S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ተወሳኪ ናይ ፍቅሪ ትእዛዛት

ምሳሌ 4:23 "ህይወት ካብኡ እያ እትፍልፍል እሞ ልዕሊ ኹሉ ንልብኻ ልዎ።"

ናይ ቄሳር ንቄሳር ናይ እግዚኣብሄር ድማ ንእግዚኣብሄር ከምዝብል ንሕና ድማ ናይቲ ፈቃር እግዚኣብሄር ኢና ፍቅሩ ድማ ኣብ ባህሪና ኣሎ እሞ ነቲ ሽርሒ ጽልኢ ቅንኣት ክሲ ውስልትና ተንኮል ናይ ሰይጣን ተግባር በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኢልና ኣማዕቲብና ካብ ልቦናና ነርሕቖ። ንእሽተይ ጥንሲ ዝበሃል የለን ጥንሲ ጥንሲ እዩ ከምኡውን ጎደሎ እምነት የለን ኣመንቲ ካብ በልና ምሉእ እምነት ክህልወና ይግባእ።

ጴጥሮስ 1:5-7 "ብትግሃት ዘበለ ተጋደሉ ኣብ እምነትኩም ደግነት ወስኹ ኣብቲ ደግነትውን ፍልጠት ኣብታ ፍልጠት ከኣ ምግታእ ርእስኻ ኣብታ ምግታእ ድማ ዓቕሊ ኣብቲ ዓቕሊዉን ፍርሃት እግዚኣብሄር ኣብ ፍርሃት እግዚኣብሄር ድማ ምፍቃር ኣሕዋት ኣብቲ ምፍቃር ኣሕዋትውን ፍቕሪ ንኹሉ ሰብ። "

ትዕግስትና የዋሕነትና ምስትወዓልና ህድኣትና ኮታ ኩለንትናና ብሓንሳብ ጠርኒፍና ንኽብርን ሞጎስን እግዚኣብሄር ንኸነወዕሎ ምሉእ ዘይጉድል ዕድል ተዋሂቡና ኣሎ እሞ ከምቲዝመጸ ከይመጸ ብርኩታካ ንጸዝተባህለ ነቲ ቡርኩታ ቃል እግዚኣብሄር ብደም የሱስ ዝተጻሕፈ ኹቡር ህያብና ብዘይጽኑዕ ትምኒትን ብፈከራን ጥራሕ ዘይኮነ ብእምነትን ብፍቅርን ብዓቢኡ ከኣ ብተግባር ክንጥቀመሉን ከነዘውትሮን ይግባእ። ፍቅርና ድማ ቐጻሊ ክኾነልና ነቲ ህያው ኣምላኽ ኣብ ርእሲ ፍቅሪ ፍቅሪ ከዕስለልና ኣብ ዘዘለናዮ ኮይና ንለምን።

ኣሜን!

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div