ኣብ ግብሪ ሓዋርያት 10ይ ምዕራፍ “1 - ኣብ ቂሳርያ ቆርኔሌዎስ ዝስሙ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ኣብቲ ኢጣልያዊ
ዚብሃል ጭፍራ ሓለቓ ሚእቲ እዩ። 2 - ጻድቕ፡ ምስ ኲሉ ስድራ ቤቱ ድማ ንኣምላኽ ዚፈርህ ንህዝቢውን ብዙሕ ምጽዋት ዚምጽውት፡ ኲሉ ሳዕ ከኣ ንኣምላኽ ዚልምን እዩ። 3 - ብታስዐይቲ ሰዓት ናይ መዓልቲ ኣቢሉ ድማ ብግሁድ ትርኢት መልኣኽ ኣምላኽ ናብኡ ኣትዩ፡ ዎ ቆርኔሌዎስ፡ ኪብሎ ኸሎ ረኣየ። 4 - ንሱ ኸኣ ጠሚትዎ ሰምቢዱ፡ እንታይ እዩ፡ ጐይታይ፧ በለ። ንሱ ድማ፡ ጸሎትካን ምጽዋትካን ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ንመዘከርታ ደዪቡ እዩ፡” በሎ።
ኣብዚ ቅዱስ ጹሑፍ ብዛዕባ ሓደ ወተሃደርን ወጻእተኛን (ካብ ኣህዛብ) እዩ ዝንገረና ዘሎ። ኣብዚ ክንምልከቶ ዘሎና ስራሕ ኣምላኽና መስተንክር ምዃኑ እዩ። ካብ'ዚ ቅዱስ ጽሑፍ ክንምሃሮ ዘሎና ከኣ ቤተ ክርስቲያን ካብ ክሊ ኣይሁድነት ናብ ኣሕዛብ ክትሰፍሕ ዝጀመረትሉ እዩ። እቲ ዘገርም ግን ቀዳማይ ኣማኒ ካብ ኣሕዛብ፤ ወተሃደርን በዓል ስልጣን ምኻኑን እዩ። እዚ ብሓቂ ዘገርምን፤ ከመይ ከምዚ ይኸውን ኢልካ ዘሕትትን ዘመራምርን እዩ። ከመይ እንተ በልና፧ ብታሪኽ ከምዝሕበረናን ከም እንፈልጦን መንግስቲ ሮማ ንቄሳር ብደረጃ መለኮትን ኣምላኽነትን እዮም ዝርእይዎ ኔሮም። ከም ወተሃደራዊ ሥርዓት ከኣ ናይ ላዕለዎት ሓለፍትኻን ትእዛዝ መንግስቲ ምኽባርን ግቡእን ሓላፍነታውን እዩ። እንተ ዘይኮነ ግና መቕጻዕቱን ሳዕበኑን ካብ ማእሰርቲ ክሳብ ሞት ዘብጽሕ እዩ። ቅዱስ ቆርኔሌዎስ ከም ሓደ ወተሃደርን በዓል ሥልጣን ሓለቓ ሚእትን ከም ምዃኑ መጠን፤ ኩሉ ሕግን ሥርዓትን መንግስቲ ኣጸቢቁ ይፈልጦን፥ ሳዕቤኑ ይርድኦን ምንባሩ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ቅዱስ ቆርኔሌዎስ ግና ኣማኒ ኣምላኽ ምዃኑ ብተግባር ዘመስከረ ጻድቕ ሰብ እዩ ኔሩ። እቲ ቅዱስ ጽሑፍ ከም ዝብለናውን “ወትሩ ጸላይን፤ ብዙሕ መጽዋትን” ምንባሩ እዩ።
ቅዱስ ዮሓንስ ወዲ ዘካርያስውን ነቶም “ከመይ ጌርና መንግስተ ሰማይ ንወርስ” ክብሉ ዝሓተትዎ ወተሃደራት ዝሃቦም መልሲ ኣብ ወንጌል ሉቃስ 3፤ 14 "ንሓደ እኳ ኣይትግፍዑ፡ ብሓሶትውን ኣይትኽሰሱ፡ ደመወዝኩም ከኣ ይእከልኩም” በሎም። እቶም ዓቀይቲውን ንሕናኸ እንታይ ንግበር፧ ምስ በልዎ፥ ንሱ ኸኣ፡ “ካብቲ ዝተኣዘዘልኩም ሕልፊ ኣይትውሰዱ” በሎም። ካብቶም ናይቲ ቅዱስ ቃል እቲ ሰማዕን ኣተግበርትን ሓደ ከኣ ቅዱስ ቆርኔሌዎስ ሓለቓ ሚእቲ ምኻኑ እዩ። በዚ ምኽንያትውን በረኸት ኣምላኽ ንዕኡን ቤተ ሰቡን ወረዶም። ከምኡ' ውን ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ቅዱስ ወንጌልን ብኣብነት ተጠቒሱ ንረኽቦ ኣሎና። ንዓናውን ኣምላኽ ብጥበቡ ጽቡቕ ኣርኣያ ሂቡና ኣሎ። ሕግን ትእዛዝን ናይ ቔሳር ከኣ ልዕሊ ሕጊ ኣምላኽ ዘይምኻኑ ንኹልና ብሩህ እዩ። ብዛዕባ እዚ ሓዋርያት ኣብቲ መጀመርያ ዕዮ ናይ ወንጌል ምስተፈተኑ "ጴጥሮስን ሓዋርያትን ግና፡ ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ።" ዝብል ብቑዕ መልሲ ክህቡ ንርኢ። ግ ሓዋርያት 5፤ 29። እምበኣር ከምዚ ዝበለ ግሩም መልሲ ሎሚውን ናይ ኩልና ኣሰር ሓዋርያት እንስዕብ ኣመንቲ ከምኡ ክኸውን ይግባእ። እወ! ሎሚውን ከም ትማሊ ነፍሲ ወከፍ ወተሃደር ይኹን ዘይወትሃደር (ሲብል ምእመን) ነታ "ከመይ ጌርና መንግስተ ሰማይ ንወርስ" ትብል ክትሕተት ዘለዋ። እዚ ማለት ድማ ከምቲ ኣብ ቅዱስ ጽሑፍ ኣብ ወ. ሉቃስ ምዕራፍ 3 እንርእዮ በብወገኖም ኩሎም በብሞያኦም ሓቲቶም። መልሲ ከኣ ብሕጽር ዝበለ "ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ዂሉ ድማ ይውሰኸልኩም" ይብል። ማቴ 6፤33 ስለዚ እታ ቀዳመይቲ ሕጊ “ትእዛዝ ኣምላኽ ምኽባር”እዩ ። እቲ ካልእ ግና ኩሉ ዝስዕብ እዩ ይብለና።
እምበኣር ጥበብ ኣምላኽ እንተሎ ኣባና፤ ምርጫና ቅኑዕ ክከውን ይኽእል። ከመይ ቅዱስ ጽሑፍ ከም ዝብለና ኣብ ማቴ 6፤ 24 - "ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱ፡ ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተኣዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀነልኩምን እዩ።" ሓቂ ምርጫ እዩ፧ ቀጺሊና ውን ኣብ ማቴ 7፤ 13፡14 - "እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ደገ ርሕብቲ፡ መገዳውን ገፊሕ እያ፡ እቶም ብእኣ ዚኣትዉ ድማ ብዙሓት እዮም። እታ ናብ ህይወት እትወስድ ደገ ግና ጸባብ፡ መገዳውን ቀጣን እያ፡ እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዮም እሞ፡ በታ ጸባብ ደገ እተዉ" ይብለና።
ሎሚ ኣብ ዝተፈላለየ ቤት ፍርዲ ከም እንሰምዖ ወተሃደራት ይኹኑ ካልኦት "ተኣዚዘ እየ" እናበልካ ንዝተገብረን ዝተፈጸመን በደል ንምሽፋንን ንምምላጥን ክፍተን ንርኢ። ምድራዊ ይኹን መንፈሳዊ ሥርዓት ግን ካብ ሕልናውን ሰብኣውን ሓላፍነትካ ኣየገላግልን እዩ። ደጊመ ብስም ተኣዚዘ ኢልካ ዝግበር ኢሰብአዊ ገበናት ብመሬትን ሰማይን ዘሕትተና እዩ። ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንና ብዙሓት ወተሃደራት ሕጊ ኣምላኽ ብቀዳምነት ብምስራዕ ክሳብ ሰማእትነት ከም ዝኸፈሉ ይንግረና። ንኣብነት ካብቲ ዘገርም ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ታሪኽ ቅዱስ ሞሪስን (Saint Maurice and the Theban Legion) ወተሃደራትን ካብ ትእዛዝ ቄሳር ማክሲሞስ ብቀዳምነት ሰሪዕና ኢሰብኣዊ ገበን ንፍጽምሲ ሰማእትነት ምኽፋል ይሓይሽ ኢሎም ብ286 ዓ.ም. ብሓንሳብ 6600 ዝኾኑ ብሰማእትነት ከም ዝሓለፉ ካብ ታሪኻዊ ጹሑፋት እንረኽቦ እዩ። ስለዚ ብመዓልታዊ ጸሎትና ንኣምላኽ ከነስምሮን ብጸጋን ፍቅርን ክንነብር ክድግፈና ሓላፍነትና ብግቡእ ክንፍጽም የድሊ። ስለ ምንታይሲ "ዓለም ክትሐልፍ እያ፡ ፍትወታ ኸኣ ምስኡ፡ እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር።" 1ይ ዮሓ 2፥17።
ክብርን ምስጋናን ንኣምላኽ ይኹን።
ዲያቆን ፀሓየ መንግሥተኣብ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ