“ኣምላኽ መንፈስ እዩ፡ እቶም ዚሰግዱሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቕን ኪሰግዱሉ ይግብኦም። ኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዚደልይ’ሞ፡ እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱላ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ።” ዮሃ 4፡23-24።
እዚ ኽፍሊ ወንጌል እዚ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ኣብ መንጎ እታ ሳምራዊት ሰበይትን ዝተገብረ ዝርርብ ዜዘንትወልና እዩ። ኣብ ወንጌል ብስፍሓት ካብ ዝተተረኹ መሰጥቲ ፍጻሜታት ሓደ ድማ እዩ። ኣብቲ ዝርርቦም ዝተላዕሉ ኣርእስትታት ብዙሓት እኳ እንተ ዀኑ፡ ርእሲ ኵሎም ግና እዚ ኣልዒልናዮ ዘሎና ኣርእስቲ’ዩ ኺበሃል ዝከኣል’ዩ። እዛ መስተውዓሊት ሰበይቲ ሰብን እዝግን ዚፈልጣ ሓጥእ ሰብ እኳ እንተ ነበረት፡ መንፈሳዊ ኣፍልጦኣ ግና ቀሊል ኣይነበረን። በዳሂ ዝዀነ መንፈሳዊ ሕቶታት እናኣልዓለት፡ ካብቲ ስውር መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ዝዀነ ክርስቶስ ንህይወታ ብርሃን ዚህብ ምስጢራት ኣብ ምቕባል ዝተዓወተት ሰብ እያ። ንዅሉ ምስጢራት ናይቲ ዜሕፍር ህይወታ ብዘየሕፍርን ዘየስተሓፍርን መገዲ ምስ ገለጸላ፡ “ጐይታይ፡ ንስኻ ነብዪ ምዃንካ እርእይ ኣለኹ።” ድሕሪ ምባላ፡ ኣብ ልባ ንነዊሕ ዘመን ዚሓቕያ ዝነበረ ሕቶ እትሓትተሉ ዝበለጸ ኣጋጣሚ ምዃኑ ብምሕሳብ፡ “ኣቦታትና ኣብዚ ኸረን (ከረን ጌሪዚም) ሰገዱ፡ ንስኻትኩም ግና፡ “እታ ኺሰግዱላ ዚግባኣ ስፍራ ኢየሩሳሌም እያ፡’ ኢኹም እትብሉ፡ (ብዛዕባ’ዚ እንታይ ትብል፧)” ኢላ ሓተተቶ (ዘዳ 11፡29 ዮሃ 8፡33)። ንሱ ድማ፡ እቲ ቕኑዕ ናይ ኣይሁድ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ ናብ ዕሙቕ ዝበለ ምስጢር ብምእታው፡ ኣበይን ብኸመይን ትሰግድ ዘይኰነ፡ ኣብ መንፈሳውነት ናይቲ ተግባርካ ኸም ዚምርኰስ፡ “ኣምላኽ መንፈስ እዩ፡ እቶም ዚሰግድሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግዱሉ ይግባኦም። ኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዚደሊ እሞ፡ እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱሉ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ።” ብምባል ገለጸላ (ዮሃ 4፡23,24)።
ነዚ ሓቂ እዚ እነስተውዕሎ ኣዚና ውሑዳት ስለ ዝዀንና፡ ቍጽሪ ጽዉዓት ብዙሕ ክነሱ፡ ናብ ሕርየት እንበቅዕ ግና ኣዚና ውሑዳት ንኸውን ኣሎና። በዚ ጸገም እዚ ድማ ካብቲ ዝለዓለ መራሒ ሃይማኖት ጀሚሩ ክሳዕ እቲ ዝነኣሰ ተራ ምእመን ኬጽለው ከም ዚኽእል ክንስሕቶ ኣይግባእን። እቲ ሃዋርያዊ ቓል፡ “. . . በታ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዚመጽላ መዓልቲ ኸኣ ብዘይ መንቅብ ምእንቲ ኽትርከቡ፡ ንመንፈስኩምን ነፍስኹምን ስጋኹምን ይሓልዎ።” ኢሉ ብዝገለጾ መሰረት፡ ንሕና ብሰለስተ ኣካላት ዝቘምና ፍጡራት ኢና (1ተሰ 5፡23)። ወዲ ሰብ ብሓጢኣት ድሕሪ ምውዳቕ፡ ኣብ መንጎ እቶም ንመንነቱ ዜቑሙ ኣካላት ተጻራርነት ስለ ዝነገሰ፡ እቲ ስጋና ነቲ ምስ መንፈስና ዚጻረር ይምነይ፡ እቲ መንፈስናውን ነቲ ምስ ስጋና ዚጻረር’ዩ ዚምነይ (ገላ 5፡17)። ብመንፈስና ምስቲ ብባህርዩ ረቒቕ መንፈስ ዝዀነ ኣምላኽ ክንራኸብ ከሎና፡ ምስ ዓለምን ኵሉ ስርዓታን ድማ በቲ ስጋና ኢና እንራከብ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ስለዚ ኣባይ፡ ማለት ኣብ ስጋይ፡ ሰናይ ከም ዘየልቦ እፈልጥ ኣለኹ። . . . ይዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ፡ ካብዚ ናይ ሞት ስጋስ መን ኰን ኬድሕነኒ’ዩ፧” ዝበሎ ቓል፡ ብስጋ ዚመላለስ ሰብ ብዘይካ ሞት ካልእ ዕጫ ኸም ዘይብሉ ዜረጋግጸልና እዩ (ሮሜ 7፡18,19,24)። ስለዚ ድማ፡ “ስጋውያን ዘበሉ ነቲ ናይ ስጋ እዮም ዚሓስቡ መንፈሳውያን ግና ነቲ ናይ መንፈስ እዮም ዚሓስቡ። እቲ ሓሳብ ናይ ስጋ ምስ ኣምላኽ ጽልኢ ብምዃኑ፡ ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ኣይግዝኦን፡ ኣይኰነሉን ድማ እዩ’ሞ፡ ስለዚ (ውጽኢት ናይቲ) ሓሳብ ስጋ ሞት እዩ፡ እቲ ሓሳብ መንፈስ ግና ህይወትን ሰላምን እዩ።” ተባህለልና (ሮሜ 8፡5-7)። ሃዋርያ ጳውሎስ ንርእሱ ሓዊሱ፡ ነቲ ህዝቢ ክርስቲያን ኪገልጽ ከሎ፡” ንሕና ብመንፈስ እምበር ብስጋ ዘይንመላለስ፡” ኢሉ መንነትን ቅዲ ህይወትን ናይ ክርስትያንን እንታይ ከም ዚመስል ኣብሪሁልና ኣሎ (ሮሜ 8፡4)። እቲ ብመንፈስ ዚመላለስ ሰብ ንኣምላኽ ብመንፈስ ይሰግደሉ፡ ብመንፈስ የገልግሎ፡ ብመንፈስ ይጽሊ፡ ብመንፈስ ይዝምር። ስለዚ ድማ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “እቲ ብመንፈስ ወዱ (ገይሩ) ብመንፈሰይ ዘገልግሎ ኣምላኽ ምስክረለይ እዩ። . . . ንሕና ንኣምላኽ ብመንፈስ እነገልግሎ፡ ብኢየሱስ ክርስቶስ (ብመንፈስ) ተመኪሕና’ውን ብስጋ ዘይንእመን ግዝረት ንሕና ኢና” ብምባል ነዚ ሓቂ እዚ ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ሮሜ 1፡9 ፊሊ 3፡3 1ቈረ 14፡13-15)። እምበኣር ጐይታና እቲ ሓቀኛን ኣምላኽ ዚቕበሎ ስግደትን፡ እቲ ብመንፈስ ዚግበር ስግደት ጥራይ ምዃኑ ዝገለጸሉ ምኽንያቱ ንሱ እዩ። ኣብነት ብስጋን ብመንፈስን ዚትግበሩ መንፈሳዊ ትውፊታት ምጥቃስ’ውን ይከኣል እዩ። እቶም “ሰብ ምእንቲ ኼርእዮም” ኢሎም ዚጽልዩን ዚጾሙን ዚምጽውቱን፡ እዚኣቶም ነቲ ተግባሮም ብስጋ እዮም ዚፍጽምዎ። ስለዚ ድማ ካብቲ መንፈስ ዚዀነ ኣምላኽ ዝዀኑ ዓስቢ ኣይቅበሉን እዮም (ማቴ 6፡1-18) እቶም ብስጋ ዚሰብኩ ሰበኽቲ ወንጌል ንክርስቶስ ብቕንእን ብባእስን ብሻራን ብተንኰልን ኪሰብክዎ ኸለው፡ እቶም ብመንፈስ ዜገልግሉ ግና ብጽቡቕ ፍቓድ ብቕንዕና ብፍቕሪ እዮም ዚሰብክዎ (ፊሊ 1፡15-17)። እቲ ኺለዓል ዚኽእል ኣብነታት ማእለያ የብሉን። ብሓፈሻ ግና ብመንፈስ ንመላለስ ምህላውና እነለልየሉ ምልክታት ኪህልው ግን ናይ ግድን እዩ። ገለ ኻብኣቶም ከኣ እዞም ዚስዕቡ እዮም።
1. እቶም ብመንፈስ ዚመላለሱ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት እዮም። ስለዚ ድማ፡ “ንስኻትኩም ግና፡ መንፈስ ኣምላኽ ሓዲሩኩም ኣንተ ኣልዩስ፡ ብመንፈስ እምበር ብስጋ ኣይኰንኩምን ዘለኹም። እቲ መንፈስ ክርስቶስ ዜብሉ ሰብ ግና ንሱ ናቱ ኣይኰነን።” ተባህለልና (ሮሜ 8፡9)።
2. እቶም ብመንፈስ ዚመላለሱ በቲ ኣባታቶም ዝሓደረ መንፈስ ይምርሑን ይድገፉን እዮም። ስለዚ ድማ ፍረ ናይቲ ሓዲርዎም ዘሎ መንፈስ የፍርዩ፡ ባህርያቱ ኸኣ የንጸባርቑ (ሮሜ 8፡14-16)። እቶም ብስጋ ዚመላለሱ ግና ዋላ ነቲ ኣባታቶም ዝሓደረ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዘይእዘዝዎን ዘይምርሑሉን፡ ሓጢኣት ብምግባር የጕህይዎ እሞ፡ ከም ንጉስ ሳኦል እቲ ዝነበሮም መንፈስ ኣምላኽ ይሕደጉ (ኤፌ 4፡29-31 1ተሰ 5:19 1ሳሙ 16፡14)።
3. እቶም ብመንፈስ ዚመላለሱ፡ ንሕጊ ኣምላኽ ኪግዝእዎ ይዀነሎምን ይቐልለሎምን። ነቶም ብስጋ ዚመላለሱ ግና፡ ንሕጊ ኣምላኽ ምግዛእን ምእዛዝን ከም ከቢድ ጾርን ከም ተሪር ዓቐበትን ኣዝዩ ይኸብዶም። ስለዚ ኸኣ ቋንቋኦም ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኪትግበር ዘይክእል ከቢድ እዩ” ዚብል እዩ። ሃዋርያት ግና፡ “እቲ ኣብኡ (ኣብ ክርስቶስ) ዚነብር ዘበለ ዅሉ፡ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። . . . ካብ ኣምላኽ ዝተወልደ ዘበለ፡ ዘርኡ (ባህርዩ) ኣብኡ ይነብር እዩ’ሞ ሓጢኣት ኣይገብርን፡ . . . ኪገብር ኣይኰነሉን እዩ። . . . እቲ ሓሳብ ስጋ (ዘለዎ ሰብ ግና) ምስ ኣምላኽ ጽልኢ እዩ።” ብምባል እፍሊጦምና እዮም (1ዮሃ 3፡6,9 ሮሜ 8፡6,7)።
4. ብመንፈስ ዚመላለሱ ሰባት፡ ትምኒት ስጋ ኣይፍጽሙን እዮም። ነስተውዕል! ትምኒት ስጋ “ኣይፍጽሙን” እምበር “ኣይስምዖምን እዩ” ኣይተባህለን (ገላ 5፡16)። ምኽንያቱ ነቲ ቕደም ብስጋ ኸለው ዝተመላለሱሉ ብትምኒት ስሕተት ዚጠፍእ ኣረጊት ሰብ ቀንጢጦም ምስ ናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ እዮም (ኤፌ 4፡22-24 ገላ 5፡24)።
5. እቶም ብመንፈስ ዚመላለሱ ብዓቕሚ ስጋኦም ኣይእመኑን ኣይውከሉን እዮም (ፊሊ 3፡3)። ምኽንያቱ እቲ ለቢሶምዎ ዘለው ስጋ፡ ናይ መርገም ስጋ ምዃኑ ኣብ ስጋኦም ሰናይ ከም ዘየልቦን ድኹም ምዃኑን ጽቡቕ ገይሮም ይፈልጡ እዮም (ሮሜ 7፡18,19 ማቴ 26፡41 ዮሃ 6፡63)። ስጋ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪወርስ ከም ዘይከኣሎ እናፈለጡ ብስጋ ኪእመኑን ኪውከሉን ኣይኰነሎምን’ዩ። እቲ ኣብ ስጋ ዚውከል ርጉም፡ መወዳእታኡ ድማ ውድቀትን ሞትን እዩ (ኤር 17፡5-8 መዝ 20፡7,8)።
6. ብመንፈስ ዚመላለሱ ሰባት ከቶ ኣይሕለሉን ኣይስልክዩን ከኣ እዮም። በቲ ዚወርዶም መከራን ምስ ሓጢኣት ዚቃለስዎ ክሳዕ ደም (መስዋእትነት) ዚበጽሕ ቃልሲ እቲ ናይ ወጻኢ ሰቦም (ስጋኦም) እንተ በስበሰ እኳ፡ ህይወቶም በቲ ናይ ውሽጢ ሰብ (ብመንፈስ) ስለ ዝዀነት ፈጺሞም ኣይሕለሉን እዮም። ህይወት ብስጋ ጥራይ ዘለዎም፡ ብመንፈስ ግና ምውታት እንተ ዚዀኑ ምብስባስ ናይ ስጋኦም ኣዝዩ መሐለሎም ነይሩ። ስለዚ ድማ፡ እቶም ንኣምላኽ ብመንፈስ ዜገልገልዎ ቅዱሳን ሃዋርያት፡ ሰብነቶም ክሳዕ ዚቘስል ተገሪፎም ክነሶም ካብ ቅድሚ ገረፍቶም ብሓጐስ ይወጹ፡ ተገሪፎም ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ብኸቢድ መቝሕ ተኣሲሩ ኸሎ፡ ፍርቂ ለይቲ ንእማላኽ ብዜማ የመስግኑ ነበሩ (ግብ 5፡41,42 16፡22-25)፡ ሰናይ መጋብር ድማ ፈጺሙ ኣየሰልክዮምን እዩ። ዋላ ደጋጊሙ ንዝበደሎም እኳ ብምፍቃር፡ ብምዕጋስ፡ ምሕረት ብምግባር ኣይሰልክዩን እዮም። ዋላ ሰብዓ ሳዕ ሾብዓተ ንዝበደሎም’ውን ይቕረ ምባል ንኣታቶም ቀሊል እዩ። ምኽንያቱ እቲ መንፈሶም ምስ ኣምላኽ ዘየባትኽ ርኽብ ስለ ዘለዎ ካብ ምልኣት ባህርዩ እናተኻፈሉ ዚብርትዑ እምበር ዘይስልክዩ እዮም (ገላ 6፡7 2ጴጥ 1፡4 ማቴ 18፡21,22)።
7. ብመንፈስ ዚመላለሱ ሰባት፡ ነቲ ናይ መንፈስ፡ ነቲ ናይ ኣምላኽ ጥራይ እዮም ዚሓስቡ (ሮሜ 8፡5)። እቲ ኣብ ክርስቶስ ዝነበረ ሓሳብ ኣብ ውሽጦም ኣሎ (ፊሊ 2፡5 4፡8 1ቈረ 2፡15,16)። ምስ ክርስቶስ ሞይቶም ዝተንስኡ ስለ ዝዀኑ፡ ህይወቶም ድማ ብክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ስለ ዘላ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይኰነስ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሰማያዊ ጉዳያት ጥራይ ይሓስቡን ይደልዩን (ቈሎ 3፡1-3)። ስጋውያን ግና ነቲ ሓሳብ ክርስቶስ ይጸልእዎን ይንዕቅዎን እዮም። ዋላ እንተ ደለይዎ’ውን ንእኡ ዜሕስብ ዓቕሚ ከቶ የብሎምን።
እምበኣር ፍቁራት ስድራ ቤት ኣምላኽ፡ እቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ መንፈስ፡ ናይ ኣምላኽ መብራህቲ እዩ። (ምሳ 20፡27)። ብመንፈስ ብምምልላስ ነዚ መብራህቲ እዚ ንጠቐመሉ እምበር ንእኡ ኣጥፊእና ብስጋ ብጸልማት ኣይንመላለስ። ንመንፈሳዊ ጉዕዞና ብመንፈስ ጀሚርና ብመንፈስ ንወድኣዮ እምበር ከም ሰብ ገላትያ ንድሕሪት ብምምላስ ብመንፈስ ጀሚርና ብስጋ ብምፍጻም መወዳእታና ኣይነበላሽው (ገላ 3፡3)። እቶም ርእስና መርሚርና ብስጋ እምበር ብመንፈስ ህይወት ከም ዘይብልና ዘረጋገጽና ኸኣ፡ ብንስሓ ተንሲእና ካብ ሕጂ ንደሓር ብመንፈስ ጥራይ ንመላለስ። ምኽንያቱ እቲ ሃዋርያዊ ቓል፡ “ህይወት ብመንፈስ እንተ’ልያትናስ ብህይወት ንመላለስ። . . . ከም ስጋ እንተ ነበርኩ ክትሞቱ ኢኹም፡ ነቲ ግብረ ስጋ ብመንፈስ እንተ ቐተልኩምዎ ግና ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም እሞ፡ ከም ስጋ ኽንነብር፡ ነቲ ስጋስ ሰብ ዕዳኡ ኣይኰንና።” ኢሉና ኣሎ’ሞ፡ ዋጋኡ ብኽቡር ደም ክርስቶስ ዝተኸፍለ ዕዳ-ስጋ ተሰኪምና ኣይንንበር (ገላ 5፡ 25 ሮሜ 8፡12,13)።
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
ዕለት፦ የካቲት 24, 2019 (የካቲት 17, 2011 ግእዝ) |
||
ናይቲ መዓልቲ ስብከት መዝ 47፡3, 4 ኣግረረ ለነ ኣህዛብ ወሕዘበ ታሕተ እገሪነ ወኅረየነ ሎቱ ለርስቱ ሥኖ ለያዕቆብ ዘኣፍቀረ” “ልዑል እግዚኣብሄር ዜፍርህ እዩ እሞ፡ ኣብ ብዘላ ምድሪ ዓብዪ ንጉስ እዩ። ንሱ ንህዝብታት ኣብ ትሕቴና፡ ነህዛብ ከኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋርና የግዝኦም።” |
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
|
ንባብ |
ኣንባቢ |
|
ሮሜ 9፡1-17 |
ዲያቆን |
|
ወንጌል፡ ዮሃ 4፡1-27 |
1ጴጥ 2፡20-ፍጻ |
ንፍቀ ዲያቆን |
ቅዳሴ፡ ድዮስቆሮስ |
ግብ 11፡1-19 |
ንፍቀ ካህን |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ