ሓደ: ካብቶም: ዘይጽምሉዉ: ሓድጊ: ሰማእታት፡ ትብዓቶምን: ድምብርጽ: ዘይብል: ጽንዓቶምን: እዩ።
ኣብ ግበረ-ዋርያት፡ ተመዝጊቡ፡ ዘሎ፡ ተጋድሎ፡ ኃዋርያት፡ እንተድኣ፡ ተዓዚብና፡ እታ፡ ማሕበር፡ ክርስትና፡ ክትምስረት፡ ከላ፡ እቶም፡ ልኡኻት፡ ክርስቶስ፡ “ኃዋርያት” ዝብል፡ ስም፡ ነበሮም። ግንከ፡ እቲ፡ ኃዋርያ፡ ዝብል፡ ስያሜ፡ ናይ፡ ርግኣትን፡ ጻዕሪን፡ ናይ፡ ትብዓትን፡ ናይ ተወፍዮን ከም፡ ዝኾነ፡ እቶም፡ ናይቲ፡ ዘበን፡ መራሕቲ፡ ኣይሁድን፡ ሮማውያንን፡ ተወገዝሉ። ኣብ፡ ክንዲ፡ ኃዋርያት፡ ከኣ “ክርስትያን”፡ ወይ፡ ከኣ፡ ሰዓብቲ፡ ክርስቶስ፡ ዝብል፡ ስም፡ ጠቀኑዎም። እቶም ኃዋርያት ከኣ ብስም ክርስቶስ ተሓቢኖም፡ ነቲ ስሞም ኣብ መንፈሳዊ መዓላ ኣውዓሉዎ። ሓደ ካብቶም፡ ናይ፡ ትብዓት፡ ኣብነት፡ ክኾኑና፡ ዝኽእሉ፡ ሰማእታት ኃዋርያ፡ እስጢፋኖስ፡ እዩ።
ኃዋርያ እስጠፋኖስ፡ ኣብ፡ ግዜ፡ ንእስነቱ፡ ንክርስቶስ፡ ክስዕብ፡ ህይወቱ፡ ወፈያ። ንጽውዓ ኣምላኽ ሰሚዑ ኣገልጋሊ ወንጌል፡ ቃል፡ ኣምላኽ፡ ብትብዓትን፡ ብብቕዓትን፡ ብምልኣት መንፈስ ቅዱስን፡ ይሰብኮ፡ ነበረ። ተውህቦ እስጢፋኖስኣብ ልዕሊ ትብዓቱ፡ ህርኩት፡ ንሱሕ ምቕሉል ነበረ። ከምኡውን ዕምቈት ፍልጠቱ ሰራፂ ነበረሞ ኣስተምህሮ ክህብ ከሎ፡ ኣስማዒን ኣድማዒን፡ መሃሪን መኻሪን ነበረ። ኣምላኸ- መንፈስ ቅዱስ ክመልኦ ኸሎ ኸኣ፡ ነቶም ፍትሒ ዘዝብሉ፡ሚዛን ዝቕይሱ ኣብ መንበር ፍርዲን ኣብ ቤተ-መንግሥትን ኮፍ ኢሎም ንህዝቢ ዝጭቁኑ ብትብዓትን ብትግሃትን ይግስጾም ነበረ። እስጢፋኖስ ዕምቈት ፍልጠቱ ሰራፂ ከምዝነበረ ዝነግረና፡ ህይወቱ፡ ነሰማእትነት፡ ክትውፈ፡ ኸላ፣መንቀሊ ናይቲ ሕርቃን ጸላእቱ እዩ፡፡ ንሱ ኸኣ እቲ ከም ነበልባል ሓዊ ዘንድድ ስብከቱን ትንታኔ ሓሳባቱን ነቶም ዝሰምዑዎ ዝነበሩ፡ ካብ ክልተ ምርጫ ሓርዮም ሓንቲ ምርጫ ከምዝወስዱ ስለ ዝግድዶም ዝነበረ እዩ። ንእስጢፋኖስ ሰሚዕካ ብወናኒኻ ፈጨው ኢልካ ክትከይድ ዕድል ኣይነበረን፡፡ ስብከት እስጢፋኖስ ዝሰምዐ፡ ወይ በቲ በሊሕ ቃል ኣምላኽ ተወጊኡ ኣላሽ ኢሉ ኢዱ ናብ ኣምላኽ ከረክብ ኣሎዎ። ካብኡ ሓሊፉ ኸኣ ካብቲ ነበልባል ሓዊ ክሃድም ክብልብሕርቀትን ብጽልኢን ተናዲዱ፡ ናይ ደም ምፍሳስ ህንጣዮ ሓዲሩዎ፡ ወይ ነብሱ የሕልፍ ወይ ነብሲ ንጹሃት ይቐትል። እስጢፋኖስ ክቕተል ከሎ፡ ቃል ኣምላኽ ብቕብኣት መንፈስ ቅዱስን ብትብዓት ሓይሊ እምላኽን ስለ ዝሰበኾ፡ ገለ ካብቶም ሰማዕቱ ብሕርቃን ተናዲዶም፡ ነቲ ቓል ኣምላኽ ነጸጉዎ፡ ንእስጢፋኖስ ከኣ ብሕርቃን ተናዲዶም ብእምኒን ብደንጎላን ቀተሉዎ።፡ እቲ ኣንፈት ስብከቱ ከምዚ ዝስዕብ ነበረ - ፡ ብዓውታን ብጭድርታን-፡ ኣቱም ሰማዕቲን ተዓዘብቲን ጽን ኢልኩም ስምዑኒ ቢሉ ጀመረ። ንምሉእ ታሪኽ ፍጥረት፡ ዖሪት፡ ታሪኽ ህዝበ-እስራኤልን ታሪኽ ዓለምን፡ መጻሕፍቲ ነብያትን ሓድሽ ኪዳንን ኣጣሚሩ ገለጸሎም። እቲ ደቂ እስራኤል ዘርኣይዎ ንዕቀትን፡ ንኣምላኾም ምስጋና ዘይምሃቦምን ብሓቀኛ ድምጺን ተዳነዮም። ሓቅነት ቃል ኣምላኽ ስለ ዝረትዖም ከኣ እቲ ጉባኤ ተሃወጸ። ንቕዱስ እስጢፋኖስ ግን መንፈስ ቅዱስ ዓሰሎ፡ ትብዓት ተሰምዖ። ኣብ መወዳእታ ስብከቱ ኸኣ ብስልጣን ወንጌላውነት ተናዲዱ፡ ስብከቱ በዚ ዝስዕብ ጠቕሲ ዓጸዎ’። በለ ኸኣ-
ኣቱም ልብኹምን ኣእዛንኩምን ዘይተገዝረ ተረርቲ ክሳድ፡ ንስኻትኩም ኵሉ ጊዜ ንመንፈስ ቅዱስ ትጻረሩዎ ኣሎኹም። ከምቲ ኣቦታትኩም ዝገበሩዎ፡ ንስኻትኩም ድማ ከምኡ ተገብሩ ኣሎኹም። ካብ ነብያትከ ኣቦታትኩም ዘይሰጐጕዎም መን እዩ፡ ነቶም ብዛዕባ ምምጻእ እቲ ጻድቕ ኣቀዲሞም ዘበሰሩ ድማ ቐተሉዎም። ሕጂውን ንስኻትኩም ኣሕሊፍኩም ወሃብቱን ቀተልቱን ኰንኩም። ንስኻትኩም ነቲ ሕጊ ብኢድ መላእክቲ ተቐቢልኩምስ ኣይሓሎኹምዎን’።
ቀጺሉ ኸኣ በለ፡ ኣቦታትኩም ካብ ብርሃን ጸልማት፡ ካብ ራህዋ ሽግርን ጭንቀትን ስለ ዝመረጹ፡ መንገዲ ኣምላኽ ሓዲጎም መንገዲ ከነኣን ገዲፎም፡ “ብልቦም ንግብጺ ተመልሱ።” ናይ ሓቅነት ዘረባ ንቕኑዕ ይሃንጾ፡ ንተንኮለኛ ግንይህውጾ ስለ ዝኾነ እቲ ዝሰምዕ ዝነበረ ህዝቢ ብተንኮሉ ተረቲዑ ናይ ጌጋ ስጉምቲ ወሰደ።
ትምህርቲ፡
ካብዚ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ ታሪኽ እስጢፋኖስን እቶም ዝሰምዑዎ ዝነበሩ ህዝቢን ንዓና ንህዝበ-ኤርትራ ክንቀምሶ ዝግብኣና ትምህርቲ ኣሎዎ። ኣብዚ ዘሎናዮ እዋን፡ ህዝቢ ኤርትራ ብጐሮሮኡ ተሓኒቑ፡ መምዘኒ ብዘይብሉ ጭካኔን መወዳእታ ብዘይብሉ ጭቆናን እናተሳቐየ ለይቲን መዓልቲን ብሓዘንን ብጓሂን ልቡ ተጓእ ኢሉ ይቝንዞ ኣሎ። መንእሰያት ኤርትራ መድሕንቲ ኣዲኦም ዝተቐብረሉ መሬት ሃገሮም ተፊኡዎም፡ ሕሰም መንግሥትን ባርነት ኣመሓደርቲ ኤርትራን ስለ ዝመረሮም ፈጨው ኢሎም ኣደዳ ስደትን ውርደትን ኮይኖም ኣብ ፈቐዳ ጐደናታት ማእከላይ ምብራቕ ይሓስሩን ይንወሩን ኣሎዉ። ገለ ካብቶም ዕድል ዝረኸቡ ኸኣ ኣብ ኣሜሪካ መዕቆቢ ረኺቦም፡ ስብሒን፡ ጠለትን፡ጥዕናን መድሃኒትን ኣብ ዘሎዎ ሃገር ኣትዮም ቅሱን ናብራ ይነብሩ ኣሎዉ። እንተኾነ ግን ከምቲ ደቂ እስራኤል ኣምላኽ ካብ መሬት ባርነት ኣውጺኡ ኣብ መሬት ሓርነት ክመርሖም ከሎ፡ ንኣምላኽን ነቲ ኣገልጋሊ ኣምላኽን ዝኸድዑዎም፡ከምኡ ኸኣ ኣብ ኣሜሪካ ዝነብር ዘሎ ኤርትራዊ፡ ነቲ ኣሜሪካ ዝለውሆ ዑቝባን፡ ህያብን፡ ሃብቲን ረሲዑ፡ ንኣሜሪካ ብናይ ሓሶትን ውዲትን፡ ብዘይገበረቶ ገበን እናማረሩ፡ ክኸሱዋን ከማርሩዋን ይርከቡ ኣሎዉ። እዚ ክዅነን ዝግብኦግጉይ ስጉምቲ እዩ። ብፍላይ እቲ ኣብ ሰሜንኣሜሪካ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ስለ ዝተገብረሉ ሰናይ ሞሳ ክህብ ደኣ ይግብኦ እምብር፡ ንኣሜሪካ ብዘይ ፈጸመቶን ዘይሃቀነቶን መኽሰስቲ ከሲስካ ምጥቃን ቅኑዕ ኣይኮነን። ሓጢኣትንውርደትን መርገምን ዘስዕብ ጠባይ ምዃኑ ተገንዚቡ፡ ኣብ ክንዲ ግጉይ መገዲን ሕቡል ሓሳብን ዝመርጽ፡ ቅንዕናን ሓቅነትን መሪጹ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝርከብ ተወላድ ኤርትራ ኣብ ልቡ ክምለስ ይግባእ።
ነዊሕ ዕድመን ዘለኣለማዊ ሰላምን፡ ብዙሕ ራህዋን፡ ሰፊሕ ቅሳነትን ንኤርትራን ንኣሜሪካን።
ዶ.ር. ጸጋይ ይስሃቅ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ