S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ነቲ ግብረይ እመንዎ!!

ጐይታና፡ ነዒንቲ ናይቲ ብዕውሩ ዝተወልደ ሰብ ካብ ዚፍውስ ንደሓር ኣብ ኢየሩሳሌም ሓያል ተቓውሞ ይገጥሞ ነበረ። ብድሕሪኡ ድማኣነ ሕያዋይ ጓሳ እየ። እቲ ደገ-ኣባጊዕ ኣነ እየ፡ ኣነን ኣቦን ሓደ ኢናዚብል ከቢድ ትምህርቲ ይምህር ስለ ዝነበረ እቶም ተጻረርቱ ፈጺሞም ዓቕሎም ኬጽብቡ ምስ ረኣየ፡ ነቲ ኣብ ልቦም ተደጕሉ ዜቕለልዎም ዝነበሩ ምእንቲ ኺገልጾ ሓደ ኣገዳስን በዳህን ሕቶ ሓተቶም። ነዚ ሕቶ እዚ ኺሓትቶም ከሎ፡ ብእኡ ፈጽፊጾም ንኺቐትልዎ ድሮ ኣብ ኣእዳዎም ኣእማን ጨቢጦም ነበሩ። ስለዚ ብቝጥዓ ደሞም ፈሊሑ፡ ምፍሳስ ንጹህ ደሙ ጸሚኦም ከለው፡ካብ ኣቦይ ብዙሕ ሰናይ ግብርታት ኣርኤኹኹም። ስለ ኣየናዩ ግብሪ ኢኹም ብዳርባ እምኒ ኽትቀትሉኒ እትደልዩኒ ዘለኹም፧ኢሉ በዳሂ ሕቶ ሓተቶም። እዚ ዝርርብ እዚ ናብ ምርምር ስለ ዜእትዎም፡ ብመጠኑ ቝጥዓኦም ኪበርድ ዚሕግዝ ነበረ። ንሳቶም ከኣ፡ስለቲ ምጽራፍካን ሰብ ክነስኻ ነፍስኻ ኣምላኽ ስለ ምግባርካን እምበር፡ ስለቲ ጽቡቕ ግብርታትካ ኣይኰነናን ብእምኒ እንቐትለካ፧ኢሎም ካብ ዘረባኡ ንላዕሊ ግብሩ ይረትዖም ከም ዝነበረ ተኣመኑ (ዮሃ 1031-33)

ጐይታ ዋላ ብዛዕባ እቲ ዝተዛረቦ ዘረባ ብቝዕ መልሲ እንተ ሃበ እኳ፡ ብዝያዳ ግና ኣብታ ኣሉ ዘይትበሃል ረታዒት ግብሩ ጸቒጡ ኺዛረብ ደኣ መረጸ። ጐይታ ብዘረባኡ ጥራይ ኪእመን ይደልይ ኣይነበረን። ስለዚ ድማግብሪ ኣቦይ እንተ ዘይገበርኩ ኣይትእመኑኒ፡ኢሉ ብንጹር ነገሮም። ንግብሩ ግና ናይ ግድን ኪኣምንዎ ትጽቢት ነበሮ። ስለዚ ኸኣንኣይ እኳ እንተ ዘይኣመንኩምኒ (ንዘረባይ ንትምህርተይ እኳ እንተ ዘይኣመንኩምዎ) ነቲ ግብረይ እመንዎ።ኢሉ በድሆም። ንሳቶምውን ነቲ ሰናይ ግብሩስ ኣሉ ኺብልዎ ከም ዘይክእሉ፡ ጽቡቕ ግብሪ ከም ዝዀነ ተኣሚኖም እዮም። እዚ መሳጢ ዝርርብ እዚ፡ግብሪ ካብ ቃላት ንላዕሊ ረታዒ ዚዀነሉ ምኽንያት እንታይ እዩ፧ኢልካ ኽትሓትት ዚድርኽ እዩ። እዚ ሕቶ እዚ ናይ ግብሪ ናይ ሓይሉ ምስጢር ኣበይ ምዃኑ ዜብርሃልና እዩ። ጐይታና ነዚ ምስጢርዚ፡ግብሪ ኣቦይ እንተ ገበርኩ ግና፡ ኣቦ ኣባይ ምህላው፡ ኣነውን ኣብ ኣቦ ምህላወይ ኽትፈልጡ (የኽእለኩም እዩ)” ብዚብል ቃሉ ገለጾ። ግብሪ ኣምላኽ ናይ ምግባር ሓይልን ምስጢርን ኣብዛ ቓልዚኣ ተንጠልጢላ ትርከብ። ግብሪ፡ እግዚኣብሄርን ፈተውትኻን ጸላእትኻን ናይ ብሓቂ ኣማኒ ምዃንካ፡ ናይ ኣምላኽ ሰብ ምዃንካ ዜረጋግጹላ ፍትንቲ፡ ኣሉ ዘይትበሃል መረጋገጺት እያ። ዋላ ባዕልኻውን ናይ ኣምላኽ ሰብ ምዃንካ ኸተረጋግጽ እትኽእል ብእኣ ጥራሕ ኢኻ። ነዚ ሓቂ እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ብተደጋጋምን ተገሊጹ ኢና እንረኽቦ።

ኣቦና ኣብርሃም ንእግዚኣብሄር ኣዝዩ ኸም ዚኣምኖ በቲ ዓደቦኡ ሓዲጉ ምውጻኡ ድሮ ኣረጋጊጹ እንተ ነበረ፡ እግዚኣብሄር ድማ ከም ፈላጥ-ኵሉን ልብን ኵላሊትን ዚምርምርን ኣምላኽ መጠን ኣብርሃም ናይ ልቡ ኸም ዚኣምኖ ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጥ እንተ ነበረ፡ እዛ እምነት እዚኣ ዝለዓለ ደረጃ ብዘለዎ ግብሪ ኼረጋግጽ ደለየ። ስለዚ ድማ ነቲ እንኮን በጽሕን ውላዱ ኺስውኣሉ ኣዘዞ። ኣቦና ኣብርሃም ድማ ዓይኑ ኸይሓስየ፡ ነግፈረግ ከይበለ፡ ናብታ ዝተኣዘዛ ቦታ ከይዱ ንወዱ ኣጋዲሙ ኺስውኦ ካራ ኣልዒቡ ኢዱ ምስ ዘርግሐ፡ እግዚኣብሄር ብመልኣኹ ገይሩ ዓገቶ እሞ፡ኣብርሃም ኣብርሃም፡ ነዚ ሓደ ውሉድካ እኳኻብ ዘይከላእካንስ (ንኣይ) ከም እትፈርህ ሕጂ ፈሊጠ ኣለኹ እሞ፡ ኢድካ ኣብዚ ወዲ ኣይትዘርግሕ፡ ገለውን ኣይትግበሮ።ኢሉ ዜስተንክር ምስክርነት ሃበ (ዘፍ 2211,12) እቲፈላጥ-ኵሉኣምላኽሲ ከመይ ገይሩሕጂ ፈሊጠ ኣለኹኪብል ይኽእል፧ እዚ ኣበሃህላ እዚ ንኣምላኽነቱ ኣብ ምልክት ሕቶ ዜእትዎዶ ኣይኰነን፧ ኣይፋሉን!! ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣእምሮ ዚኽዘን ተራ ሓበሬታ ወይ ፍልጠት ዘይኰነስ፡ ነቲ እምነትን ፍርሃትን ናይ ኣብርሃም ልዑል እፍልጦ (recognition) ከም ዝሃቦ ዜርጋግጸልና ዘሎ። እምበኣር እግዚኣብሄር ንእምነትና ዚኣምናን ዚእመናን ብኸምዚ ዝበለ ግብሪ ኽትግለጽ ከላ ምዃኑ ነስተውዕል። እግዚኣብሄር ብናይ ጥበራ ኸንፈር ከቶ ኣይድለልን እዩ።

ግብሪ ብኸመይ ንጸላእትኻ ዝዀኑ ሰባት ከይተረፈ ኸም እትረትዕ ከኣ ካብ ይስሃቕ ክንመሃሮ ንኽእል ኢና። ፍልስጤማውያን ብደረጃ መንግስቲ ኺቃወምዎ፡ ንዝዀዓቶ ዔላ ኪደፍኑሉ፡ ካብ ዘዝሰፈሮ ቦታ ድማ ኪሰጕጉዎ ኸለው፡ ይስሃቅ ብትዕግስቲ ኣምላኽ ተዓገሶም። ስቕ ኢሉ ኪድፍኣሎም እናረኣዩ፡ ኣብ ክንዲ ዚንዕቅዎ ኺፈርህዎ ተራእዩ፡ እቲ ንጉስን ሓለቓ ሰራዊቱን ብወተሃደራቶም ተዓጂቦም መጺኦም፡ እቲ ንጉስ ንይስሃቅ፡እግዚኣብሄር ምሳኻ ከም ዘሎ፡ እርጊጽና ርኢና ኢና ሞ፡ ከምቲ ንሕና ዘይተንኬናካ፡ . . . ንስኻ ድማ ንኣና ኽፉእ ከይትገብረና፡ ንሓድሕድና ንመሓሓል ኪዳን ንእተውኢሉ ተማሕጸኖ (ዘፍ 2628,29) እታ፡ግብሪ፡ ኣምላኽ ኣባኻ ምህላው ንስኻውን ኣብ ኣምላኽ ምህላውካ የረጋግጽዚብል ጐይታ ዝገለጽልና ምስጢር ኣብ ይስሃቅ ከም እተፈጸመት ነስተውዕል፡ እዚ ኣረማዊ ንጉስእግዚኣብሄር ምሳኻ ኸም ዘሎ ኣረጋጊጸ ርእየ እየኺብል ዝኸኣለ በቲ ግብሪ ይስሃቅ እምበር፡ ንእግዚኣብሄር ብዓይኑ ስለ ዝረኣዮ ኣይኰነን። ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ብዓይኒ ሰብ ስለ ዘይረኣይ፡ ይትረፍ እዚ ሓጥእ ኣረማዊ፡ እቲ ጻድቕ ኣማኒ ዝዀነ ይስሃቕ እኳ ኣይረኣዩን። ጐይታናን ሃዋርያ ጴጥሮስን ሓደ ዝሓሳቡ፡ ዓሚቝ ምስጢር ዘለዎ መልእኽቲ፡ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ ብርሃንኩም (ግብርኹም) ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ። . . .  እቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ዚሃምዩኹም ዘለው (ጸላእትኹም) ነቲ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ ብርሃንኩም (ግብርኹም) ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ። . . .  እቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ዚሓምዩኹም ዘለው (ጸላእትኹም) ነቲ ሰናይ ግብርኹም ርእዮም በታ መዓልቲ (ፍርዲ) ንኣምላኽ ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣካይዳኹም ኣጸብቑ።ብምባል ገሊጾልና ኣለው (ማቴ 516 1ጴጥ 212) እዚ ኣበሃህላ እዚ፡እቲ ሰናይ ዚገብር ዘሎ እቲ ሰብ ክነሱ፡ ንምንታይ እዩ ኣምላኽ ዚምስገን፧ዚብል ሕቶ ዜልዕል እዩ። እቲ ምኽንያት ድማ፡ ከምቲ ጐይታ ዝበሎ፡ እቲ ግብርኻ፡ ዋላ ነቲ ዘይኣምን ሰብ ከይተረፈ፡ ኣምላኽ ኣባኻ ከም ዘሎ፡ ንስኻውን ኣብ ኣምላኽ ከም ዘሎኻ ስለ ዜመልክት እዩ። ምኽንያቱ እቲ ኣምላኽ ኣብኡ ዘየለ ሰብ፡ ግብርታት ኣምላኽ ፈጺሙ ኺገብር ኣይክእልን እዩ። እቲ ፍጹም ሰብን ዝዓበየ ኣረኣያናን ዝዀነ ክርስቶስ፡እቲ ኣባይ ዘሎ ኣቦ ባዕሉ እዩ ግብርታቱ (ኣባይ ኰይኑ) ዚገብር ዘሎ እምበር፡ እዚ ንኣኻትኩም ዝነግረኩም ዘለኹ ዘረባስ ካብ ርእሰይ ኣይኰንኩን ዝዛረቦ ዘለኹ፡ ኣነ ኣብ ኣቦ ምህላወይ ኣቦይውን ኣባይ ምህላው እመኑኒ፡ እንተ ዘይኰነስ፡ ስለቲ ግብርታት እኳ እመኑኒ። ብምባል ነዚ ሓቂ እዚ ከም ዘርጋገጸልና ኣይንረስዕ (ዮሃ 1410,11) እቲ ክርስቶስ ኣብኡ ዘየለ ሰብ፡ ሰናይ ግብሪ ምግባር ንእኡ ሰናይ ትምኒት ኰይኑ እዩ ዚተርፍ እምበር ኪፍጽሞ ኣይክእልን እዩ። እቲ ሃዋርያ ጳውሎስፍቓድሲ ኣሎኒ፡ ምግባር እቲ ሰናይ ግና ስኢነዮ ኣለኹ እሞ፡ ነቲ ዘይደልዮ እከይ እገብሮ ኣለኹ እምበር፡ ነቲ ዝደልዮ ሰናይ ኣይኰንኩን ዝገብር ዘለኹ። ስለዚ ኣባይ፡ ማለት ኣብ ስጋይ፡ ሰናይ ከም ዘየልቦ እፈልጥ ኣለኹ። . . . ይዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ፡ ካብዚ ናይ ሞት ስጋስ መን ኰን ኬድሕነኒ እዩ።ዝበሎ ቓል፡ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ ሰናይ ኪገብር ከም ዘይክእልን፡ ሰናይ ክንገብር ከሎና ኣምላኽ ዚምስገነሉ ምኽንያትን ኣብሪሁልና ኣሎ (ሮሜ 618,19,22-24) ሰናይ ክትገብር ከሎኻ ሰባት ንኣኻ ገዲፎም ንኣምላኽ ዜመስግኑሉ ምኽንያት፡ ሰብ ብዓቕሚ ስጋኡ ሰናይ ኪገብር ከም ዘይክእል፡ ካብ ገዛእ ተመኵሮኦምን ካብ ማሕበራዊ ትዕዝብታቶምን ስለ ዚፈልጡ እዮም። ሰብ ምእንቲ ኺርእየልካ ኢልካ ዚግበር ምስሉይ ግብሪ፡ ካብ ኣምላኽ ዘይምዃኑ ዝዀነ ሰብ ኬስተውዕሎ ዚኽእል እዩ። ልዕሊ ኣርትፊሻል ዕንበባ ጽገረዳን ሓቀኛ ዕንበባ ጽጌረዳን ከም ምፍላይ ኣዝዩ ቐሊል እዩ። ምስሉይ ግብረ-ሰናይ እቲ ገባሪኡ ዚምስገነሉ ሓቀኛ ግብረ ሰናይ ግና እግዚኣብሄር ዚምስገነሉ። ንሕና ብዝገበርናዮ ሰናይ ግብሪ፡ ኣምላኽ እንተ ተመስገነ ዘይግብኦ ኣይወሰደን። ምኽንያቱ ነቲ ኣባና ዚረኣይ ሰናይ ተግባር እቲ ኣባና ዘሎ ኣምላኽ እምበኣር ባዕላትና ከም ዘይንገብሮ፡ እቲ ሃዋርያዊ ቓል፡ነቲ ኣምላኽ ብፍቕሩ ዝመደቦ (ተግባር) ምእንቲ ኽትደልዮን ክትገብሩን፡ ኣምላኽ ባዕሉ እዩ ኣባኻትኩም ዚዓይዪ። . . . ብክርስቶስ ኢየሱስ ኣብ ቅድሚኡ ባህ ዜብሎ ኣባኻትኩም እናገበረ ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ ፍቓድ ኽትገብሩ የብቅዕኩም።ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (ፊሊ 213 እብ 1321)

እምበኣር ንሕናውን ብምስሊ ክርስቶስ ከም ዝተፈጠርና ሰባት መጠን፡ነቲ ግብረይ እመንዎኬብለና ዚኽእል ህይወት ክንነብር ይግባና። ክርስቶስ ጐይታናኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ ሰብን ብቓልን ብግብርን ከኣሊእዩ ዝነበረ (ሉቃ 2419) ንሕናውን ከምኡ ዄንና ኽንነብር ከም ዚግባና ኪነግረናን ኣርኣያ ኪዀነናን እዩ ስጋ ለቢሱ ኣብ ማእከልና ዝተመላለሰ። ነዛ ንሱነቲ ግብረይ እመንዎዝበላ ቓል፡ ብቓልናን ብግብርናን ክንብላ ትብዓትን ብቕዓትን እንተ ዘይብልና፡ ኣብ ምጽኣቱኣቱም ገበርቲ ዓመጻኢሉ ንሰይጣን ብዚግባእ ጽዩፍ ማዕርግ ኪጽውዓና እዩ። እምበኣር ንኣጋንንትን ንሰዓብቶምን ብዜርዕድ ንክርስቶስ ምስ መላእኽቱን ሰዓብቱን ብዜሐጕስ ሰናይ ግብሪ ንመላለስ።ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻትእምበርኣቱም ገበርቲ ዓመጻከም ዘይንበሃል ነረጋጋጽ። መራሒ ቤተ ክርስቲያን ሳርዴስ፡ህያው ተባሂልካ ትስመይ ኣለኻ፡ ግናኸ ምውት ኢኻ፡ ንግብርኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኸይ ምሉእ ኰይኑ ኣይረኸብክዎን እሞ ንቑሕ ኩንከይበሃለልና ንጠንቀቕ (ራእ 31,2)ነቲ ዚስዕርን ክሳዕ መወዳእታውን ግብረይ ዚሕሉንሲ፡ . . . ኰዀብ ጽባሕ ክህቦ እየኢሉ ቓል ተስፋ ሂቡናሞ፡ ግብሩ ኽሳዕ ዕለተ ሞትና ብምሕላው ሰዓርቲ ብምዃን ህይወትና ንዛዝም። ኣምላኽን ሰብን ብዚኣምኑሉ ግብሪ ዚመላለስ ሰብ፡ ካብቲ ዘይሓልፉን ዘይረክስን ዘይጽምሉን ሰማያዊ ክብሪ ናይ ክርስቶስ ተኻፋሊ ኪኸውን ስለ ዝዀነ፡ ነዚ ብሉጽ ምርጫ ንምረጽ።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን። 

ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ሰንበት ለካቲት 10, 2019            (ለካቲት  03, 2011 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 897, 8

እግዚኣብሔር ስቡሕ በምክረ ቅዱሳን። ዐቢይ ወግሩም ዲበ ኵሎሙ እለ ዐውዱ። እግዚኦ አምላከ ኃያላን መኑ ከማከ

ኣብ ምኽሪ ቅዱሳን ኣዝዩ ዜፍርህ፡ ካብቶም አብ ዙርያኡ ዘለዉ ዅላቶም ዜሸብርን ኣምላኽ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፡ ከማኻ ስልጡን መን እዩ፧ ጐይታይ፣ እምነትካውን ኣብ ዙርያኻ ኣሎ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

እብ 1212-22

ዲያቆን

ወንጌል ዮሃ 1034-

2ጴጥ 119-ፍጻ

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ  ዘዲዮስቆሮስ

ግብ 729-35

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div