S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኦርቶዶክሳዊ ማለት!

ኦርቶዶክስ ዝብል ቃል ካብ ክልተ ናይ ግሪክ ቃላት ዝተረኽበ ኮይኑ ትርጉሙ ድማ “ኦርቶ” ማለት  ቅኑዕ፥ ሓቀኛ፥ ትኽክል ክኸውን ከሎ “ዶክስ” ከኣ እምነት (ሃይማኖት) እዩ። ስለዚ ኦርቶዶክስ ክንብል ከሎና ቅኑዕ፥ ትኽክል፥ 

ሓቂ ዝሓዘ ሃይማኖት ማለት እዩ። በዚ ምኽንያት መንፈሳውያን ኣቦታትና ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ክምህሩና ከለዉ ብልሳን-ግዕዝ “ርትዕት ሃይማኖቶሙ ለቅዱሳን ኣበዊነ” እናበሉ ቃል ኣምላኽ ዝምህሩናን ጥንታዊ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ዘረድኡናን። ስለዚ ኦርቶዶክስ ነቲ እምነት ክኸውን ከሎ ኦርቶዶክሳውያን ከኣ ንዓና ነቶም ኣመንቲ መግለጺ እምነትናን መንፈሳዊ መንነትናን ኢዩ።

እምበኣር ብሓጺሩ ትርጉም ኦርቶዶክስ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ካብ ኮነ፥ ንሕና እቶም  ኦርቶዶክሳውያን ኣመንቲ ከኣ ከምቲ ሃይማኖትና፡ ሓቂ ክንሕዝ፥ ቅኑዕ ክንሰርሕን በቲ ትኽክለኛ መገዲ ሓዋርያት ክንጓዓዝን መንፈሳዊ ግዴታና ምዃኑ ክንዝግዖ ኣይግባእን። ካብዚ ወጻኢ ግና ብኣፍና ኦርቶዶክሳዊ ኣማኒ እየ እናበልና በቲ መንፈሳዊ ሓቂ ዘይንጸንዕ፥ ቅኑዕ ሕግን ትኽክለኛ መገድን ተኸቲልና ዘይንነብር እንተ ኬንና እቲ ኦርቶዶክስ ዝብል ክቡር ስም ንዓና ዝምልከት ፈጺሙ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኦርቶዶክስ ማለት ሓቂ እንተኮይኑ፥ ኦርቶዶክሳውያን ከኣ ኣንጻር ሓቂ ዝኾኑሉ ምኽንያት ወላ ሓንቲ የሎን። ብገለ ምኽንያት ንሓቂ ተሓሲሞም ብጎደና ሓሶት ዝመላለሱ እንተለዉ ግና ከምቲ ኣቦታትና “ ኣይሓኽሉ ኣይምሳሩ” ኢሎም ዝምስላዎ፡ ብጣዕሚ ዘስደምም ግርምቢጥ መጸውዒ ስም እዩ ዝኸውን።

ስለዚ እምበር እቶም ኣብዚ ዘመን እዚ ንነብር ዘሎና ኦርቶዶክሳውያን ኣመንቲ ነዛ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ብስብከት ሓዋርያት፥ ብጸሎት ቅዱሳንን ብደም ሰማዕታትን ብኽብሪ ዓቂቦም ብሕድሪ ዘረከቡና ሓቀኛ ሃይማኖት ምእንቲ ሓላፊ ሽመትን ናይ ዓለም ንብረትን ክንብል ሽማ ንሕሰረት ቅርስታታ ንዕንወት ኣሕሊፍና ኣይንሃቦ። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስውን ባዕሉ “መገድን ሓቅን ሕይወትን ኣነ ኢየ” ዮሓ 14፡6 ኢሉ ኣብ ቅዱስ ወንጌል ከም ዝነገረና ዝኾነ ኣማኒ ክርስቲያን ኣብቲ ጉንዲ ሓቂ ዝኾነ ክርስቶስ ጸኒዑ ክነብር ዓቢይ ጸጋ ኢዩ። ኣምላኽ ድማ በቲ ኦርቶዶክሳዊ ዝብል ስምና ጥራይ ዘይኮነስ በብግብርና ኢዩ ዝፈልጠናን ዝፈርደናን። ስለዚ ናይ ወትሩ ዕላማና ንሓቂ ዝገብር ሓቂ ኢዩ! ኢልና ክንድግፎ፥ ንሓሶት ዝገብር ድማ ሓሶት ኢዩ! ኢልና ክንጽየፎ መንፈሳዊ ሓላፍነትና ኢዩ። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስውን  “ ንሓቂ ሓዝዋ፡ ሓቂ ድማ ሓራ ከተውጽኣኩም ኢያ” ኢሉ ብንጹር ቃላት ኣብሪሁልና ኣሎ። ሓቅን ሕግን ዝሓዘ ከኣ ይንዋሕ ይሕጸር ብዘየገድስ ፈጺሙ ኣይጠፍእን ኢዩ። እቶም ዓመጽትን መጥፋእቲ ሓቅን ግና ኣይነብሩን ኢዮም።

ስለዚ እምበኣር እቲ ኣብዚ ዘመንና ንኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ገጢምዋ ዘሎ ከቢድ ፈተናን ዕንወትን ሱሩን መሠረቱን እኳ ናይ ሰይጣን ውዲት እንተ ኾነ፥ እቶም ሰዓብታውን ከይፈራሕና ንሓቂ ሓቂ፡ ንሓሶት ሓሶት ኢልና ተቢዕና ክንዛረብ ብዘይ ምኽኣልና ዝኸሰርናዮ ዕድልን ዘጥፋእናዮ እዋንን ብሓቂ ዘሕዝን ጽባሕ ዘጣዕስን ኢዩ። ኣምላኽ ግና መንፈስ ኃይልን ፍቕርን ገዛእ ርእስኻ ምግታእን እምበር መንፈስ ፍርሓት ኣይሃበናን። 2ጢሞ 1፡7 ካብዚ ብዝተረፈ ግና ስምና ኦርቶዶክሳዊ ግብርና ስራሕ ፈሪሳዊ ኬንና እንተ ነበርና መወዳእታኡ ክሳራን ገዛእ ርእስኻ ምጉዳእን ደኣ እምበር ካልእ ዝርከቦ ረብሓ የልቦን።

ኣብ መደምደምታ ከምቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ኣብ ንሕድሕድኩም ምክሳስ ምህላዉ ብስሩ ዕንወት ኢዩ!  (1 ቆሮ 6፡7) ዝበሎ፡ እቲ ኣብ 2005 ኣ.ፈ ብኦርቶዶክሳውያን ጳጳሳት ኣብ ልዕሊ 3ይ ፓትርያርኽ ሃገረ ኤርትራ ዝተፈጸመ ጥልመት ከቢድ ዕንወት ኢዩ።ከም ሳዕቤኑውን እቲ ሕጂ ኣብ መንጎ ውሉደ-ክህነት ዘሎ ክስን ባእስን፥ ኣብ ውሽጢ ምእመናን ዘሎ ጽልእን ምፍልላይን ድራር ሰይጣን ደኣ እምበር ኣምላኽ ዝሕጎሰሉ ፈጺሙ ኣይኮነን። እቶም ቅኑዓት ኦርቶዶክሳውያን ግና ክንዲ እምነቶም ይስየፉ፥ ኣብ ክንዲ ኣሕዋቶም በጃ ይሓልፉ እምበር፥ ሃይማኖቶም ንዕንወት ንኣሕዋቶም ንሞት ኣሓሊፎም ኣይህቡን ኢዮም። እወ! ቅኑዓት ኦርቶዶክሳውያን ምእንቲ ሓቅን ጽድቅን ይስደዱ፥ ኣብ ማሕዩር ይቕፈዱ፥ ብሓዊ ይነዱ እምበር፥ ምእንቲ ሥጋዊ ረብሓ ክብሉ ብኣፎም ኣይነግዱ፥ ብቅንኢ ንኣሕዋቶም ኣየሳድዱን ኢዮም። እቶም ቅኑዓት ኦርቶዶክሳውያን መፍቀርቲ እግዚኣብሔርን መኽበርቲ ሰብ ደኣ እዮም እምበር፥ ኣንጻር ሕጊ እግዚኣብሔርን ኣንጻር መሰል ሰብን ፈጺሞም ኣይጓዓዙን ኢዮም። እወ! እቶም ቅኑዓት ኦርቶዶክሳውያን ሰሚሮም የስምዑ፥ ተፋቒሮም የድምዑ ደኣ እምበር፥ ተጠላሊሞም ክገማምዑ፡ ተሃላሊኾም ክዋቕዑ ፈጺሙ ዝግባእ ኣይኮነን። ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ኦርቶዶክሳዊ ኣነኸ ስመይን ግብረይን ከመይ ኣሎ ? ኢልና ንገዛእ ርእስና ክንሓትት ዝግባእ ሰዓቱን እዋኑን ሕጂ ኢዩ።

ልዑለ ባሕርይ እግዚኣብሔርን ብመገዲ ሓቅን ጽድቅን ክንነብር ጸጋኡ የብዝሓልና!

ቀሲስ ሓለፎም ዓንደማርያም

ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ሻርሎት

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div