ጾመ ኣርብዓ) እትጅምረላ ዕለት ዘላ ሰንበት’ያ። እዛ መበል 23 ሰንበት’ዚኣ፡ ካብ ዕለተ ገሃድ ሻድሸይቲ ሰንበት ምዃና’ያ። እዚ ዚስዕብ ሳልስቲ፡ ጾመ ነነዌ እንጾመሉ ቕንያት’ዩ (ለካ.7-9ግ - ለካ 14-16 ፈ.)። ንጾምናን ጸሎትናን ከም’ቲ ንሰብ ነነዌ ዝተቐበሎም ምእንቲ ኪቕበለልና፡ ነፍሲ ወከፍና ኻብ’ቲ እኩይ መገድና ተመሊስና ኻብ’ቲ ኣብ ኢድና ዘሎ ዓመጻ ብንስሓ ኽንጸውምን፡ ኣምላኽ ዚሕጐሰሉ ግብራዊ ጾም ክንጸውምን ይግብኣና (ዮና 3፡5-10፣ ኢሳ 58፡1-12)። ብቐንዱ’ውን እቲ ዓብይ ጾምና ይቐርብ ስለ ዘሎ፡ ዕዉት ናይ ጾም ጊዜ ምእንቲ ኸነሕልፍ ዜድልይ ኵሉ መንፈሳዊ ምድላዋት ክንገብር ግቡእና’ዩ። ሓደ ኻብ’ቶም ነዛ ሰንበት’ዚኣ ዝተሰርዑ ኣርባዕተ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ከኣ፡ እዚ ናይ 1ጢሞ 5፡1-11 ንባብ’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነቲ ናይ መንፈስ ወዱ ቅዱስ ጢሞቴዎስ ብዛዕባ ንስድራ ቤት ኪወሃብ ዚግባእ ቀዳምነት መሰረታዊ ሓሳብ ጽሒፉሉ ኣሎ። ቅዱስ ጢሞቴዎስ፡ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ መራሒ ቤተ ክርስቲያን ኤፌሶን ኰይኑ የገልግል ነበረ። እቲ ንእኡ ዝተጻሕፈሉ ቐዳማይን ካልኣይን መልእኽታት፡ ነታ ኣብ ትሕቲ ሓላፍነቱ ዘላ ቤተ ክርስቲያን ብኸመይ ኬመሓድራን ኪጓስያን ከም ዚግብኦ መምርሕን ምዕዶን ምትብባዕን ንምሃብ ዝዓለመ’ዩ። ከምኡ ከም ዝዀነ፡ በቲ፦
“ናባኻ ቐልጢፈ ኸም ዝመጽእ ተስፋ እናገበርኩ፡ እዚ (መልእኽቲ’ዚ) እጽሕፈልካ ኣለኹ። እንተ ደንጔኹ ግና፡ ኣብ’ታ ቤት ኣምላኽ ማለት ኣብ’ታ ናይ ሓቂ ዓንድን መሰረትን ዝዀነት (ቤተ ክርስቲያን) ህያው ኣምላኽ፡ ከመይ ክትገብር ከም ዚግብኣካ ኽትፈልጥ እፈትው ኣለኹ።”
ዚብል ቃል ክንፈልጥ ንኽእል ኢና (1ጢሞ 3፡14,15)። ካብ’ቲ ዝተዋህቦ ብዙሕ መምርሒታት ሓደ ኸኣ፡ እዚ ኣብ መሪሕ ጥቕስና ሰፊሩ ዘሎ፡ ንስድራ ቤት ግቡእ ቦታኣ ንኼትሕዝ ዝተዋህቦ መምርሒ’ዩ። ነዚ ኸኣ ብምስትምሃርን ኣርኣያ ብምዃንን ኪገብሮ ተነግሮ። መበገሲ ናይ’ቲ ኣርእስቲ ኸኣ፡ ንዝመብለዋ ኣዴታት ዚምልከት መምርሒ ኺህብ ከሎ ዘልዓሎ’ዩ። ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ደቅን ደቂ ደቅን ዘለዉወን መበለታት፡ ብስድራ ቤተን ኪናበያ ዚግባእ ክነሱ፡ ቤተ ክርስቲያን ክትናብየን ሓዲጎም ሸለል ይብለወን ነበሩ። እዚ ኸኣ ነታ ቤተ ክርስቲያን ተጽዕኖ ይዀና ነበረ (1ጢሞ 5፡16)። ስለ’ዚ ቤተ ክርስቲያን ነተን ዚናብይወን ደቂ ዘይብለን መበለታት ጥራሕ ምሉእ ሓላፍነት ወሲዳ ኽትናብይ፡ እተን ደቅን ደቂ ደቅን ዘለዉወን መበለታት ግን ብገዛእ ደቀን ኪናበያ ንጹር ሃዋርያዊ ትእዛዝ ሃበ (1ጢሞ 5፡3-10,16)። መበለታት፡ ዘኽታማት፡ ኣረጋውያን፡ ስንኩላን ወዘተ ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ ጸገማት ዘለዎም ኣባላት ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ ኣብያተ ክርስትያናትና ይናበዩ ኸም ዘየለዉ ዅላትና እንዕዘቦ’ዩ። ቤተ ክርስቲያን ከምኡ ኽትገብር ከም ዚግብኣ ዚፈልጥን ዚሓስብን ኣገልጋሊ ይኹን ምእመን’ውን የብልናን። ነዚ ኣርእስቲ’ዚ ብዚምልከት፡ ቤተ ክርስቲያን ካብ’ቲ ሃዋርያዊ መስመር ርሒቓ ኸም ዘላ ዜረጋግጸልና ዜሕፍር ተርእዮ’ዩ። ኣብ’ቲ “ፍኖተ ህይወት” ናይ መሰረተ-እምነት መጽሓፍና፡ “ግብረ-ሰናይ” ኣብ ዚብል ሰፊሕ ኣርእስቲ፡ እዚ ሃዋርያዊ ሓላፍነት ናይ ቤተ ክርስቲያን፡ ናይ ኣገልገልቲ ዀነ ናይ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ምእመን ብስፍሓትን ብዕምቈትን ተገሊጹ ኣሎ። ስለ’ዚ ንእኡ መሰረት ብምግባር ሓባራውን ውልቃውን ሓላፍነትና ኸነልዕል፡ ግቡእ ጊዜኡ’ዩ።
ንምንታይ’ዩ ንስድራ ቤት ቀዳምነት ኪወሃብ፡ ጐይታና ብሃዋርያኡ ገይሩ ዝኣዘዘና፧ እቲ መሰረታዊ ምኽንያት ስድራ ቤት ብኢድ እግዚአብሔር ዝተሰረተት ቀዳመይቲ ሕብረት ብምዃና’ዩ። ስድራ ቤት፡ ገና ሓጢኣት ናብ ዓለም ከይኣተወ ኸሎ ዝቘመት፡ መንፈሳዊት ትካል’ያ። እግዚአብሔር፡ ንስድራ ቤት በቲ በዅሪ ዅሉ ምስጢራት ዝዀነ ምስጢረ ተክሊል’ዩ ሰሪትዋ። እቲ ዝቘመትሉ ምስጢር ጥራሕ ዘይኰነ በዅሪ ዚኸውንሲ፡ ስድራ ቤት ንርእሳ’ውን በዅሪ ዅሉ ኻልእ ሕብረታት’ያ። ብህላወ፡ ስድራ ቤት ንቤተ ክርስቲያን ብኣሽሓት ዓመታት’ያ እትቕድማ። ስድራ ቤት ኣብ ገነት ኤደን’ያ ቘይማ፡ ቤተ ክርስቲያን ግን ኣብ’ዛ ሓጥእን ውድቕትን ዓለም፡ ጐይታና ብኣካለ-ስጋ ኣብ ማእከልና ምስ ሓደረ’ያ ተመስሪታ። እግዚአብሔር ቀዳማይ ርክቡ፡ ምስ’ታ ብገዛእ ኢዱ ዝፈጠራ፡ ብቕዱስ ምስጢሩ’ውን ዘቘማ ስድራ ቤት ነበረ። እቲ ንኣምላኽን ንሰብን ዝፈላለየ ሓጢኣት ክሳዕ ዚፍጸም እግዚአብሔር ምስ’ታ ቐዳመይቲ ስድራ ቤት፡ ብማእከላይ ኣካል ወይ ብመልእኽተኛ ዘይኰነስ፡ ብቐጥታ ባዕሉ ይዘራረብን ይእዝዛን ነበረ። እቲ ዝተገብረ ርክባት ተዘርዚሩ እንተ ዘይተጻሕፈ’ኳ፡ እቲ
“ምድሪ ምስ ወልወለ (In the cool of the day)፡ ድምጺ እግዚአብሔር ኣብ ገነት ኪመላለስ ሰምዑ። ኣዳምን ሰበይቱን ከኣ ካብ ገጽ እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣብ ማእከል ኣእዋም ገነት ተሓብኡ።”
ዚብል ቃል ንድምጽን ገጽን ናይ እግዚአብሔር ዘይፈልጡ ጓኖት ከም ዘይነበሩ ዜመልክተና’ዩ (ዘፍ 3፡8)። ኣብ ሓጢኣት ወዲቖም ምስ ተበላሸዉ’ኳ መጺኡ ዘዘራረቦምሲ፡ ኣብ ፍጹም ምእዛዝን ጽድቅን ከለዉ’ሞ ኸኣ ኣዘውቲሩ ይዘራረቦም ከም ዝነበረ ከቶ ዘየጠራጥር’ዩ። ዋላ ድሕሪ ውድቀቶም’ውን እንተ ዀነ፡ እግዚአብሔር ነታ ስድራ ቤት ኣይተፈልያን። ቃኤል ዘይቅቡል መስዋእቲ ኣቕሪቡ ምስ ተነጽገ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ንኡስ ሓዉ ኣቤል ብርቱዕ ቅንእን ጽልእን ኣሕዲሩ ናይ ምቕታል ሃቐና ተላዕሎ። እቲ ንልቢ ዚምርምር ኣምላኽ፡ ነዚ እኩይ ሃቐናኡ’ዚ ስለ ዝፈለጦ፡ ኣብ’ዛ ስድራ ቤት’ዚኣ ኻልእ ዝኸፍአ ዕንወት ምእንቲ ኸይወርድ፡ ካብ ክፍኣትን ጥፍኣትን ኬድሕኖ ብኣካል ተገሊጹ ባዕሉ ንቃኤል ኣዛረቦን መዓዶን (ዘፍ 4፡1-7)። ኵሉ ዚፈልጥ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ቃኤል ንቓሉ ኸም ዘይእዘዞን፡ ንሓዉ ኸይቀተለ ኸም ዘይዓርፍን ይፈልጥ’ኳ እንተ ነበረ፡ ብምኽንያት’ቲ ንስድራ ቤት ዝነበሮ ዕላማን ቀዳምነትን፡ በቲ ሕያዋይን መሓርን ባህርዩ ተደሪኹ፡ ኪወስዶ ዚግብኦ ዅሉ ስጕምቲ ወሰደ።
ቃኤል ትእዛዝ ኣፍሪሱ ንሓዉ ምስ ቀተሎ ድማ ኣይቀበጾን፡ ደጊሙ መጺኡ ኸኣ፡ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ፧” ኢሉ ሓተቶ። ሕልናኡ ዝቐተለ ሰብ ምዃኑ ጠፊእዎ ኣይኰነን። ኣብ መልሓስና ገና ሓንቲ ቓል ከየላ’ኳ ዚፈልጣ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ብቃኤል ዚወሃቦ ደረቐኛ መልሲ’ውን ይፈልጦ እንተ ነበረ፡ ናብ ልቡ ኺመልሶ ምጽዓር ኣይሓደገን (ዘፍ 4፡8-10፣ መዝ 139፡3,4)። ኣብ’ዘን ቀዳሞት 4 ምዕራፋት ናይ ኦሪት ዘፍጥረት እግዚአብሔር ክልተ ዓበይትን ኣገደስትን ሕቶታት ሓቲቱ ኣሎ።
1ይ ንስኻ ኣበይ ኣለኻ፧
2ይ ሓውኻ ኣበይ ኣሎ፧
እዘን ክልተ ሕቶታት ኣብ ምዕቃብ መንፈሳውን ስድራ ቤታ’ውን ዝምድናታት ዝለዓለ ተራ ዘለወን’የን። እቲ “ኣበይ” ዚብል ሕቶ፡ ናይ መንፈሳዊ ሃለዋት’ምበር፡ ናይ ቦታ ሓበሬታ ዚጠልብ ኣይኰነን። እቲ ሕቶ “ኣብ ሓጢኣትዶ ኣብ ጽድቂ፧ ኣብ እምነትዶ ኣብ ክሕደት፧ ኣብ ፍቕሪዶ ኣብ ጽልኢ፧ ኣብ ምፍልላይዶ ኣብ ሕብረት፧ ወዘተ” ዚብል’ዩ። ኣዳምን ቃኤልን፧ እቲ ሕቶ ናይ ኣምላኽ ብንጹር ተረዲእዎም ነበረ። ስለ’ዚ ኸኣ’’ዮም ነቲ ግቡእ (pertinent) መልሲ ኺህቡ ዝኸኣሉ። ስለ’ዚ ቤተ ክርስቲያን ኰነ ዅሉ ውልቀ ምእመን፡ ነዚ ቕደም ተኸተል ናይ’ዚ ሕቶታት ከይለወጡ ንርእሶም ኪሓትቱን ኪፍትሹን ይግባእ። ንስድራ ቤታት ኣብ ምእላይ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣበየናይ መንፈሳዊ ሃለዋት ኣላ፧ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ክርስትያንከ፡ ንስድራ ቤቱ ብዚምልከት ኣበየናይ መንፈሳዊ ሃለዋት ኣሎ፧ ኣብ ጽቡቕ መንፈሳዊ ሃለዋት እንተ’ሊና ነቲ “ሓውኻ፡ ሓብትኻ፡ ኣቦኻ፡ ኣዴኻ፡ ሰብኣይኪ፡ ሰበይትኻ፡ ዓባይካ፡ ኣቦ ሓጎኻ ወዘተ ኣበይ ኣሎ፧” ዚብል ሕቶ ኣምላኽ፡ ኣዝዩ ዜዕግብ መልሲ ኽንህብ ኢና።
ቅድም ንስድራ ቤትና ኸነርእዮ ዚግብኣና መንፈሳዊ ባህርይ እንታይ’ዩ፧ ነዚ ኣገዳሲ ሕቶ’ዚ መሪሕ ጥቕስና ኣዝዩ ንጹር ብዝዀነ መገዲ መሊሱልና ኣሎ። ፍርሃት እግዚአብሔር፡ ብዝለዓለ ደረጃን ብቐዳምነትን ኪረኣየላ ዚግባእ፡ ስድራ ቤት’ያ። ፍርሃት እግዚአብሔር ናይ ኵሉ ኻልእ መንፈሳዊ ባህርያት መሰረትን ምንጭን’ዩ። ፍርሃት እግዚአብሔር፡ ልክዕ ፍሬታት ከም ዝመልአ ሓደ ዘምቢል (basket)’ዩ። ኣብኡ ፍቕሪ፡ ትሕትና፡ ትዕግስቲ፡ ምሕረት (ይቕሬታ)፡ ሓቂ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይኣኽለኒ ምባል (ዕግበት)፡ ቅድስና፡ ምእዛዝ፡ ሓልዮት፡ ልግሲ፡ ምስጋና፡ ጥበብ፡ ፍልጠት፡ ጸሎት፡ ሰናይ ግብሪ፡ ሓጐስ፡ ሰላም፡ ተስፋ፡ ምግታእ ርእስኻ፡ ኣገልጋልነት (servanthood) ወዘተ ኣሎ። ንስድራ ቤታዊ ዝምድናታት ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንዅሉ ኻልእ መንፈሳውን ማሕበራውን ዝምድናታት ከይተረፈ፡ ጥዑይን ጽኑዕን ዚገብሮ ድማ እዚ ሃብታም ትሕዝቶ ናይ ፈሪሃ እግዚአብሔር’ዩ። ፈሪሃ እግዚአብሔር ብዘይ’ዚ ባህርያትን ግብርታትን’ዚ ብኻልእ መገዲ ኸተርእዮ ኣይከኣልን’ዩ። ኣቦና እዮብ ነዚ ሓቂ’ዚ፦
“እቲ ንብጻዩ ምሕረት ዘይገብረሉ፡ ንፍርሃት ናይ’ቲ ዅሉ ዚኽእል ይሓድጎ።”
ብምባል ብግሩም መገዲ ገሊጽዎ ኣሎ (እዮ 6፡14)። እቲ ምስ ሰባት ዘሎና ዝምድና፡ ቀጥታዊ ነጸብራቕ ናይ’ቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ዝምድና ምዃኑ ቅዱሳን ሃዋርያት ደጋጊሞም ገሊጾምልና’ዮም።
“ንሓዉ ዚጸልእ ዘበለ ዅሉ ቐታል ነፍሲ’ዩ። ቀታል ነፍሲ ዝዀነ ዅሉ ድማ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብኡ ኸም ዘይትነብር፡ ትፈልጡ ኢኹም። ንሱ ንህይወቱ ኣብ ክንዳና ስለ ዘሕለፈ፡ በዚ ንፍቕሪ ንፈልጣ አሎና። ንሕናውን ኣብ ክንዲ ኣሕዋት ህይወትና ከነሕልፍ ይግብኣና’ዩ። ግናኸ ዝዀነ ይዅን ጥሪት እዛ ዓለም’ዚኣ ዘለዎ’ሞ ሓዉ ተሸጊሩ ኸሎ እናረኣዮስ ድንጋጹ ዚዓጽወሉ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ከመይ ኢላ ኣብኡ ትነብር፧ ኣቱም ደቀየ፡ ብግብርን ብሓቅን እምበር፡ ብቓልን ብልሳንን ኣይንፋቐር።” 1ዮሃ 3፡15-18
“ነቲ ዝረኣዮ ሓዉ ዘየፍቅሮስ፡ ነቲ ዘይረኣዮ ኣምላኽ ኬፍቅሮ ኣይከኣሎን’ዩ’ሞ፡ ንሓዉ እናጸልኦስ፡ “ንኣምላኽ አፍቅሮ’የ፡” ዚብል እንተሎ፡ ንሱ ሓሳዊ እዩ። እቲ ንኣምላኽ ዜፍቅሮ ንሓዉ ድማ የፍቅሮ ደኣ፡ እዚ ትእዛዝ’ዚ’ዩ ኻብኡ እተቐበልናዮ።” 1ዮሃ 4፡20-21
“ሓው ወይስ ሓብቲ እንተ ዓረቑ፡ ናይ ዕለት ምግቢ’ውን እንተ ሰኣኑ፡ እሞ ንስጋኦም ዜድልይ ኸይሃብኩምዎምሲ፡ ሓደ ካባኻትኩም፡ ብሰላም ኪዱ፡ ሙቑ፡ ጽገቡ፡ እንተ በሎም፡ እንታይ ይጠቕም፧” ያእ 2፡15,16
እዚ ሃዋርያዊ መልእኽታት’ዚ ነቲ ስድራቤታዊ ዝምድናታትና’ውን ዚገልጽ’ዩ። ንስድራ ቤትና ዘይነፍቅርን ዘይንሓልይን እንተ ዄንና፡ ንኣምላኽ ግን “አፍቅሮ’የ” እንተ በልና፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ’ውን ጥረ ሓሶትን ጥበራን ንምንጽብራቕ እምብዛ ኸም ዝደፈርና ኽንፈልጥ ይግባእ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ብሓፈሻ ንዅሉ ሰብ ዚምልከት’ኳ እንተ ዀነ፡ ዝለዓለ ኣገዳስነት ዘለዎ ግን ኣብ ስድራ ቤት’ዩ። መሪሕ ጥቕስና ብንጹር ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ፡ ንስድራ ቤትካ ዘይምሕላይ፡ ክሕደታዊ ተግባር’ዩ። ካብ’ቲ ብመሰረቱ ዘይኣመነ ኣረሚን ሰብ ንላዕሊ፡ ኣማኒ ዄንካ ጸኒሕካ ምኽሓድ ኣዝዩ ዝኸፍኣ’ዩ። ንስድራኻ ቀዳምነት ሂብካ ብፍቕርን ብሕያውነትን ዘይምሕላይ ከኣ ግብራዊ ኽሕደት’ዩ። ኣብ’ዚ ግብራዊ ኽሕደት’ዚ ተጸሚድካ ኽነስኻ፡ ሓቀኛ ኣማኒ ዜምስለካ ንጥፈታት ምዝውታር ከኣ ኣብ ርእሲ’ቲ ኽሕደትካ፡ ካልእ ዝኸፍአ ናይ ግብዝነት ኣበሳ ምውሳኽ’ዩ ዚኸውን።
ፍርሃት ኣምላኽ ማለት “ንኽፍኣት ምጽላእ ንጽድቂ ኸኣ ምፍቃር ማለት’ዩ (እዮ 28፡28፣ ምሳ 8፡23፣ መዝ 45፡7፣ እብ 1፡9)። ስለ’ዚ “ንስድራኻ ፍርሃት እግዚአብሔር ተርእዮም ኣለኻ” ማለት፡ ኣብ’ቲ ምሳታቶም እትዋስኣሉ ዅሉ ኵነታት፡ ንኽፍኣት ኣርሒቕካ ብጽድቂ ትዋሳእ ኣለኻ ማለት’ዩ። ኣብ መሪሕ ጥቕስና ብንጹር ተመልኪቱ ኸም ዘሎ፡ ነቲ ወለድኻ ዝገበሩልካ ዅሉ ጸቡቕ ግብርን ሕያውነትን ውሬታ ብምምላስን ብዛዕባኦም ብምሕላይን ንስድራና ንኣምላኽ ዘለና ፍርሃት ከነርእዮም ንኽእል ኢና። እቶም ሰብ ኪዳን ወለዲ ንሓድሕዶም፡ ወለዲ ንውሉዶም፡ እቶም ደቂ ንወለዶም፡ እቶም ኣሕዋትን ኣሓትን ንሓድሕዶም፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ናብ’ቲ ሰፊሕ ስድራቤት (extended family) እናሰፍሐ፡ ናብ ኣቦ ሓጎን እኖሓጎን፡ ሓወቦን ኣሞን፡ ኣኮን ሓትኖን፡ ደቅን ደቂ ደቅን እናበለ፡ ነቲ ዓብይ ስድራ ቤታዊ ዝምድና ብጽድቂ ኸነጽንዖ’ዩ ዚግባእ።
ስድራ-ቤት፡ ንእሽቶ ቤተ ክርስቲያን’ያ። ዅሉ’ቲ ብፈሪሃ እግዚአብሔር ዚፈርይ ጽድቂ ኣብ ስድራ ቤት’ዩ ዚትግበር። ኣብ መዓልቲ ን24 ሰዓታት፡ ኣብ ሰሙን ንሾብዓተ መዓልታት ኣብ ማእከል ስድራ ቤትና ኢና እንነብር (24/7)። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ግን ኣብ ሰሙን ንሒደት ሰዓታት ጥራሕ ኢና እነሕልፍ። ስለ’ዚ ፍርሃት እግዚአብሔር ንኸነርእይ ዝሰፍሐ ዕድል ዘሎና፡ ኣብ ስድራ ቤት’ምበር፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣይኰነን። ሰኣን ፍርሃት ኣምላኽ ዝፈረሰን ዝተበታተኸን ስድራ ቤታዊ ዝምድናታት እናሃለወና፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ዘሎና ፍርሃት እግዚአብሔር ከነርእይ እንተ ተጋደልና፡ ግብዝነትናን ምስሉይነትናን ጥራሕ ኢና ኸነርእይ እንኽእል። ምናልባት ደጋዊ ንጥፈታት ጥራሕ ንዚርእዩ ሰባት ኣብ ምጥባር ብመጠኑ ኽንዕወት ንኽእል ንኸውን። ነቲ ንዅሉ ዚፈልጥን ኣብ ኵሉ ዚርከብን ኣምላኽ ብዝኸፍአ ኸነቘጥዖ’ምበር፡ ክንጥብሮን ክንምስጥን ኣይንኽእልን ኢና። እግዚአብሔር ካብ መንፈሳዊ ንጥፈታትና ንላዕሊ ስድራ ቤታዊ ንጥፈታትናን ምስክርነትናን’ዩ ብዝያዳ ዜገድሶ። ነዚ ኸኣ ኣብ’ቲ ናይ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን መምረጺ ረቛሒታት ብንጹር ገሊጽዎ’ዩ።
“ንቤቱ (ንስድራ ቤቱ) ጽቡቕ ገይሩ ዜመሓድርን ብዅሉ ርዝነት እዙዛት ውሉድ ዘለውዎን ይኹን። ነታ ቤቱ ኼመሓድራ ኻብ ዘይክእል ግና፡ ነታ ቤተ ክርስቲያን ኣምላኽ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኺኣልያ ይዀነሉ።” 1ጢሞ 3፡4,5 ካ.ት
“ኤጲስቆጶስ፡ መንቅብ ዘይብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ስዲ ብምዃንን ብዘይ ምእዛዝን ዘይሕመዩ ኣመንቲ ውሉድ ዘለውዎ ይኹን።” ቲቶ 1፡6 ካ.ት
እዚ ሃዋርያዊ መልእኽቲ’ዚ፡ ንኣገዳስነት ናይ ስድራ ቤታዊ ምስክርነት ኣዝዩ ዜጕልሕ’ዩ። ስድራ ቤት ናይ ኣገልገልቲ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ዝዀነት ትኹን ስድራ ቤት ጽቡቕ ምስክርነት ዘይብላ እንተ ዀይና ኣካል ሰብነት ክርስቶስ ክትከውን ኣይትኽእልን’ያ። ብፍርሃት እግዚአብሔር ዘይተሃንጸ ስድራ ቤት ከኣ ናይ ጽቡቕ ምስክርነት ኣሰር’ኳ ኣይረኣዮን’ዩ።
ኣብ ስድራ ቤትና ፍርሃት እግዚአብሔር ከይነርእይ ዚዕንቅፈና እንታይ’ዩ፧ እቲ ዝዓበየን ቀዳማይን ዕንቅፋትና፡ እቲ ጥቡቕ ቅርበትናን ምልምማድናን’ዩ። ንነዊሕ ዓመታት ብሓደ ስለ እንነብር ድኻማትናን ብልጫታትናን ኣጸቢቕና ስለ እንፋለጥ፡ ንነዓዓቕ። ኣብ ምስላ ኣቦታት’ውን፡ “ኣዴኻስ ናይ’ቲ ብቘልዓኻ እትርእየካ ትንዕቀካ” ዚብል ብሂል ኣብ ባህልና ኣሎና። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነናቱ ብዙሕ ድኻማት ኣለዎ። ኣብ ስድራ ኸኣ ብሓደ ስለ እንነብር፡ ድኻምካ ሓቢእካ ኽትነብር ኣይከኣልን’ዩ። ብሰሪ ሓጢኣት ዝምቡዕ ኣተሓሳስባ ስለ ዘማዕበልና ኸኣ ንድኻማት ናይ ኣባላት ስድራና፡ ከም መጥቅዒ ኣጽዋር’ምበር፡ ከም መጽንዒ ስድራ ቤታዊ ዝምድናታትና ጌርና ኣይንጥቀመሎምን ኢና። ንድኻም ርእስና ኽንክሕዶን ከነመኽንየሉን’ምበር፡ ክንእመነሉን ክንእርምን ስለ ዘይንፈትው፡ ኣብ ኣተኣላልያ ድኻማት ስድራና፡ ኣዕናዊ ጒድለት ኢና እንፍጽም።
እቲ ኻልኣይ ዕንቅፋት፡ እቲ ዜጋጥመና ብዙሕን ተደጋጋምን ግርጭታት’ዩ። ንነዊሕ ዓመታት ብሓደ ስለ ንነብርን፡ ምስ ሓድሕድና ብዙሕ ስለ ንዋሳእን፡ ብዛዕባ ኣተኣላልያ ዝምድናታትን፡ ኣፈታትሓ ግርጭታትን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ፍልጠትን ልምምዳትን ስለ ዘይብልና፡ ግርጭታት ኣብ ልዕሊ ዝምድናታትና ብቐሊሉ ዘይሓውይ ቍስልን መስበርትን’ዮም ዜስዕቡልና።
እቲ ሳልሳይ ጠንቂ ኸኣ እቲ ጥቡቕ ቅርበትና፡ ሸለልታ ኸነብዝሕን ሓላፍነትና ኸይነልዕልን ስለ ዜልምሰና’ዩ። ንኣብነት ሕያውነትን ፍቕርን ወለዶም ዝተዓዘቡ ደቂ፡ በደል ንኸይርከቦምን ካብ ግቡኣቶም ንኸይበዅሩን ኣይጥንቀቑን’ዮም። ምኽንያቱ ዝገበሩ እንተ ገብሩ ወለዶም ምሕረት ከም ዚገብሩሎምን ከም ዘይጸልእዎምን ብግብሪ ዝተለማመድዎ ርጉጽነት ኣለዎም። ስለ’ዚ ነቲ ናይ ወላዲ ባህርይ ብዘይግባእ መገዲ ይምዝምዝዎ (abuse ይገብርዎ) ማለት’ዩ።
ነዚ ዕንቅፋት ናይ ስድራ ቤታት ዝምድናታት ናይ ምእላይ ሓላፍነት ናይ መን’ዩ፧ ብኸመይ’ዩኸ ዚዕረይ፧ ቀዳማይ ሓላፍነት ናይ ቤተ ክርስቲያን’ዩ። ንእግዚአብሔር ወኪላ ብምስጢረ ተኽሊል ስድራ ቤታት እተቕውም ቤተ ክርስቲያን ብምዃና፡ ከምኡ’ውን እታ ቤተ ክርስቲያን ንርእሳ ብስድራ ቤታት ዝተሃንጸት ብምዃና’ዩ። ዝምድናታት ስድራ ቤታት ይፈርስ እንተ’ልዩ፡ ብርግጽ ቤተ ክርስቲያን’ያ ትፈርስ ዘላ። ቅድመ-መውስቦ ዀነ ድሕረ መውስቦ፡ ነቶም ተጻመድቲ ፈሪሃ እግዚአብሔር ዘይትምህሮም፡ ብዛዕባ ምህናጽን ምጽናዕን ዝምድናታት ስድራ ቤት፡ ብዛዕባ ኣተኣላልያ ግርጭታት፡ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራቤት ንኣባላት ስድራኡ ዘለዎ ሓላፍነት ከም ዚግባእ ዘይትምህርን ዘይተሰልጥንን እንተ ዀይና፡ ስድራ ቤታዊ ዝምድናታት ብዘይጠቅም ንኣሽቱን ቀሊልን ምኽንያታት ከም ዘይጽገን ኰይኑ እንተ ፈረሰ ኣየገርምን’ዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያናንና እዚ ናይ ኣበ ነፍሲ ጥበብ ናይ ጕስነታዊ ኣገልግሎታ፡ መዳርግቲ ዘይብሉን ኣብ ካልኦት ሃይማኖታት ዘይርከብን ብልጫኣ’ዩ። እዚ ኣገባብ ጒስነት’ዚ ኸኣ ስድራ ቤታዊ መሰረት ዘለዎ’ዩ። ሓደ ካህን ናይ’ታ ምልእቲ ስድራ ቤት ኣበ ነፍሲ’ምበር፡ ናይ ውልቀ-ሰባት ኣይኰነን። ስለ’ዚ ንእግዚአብሔርን ንቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንን ወኪሉ ስድራ ቤታዊ ዝምድናታት ናይ ምሕያል ሓላፍነት ኣብ ዝባኑ’ዩ ዘሎ። እዚ ኣገልግሎት’ዚ ናበየናይ ደረጃ ወሪዱን ተዋሪዱን ከም ዘሎ፡ ካብ ውሉደ ክህነትና ዀነ ካብ ሓፋሽ ምእመንና ዝተሰወረ ኣይኰነን። ስለ’ዚ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ብትምህርቲ ኣበ ነፍሲ ንካህናታ ብምስልጣን፡ እቲ ጐይታን ማዕርጎምን ዘሰከሞም ሓላፍነት ናይ ስድራ ቤታት ጽባሕ ንግሆ በቲ ሓለቓ ጓሶት ብዘየሕትቶም መገዲ ኺፍጽምዎ ክትሕግዞም ይግባእ።
ብኻልኣይ ደረጃ ሓላፍነት ዚወስዱ ድማ እቶም መሰረትቲ ናይ’ታ ስድራ ቤት ዝዀኑ ወለዲ’ዮም። እቲ ናቶም ብጽሒት ናይ ሓላፍነት ኣብነታዊ ብዝዀነ መገዲ እናፈጸሙ፡ መጀመርታ ናይ’ታ ዘቘምዋ ስድራ ዝምድናታት ኣሐዪሎም፡ ምስኡ’ውን ምስ’ተን ብቐረባ ዚዛመዳኦም ካልኦት ስድራ ቤታት ዘሎ ዝምድናታት ኣብ ምሕያል ብርቱዕ ጻዕሪ ኺገብሩን ሓላፍነታዊ ቕዲ ህይወት ኪህልዎምን ይግባእ። ነዚ ኸኣ ብቓል እግዚአብሔርን ብግብራዊ ኣርኣያን፡ ኣብ ልቢ ደቆም ፈሪሃ እግዚአብሔር ከም ዚሰርጽን፡ ብዛዕባ ስድራ ቤታዊ ዝምድናታቶም ዘለዎም ሓላፍነት ኣጸቢቖም ከም ዚፈልጡን ከም ዚለማመድዎን ብምግባር’ዩ ዚፍጸም። ዜሕዝን ትዕድልቲ ዀይኑ፡ ብሰሪ ኽቱር ሸለልትነትን ሕማቕ ኣርኣያን ናይ ወለዲ፡ ኣብ መንጎ ደቆም ኰነ ኣብ መንጎ ተዛመድቲ ስድራ ቤታት ዘሎ ዝምድናታት ኣዝዩ ብዜሕንኽ መገዲ ፈሪሱን ተበታቲኹን ይረኣይ ኣሎ። “ሓውኻ፡ ሓብትኻ፡ ኣቦኻ፡ ኣዴኻ ኣበይ ኣለዉ፡” ኢልካ ሓቲትካዮ፡ ናይ ቃኤል መልሲ ምሃብ ዚብርሆ ወለዶታት ነፍርይን ፈሪናን ኣለና። ጐይታና ግን ኣብ መስቀል ተሸንኪሩ ናብ ሞት ተቓሪቡ ኸሎ፡ “እንሆ ወድኺ፡ እንሃ ኣዴኻ” ብምባል ኣብ’ቲ ዝኸፍአን ናይ መወዳእታን ጊዜኳ ፈጺሙ ኺዝንጋዕ ዘይግብኦ ነባሪ ሓላፍነትና ምዃኑ ብግብሪ ኣርእዩና’ዩ (እቲ ኣገዳስነት ናይ’ዚ መልእኽቲ ዚተገንዘበ’ኳ ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ከኣ ነዴና ንቅድስቲ ድንግል ማርያም፡ ካብ’ታ ዕለት’ቲኣ ኣትሒዙ ናብ ቤቱ ኸም ዝወሰዳ ተጻሒፉልና ኣሎ (ዮሃ 19፡25-27)።
እምበኣር ስድራ ቤታዊ ዝምድናታትና ንመርምር’ሞ፡ ነቲ ናይ እግዚአብሔር ቀዳምነታት፡ ናይ ገዛእ ህይወትና ቀዳምነታት ከም ዝገበርናዮ ነረጋግጽ። ጽባሕ ንግሆ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ደው ኢልና፡ “እከለኻ እከሊትካ ኣበይ ኣሎ ወይ ኣበይ ኣላ፡ ተባሂሉ ንዚቐርበልና ሕቶ፡ እንታይ መልሲ ኸም እንህብ ኣስተውዒልና ንፍለጥ። ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ሓላው ዝምድናታቱ ምዃን ዝኣበየ ሰብ፡ ኣብ መዓልቲ ፍርዲ መልሲ ኣይኪህልዎን’ዩ’ሞ ንስድራ ቤታዊ ዝምድናታትና ቐዳምነት ምሃብ ኣይንዘንግዕ!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ የካቲት ፮, ፳፻፲፬ ግዕዝ (13 የካቲት 2022 ፈ). [መበል 23 ሰንበት .ቊ.30/፴ ] |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
||||
ዲያቆን |
ንፍቀ ዲያቆን |
ንፍቀ ካህን |
ወንጌል |
ቅዳሴ |
1ጢሞ 5፡1-11 |
1ዮሃ 3፡1-9 |
ግብ 3፡17-ፍጻመ |
ሉቃ 2፡25-40 |
ዘዲዮስቆሮስ |
መዝ ፻፪(፻፪)፡፭,፮ “ዘያጸግባ እምበረከቱ ለፍትውትከ። ዘይሔድሳ ከመ ንስር ለውርዙትከ። ገባሬ ሣህል እግዚአብሔር።” “ንድሌትኪ ብጽቡቕ ነገር ዜጽግብ’ዩ፡ ንእስነትኪውን ከም ንስሪ ትሕደስ። እግዚኣብሄርሲ ንዅሎም ጥቑዓት ጽድቅን ፍትሕን ይገብር’ዩ።” |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ