ታሪክ ቅድስት ቤተ ክርስትያንና ምልስ ኢልና እንተ ርኢናዮ ብኣስታት 333 ካብ መንበረ ማርቆስ ብቅዱስ ኣትናቴዎስ ሓዋርያ መበል 20 ፓትርያርክ ግብጺ ዝተቐበአ ቅዱስ ፍሬሚናጦስ (ናይ ኣምላክ ሰብ) ክርስትና ተቐበልና። ቅዱስ ፍሬሚናጦስ (ኣባ ሰላማ) ጵጵስና ተቐቢሎም ኣብ ሃገርናን ኣብ ኢትዮጵያን የገልግሉ ነበሩ። ካብዚ ጊዜ ኣትሒዙ ድማ ክህነት እናሃበት ጳጳሳት እናለኣኸት መንበር ማርቆስ እስክንድርያ ተገልግለናን ትጓስየናን ነበረት።
ናጽነትና ምስ ረከብና ከም ሃገር’ውን ብዓለምለካዊ ምስ ተፈለጥና ኣብ ሃገርና ከኣ ብዙሓት ገዳማትን ኣድባራትን ቤተ ክርስትያናት ዝሓቆፈት ስለ ዝኮነት፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ኣቦ መራሒ ማለት ፓትርያርክ ክህልዋ ስለ ዝግባኣ፡ ነታ ቅድሚ 1700 ዓመት ሓዋርያዊ ሰንሰለት ካብ ኢድ ክርስቶስ ተቀቢላ ዘረከበታ። በቲ ጊዜ ዝነበሩ እዞም ኣብዚ ቀረባ ጊዜ ብሥጋዊ ሞት ዝተፈለዩና “ፖፕ ሽኖዳ 3ይ” ኢዮም። ንሶም ድማ ብጽቡቅ መንፈስ ተቐቢሎም ኣብ ካይሮ መንበር ማርቆስ በኣማኢት ጳጳሳት፡ ካህናት፡ ዲያቆናት፡ ብኣሻሓት ምእመናን መራሕትን ሰበስልጣን ዝርከብዎም “ንኣቡነ ፍሊጶስ” 1ይ ፓትርያርክ ሸሙልና። ቤተ ክርስትያን ከኣ ብሓጎስን ደስታን ተቀበለቶ፡ ኣገልግሎቶም ድማ ብዘይ ሓዋርያዊ ሰንሰለት ምብታክ ተፈጸመ። ብሰላምውን ዓረፉ። ቀኖና ቤተ ክርስትያን ከም ዝእዝዞ ድሕሪ ፓትርያርክ ፍሊጶስ 1ይ ፓትርያርክ ክትሸይም እቲ ዝግብኣ ኩሉ ኣማለአት። ፍቃድ ኣምላክ ኮይኑ ድማ ኣቡነ ያእቆብ 2ይ ፓትርያርክ ኤርትራ ኮኑ። ኩሉ ድማ “ይደልዎ” በለ። ከም ፍቃድ ኣምላክ ከኣ ነዊሕ ከይጸንሑ ብሰላም ዓረፉ። እታ ቤተ ክርስትያን ከኣ ብቀዳማይ ኣቡኣ ከይተጻናነዐት ከላ እቲ ካልኣይ ኣቦ ተደገመ። ሰማያዊ ኣቦና ከም ዝበለና “ዘክታማት ክትኮኑ ኣይሓድገክሙን እየ” (ዮሃ 14 18)።
ነታ ቤተ ክርስትያን ኣቦ ዝኮና ከምቲ ቀኖና ቤተ ክርስትያን ዘፍቅዶ ንክመርሓ ፍቓድ እቲ ልዑል ጓሳ ናይ ጓሶት ኢየሱስ ክርስቶስ ኮነ። ብፍቃድ ኣምላክን ብስምረት ቤተ ክርስትያን ነቲ ቅዱስ ዝኮነ መዓርግ ናይ ፓትርያርክንና ማለት ወኪልን ኣምባሳደርን ናይ ክርስቶስ ክኸዉን ዝተመርጸ። እቲ ኣብ ገዳም ኣቡነ እንድርያስ ሰፍኣ ኣርዑት ምንኩስና ዝተቀበለን ኣበመኒትን’ዉን ዝነበረ፡ ካብቶም መጀመርያ 5ተ ጳጳሳት መጀመርያ ፓፕ ሽኖዳ 3ይ ኢድ ዘምበርሎም፡ ስም ናይ ኣቦ መነኮሳን ዝሃብዎም፡ ቅድም’ዉን ኣብ ምንኩስኖኦም ፓፕ ሽኖዳ 3ይ ከም ሽሞም ዝነበረ ጵጵስና ዝተዋህቡ፡ ኣብ ሃገረ ስብከት ዞባ ማእከል ጳጳስ ዝነበሩ “ኣቡነ እንጦንዮስ” መበል 3ይ ፓትርያርክ ናይ ኤርትራ ኮይኖም ተመረጹ። ወይ ፓትርያርክ እንጦንዮስ!!! ለካ እግዚኣብሄር ዕላማ ነይርዎ እዮ።
ናብዚ ቅዱስ ዝኮነ ስነ ስርዓት ናይ ምቅባእ ምእንቲ ክፍጸም ነታ ካብ ክርስቶስ ብቅዱስ ማርቆስ ኣቢላ ሓዋርያዊ ሰንሰለት ዝተቐበለት ግብጺ ተዓደመት። ከምቲ ጐይታ ንዓለም ኩሉ ምእንቲ ከገልግሉ ንሓዋርያት ኢድ ዘንበረሎም ኡፍ ውን ዝበለሎም። ካብተን ካልኦት ዓለም ኣብያተ ክርስትያናት ፍልይ ዘብለና ከኣ እዚ ሓዋርያዊ ሰንሰለት እዩ።
ከምቲ ቅዱስ ሳዊሮስ (ፖትርያሪክ ናይ ሶርያ) ሓዋርያዊ ሰንሰለት ከይብተኽ ጸኒዑን ተጊሁን ኣንጻር ክልኤ ባህሪ ዝጋደል ዝነበረ ካብ ሶርያ ዋላኳ እንተ ተሰጐ ኣብ እስክንድርያ እሙን ዝነበረ፡ ነዚ ጽንዓት ርእያ ከኣ ግብጻዊት ቤተ ክርስትያን ክሳብ ሎሚ ኣብ ቅዳሴኣ ድሕሪ ማርቆስ ቅዱስ ሳዊሮስ እያ እትጽውዕ፡ ሓዋርያዊ ሰንሰለት ንከይብተክ ዝተጋደሉ ጀጋኑ ኣቦታት። “ነዚ ድማ ኣጸቢቆም ዝፈልጡን ዘስተውዓሉ ዘቀደሙን ፖፕ ሽኖዳ 3ይ” ንኤርትራ ክመጹ ፍቃደኛ ነበሩ።
ኣብ ርእሲ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ኣስመራ እቲ ስነስርዓት ስለ ዝፍጸም ኩሎም ጳጳሳት፡ መነኮሳት፡ ካህናት፡ ዲያቆናት፡ ሊቃዉንቲ፡ ምእመናን ተኣከቡ። ብማህሌት፡ ውዳሴ፡ ዝማሬን ቅኔን ድማ ወቀበ። በብክእለቱን ዓቅሙን ድማ ነቲ ልዑል ዝኮነ ጎይታ ኣመስገነ። ሽዑ ከኣ ፖፕ ሽኖዳ 3ይ “ብሩክ እግዚኣብሄር ኣብ ኣምላክነ ወብሩክ ወልድ ዋሕድ እግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ መድኃኒነ ወብሩክ መንፈስ ቅዱስ መጽንኢ ወመንጽሂ ኩሉነ” ኢሎም ኢዶም ኣንበርሎም፡ ኡፍ’ ኢሎም፡ ብእስትንፋስ መንፈስ ቅዱስ በትሪ መጓሰ ኣቀበልዎም፡ ኣብ መንበር’ ውን ኣቀመጥዎም፡ 3ይ ፓትርያርክ ኤርትራ ኢሎም’ውን ሰመይዎም። ኩሉ ድማ ብእልልታን ብጣቂዕትን ብሓጎስ ብዓቢ ድምጺ ከምዚ ኢሎም ጨርሑ “ንፓትርያርክና እንጦንዮስ ይግብኦ ይግብኦ ይግብኦ” በለ። ወይ ፓትርያርክ እንጦንዮስ!!!
ኣብ ዉሽጢ ሓጺር ጊዜ ድማ ቅድስኖኦም ኣብ ቤተ ክርስትያን ፍሉይ ዝኾነ ለውጢ ኣብ ቤተ ክርስትያንና ታሪክ ክምዝገብ ጀመረ። ገለ ካብኡ ንምጥቃስ ቅዱስ ሜሮን ምስ ግብጺ ብምትሕብባር ንመጀመርያ ጊዜ ኣብ ሃገርና ክዳሎ ጀመረ፡ ንዋየ ቅዱሳት ንምድላው ውዕል (contract) ተኣታትዩ፡ ንመጀመርያ ግዜ (Theology College) ነገረ መለኮት ንምድላው ቤተ ክርስትያን ንምህናጽ ሊቃውንቲ ተሓተቲ ዝፈርይሉ እምነ መሰረት ምስ ፖፕ ሽኖዳ 3ይ እምነ መሰረት ኣንቢሮም። ነቲ ሓዋርያዊ ዕዮ ጎሊሑ ዝተራኣዮም ፖፕ ሽኖዳ 3ይ መትከል እግሪ $100,000 ዶላር ኣበርከቱ። ተስፋ ናይ ቤተ ክርስትያንና ክበርህን ክኹላዕን ጀመረ። ከምቲ ፖፕ ሽኖዳ 3ይ ዝመረቑዎም “ነዊሕ ዘመንን ህዱኡን ኣሳልጦን ይሃብካ” ዝበልዎም ብጽቡቅ ክኸዱን ትንሳኤ ቤተ ክርስትያን ክርኤ ጀመረ። ከምቲ ኣቦታት ዝብልዎ ግን “ዘራጊ ከሎ ጽሩይ ማይ ነይስተ” ከም ዝተባህለ፡ እታ ክትውላዕ ጀሚራ ዝነበረት ቤተ ክርስትያን ብሽርሖምን ውዲቶምን ሓሶቶምን ክጽልምት ጀመረት። “ክትበልዓ ዝደለኻ ኣባ ጉምባሕ ዛግራ በላ” ከም ዝተባሃለ ከምቲ ድያብሎስ ንክሲ ዘየዕርፍ (ከሳሲ ኣሕዋት)ዝተባሃለ ይፍታሄን ሰዓብቱን ጳጳሳት ክኸሱ ጀመሩ። ነቲ የዋህ ምእመን መርሚሩ ዘይክእልን ዘይዛረብን ስለ ዝፈለጥዎ ምስ ፕሮቴስታንት (Protestant) ርክብ ኣለዎም ኢሎም ነቲ ኣብ እምነት ግዲ ዘይብሉ ከኣ ምስ ሲኣይኤ (CIA) ናይ ኣመሪካ ርክብ ኣለዎ ኢሎም ነገርዎ። ኣነስ ይገርመኒ’ዮ ከመይ፡ ብዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ኣብ ክርስቶስ እዮ ተሰዊሩ ዘሎ። እዚ ዝብል ዘለኹ ሓደ እኻ ብምጥባር ከየስሕተኩም ኢለ እየ። (ቆላ 2፡3-4) መዝገብ ፍልጠት ጎይታ ምኻኑ ዘንጊዖም እስከ ጥበብክሙን ጉርሕኹምን ኣበይ ከብጻሓኩም እዩ። እቲ ካብ ኩሉ ዓይነት እንስሳ ጎራሕ ዝተባህለ ተመን ግና “ብኸብድካ ኪድ፡ ሓመድ ይኹን ቀለብካ ተባሃለ፡ ርእስኻ’ውን ክጭፍለቅ እዩ ተባሃለ፡ እዚ’ውን ኣብቶም ጥበብክሙን ጉርሕኩምን ተወኪልኩም ዘለኩም ኣባኹም ከይፍጸም እፈርሓልኩም ኣለኹ!!!!
“ንሰይጣን ኣይትሃቦ ስልጣን ከም ዝተባሃለ” ንይፍታሄ ዕድልን ስልጣን ዝሃብዎ ጳጳሳት ኤርትራ ከም ንጥሪት ኮብኪብካየን ከም እትኸይድ ኮብኪብዎም ከደ። ምስ “ኣባ ድዮስቆሮስን ኣባ ማርቆስን” ከይዱ ንፖፕ ሽኖዳ 3ይ “ኣታዓርቁና ወይ ድማ ማዓዱልና ዘይኮነ ካብ ማዓርጎም ቀንጡጥልና” ብምባል ክስታቶም ኣቅረቡ። ፖፕ ሽኖዳ 3ይ ግና “እዝስ የንእዶም፡ ካብ ማዓርጎም ኣየውርዶምን” ኢሎም ኣባታውን ሓዋርያውን ማዕዳ ለገስሎም፡ “ምስ ኣቦኹም ተዓረቁ’ውን በልዋም”። እዚ መንፈሳዊ ማዕዳ ግና ምስቲ ናቶም ኣጀንዳ ክሳማማዕ ስለ ዘይክእል ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎ ኮነ “17 ሥጋ ነቲ ምስ መንፈስ ዚጻረር ይምነ፡ መንፈስውን ነቲ ምስ ሥጋ ዚጻረር እዩ ዝምነ። ነቲ እትደልይዎ ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ እዚኣቶም መጻርርቲ እዮም”።(ገላ 5፡17) ስለ ዝኮኑ ኸኣ ክሳማምዑ ኣይካኣሉን ። ጎሪሕና ተባሂሎም ኣብቲ ህዝብን ቤተ ክርስትያንን ናዕቢ ከይፍጠር ካብ ምሕደራ ጥራይ ደው ኣቢልናዮም ኢሎም ውሳኒኦም ኣሕለፉ።
“ጊዜ ከለካ ጊዜ ኣይትጸበ” ከም ዝተባሃለ ብዝላዓለ ፕሮፖጋንዳ ኣብዘሐ። ኣብ መጨረሽታ ሰብ ብጌጋ ምስ ኣረደአ ፓትርያርክና ክእለዩ ኣለዎም ኢሉ መደረ። “በይኑ ዝተማጎተ ዝረትዖ የብሉን ከም ዝተባሃለ” መደርኡ ቀጸለ። ዝተዛረበን ኣድማ ዝገበረን ንሓቂ ደው ዝብልን ግዲኡ ኣበይ ሙኻኑ ዝፈለጠ ህዝቢ፡ ኩሉ ስቅታ መረጸ፡ ክፍረዱ ወይ ናብ ጉባኤ ሊቃውንቲ ክወርዱን ቃሎም ከስምዑ’ ውን ዕድል ዘይረከቡ ኣቦ፡ ልክዕ ከም ህጻን ባዕሎም ከሰስቲ፡ ባዕሎም ፈረድቲ፡ ባዕሎም መስከርቲ ብምኻን ጉባኤ ኣይሁድ መሰለ!!! ከምቲ ንጐይታ አይሁድ ብብዙሕ ዝኸሰስዎ። ብኹሉ ወረ ነዚሖም ኣብ ጉባኤ ግን ከቅርብዎም ኣይካኣሉን፡ ዝተለመደ መስርሕ ንክመስል። ወይ ጉድ ፓትርያርክ እንጦንዮስ።
ናበይ ወሲዶሞም ንዝብል ግን እቲ መልሲ ርዱእ ይመስለኒ
ከም ሰራቅን ጉሒላን ክርስቶስ (እንጦንዮስ) ንመስቀል ማእሰርትን ግፍዕን የሕሊፎም ሃብዋም። ንባርባን (ይፍታሄ) ግን ናጻ ኣውጽእዎ !!! ኣብ ታሪክ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ንዘንትእለት ይፍታሄን ሳዓብቱ ጳጳሳት ኣትዮም። እታ ዕለት እቲኣ ከኣ ኣብ ካላንደር ቤተ ክርስትያን ኣብ ዓለም’ለካውን ስቅ ኢልካ ከም ካልእ ዕለት ትሕለፍ ኣይኮነትን “ተሰኒዳ ኣሰራ ገዲፋ” ንዘልኣለም እያ ክትነብር። እዚ ኹሉ ንዓለም መኒንካ ክህነት ተሰኪምካ ናይ ሓተላ ታሪክ ኮይኑ ክተርፍ ግን ይሕዝነኒ።
ካብ ሲኦል ምስጋና ከምዘይንጽበ፡ ካብ ኣጋንንቲ ድማ ስምምዕን ሰላምን ከም ዘይርከብ፡ ኣብ ማሕበር ሰይጣውንቲ ከኣ ጥምረትን ፍረን ዕቤትን ከም ዘይህሉ ካብ ይፍታሄ ዕድል ሂብካ ናይ ቤተ ክርስትያን ርእሲ ጌርካ ምዕያይ ብተማሳሳሊ ሓንቲ ተስፋ ፍረን የብሉን። ከምቲ መሰልቲ ዝብልዎ “ንርእሳ ዘይጸደቀት ፈላሲት ንሰይጣን መሓረለይ ትብል”፡ ንርእስኻ መርምር፡ ነፍስካ ኣድሕን፡ ክርዳድ ክተውጽእ ክትብል ክርዳድ ኮንካ ከይትተርፍ!!!
እቲ ዘሕዝን ግና ብዙሓት ኣገልገልቲ ኣለው። ብፍላይ ድማ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝቅመጡ “ዝበረቐ ፀሓይና ዝነገሰ ኻኣ ንጉስና” ዝብሉ ኣለው። ገሊኦም ከኣ ክኢልናን ፈሊጥናን ሓሊናን ተባሂልለይ “ጳውሎስ ኣጵሎስ ኣይንበል” ዝብሉ ኣለው። ክንርእዮ ዝግባኣና ቀኖና ቤተ ክርስትያን ተሳዒሩ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ብሕይወት እንከሎ ተቐይሩ ። ክቅየር እንተ ደኣ ኮይኑ ኸኣ እዚ ዝስዕብ ከጋጥም ኣለዎ፡ ክመውት ኣለዎ፡ እምነት ክቅይር ኣለዎ፡ ኣብ ፍጹም ክሕደት ክወድቅ ኣለዎ፡ ኣብ ዝሙት ክወድቅ ኣለዎ፡ ኣእምሩኡ ክስሕት ኣለዎ። ፓትርያርክ እንጦንዮስ ግን ካብዚ ናጻ ስለዝኮኑ ናብ ጉባኤ ከቅርብዎም ኣይካኣሉን ምኽንያቱ ካብዚ ወጻኢ ክቅየር ስለ ዘይግብኦ።
ስለዚ ቀኖና ቤተ ክርስትያን ተሳዒሩ፡ ሃዋርያዊ ሰንሰለት ተበቲኹ ምክንያቱ ኣባ ደስቆርዮስ ዘይ ሕጋዊ ናይ ሓሶት (False) ፓትርያርክ ተሸይሙ። እቲ ዘሕዝን ግን ነታ ቅድስት ቤተ ክርስትያን ዋና ኣካያዲ ኣማሓዳርን ናይ ፓትርያርክ ዕዮ ፈጻሚ ኮይኑ ዘሎ እቲ ዝተሓተ ማዕርግ ናይ ኣናጉንስጢስ ዘይብሉ ኣቶ ይፍታሄ ነዛ መርዓት ክርስቶስ ዝኮነት ቤተ ክርስትያን ናበይ ክመርሓ ደልዩ!!! ነታ ዕጣርን ኢንታን መንቅብን ዘይብላ ቤተ ክርስትያን ንጽህናኣ ሓሊላ ኣሎ ማለት ድዮ! ከም ኣምኖን እምበር ድንግልናኣ ደፊርዋ ። “14 ንሱ ግና ዘረባአ ኺሰምዕ ኣይፈተወን፡ ኣብኣ ሐይሉስ ዐመጻ፡ ምስኣ ድማ ደቀሰ”።(2ሳሙ 13፡14) ሓዋርያዊ ሰንሰላታ በቲክዋ ይርከብ። ከም ሰራቅን ጉሒላን ከኣ ንቅዱስ እንጦንዮስ ንሱ ኣማሓዳሪ ንክኸውን ንማእሰርቲ ኣሕሊፉ ሃቦም። ጭዋ ንቤተ ክርስትያን ከማሓድራን ክኣልያን ንፓትርያርክ ክእዝዝ ስልጣን የብሉን።
ናይ ደቂ ሰባት ሕልና ዘይብሎም ድማ መድኃኒት እባ ሃቡኒ በጃኹም እናበሉ ብዘይ መድኃኒትን ሕክምናን ዘይክሞቱ እንድ’ዮም እንዳበለ ተጸበየ። ሕማቅ ዘበንሲ ከታዓዛዝብ እምበር ክቀትል ኣይመጽእን እዮ ከምዝተባሃለ ከም ቅዱስ ዳዊት “እቲ ኩሉ ጊዜ እተገልግሎ ኣምላክ ካብ ኣናብስ ከናግፈካ’ዶ ከኣለ” (ዳኒ 6፤20) ምስ ሓተቶ ንሱ ኻኣ “ንጹህ ስለ ዝኮንኩ ንኣኻ ድማ ስለ ዘይበደልኩ ኣምላክ መልኣኹ ልኢኹ ኣፍ ኣናብስ ዓጸወለይ” (ዳኒ 6፤22) ንኣቦና ድማ ኣፍ ሕማማት ዓጸወሎም። ሞቶምን ሬሴኦምን እንዳተጸበዩ ኣምላክ ግና ከም ንስሪ ኣሐዶሶም “1 እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፡ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን”።(ት.ኢሰ 40,31) በዚ ቅዱስ ዕዮ ናይ ኣምላክና ስለ ዝሓፈሩ ይፍታሄን ብኡ ዝማሓደሩ ጳጳሳት ድማ ድሕሪ ክልተ 2 ( ክልተ) ዓመት ማእሰርቲ ፓትርያርክ ምምራጽ ወሰኑ።
ንምንታይ ግን ንክልተ ዓመት ዝኣክል ብዘይ ፓትርያርክ ክጓዓዙ መሪጾም!
ሀ፦ ተግባራቶም ዘይሕጋዊ ስለ ዝኮነ ካብ ናይ ዓለም ኣብያተ ክርስትያንን ካብ ኦሬንታል ኦርቶዶክስ( Oriental Orthodox) ከይንጸሉ ስለ ዝፈርሁ።
ለ፣- ፓትርያርክ እንጦንዮስ ጥዕና ስለ ዘይብሎም ወሪድኩም ምስ በልናዮም ተስፋ ቆሪጾም ምስ ዘለዎም ሕማም ክጻወርዎ ኣይክእሉን እዮም ንዝብል ኣጉልን ዘይመንፈሳዊ ሓሳቦምን።
ሐ፣ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ብዝገበርዎ ገበን ኣብ ማእሰርቲ ከለው ስለ ዝዓረፉ ንቤተ ክርስትያን ከኣ ኣቦ ስለ ዘድልያ ፓትርያርክ ክንገብር ተገዲድና ብምባል ንዖዖም ዝሳማማዕ ናብ መንበር ምምጻእን ወዘተን…
ምጽባይ ግን ብምክሪ ይፍታሄ እቶም ህርፋን ፓትርያርክ ንሙኻን ዝነበሮም ኣቡነ ድዮስቆሮስ ንመንፈሳዊ ኣቦኦም ጠሊሞም ኣብ ናይ ሓሶት መንበር ተቐመጡ። ናይ ቤተ ክርስትያና ታሪክን ስርዓትን ኣባላሸው። ዘሕዝን ኣጋጣሚ !!!
ነዚ ዝተገበረ ግህሰትን ጥልመትን ኣብ ልዕሊ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ዝተፈጸመ ዘይሓዋርያዊ ግፍዒ ዓለም’ለካዊት ኣብያተ ክርስትያንን ኦሪንታል ኦርቶዶክስን “ዘይሓዋርያውን ዘይሕጋውን ቀይድ በተክ” ብምባል ኣንጻሩ ደው በላ።
ስለዚ እዮም ከኣ ኣብ ብራዚል ዝተገበረ ዓለም’ለካዊ ጉባኤ ከም ከልቢ ዝተሰጎጉ፡ ከማኡ’ውን ኣብ ጣልያን ዝተገበረ ጉባኤ ዝተሰጎጉ። ምክንያቱ ፗፕ ሽኖዳ 3ይ “እንተ ኣውሪድክሞም ካብ ዓለም ክትንጸሉ ኢኩም፡ ብግልጺ’ውን ክንቓወመኩም ኢና” ብምባል ንይፍታሄን ኣባ ደስቆሮስን ነቶም ኣብዚ ጉዳይ ቀንዲ ተሓታቲ ዝኮኑ ኣባ ማርቆስን ነገርዎም!!!
ታሪክ ፖፕ ሽኖዳ 3ይ እንተመርመርና ኣብ ግዜ ኣንዋር ሳዳድ ካብ 1980-1985 ንሓሙሽተ 5 ዓመት ዝኣክል ዝተኣሰሩ ንሳዳድ ብሞት ኣሕሊፎም ብፍቃድ እቲ ልዑል ኣምላክ ናብ መንበሮም ተመለሱ።
ፓትርያርክ እንጦንዮስ’ከ ንናይ ዘበና ሳዳድ ኣሕሊፎም ናብ መንበሮም ይምለሱ’ዶ ይኮኑ? ነቲ በይኑ በዓል ጥበብ ዝኮነ ኣምላክ ኢየሱስ ክርስቶስ ንዘልኣለም ክብሪ ይኩኖ። ኣሜን!!! (ሮሜ 16፡ 27)
ንፓትርያርክና ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዕድመን ጥዕናን ንብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ኣብ ኣገልጉሎቶም ዓወትን ኣሳልጦን ይሃብ።
ንኩሎም ኣብ መላእ ኩርናዕ ዓለም ዝርከቡ ኣገልገልቲ ኣኅዋትን ኣኃትን ጸጋ ይሃብ፣
ንህዝብናን ሃገርናን ድማ ሰላም የብዛኃሉ።
ዲያቆን ዮሓንስ ገብረ_ሕይወት መድኃኔ ዓለም (ማንቸስተር)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ