ፖለቲካ ዚብል ቃልውን ኣብ ቀጽራ ቦታ ክህልዎ ኣይትፈቅድን እያ። ስም እግዚኣብሔር እናተረግጸ፡ ኣፋ ዓቢሳ ስቕ ምባል ኣምላኻዊ ተልእኮኣ ስለ ዘይኮነ ግን ክትገልጽ ግቡኣ እዩ። ኣብ 1997 ዝተጻሕፈ፡ ንትግባሪኡ ግን ዘይጸደቐ ብዙኃት ሊቃውንቲ ዓለም ዝደኸሙሉ፡ ንሃገረ ኤርትራ መመሓደሪ ክኸውን ተባሂሉ ዝተነድፈ ቅዋማዊ ጽሑፍ ከም ዘሎ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። እቲ ጽሑፍ፡ ኣብ ትሕዝቶኡ፡ ኣቲኻ ብዓለማዊ መምዘኒ ክትርእዮ እንከሎኻ፡ ኣብዚ እዋን ንኹሉ ኤርትራዊ፡ ዘተሃራርፍ፡ ኣፍካ ማይ ዘምዑግ፡ እዩ። እንተ ኾነ ነቲ ኩሉ ርባሕ ባዶ ዘትርፍ ኣብ ዓንቀጻት፡ 35፡ 45፡ 51 ብዛዕባ ማሕላ፡ ኣስፊርዎ ዘሎ ሓደገኛ ቃል ንምልዓል እየ።
ቅድሚ ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ጽሑፍ ሰፊሩ ዘሎ ዓረፍተ ነገር ምጥቃሰይ፡ ማሕላ እንታይ እዩ? ዝብል ኣሕጽር ኣቢለ ክገልጽ። ማሕላ ደቂ ሰባት ንቃሎም ሓቀኛ ምዃኑ ንምርግጋጽ ኣብ ቅድሚ ዘምልኽዎ ኣምላኽ ዝህብዎ መረጋገጺ ማኅተም እዩ (ዘፍ. 21፡23)። እቲ መሓሊ ነቲ ዝምሕሎ ብሓሶት ምስ ዝኸውን ናብ መሓሊኡ መርገም ኮይኑ ይወርድ (1ነገ.8፡31-32 ዘካ.5፡3 ተዘርዚሩ ኣሎ)። ክርስቲያን ኣማኒ ኣምላኽ ድማ ብተፈጥሮን ብፍጡርን ክምሕል ዓቢይ ክሕደት ኣምላኽ እዩ። ማቴ. 5፡ 33- 37። ስም ኣምላኽናውን ብከንቱን ብሓሶትን ንማሕላ ክንጥቀመሉ ኣይግባእን እዩ። ኣብ መሠረታዊ መበገሲ ጽሑፈይ ክኣቱ። ኣብቲ ዝተነድፈ ቅዋም ቃል ብቓሉ "I, ...swear in the name of the Eritrean martyrs” ማለት (ኣነ…..ብስም ስዉኣት ኤርትራ እምሕል) ዝብል ማሕላ ኣብ ክንዲ ብስም ኣምላኽ ብስም ፍጡር ሰብ ክትምሕል ዘገድድ ይርከቦ። እዚ ነቲ ኩሉ ዝተጻዕረሉን ሊቃውንቲ ዓለም ጊዜኦምን ጉልበቶምን ሓንጎሎምን ዘፍሰሱሉ፡ ከንቱ ዝገብር ሓደገኛ ሽሕ ብባዶ ዘራብሐ (1000 x 0 = 0) ሓረግ እዩ።
ኣብ ዝኾነ ደረጃ ይሃልዉ ግን ብስም ፍጡር ከነምልኽን ክንምሕልን ፈጺሙ ኣይግባእን። ነዚ ንምድራዕን ኣብ ርእሲ ህዝቢ ተደራቢ መከራን መቕሰፍትን ንምውሳኽን ጎየልትን ተለሃይትን “ስብሓት ነቲ ገንሸል፡ ስብሓት ነቲ ስዉእ” እናበሉ ክለሃዩን ክዝይሙን ነቲ ብጀካ ንኣምላኽ ንበይኑ ንካልእ ዘይወሃብ ክብሪ ንፍጡራት ንስዉኣት ሰባት ክህብዎ ይስምዑ ኣለዉ። ሓሳባተይ ስዉኣትና ኣይነኽብር ኣይንዘክሮም ማለተይ ኣይኮነን እኳደኣ፡ እታ ክብርቲ ሕይወቶም ስለ ዘይበቐቑልና ኣብ ጸሎትናን ሒልናናን ብሕይወት ክሳብ ዘሎና እናዘከርናዮም ክንነብር መንፈሳዊ ግቡእና እዩ። ኩሉ ከም ዝፈልጦ ሕዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣማኒ ኣምላኽ፡ ድሒሩ ድማ ምስልምናን ክርስትናን ዝኣምን ሕዝቢ እዩ። ብዘይ ኣምላኽ ሓንቲ ስድሪ ክስድርን፡ ጽቡቕ መነባብሮ ክነብርን፡ ሰላምን ቅሳነትን ክረክብን ከም ዘይክእል ስለ ዝፈልጥ ነቲ “ብዘይ ብኣይ ሓንቲ እኳ ክትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም” ዮሓ. 15፡5 ዚብል ኣምላኻዊ ቃል ኣኽቢሩ ዝኸይድ ዝነበረ ሕዝቢ እዩ ነይሩ። ክምስክር እንከሎ ንማዕተበይ፡ ሰብ እንተዘይርኣየኒ ኣምላኽ ይርእየኒ፡ ሰብ እንተዘይሰምዓኒ ኣምላኽ ይሰምዓኒ፡ ሰብ ልበይ እንተዘይመርመሮ ኣምላኽ ውሽጠይ ይፈልጠኒ ኢሉ እዩ፡ ክርስቲያን ብመጽሓፍ ቅዱስ ብስም ኣምላኽ፡ ኣስላማይ ብቁርዓን ብስም ኣላህ፡ ኢሎም፡ ካብ ሒልናኦም ኣብዚ ዓለም ወሊደ ከዕቢ ዘሪአ ከፍሪ፡ ሞይተ ክጸድቅ ብምባል፡ ሰማይ ሃገረይ፡ ብሓቂ ዝምሕልን ዝምስክርን ሕዝቢ እዩ ነይሩ። ኣምላኽ ተወኪሉ ጸላእቱ ይስዕርን ይዕወትን እምበር ኣብ ብዝኁን ብልሑን ተኣማሚኑ፡ እግዚኣብሔር ጠሊሙ፡ ብስም ፍጡር ሥጋ ለባሲ ሰብ ኣሚኑን ምሒሉን ኣምሊኹን ዝተዓወተሉ ጊዜ የለን። ከመይሲ “እግዚኣብሔር ከምዚ ይብል ኣሎ እቲ ኣብ ሰብ ዝውከል ቅልጽሙ ድማ ኣብ ሥጋ ዚገብር ብልቡውን ካብ እግዚኣብሔር ዚርሕቕ ሰብ ርጉም እዩ።” ኤር.17፡5 ዝብል ቃል ስለ ዝኽተል።ስለዚ እምበኣር በዓል ጉዳይና በዓል ነገርና እግዚኣብሔር ምዃኑ ክንግንዘብ ግቡእና እዩ።እዚ መርገም እዚ ኣብ ርእሲ ሕዝቢ ንኸይበጽሕ፡ ኣምላኽን ይከላኸለልና እዩ። ባህግን ድሌትን ኣምላኽና ኩሉ ክድኅንን ኣብ ፍልጠት ሓቂ ክበጽሕን እዩ፡ እምበር ብመርገም ክንቅጻዕ ስለ ዘይደሊ፡ ኣጋዲ እዚ ምስ ኣምላኽን ዕቤቱ ዘባእሰና ቅዋም ባዕሉ ኣምላኽ እምበር ፖለቲከኛታት ከምዘይኮኑ ክንግንዘብ ይግባእ እብል።
ክብሪ ንእግዚኣብሔር ኣብ ላዕሊ ሰላም ድማ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ሥምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት።
ልሳነ-ሰይፍ ዘገዳም።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ