“ንቤት ኣቦይ ቤት ዕዳጋ ኣይትግበርዎ፡ በሎም። .. ቅንኣት ቤትካ በልዓኒ..” (ዮሃ 2፡16, 17)
እዚ ሰንበት እዚ፡ መጋቢት 17, 2019 ሳልሳይ ሰንበት ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ ጾመ ኣርብዓ እዩ። ምኵራብ ተባሂላ ድማ ትስመ። መንቀሊ ሓሳባት ናይዚ ዕለት መልእኽቲ ድማ ካብቲ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ 2 ሰፊሩ ዘሎ፡ ጐይታ ናብ ቤት መቕደስ ኣትዩ፡ ቤት ዕዳጋ ኰይኑ ምስ ረኸቦ ካብ ገመድ ጭጕራፍ ሰሪሑ፡ ንኵሎም ሰጒጉ ዘውጽኣሉ ፍጻመ እዩ።
ቤተ መቕደስ ናይ ጸሎት ቦታ ክከውን ዝተዋህቦም ቦታ እዩ ኔሩ። እዚ ቤት መቅደስ ድማ ካብታ ንጉስ ሰለሞን ዝሰረሓላ እዋን ኣትሒዙ ኣብ ህይወት እስራኤላውያ ማእከላይ ቦታ ዝሕዝ ኣገዳሲ መንፈሳዊ ቦታ እዩ ኔሩ። ኣብ እስራኤል ምሉእ ሓንቲ ቤት መቅደስ ጥራይ ምንባራ ክንሓስብ ከለና ድማ ክሳብ ክንደይ ፍሉይ ኣገዳስነት ዝነበራ ቦታ ምንባሩ ንምርድኡ ቀሊል እዩ። ካብቲ ሰለሞን ብዛዕባ እዛ ቤት እዚኣ ዝጸለዮ ጸሎት ከምዚ እናበለ “ናብዛ ቤት እዚኣ፡ ናብዛ፡ ስመይ ኣብኣ ኪኸውን እዩ፡ ዝበልካያ ቦታ ኣዒንትኻ ለይትን መዓልትን ይከፈታ። ነቲ ባርያኻ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ዚጽልዮ ጸሎትውን ስማዕ። ነቲ ባርያኻን ህዝብኻ እስራኤልን ኣብዛ ቦታ እዚኣ ዚምህለልዎ ጸሎት ከኣ ስምዓዮ፡ እወ፡ ንስኻ ኣብታ እትነብረላ ዘሎኻ ቦታ፡ ኣብ ሰማይ ስምዓዮ፡ ሰሚዕካውን ይቕረ በል።”፡ ከም እግንዘቦ ኣምላኽ ስሙ ዘንበረላ፡ ኣእዛኑ ድማ ነቲ ኣብኣ ዝጽለ ጸሎት፡ ካብ መቅደሱ ንኽሰምዕ ቃል ዝኣተወላ ቦታ እያ ዝነበረት (1ነገ 8፡29-30)። ኣምላኽ ድማ ክብሩን ህልውንኡን ብደንቢ ዘረጋግጸሉ ቦታ ምንባሩ ንርኢ ኢና።
ኣብቲ ጐይታ እተገልጸሉ እዋን ግና፡ እዛ ከምዚ ዝበለ ክብሪ ዝረኸበት ቤት መቕደስ፡ ብሰንኪ እቲ እቲ ህዝቢ ወዲቕዎ ዝነበረ መንፈሳዊ ድኻም፡ መንፈሳዊ ክብራ ስኢና፡ ቦታ ዕዳጋ ኰይና ከም ዝጸንሐቶ ኢና እንዕዘብ። ኣብቲ ሓደ እዋን ስም እግዚኣብሄር ዝኸበረሉ፡ ኣምላኽ ክብሩ ብደበና ዝገለጸሉ ቤት መቕደስ፡ ዕዳጋ ኰይኑ ምስ ረኣየ፡ ጐይታ ብቕንኣት ቤቱ ተቓጺሉ ብቚጥዓ ሰጎጎም። ብቕንኣት ቤቱ ከም ዝጉሂ ብነብዪ ዳዊት ተገሊጹ ነበረ (መዝ 69፡9)። ፈሪሳውያን ነዚ ቃል ትንቢት ኣዝዮም ይፈልጥዎ እኳ እንተነበሩ፡ ኬስተውዕልዎ ግን ኣይከኣሉን። ደቀ መዛሙርቲ ግን እቲ ጽሑፍ ተዘኪርዎም። ስለዚ ከኣ ቅንኣት ቤቱ በሊዕዎ ደኣ እምበር ብካልእ መንፈስ ተደሪኹ ከም ዘይገበሮ ተረድኡ። እቲ ብቤቱ ቀናእ ዝኰነ ጐይታ ግና ዘይከም እቶም ደቀ መዛሙርቲ ሙሴ ኢና እናበሉ ዝምክሑ ዕውራት መራሕቲ፡ ነቲ ኩነታት ክጻወሮ ኣይከኣለን። እቲ ኣነ ለዋይ እየ ልበይውን ትሑት ኢሉ ንዕረፍቲ ዝጽውዕ ጐይታ፡ ጭጕራፍ ሰሪሑ ክዋቓዕን ክሰጉግን ጀመረ። ካብቲ ጐይታ ዝገብሮ ዘሎ ተበጊስና ክንመሃሮ እንኽእል ሓቂ እንተ ኣልዩ፡ ጐይታ ንቤቱ ንዘማሰነ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ክጻወረሉ ዝኽእል ትዕግስቲ ከም ዘይብሉ እዩ። እቲ ነዚ ዝገብር ቅንኣት ድማ መበገሲኡ እቲ ናይ ዋንነት ስምዒት ምዃኑ እዩ። “ንቤት ኣቦይ” ብምባል ፍጹም ዋንነት ናይታ ቤት ከም ዘለዎ የመልክት።
ኣምላኽ ብዛዕባ ቤት መቅደሱ ዘለዎ ኣተሓሳስባ እምበኣር እዚ እዩ። ቤት መቅደስ ኣምላኽ ከም ማሕደር ኣምላኽ ንምዃን ዝተሓርየ ቦታ መጠን፡ ቅድስንኡ ክሕሉ ከም ዘለዎ እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ትምህርትና ከም ዝረኣናዮ፡ ቅድስና ማለት ንግሉል ጥቅሚ ኣምላኽ ንክትኸውን ምፍላይ ማለት ምዃኑ ተማሂርና ኔርና። ኣብዚ ናይ ሎሚ ትምህርትና ድማ፡ ነዚ ፍጹም ፍቃድ ኣምላኽ ዝዀነ ነገር፡ ንሱ ድማ ቅድስናና፡ ኣምላኽ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘየእትዎ ጉዳይ ምዃኑ ግብራዊ ብዝዀነ መገዲ፡ ቅድስና ቤቱ ንምዕቃብ ዝወስዶ ስጉምቲ ኢና ንርኢ። ቤት መቕደስ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ዝቅደሰላ ቦታ እምበር ናይ ካልእ ጉዳይ መናሃርያ፡ ወይውን መካዚኖ ክትከውን ኣይተጸወዐትን። ስለዚ ድማ እዩ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ከምዚ ዝበሎም፥ “ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ምዃንኩምን መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ሐዲሩ ምህላዉንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ሓደ እኳ ነታ ቤት መቕደስ ኣምላኽ እንተ ኣማሰነ፡ ኣምላኽ ኬማስኖ እዩ። ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ቅድስቲ እያ፡ እዛ ቤት መቕደስ እዚኣውን ንስኻትኩም ኢኹም።” (1ቈረ 3፡16-17)።
ካብዚ ጥቕሲ ከም እንመሃሮ ሕጂ ቤት መቅደስ ኣምላኽ ነፍሲ ወከፍ ሰዓቢ ክርስቶስ ከም ዝዀነ እዩ። ኣምላኽ ኢድ ሰብ ኣብ ዝሰርሖ ዘይዀነ፡ ኣብቲ ባዕሉ ዝሰርሖ ቤት መቅደስ ልብና ከም ዝሰፍርን ገሊጹልና እዩ (ኢሳ 57፡15፣ ኢሳ 66፡1-2)። ነዚ ሓቂ እዚ ጐይታ ኣብቲ ምስታ ሳምራዊት ሰበይቲ ኣብ ዝነበሮ ዝርርብውን ኣብሪህዎ ኣሎ። ንሳ “ኣቦታትና ኣብዚ ኸረን እዚ ሰገዱ። ንስኻትኩም ግና፡ እታ ኺስገደላ ዚግባእ ስፍራ ኣብ የሩሳሌም እያ፡ ኢኹም እትብሉ” ኢላ ምስ ሓተተቶ ንሱ ድማ “ኣቲ ሰበይቲ፡ ኣብዚ ኸረን እዚ ወይ ኣብ የሩሳሌም ነቦ ዘይትሰግዱላ ጊዜ ከም እትመጽእ፡ እመንኒ። ንስኻትኩም ንዘይትፈልጥዎ ኢኹም እትሰግዱ፡ ንሕና ግና፡ ምድሓን ካብ ኣይሁድ እዩ እሞ፡ ንንፈልጦ ኢና እንሰግድ። ኣምላኽ መንፈስ እዩ፡ እቶም ዚሰግድሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግዱሉ ይግባኦም። ኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዚደሊ እሞ፡ እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱሉ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ።” ኢሉ መለሰላ (ዮሃ 4፡20-24)። ንሓደ ቦታ መቅደስ ኣምላኽ ዝገብሮ ህልውናን ምሕዳር ኣምላኽን ምዃኑ ኣብ ዝሓለፈ ርኢና ኔርና ኢና። ድሕሪ እቲ ኣምላኽ ብነብዪ ዮኤል ዝተነበዮ ትንቢት፡ ከምዚ ዝብል “መንፈሰይ ናብ ልዕሊ ዅሉ ስጋ ክዅዑ እየ” ኢሉ ንዝሃቦ ተስፋ ካብ በዓለ ሓምሳ ኣትሒዙ ዝፈጸመላ ግዜ፡ ነፍሲ ወከፍ እቲ ናይ ምድሓኑ ወንጌል ዝተቐበለ ክርስትያን ነፍሲ፡ መንፈስ ቅዱስ ዝሃደሮ ቤት መቅደስ እዩ ዝኸውን። (ኤፌ 1፡13, ዮኤ 2፡28, ግብ 2፡16-20፣ ዮሃ 14፡17)።
ከም መንፈስ ኣምላኽ ዝሓደሮም ሰባት መጠን፡ ጉዳይ ምጽራይ ቤት መቅደስ ጉዳይ ምቅዳስ ህይወት ነፍሲ ወከፍ ሰዓቢ ክርስቶስ እዩ ዝኸውን ዘሎ። ካብዚ ናይ ጐይታ መቅደስ ናይ ምጽራይ ፍጻሜ፡ ንህይወትና እንመሃሮ እንታይ እዩ፧ ኢልና ክንሓትት ግቡእ እዩ። እቲ ናይ መጀመርታ ነጥቢ፡ ዕላማ ህይወትና፡ ዕላማ ናብራና እንታይ ምዃኑ ኣነጺርና ክንዝክር ዝሕግዘና ነገር ዘለዎ ምዃኑ እዩ። “ቤትይ ቤት ጸሎት ትብሃል” ብምባል ዕላማ ህልውና እታ ቤት መቅደስ ንኣምልኾ ኣምላኽ ምዃኑ ገለጸልና። ጸሎት ድማ እቲ ቀንዲ መገዲ ኣምልኾ እዩ። ጸሎት ናይ ትውክልትን ተጸባይነት መርኣዪ ስለዝዀነ፡ ነዚ ኢና እቲ ዝዓበየ መገዲ ኣምልኾ ንብሎ ዘሎና። ንሕና ድማ ንኣምልኾን ክብርን ኣምላኽ ከም ዝተፈጠርና መጠን፡ ህይወትና ንኣምላኽ ንበይኑ ክግዛእን ክውከልን ይግብኦ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ደጊሙ ከምዚ ይብለና “ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።” (1ቈረ 6፡19-20)። ከምቲ ኣቐዲምና ክንብሉ ዝጸናሕና ንኣምላኽ ካብ እነክብረሉ መገድታት እቲ ቀንዲ ኣብ ኣምላኽ ብምውካል እዩ። እንውከሎ ዘበለ ኵሉ ኣምላኽ ከም ዝዀነና ርዱእ እዩ። እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት እዩ። ኣምላኽ ምልኣት ናይ ኵለንተናን ከም ዝደሊ፡ ምልኣት ትውክልትና ድማ ይደሊ። እቲ ጽሩይ ማይ ነጺጉ፡ መንፈሱ ኣፍሲሱ ካብ ጣኦታት ዘጽረዮ ህይወትና፡ መሊስና ጣኦታት ክነእትወሉ ብሓጢኣት ድማ ክነርስሖ እንተ ተረኺብና ምስ ኣምላኽ ኣብ ከምይ ዝበለ ምትህልላኽ ንኣቱ ከም ዘሎና ክርድኣና የድልይ (ህዝ36፡25)። ነዚ እዩ ድማ ቃሉ፥ ሓደ እዃ ነዛ ቤት መቕደስ እንተ ኣማሰና ኣምላኽ ከማስና እዩ” ዝብለና (1ቈረ 3፡17)።
እቲ ካልኣይ ካብዚ እንመሃሮ ነገር ድማ ከም ኣገግልቲ ካብ ጐይታ ክንክተሎ ዘሎና ምሳሌ እዩ። ጐይታ ቅንኣት ቤቱ በሊዕዎ፡ ንምጽራይ ቤቱ ተላዕለ። እዚ ቅንኣት ዝብል ኣመር፡ ሰባት ነቲ ስጋዊ ድርኪቶም መተንፈስን መመኽነይን ክጥቐምሉ ዝረኣዩ ስለዝዀነ እቲ ቅኑዕ ቅንኣት ኣየናይ እዩ ኢልና ክንምርምር ኣገዳሲ እዩ። እዛ ቤት መቕደስ ዕላማኣ ስሒታ ከላ ተጻዊሮሞ ክኸዱ ጸኒሖም፡ ነቲ ንሓቂ ክምስክር ንዝመጸ ጐይታ ግና ብቅንኣት ሃይማኖቶም ተለዓዒሎም ክሳብ ቅትለት በጽሑ። ሳውል (ጳውሎስ) ብተመሳሳሊ ብቅንኣት ስጓጊ ማሕባር ምንባሩ ንርኢ ኢና። ንቅንኣት ‘ቅንኣት ኣምላኽ’ ዝገብሮ ደኣ እንታይ እዩ፧ እቲ ምስጢር እቲ ፍልጠት እቲ ሓቂ እዪ። ክርስቶስ “ኣነ ንሓቂ ኽምስክር፡ ምእንትዚ ተወለድኩ፡ ምእንትዚውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ። ካብ ሓቂ ዝኰነ ኵሉ ኸኣ ድምጸይ ይሰምዕ እዩ፡ ኢሉ መለሰ።” ብምባል ቅንኣቱ መንቀሊኡ ፍልጠት እቲ ሓቂ ምንባሩ ኣግሃደ (ዮሃ 18፡37)። እቲ ሓቂ ዘይተገልጸሉ ኵሉ ክህልዎ ዝኽእል ቅንኣት ስጋዊ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ሰይጣን ዝጥቀመሉ ቅንኣት ኰይኑ እዩ ዝርከብ። ኣብ ዓለምና ብስም ሃይማኖት ብዙሓት ዓይነታት በደላት ተፈጺሞም እዮም። ንኣብነት ክጥቐሱ ካብ ዝክእሉ ካብ 11 ክፍለ ዘመን ክሳብ 13 ክፍለ ዘመን ዝተካየዱ ኽሩሰይድ ተባሂሎም ዝፍለጡ ውግኣት ንብዙሓት ሰባት ንክርስትና ዝባኖም ንክህብዎ መዕንቀፊ ዝኹነ እዮም። እዞም ዝተፈጸሙ በደላት ካብ ፍልጠት ሓቂ ዘይነቐሉ ቅንኣታት ኰይኖም ኢና ንረኽቦም። ስለዚ ቅንኣትና ኣብ ፍልጠት ሓቂ ክኸውን ይግብኦ። ነታ ሓቂ ዝፈለጠ ኵሉ ሓራ ከም ዝወጽእ ድማ ንርእስናን ነቲ ብቅንኣት ተላዒልና ክነቅንዖ እንደልን ክነድሕን ኢና።
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
ዕለት፥ ሰንበት መጋቢት 17, 2019 መጋቢት 8, 2011 (ግእዝ) |
||
ናይቲ መዓልቲ ስብከት መዝ 96(95)፡5 እስመ ቅንዐተ ቤትከ በልዐኒ ትዕይርቶሙ ለእለ ይትዔየሩከ ወድቀ ላዕሌየ ወቀጻዕክዋ በጾም ለነፍስየ። ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ፣ ጸርፊ እቶም ዚጸርፉኻውን ኣባይ ወዲቑ እዩ እሞ፣ ነሕዋተይ ጓና፣ ንውሉድ ኣደይውን ጋሻ ዀንኩ። |
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
|
ንባብ |
ኣንባቢ |
|
ቆሎ 2፡16-ፍጻሜ |
ዲያቆን |
|
ወንጌል፡ ዮሃ 2፡12-ፍጻሜ |
ያቆ 2፡14-ፍጻሜ |
ንፍቀ ዲያቆን |
ቅዳሴ፡ ዘእግዚእነ (ንኣኵተከ) |
ግብ 10:1-9 |
ንፍቀ ካህን |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ