S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት!!

“ምሳታቶም ወሪዱ ናብ ናዝሬት መጸ፡ ይእዘዞም’ውን ነበረ። ኣዲኡ ድማ ነዚ ዅሉ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት።” ሉቃ 2፡51። 

መቸም ካብ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ክንመሃሮ ክንወርሶን ዚግብኣና ትምህርትን ባህርይን ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ነቲ ንኣርኣያኣ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣስፊሩ ዝገለጸልና እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ከኣ ክብርን ምስጋናን ይኹን። እዚ ናይ ሎሚ ናይ ወንጌል ንባብ ኣጕሊሑ ገሊጹልና ዘሎ ኣርኣያኣ ድማ እዚ ኸም ኣርእስቲ ሒዝናዮ ዘለና፡ “ነዚ ዅሉ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት” ዚብል ሓሳብ እዩ። ብዛዕባኣ እዚ ምስክርነት እዚ ንፈለማ ጊዜ ኣይኰነን ዚንገር ዘሎ። ገና ሓዳስ ሓራስ ኰይና ምስቲ ፍቁር ወዳ ኣብ መብልዕ ማል ኰይና፡ ሰብ ጥበብን ጓሶትን ናብቲ ንሳን ፍቁር ህጻን ወዳን ዘለውዎ ቦታ መጺኦም ዝበሉዎን ዝገበርዎን ኵሉ ምስ ተዓዘበት፡ ብዛዕባ እቲ ዝተኸስተ ኵነታት፡ “ማርያም ግና ነዚ ነገር’ዚ ዅሉ ኣብ ልባ ተዋህልሎን ትሓስቦን ነበረት።” ኢሉ መስኪሩላ ኣሎ (ሉቃ 2፡19)።

ወንጌላዊ ሉቃስ፡ ኣብቲ ዘመንቲ ምስ ድንግል ማርያም ኣይነበረን። ዋላ እንተ ዚነብር’ውን ነቲ ኣብ ልባ ትሓስቦን ተዋህልሎን ኪፈልጠሉ ዚኽእል ዝዀነ  ይኹን ተኽእሎ ኣይነበረን። ባዕላ ነጊራቶ ከይንብል ድማ፡ ካብ ዓሌት ኣህዛብ ዝዀነ ኣብ ፊሊጲ ዝዓዱ ብሃዋርያ ጳውሎስ ናብ እምነት ክርስቶስ ዝመጸ ሕክምና ዝሞያኡ ኣረማዊ ሰብ’ዩ ዝነበረ። “ነቲ ኣብ ልቢ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝተዓቝረን ዚሕሰብን ዝነበረ ሓሳብ እንታይ ምዃኑ ደኣ መን ነገሮ፧” ኢልና እንተ ሓተትና እቲ፡ “ከመይ እቲ መንፈስ ንዅሉ፡ ንመዓሙቕ ኣምላኽ ከይተረፈ ዚምርምር እዩ። እቲ ኣብ ሰብ ዘሎ መንፈስ (ቅዱስ) እንተ ዘይኰይኑ፡ ነቲ ኣብ (ልቢ) ሰብ ዘሎ ዚፈልጥ የልቦን። ከምኡውን መንፈስ ኣምላኽ እንተ ዘይኰኑስ፡ ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን” ዝተባህለ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝነገሮ’ዩ እቲ መልሱ (1ቈረ 2፡10,11)። እግዚኣብሄር ነቲ ብከምዚ መርሚሩ ዝፈለጦ ልባ ስለ ዝመረጾ እዩ፡ ንዘርኣን ንማሕጸናን ካብ ናይ ካልኦት ዅላተን ኣንስቲ ፈልዩ ዝመረጾ። እግዚኣብሄር ንዝተዛረቦ ቓል፡ ንዝገበሮ ግብሪ፡ ንዘሕለፎ ኵነታት ክብሪ ሂቡ ኣብ ልቡ ኺዓቝሮ፡ በእምሮኡ ኺሓስቦን ኬስተንትኖን ዘይፈቐደ ሰብ፡ ብመሰረቱ “ንኣምላኽ ይኣምኖ’ዩ” ኽትብሎ’ውን ኣጸጋሚ እዩ። ልብኻ ነዚ ናይ እግዚኣብሄር ቓላትን ግብርታትን ዘየስተንትንን ዘይዓቝርን እንተ ዀይኑ፡ እንታይ ይዓቝርን ይሓስብን ኣሎ ማለት እዩ፧

ስለዚ ቅድስቲ ድንግል ማርያም፡ ገና ሓዳስ ሕራስ ከላ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዙርያ’ቲ ቕዱስ ወዳ ዝተኸስተ ፍጻሜታት ኵሉ ኣብ ልባ ከም ዝዓቘረት፡ እዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ወንጌል ገሊጹልና ኸም ዘሎ ድማ፡ ቅዱስ ወዳ ጐቢዙ ወዲ 12 ዓመት ምስ ኰነላውን፡ ነቲ ብእኡን ኣብኡን ዚፍጸም ዚፍጸም ዝነበረ ኵሉን፡ ነቲ ብእኡ ዝተዘርበን ኣብ ልዕሊኡ ዝተዘርበ ዅሉ’ውን ገና ምውህላ ትቕጽል ነበረት።

እግዚኣብሄር ንዝተዛረበካን ዝገበረልካን ዘሕለፈካን ኵሉ ኣብ ብልኻ ዘይምዕቋር፡ ኣብ ዓይኒ እግዚኣብሄር ኣዝዩ ዓብይ በደል እዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ፡ ቕዱስ ዳዊት “ንግብርታት እግዚኣብሄርን ንተግባር ኣእዳውን ኣየስተንትንዎን እዮም እሞ (ንሓዋሩ) ኬፍርሶም፡ (ደጊሙ) ኣይኪሃንጾምን ድማ እዩ” ብምባል ገለጸልና (መዝ 28፡5)። ኣብ ልብኻ ዘይዓቘርካዮ ነገር ድማ ከተስተንትኖ ኣይከኣልን እዩ። ኣብ ብልኻ ዘይምዕቋር ድማ እቲ ተግባር ከም ዘይመሰጠካን ከም ዘየሐጐሰካን፡ ነቲ ተግባር እቲ ዚስምዓካ ኣኽብሮት ከም ዘይብልካን ዜመልክት እዩ። እቶም ብእኡ ዚሕጐሱ ግና ኣብ ልቦም ካብ ምውህላል ሓሊፎም ከም ዚምርምርዎ፡ ቅዱስ ዳዊት፡ “ግብሪ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ፡ እቶም ብእኡ ዚሕጐሱ ዅሎም ይምርምርዎ እዮም።” ብምባል ገለጸልና (መዝ 111፡2)። እቶም ብግብሪ እግዚኣብሄር ዘይሕጐሱ ዘይዓቝርዎ ዘየስተንትንዎ ዘይምርምርዎ፡ ‘ለባማት ኢና” እናበሉ ዝዓሸው ንሕሱር ኣእምሮ ኣሕሊፎም ዝተዋህቡ ሰባት እዮም (ሮሜ 1፡21-23,28)። ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ ቅዱስ ዳዊት፡ “ዎ! እግዚኣብሄር ብግብርታትካ ኣሕጕስካኒ ኢኻ እሞ፡ ብዛዕባ ተግባር ኣእዳውካ እልል ክብል እየ። ዎ ጐይታይ፡ ግብርኻ ከመይ ዓብዪ እዩ፧ ሓሳብ ኣዝዩ ዓሚቝ እዩ። ዳንደ ኣይፈልጦን ዓሻውን ኣየስተውዕሎን እዩ።” በለ (መዝ 92፡4-6)። ነቲ ኣብ ልቡ ዝተዓቝረ ሓሳባትን ቃላትን ግብርታትን ቈጺሩ ኼስተንትኖ እንተ በለ፡ ስፍርን ቍጽርን ምስ ሰኣነሉ ቅዱስ ዳዊት “ጐይታይ፡ ኣምላኸየ፡ ተኣምራትካን ንኣና ዝሓሰብካዮ ሓሳባትካን ብዙሕ እዩ፡ ንኣኻ ዚመስል ከቶ የልቦን። ክነግረሉን ክዛረበሉን እንተ ደሌኹስ፡ ምቝጻሩ ዘይከኣል ብዙሕ እዩ። . . . ዎ ኣምላኽ፡ ሓሳባትካ ንኣይ ክንደይ ክቡር እዩ፡ ቍጽሩስ ክንደይ ዓብዪ እዩ፧ እንተ ቘጸርክዎ፡ ካብ ሑጻ ይበዝሕ፡ እንተ ነቓሕኩስ፡ ገና ምሳኻ እየ ዘለኹ።” ብምባል ንኣምላኽ ብዛዕባ ሓሳባቱን ግብርታቱን ኣድነቖ (መዝ 40፡5 139፡17,18)። ስለዚ ድማ፡ “. . . ዓመታት የማነይቲ እቲ ልዑል እዝክር ኣሎኹ። ናይ ቀደም ተኣምራትካ ኽሓስብ እየ እሞ፡ ንግብርታት እግዚኣብሄር ክዝክሮ እየ፡ ንብዘሎ ግብርታትካ ድማ ከስተንትኖ፡ ንዕዮኻ’ውን ክምርምሮ እየ።” ዚብል ውሳነ ወሰደ (መዝ 77፡10-12)።

ዝተነግረካን ዝተገብረልካን ዝሓለፍካዮ ኣብ ልብኻ ምዕቋር ንእግዚኣብሄር ካብ ምብዳል ስለ ዜድሕነካ፡ እግዚኣብሄር “ኣብ ልብኻ ዕቘሮ” ኢሉ ይእዝዝ ነበረ (እዮ 22፡22 ህዝ 3፡10)። ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ ብኣፍ ነብዪ ሙሴ ንህዝቢ እስራኤል፡ “ሓንትስ ነቲ ዓይንኻ ዝረኣዮ ነገር ከይትርስዖ፡ ብዅሉ መዓልትታት ህይወትካ ድማ ካብ ልብኻ ኸይወጽእ፡ (ኣብኡ ሓሊፍካ) ንደቅኻን ንደቂ ደቕካን ደኣ ኸተፍልጦም ንርእስኻ ተጠንቀቕ፡ ነፍስኻ ሓልው።” ኢሉ ብጽኑዕ ኣዘዞም (ዘዳ 4፡9)። ስለዚ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ዘበለ ኣብ ልብኻ ኣዋህሊልካ ምዝካርን ምስትንታንን፡ ብኣንጻሩ ድማ ንዝተነግረካን ዝተገብረልካን ካብ ልብኻ ኣውጺእካ ምርሳዕን፡ ናይ ሞትን ህይወትን ዚኣክል ፍልልይ ከም ዘለዎ ኸነስተውዕል ይግብኣና። ምኽንያቱ፡ እዚ ዝተጠቕሰ ቓል ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ፡ ኣብ ልብኻ ኣዋህሊልካ ምሕሳቡ ነፍስኻ ዜድሕን፡ ካብ ልብኻ ይውጻእ ምሕዳጉ ድማ ነፍስኻ ዜጥፍእ ተግባር ስለ ዝዀነ እዩ። እቲ ድሕነትና እምበር ጥፋትና ዘይደልይ ኣምላኽ ክሳዕ ክንድ’ዚ ብኣጽንዖት ዘጠንቀቕና። ቅዱስ ዳዊት፡ “ንኣኻ ምእንቲ ከይብድልሲ፡ ንቓልካ ኣብ ልበይ ዓቘርክዎ፡” ዝበሎ ቃል፡ ኣብ ብልኻ ምውህላል ንኣምላኽ ካብ ምብዳል ዜናግፍ፡ ዘይምውህላል ድማ በዳሊ ኸም ዚገብረካ ዚገልጽ እዩ (መዝ 119፡11)።

እስራኤላውያን፡ እዚ ዅሉ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎ ኼብቅዕ፡ “ንግብርታቱን ነቲ ዘርኣዮም ተኣምራቱን ረስዕዎ። . . . ንኢዱን ነታ ካብ ተጻራሪ እተበጀዎም መዓልትን፡ ትእምርቱ ኣብ ግብጺ፡ ተኣምራቱ ከኣ መሮር ጸዓን ከም ዝገበረ ኣይዘከሩን። . . . ኣብ በረኻ ነቲ ልዑል ተሃላሊኾም እናቐጸሉ በደልዎ። . . .ኣቦታትና ኣብ ግብጺ ንተኣምራትካ ኣየስትውዓልዎን፡ ንብዝሒ ጸጋካ ኣይዘከርዎን፡ ኣብ ባሕሪ (ገና) ኣብ ባሕሪ ኤርትራ (ከለው) ዓለው።” ኽሳዕ ዚበሃለሎም ኰኑ (መዝ 78፡11, 42, 43, 17፡106፡7)።

ዝተባህለልካን ዝተገብረልካን ኣብ ልብኻ ዘይምውህላልን ካብ ልብኻ ኺሃስስ ምፍቃድን ማዕረ ኽንደይ ሃሳዪ ምዃኑ፡ ኣብ ተመክሮ ሃዋርያት ክንመሃር ይከኣል እዩ። ጐይታና ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ መከራኡን ሞቱን ትንሳኤኡን ደጋጊሙ ነጊርዎም ኬብቅዕ፡ ካብ ኵላቶም ሰብኣይ ይኹን ሰበይቲ፡ ዋላ ሓደ እኳ ዘስተውዓሎን ኣብ ልቡ ዘዋህለሎን ኣይነበረን (ሉቃ 9፡44,45፡ 18፡31-34)። ብድሕር’ዚ ጊዜኡ በጺሑ እቲ ዝበሎ ዅሉ ምስ ተፈጸመ፡ ኣብ ልቦም ከይዓቝርዎ ስለ ዝጸንሑ፡ ብሞቱ ተዓንቀፉ ብትንሳኤኡ ድማ ምእማን ሰኣኑ። እዚ ኽቡር ቃል ጐይታ ብእዝኑ ከም ዝሓለፈ‘ኳ ዚዝክር ሓደ ሰብ እኳ ተሳእኖም። ካብኡ ሓሊፎምውን፡ እተን ጐይታ ኸም ዝተንስአ ብዓይነን ዝረኣያን ድምጹ ዝሰምዓን ቅዱሳት ኣንስቲ፡ ከም ዝረኣያኦን ናባታቶም ከም ዝለኣኸንን እንተ ነገራኦም፡ ነቲ ዘይምእማኖም፡ ወንጌላዊ ሉቃስ፡ “እዚ ዘረባ’ዚ ኣብ ቅድሚኦም ከም ዕሽነት መሰሉ ተራእይዎምሲ ኣይኣመንወንን” ክሳዕ ዚብል ካብ ምእማን ረሓቑ (ሉቃ 24፡11)። እቲ ዜገርም ከኣ እቶም ከምዚ ዚዀኑ ዘለው ሃዋርያት ምዃኖም እዩ። እቶም ሰለስተ ዓመትን ምሉእ ለይትን መዓልትን ካብኡ ከይተፈልዩ ካብኡ ዝተማህሩ ምስኡ ዝበልዑ፡ ዝተጓዕዙ፡ ዝደቀሱ ኵሉ ሓዲጎም ርእሶም ንእኡ ንምስዓብ ዝወፈዩ፡ ኣብ ልብኻ ዘይምውህላል ክሳዕ ክንደይ እንተ ጐዲእዎም፡ ንኣና ኻብ ናብ ኣምላኽ ናብ ዓለም እንቐርብ ሰባት ደኣ እንታይ ኪሓድገልና እዩ፧ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ እንጌራ ምምላእ ኣብ ዝረስዑላ መዓልቲ፡ “ካብ ማይ ብሑቕ ፈሪሳውያን ተጠንቀቑ!” እንተ በሎም፡ እንጌራ ስለ ዘይተማልኡ ብተዘዋዋሪ መገዲ ይነቕፎም ከም ዘሎ ገይሮም ዘይቅኑዕ ሓሳብ ምስ ሓሰቡ፡ ጐይታ ተቐጢዑ፡ “ንምንታይ እንጌራ ስለ ዘይምህላውኩም ትሐስቡ፧ ገናዶ ኣይትፈልጡን ወይስ ኣይተስተውዕሉን ኢኹም፧ ልብኹምዶ ድፉን እዩ፧  ኣዒንቲ ኸለዋኹምሲ ኣይትርእዩንዶ፧ ኣእዛን ከለዋኹምከ ኣይትሰምዑንዶ፧ ኣይትዝክሩንዶኸ ኢኹም፧” “ኢየሱስ ፈሊጡ በሎም፡ ኣቱም ጕዱላት እምነት፡ ስለምንታይ እንጌራ ብዘይ ምምላእኩም ብልቡኹም ትሐስቡ፧ እቲ ሓሙሽተ እንጌራ ንሓሙሽተ ሽሕ ክንደይ መሶብ ከም ዘልዕልኩምዶ ገና ኣይተስተውዕሉን ኣይትዝክርዎንውን፧  ወይስ እቲ ሾብዓተ እንጌራ ነርባዕተ ሽሕ ድማ ክንደይ መሶብ ከም ዘልዐልኩም፧  እቲ ኻብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያን ሰዱቃውያንን ክትእርነቡ ዝበልኩኹም ብናይ እንጌራ ኸም ዘይኰንኩ፡ ከመይ ዘይተስተውዕሉ፧” ኢሉ ገሰጾም (ማር 8፡17,18 (ካ.ት) ማቴ 16፡8-11  (ካ.ት)።

እምበኣር እግዚኣብሄር ዝነገረካን ዝገበረልካን ዘሕለፈካን ኵሉ፡ ከም ቅድስቲ ድንግል ማርያም፡ ኣብ ልብኻ ዘይተዋህልሎን፡ ኣብ ኵሉ መዓልትን ኵነታትን ዘይተስተንትኖን እንተ ዄንካ፡ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ዕልወትን ክሕደትን ትፍጽም ከም ዘሎኻ ክትግንዘብ ይግብኣካ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ንእግዚኣብሄር ኪገልጾ ከሎ፡ “ንስሙ ዝገበርኵምዎ ፍቕርኹም ዚርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን” ዝበሎ ቓል፡ ዝተገብረልካን ዝተነግረልካን ኣብ ብልኻ ዘይመውህላልን ምርሳዕን “ግፍዒ” ምዃኑ ኣብሪሁልና ኣሎ (እብ 6፡9,10)። እቲ ተገፋዒ ባዕሉ እግዚኣብሄር ምስ ዚከውን ክብደት ናይ ግፍዒ ኸመይ ከቢድ ከም ዝዀነ ምግላጽ ዘየድልዮ ብሩህ እዩ። እቲ ሊቀ ካህናት ኤሊ ነቶም ዝሩጋት ደቁ፡ “ሰብ ንሰብ እንተ በደሎስ (እንተ ገፍዖስ) ኣምላኽ ይፈርዶ፡ ሰብ ንእግዚኣብሄር እንተ (ገፍዖ) ግና መን ይማልዶ፧” ዝበሎም ቃል ንዘክር (1ሳሙ 2፡25)። ነቲ ኣብ ልብና ኺዕቈር ዚግብኦ ኽቡር ቃሉን ግብሩን ካብ ልብና ኣውጺእና ብምድርባይ ናይ ኣምላኽ ገፋዕቲ ዄንና ኸይንርከብ ርእስና ንሓልው። ብኣንጻሩ ነታ ንዅሉ ኣብ ልባ ብምውህላልን ብምስትንታንን ዘኽበረቶ ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ንኻልኦት ኵሎም ቅዱሳንን ንምሰል። ንሱ ነቶም ዚዝክርዎን ዚሓስብዎን ይሃንጾም፡ ነቶም ብንዕቀት ዚርስዕዎ ግና ዳግም ከም ዘይህነጹ ገይሩ ኸም ዜፍርሶም ገሊጹልና እዩ’ሞ፡ ካብ ክንፈርስሲ ክንህነጽ ደኣ ንምረጽ!! እግዚኣብሄር ዚዓቍርን ዜስተንትንን ልቢ ይሃበና!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ዕለት፦ሰንበት የካቲት 17, 2019             (የካቲት  10, 2011 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

 መዝ 1471, 2

ትሴብሖ ኢየሩሳሌም ለእግዚኣብሔር። ወሰብሒዮ ለኣምላክኪ ጽዮን። እስመ ኣጽንዐ መናሥግተ ኆኃትኪ

ሃሌሉያ። ንኣምላኽና ብመዝሙር ምውዳስ ሰናይ እዩ፡ ጥዑም እዩ እሞ፡ ምስጋና ይግባእ። እግዚኣብሄር ንየሩሳሌም ይሀንጽ፡ ንስዱዳት እስራኤል ይእክብ ኣሎ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

ገላ 421-ፍጻ

ዲያቆን

ወንጌል ሉቃ 242-ፍጻ

1ጴጥ 21-9

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ ድዮስቆሮስ

ግብ 517-29

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div