እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ ዘመነ ኣስተምህሮ ቐዳማይ ሰንበት’ዩ። ስለ’ዚ ብረድኤት ኣምላኽ ካብ ዘመነ ጽጌ ናብ ዘመነ ኣስተምህሮ ሰጊርና ኣለና። ብመሠረት ሥርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ሕዳር 6 ኽሳዕ ታሕሳስ 6 ዘሎ ቕንያት "ዘመነ ኣስተምህሮ" ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ዘመን’ዚ ርእሱ ዝኸኣለ ዓብዪ ዘመን’ዩ። ዚጅምረሉ ዕለት ቀዋሚ’ኳ እንተ ዀነ፡ ዚውድኣሉ ዕለት ግን፡ ይለዋወጥ’ዩ።
እዚ ድማ፡ ብምንዋሕን ምሕጻርን ናይ’ቲ ምስ’ዚ ዘመን’ዚ ቐጥታዊ ርክብ ዘለዎ "ዘመነ ስብከት" ዚውሰን’ዩ። ዘመነ ስብከት ካብ ታሕሳስ 7 ኽሳዕ ታሕሳስ 13 ዚዝርጋሕ ናይ ሾብዓተ መዓልታት ዘመን’ዩ። በብዓመቱ ድማ፡ ንውሓት ዘመኑ ይለዋወጥ’ዩ። ካብ ሾብዓተ መዓልታት ብዝሓጸረ መጠን፡ እቲ ዝተረፈ መዓልታት ብዘመነ ኣስተምህሮ’ዩ ዚትካእ። ናይ ሓደ ዓመተ-ግእዝ ዘመነ ኣስተምህሮን ዘመነ ስብከትን ክንደይ መዓልታት ምዃኑ ዚውሰን ድማ፡ በዓለ ኤልያስ (ታሕሳስ 1) ከምኡ’ውን ታሕሳስ 13 ብዚውዕለሉ መዓልቲ’ዩ።
ነቲ ዝርዝር መግለጺ በዚ ዚስዕብ ሰሌዳ ብቐሊሉ ኽንርድኦ ንኽእል ኢና።
ብመሠረት’ዚ ሰሌዳ’ዚ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ ዘመነ ኣስተምህሮ ካብ ሕዳር 6 ኽሳዕ ታሕሳስ 10’ዩ። ዘመነ ኣስተምህሮ፡ ዚበዝሕ ኻብ’ቲ መዓልትታቱ፡ ካብ 22 ክሳዕ 28 መዓልትታት ዚኣክል፡ ምስ ዘመነ ነብያት (ጾመ ነብያት) ዝተደራረበ’ዩ። ስፍሕ ዝበለ ምድርራብ ደኣ ይሃልዎ’ምበር፡ ንሓድሕዱ ኺወሓሓጥ ግን ኣይግባእን። እቲ ሓደ ዘመን፡ በቲ ኻልእ ዘመን ከይተዓብለለ፡ ንኽልቲኡ እቲ ዘዚግብኦ ኣቓልቦን ሸፈነን ኪወሃቦ ይግባእ።
ኣስተምህሮ፡ ብእግዚኣብሔር ልዑል ኣድህቦን ክብርን ዚውሃቦ ኣገልግሎት’ዩ። መምህርነት ወይ ምስትምሃር፡ ተወራሲ መለኮታዊ ባህርይን ግብርን’ዩ (ኢሳ 54፡13፣ ዮሃ 6፡45፣ 14፡26፣ ነህ 9፡20)። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዓብዩ ድማ፡ እቲ ኣብ ምድሪ ዝተራእየ ዝዓበየን ዝሓየለን መምህር’ዩ። ስለ’ዚ ድማ፡ ኵሉ ሰብ "መምህር" እናበለ ይጽውዖ ነበረ (ማቴ 23፡8፣ 26፡25,49፣ ማር 9፡5፣ 10፡51፣ ዮሃ 1፡38,49፣ 3፡2,26፣ 13፡13-15፣ 20፡16)። ቅዱሳት ወንጌላት ከኣ፡ ይምህርን ይሰብኽን ከም ዝነበረ ብተደጋጋሚ መስኪሮምሉ’ዮም (ማቴ 4፡23፣ 9፡35፣ 13፡54፣ ማር 1፡21፣ ሉቃ 4፡15፣ ዮሃ 6፡59፣ 18፡20)። ቅዱሳን ሓዋርያት ድማ፡ ኣሰር ጐይታኦም ስዒቦም፡ ንህዝቦም ኣብ ምስትምሃር ይተግሁ ነበሩ (ግብ 5፡42፣ 9፡27,28፣ 18፡11,25፣ 20፡20,21,26,17፣ 28፡31፣ ቈሎ 1፡28)። ኣብ ዘመን ብሉይ ኪዳን’ውን ናይ ቅዱሳን ነብያትን ካህናትን ኣገልግሎት፡ ምስትምሃር’ዩ ዝነበረ (ዘጸ 18:20፣ ዘሌ 10:11፣ ዘዳ 4:5,9፣ 5:1፣ 6:1,7፣ 11:19፣ 31:19፣ 1ሳሙ 12:23፣ 2ነገ 17:27)። ናይ’ዛ ኣብ መወዳእታ ዘመን ዘላ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎት ካብ ናይ ጐይታኣን መርዓዊኣን ክርስቶስ፡ ከምኡ’ውን ካብ ናይ’ቶም ዝሰረትዋን ዝሃነጽዋን ቅዱሳን ነብያትን ሓዋርያትን ዝተፈልየ ኪኸውን ስለ ዘይግብኦ፡ ንኣስተምህሮ ቐዳማይን ርእሲ ዅሉን ኣገልግሎታ ኽትገብሮ’ዩ ዚግባእ። ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ኣገልግሎታ ኣብ ምፍጻም ክትዕወት ’ትኽእል፡ ኣስተምህሮ ኺረክብ ዚጸምእን ዚተግህን ህዝቢ ምስ ዚህልዋ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ሓፋሽ ምእመን’ውን ግቡእ ግዲኡ ኺፍጽም፡ ብኣምላኽ ተሓታትነት ዜስዕብ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ኺፈልጥ ይግባእ።
ነዚ ዕለት’ዚ ብቕዱስ ያሬድ ዝተዳለወ መዝሙር "ኢተዘኪሮ" ዘርእስቱ ዀይኑ፡ ትርጕም ትሕዝቶኡ ድማ፦‘‘ንኣበሳና ኣይዘከሮን ብሓጢኣትና ፈጺምና ኽንጠፍእ ኣይሓደገናን። እቲ ሕያዋይ እግዚኣብሔር ነቶም ሕዝቢ ንሰንበት ብጽድቂ ኬኽብርዋ ብሙሴ ኣዘዞም።
ኦ ጐይታኣ ንሰንበት ኣቦኣ ንምሕረት (ዝዀንካ ኢየሱስ) ነታ ኻባኻ ዝዀነት ሠናይትካ ፈጽመልና። ኦ ዕርድናን ኃይልናን ምሳና ኹን። ኦ ጐይታ ኣብ ጊዜ ጸበባና ረዳኢ ኹነና።
ኣርዑተይ ፈኲስ ጾረይ’ውን ቀሊል’ዩ፡ (ኣቱም) ጾር ዝኸበደኩም ናባይ ንዑ፡ ሕገይ ሓልዉ፡ ንሰናብተይ ኣኽብሩ" ይብል እግዚኣብሔር። ክምሕሮ ንዝደለኹ እምሕሮ፡ ንዝደለኹ’ውን እሓድገሉ። ምሕረት ኣብ ኢደይ’ዩ ዘሎ።
"ሰማይ ዝፋነይ’ዩ፡ ምድሪ ኸኣ፡ መርገጽ እግረይዶ ኣይኰነን" ይብል እግዚኣብሔር። ኣብኡ (ኣብ ኣምላኽ) ዓመጻ የልቦን። እግዚኣብሔር ነቦና ኣዳም ምስ ፈጠሮ "ሰናብተይ ኣኽብር" በሎ። ሰንበትሲ ምእንቲ ሰብ’ያ ተፈጢራ። (እቲ) ብርሃንን ወሃብ ሰላምን (ዝዀነ ኣምላኽ) ኣብ ልዑላን’ዩ ዚሓድር፡ ኣብ ኣርያም ድማ፡ ይምስገን።’’
ዚብል’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ ምስባክ ክልተ ኣማራጺ መዝሙራት’ውን እግዚኣብሔር ሓጢኣትና ኸይዝክር ዚምሕጸኑን ብዘይ ምዝካሩ ዜመስግኑን’ዮም። እቲ ናይ ማቴ 6፡1-15 ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ "በደልና ሕደገልና" ዚብል ጸሎትን ሓጢኣት ንመን ከም ዚሕደገሉ ዜስተምህርን’ዩ። ናይ ሮሜ 5፡10-21 ንባብና ኸኣ፡ እግዚኣብሔር ብኸመይ ብክርስቶስ ገይሩ ንሓጢኣትና ኣርሒቑ ጽድቁ ኸም ዘልበሰናን ከም ዘውረሰናን ዜስተምህረና’ዩ። እቲ ናይ 1ዮሃ 5፡13-21 ንባብና’ውን፡ ብዛዕባ ናብ ሞት ዘየብጽሕ (ስርየት ዚረክብ) ሓጢኣትን፡ ናብ ሞት ዜብጽሕ (ስርየት ዘይብሉ) ሓጢኣትን ዚገልጽ’ዩ። እቲ ናይ ግብ 13፡38-43 ንባብ ከኣ፡ ሕድገት ሓጢኣት ብክርስቶስ ጥራሕ ከም ዚርከብ ዚገልጽ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ሓዋርያዊ ቓል ኣስፊሩልና ኣሎ። ስለ’ዚ ኻብ’ዚ ዅሉ ሓቂ’ዚ ብምብጋስ፡ እዚ ቐዳማይ ንኡስ ዘመን (ሕዳር 6 - ሕዳር 12) ናይ ዘመን ኣስተምህሮ፡ ንንስሓን ስርየት ኣበሳን ኣመልኪቱ ዝተሰርዐ "ዘመነ ስርየት" ምዃኑ ኽንግንዘብ ይግባእ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን ድማ፡ ካብ 1ዮሃ 5፡21 ዝተወስደ ትምህርቲ’ዩ።
ነዚ ናይ ሎሚ ኣርእስትና መሰረት ዝዀኑና ቴማታትን ትምህርትን ቀዳመይቲ መልእኽቲ ዮሃንስ እንታይ’ዮም፧ እዚ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙር፡ ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ኣብ’ዛ ቐዳመይቲ መልእኽቱ ጽሒፍዎ ዘሎ ትሕዝቶ ኣብ ሰለስተ ንሓድሕዱ እተኣሳሰረ ቴማታት ዘተኰረ’ዩ።
1. ሓቂ፦ ክርስቲያን ዘበልና፡ ሓቀኛ መንነት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዚግባእ ብምልላይ ንብዘሎ ናይ ሓሶት ምህሮ ኣጋንንቲ ኽንቃወም ከም ዘለና፡
2. ፍቕሪ፦ ሓቀኛ ፍልጠት እግዚኣብሔር ኣምላኽ፡ ፍቕሪ ንኣምላኽን ፍቕሪ ኣብ ንሓድሕድና (ንሰባት)ን ከም ዜፍርይ፡
3. ህይወት፦ እቶም ብወልድ ዋሕድ ኢየሱስ ክርስቶስ ዚኣምኑ ዘበሉ ዅሎም ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘለዎም፡
እዞም ቴማታት’ዚኣቶም ነቲ ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ ጣኦታት (ጓኖት ኣማልኽቲ) ዝተዋህበ ትእዛዝ ብግቡእ ክንርዳእ መሰረት ዜንጽፉልና ቴማታት’ዮም።
ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ቅድሚ’ቲ ናብ’ዚ መጠንቀቕታ ብዛዕባ ጣኦታት ምሕላፉ፡ ዝጸሓፎ ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ብዛዕባ ምፍላጥ፡ ቀቅድሚ’ዛ ደምዳሚት ጥቕሲ’ዛ መልእኽቲ ንዝጸሓፎ ሓሳባት ምርኣይ ኣገዳሲ’ዩ።
"እቲ ወዲ ኣምላኽ ከም ዝመጸ፥ ንእኡ፥ ነቲ ሓቂ ዝዀነ፥ ክንፈልጦ ኢሉ ምስትውዓል ከም ዝሃበና ንፈልጥ ኢና። ንሕና ኣብቲ ሓቂ ዝዀነ፥ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዱ ኢና ዘለና። ንሱ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ናይ ዘለኣለም ህይወትን’ዩ።" 1ዮሃ 5፡20 ካ.ት
ናይ’ዚ ሓሳባት ኣተሃናንጻ ኽንርእዮ ኸለና፡
ወልድ ዋሕድ ኢየሱስ ክርስቶስ (ወዲ ኣምላኽ) መጺኡ’ዩ፡
ነቶም ዚኣምንዎ፡ ምስትውዓል ሂቡ፡
ብእኡ (ብኢየሱስ ክርስቶስ) ኣቢሎም ከኣ ነቲ ሓቂ ዝዀነ ኣምላኽ ይፈልጡ፡
እቶም ዚኣምንዎ ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣቢሎም ኣብ እግዚኣብሔር ኣቦ ይህልዉ፡
እዚ ፍልጠት’ዚ ምስ ዘለኣለም ህይወት እተተሓሓዘ’ዩ፡
ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ፡ ኣብ’ዚ ሓቂ’ዚ መሰረት ገይርና፡ ክርስቲያን (ኣመንትን ሰዓብትን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ) ዘበልና ዅልና፡ ካብ ጣኦታት ክንሕለው ኣዚዙና።
ስለምንታይ’ዩ ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ቕድሚ’ቲ ዝሃቦም ከቢድ ትእዛዝ፡ "ደቀየ" ኢሉ ኣቦነታዊ ቛንቋ ተጠቒሙ፧ ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብ’ዛ ቐዳመይቲ መልእኽቱ፡ ከም’ዚ ዝበለ ብፍቕሪ ዚምዕደሉ ኣበሃህላ የዘውትር’ዩ።
"ኣቱም ደቀየ፡... ደቀየ፡... ሕጂ ድማ ደቀየ...፡ ደቀየ...፡ ኣቱም ደቀየ፡ ...፡ ኣቱም ደቀይ፡ ...፡ ኣቱም ደቀየ፡...፡" 1ዮሃ 2፡1,12,28፣ 3፡7,18፣ 4፡4፣ 5፡21
እዚ ኣበሃህላ’ዚ፡ ብቐንዱ ኻብ’ቲ ወደ መዝሙሩ ዀይኑ ዚስዕቦ ዝነበረ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተማህሮን፡ - "ደቀየ፡ ገና ቕሩብ ጊዜ ምሳኻትኩም’የ። ...።" ዮሃ 13፡33 - ከም ጓሳ ንመጓሴኡ፡ ከም መምህር ነቶም ዜስተምህሮም ተመሃሮኡ - ሎሚ’ውን ንኣና - ኣብ መንጐኦም ከመይ ዝበለ ሕብረት ከም ዘለዎም ኬርእይን ነቲ ኼመሓላልፈሎም ደልዩ ዘሎ ሓቂ፡ ብፍቕሪ ምእንቲ ኺጽሕፈሎምን ኢሉ’ዩ (ኤፌ 4፡15 ፣ መዝ 84(5)፡10)። ኣምልኾ ጣኦት ተራ ጕዳይ ኣይኰነን፡ ነቲ ሓደ ክርስቲያን ምስ እግዚኣብሔር ዘለዎ ሕብረት ኣብ ሓደጋ ዜእትውን ናብ ምትላል ዚመርሕን’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ፡ ነዞም መልእኽቱ ዝጸሓፈሎም፡ ከም ኣምለኽቲ ጣኦት ዘይኰነ፡ ከም ፍቁራት ምእንቲ ኺምዕዶም ኢሉ’ዩ "ደቀየ" ኢሉ መልእኽቱ ጀሚሩ። ዕቱብነት ናይ መልእኽቱ ነቲ ዝነበሮም ፍቕሪ ዘይቅይሮ ስለ ዝዀነን፡ ከም’ዚ ዝበለ እዋናውን ህጹጽን መልእኽትን መጠንቀቕታን ብለውሃት ኣመሓላሊፉ። እዚ ኣገባብ’ዚ ንሕና’ውን ክንመሃረሉ ይግብኣና’ዩ፡ ንእንህቦ መልእኽቲ ዀነ መጠንቀቕታ፡ ብፍቕርን ብለውሃትን ክንህብ፡ ኣንፊ መገድና ብንቕሓት ንዘክር።
ጣኦታት ዚበሃሉ፡ እንታይን ከመይ ዝበሉን’ዮም፧ ጣኦታት ብምስሊ ኣብ ሰማይን ምድርን ትሕቲ ምድርን ዚነብሩ ፍጥረታት ወይ ልቢ-ወለዳዊ ትርኢት ዘለዎም፡ ተሰሪሖም ወይ ተሃንዲሶም፡ ኣብ ክንዲ’ቲ ሓቀኛ ፈጣሪ (ዘይርአ) እግዚኣብሔር ኣምላኽ፡ ዚምለኹ ምስልታት’ዮም (ዘጸ 20፡4)። እዞም ጣኦታት’ዚኣቶም ብፍስሲ ኺስርሑ ይኽእሉ (ዘጸ 34፡17)፡ ከምኡ’ውን ካብ ወርቂ ወይ ብሩር (ዘጸ 32፡3-4፣ ኢሳ 2፡20፣ 30፡22፣ 31፡7፣ ሆሴ 8፡4)፡ ካብ ዕጨይቲ ወይ እምኒ (ዘዳ 4፡28፣ 1ነገ 19፡18፣ ኢሳ 37፡19፣ 44፡13-19፣ ህዝ 20፡32) ተነዲፎም ዚስርሑ፡ ሓደው ብወርቂ ወይ ብሩር ዚልበጡ (ኢሳ 30፡22) ኪዀኑ ይኽእሉ። እዚኣቶም ብግዙፍ ምስልታት ዝተሰርሑ ኪዀኑ ኸለዉ፡ ረቀቕቲ ጣኦታት ዚበሃሉ ኸኣ ኣብነታት እቲ እግዚኣብሔር ብመገዲ ነብዪ ሙሴን ካህን ኣሮንን ኣቢሉ ኣብ ልዕሊ ግብጽን ግብጻውያንን ዜውረደሎም መዓት ክንርእዮ ኸለና፡ ክንየው ናይ ግብጺ ማያት፣ ምድሪ፣ ዘራእቲ፣ እንስሳታትን ሰባትን ሓሊፉ፡ ጣኦታት ኰይኖም ዜምልኽዎም ንዝነበሩ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ (ጣኦታት ግብጺ) ድማ’ዩ ወቒዑ። ንነብዪ ህዝቅኤል ብዛዕባ’ዚ ፍጻሜ’ዚ ኺዛረቦ ኸሎ፡ ጣኦታት ግብጺ ኻብ ህዝቡ ኼርሕቕ ዝኣዘዞም ትእዛዝ "ጽያፍ ኣቦታቶም ኣፍልጦም" ኢሉ ኸም ዝኣዘዞ ነንብብ (ህዝ 20፡4-9)። እዞም ጣኦታት’ዚኣቶም ደቂ እስራኤል ኣብ ግብጺ ንልዕሊ 400 ዓመታት ኣብ ዝነበሩሉ ዘመናት፡ ናይ ግብጻውያን ጥራይ ካብ ምዃን ሓሊፎም፡ ጣኦታት ደቂ እስራኤል ከኣ ከም ዝዀኑ ኢና ’ነስተብህል። ኵሉ’ቲ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ብሓያል ቅልጽም ኣብ ግብጺ ዝፈጸሞ ትእምርትን ተኣምራትን እምበኣር፡ ኣማልኽቲ (ጣኦታት) ግብጺ ኸንቱ ምዃኖም ንህዝቡን ንግብጻውያንን ንኻልኦት ኣህዛብን ብግልጺ ዘርኣየሉ ፍርዲ’ዩ ነይሩ። ካልእ ኣብ ዘመን ሓዲሽ ኪዳን ’ነንብቦ ኣብነት ጣኦት’ውን "ኵላ እስያን ብዘላ ዓለምን ዜምልኻኣ ዓባይ ኣርጤምስ" ናይ እትበሃል ጣኦት መቕደስ፡ መሰውኢ፡ መስዋእቲ ኻልእ ጽምብላት (rituals) ዚበዓለላ ታሪኽ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ተዘንትዩልና ንረኽቦ ኢና (ግብ 19፡23-28)። እዚ’ቲ ግዙፍ መልክዕ ጣኦታት ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ብነብዪ ሳሙኤል ንንጉስ ሳኦል እተባህለ መልእኽቲ ዚምህረና ኻልእ ጣኦት ከኣ፡ "ሳሙኤል ከኣ፡’ንእግዚኣብሔርሲ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ከም ምስማዕ ደሃይ እግዚኣብሔር ገይሩዶ የሐጕሶ’ዩ፧ እንሆ፡ ምስማዕ ካብ መስዋእቲ፡ ጽን ምባል ድማ ካብ ስብሒ ደዓውል ይበልጽ። ዕልወትሲ ሓጢኣት ጥንቍልና’ዩ፡ ህልኽ ከኣ ምምላኽ ጣኦትን ተራፊምን’ዩ። ንቓል እግዚኣብሔር ስለ ዝነዓቕካዮ፡ ንሱ ኸኣ ከይትነግስ ነዓቐካ፡’ በለ።" 1ሳሙ 15፡22-23
ኣብ’ዚ ጽሑፍ ብንጹር ተነቢሩልና ኸም ዘሎ፡
ምስ እግዚኣብሔር ምትህልላኽ፡
ካብ እግዚኣብሔር ምዕላው፡
ንእግዚኣብሔርን ቃሉን ምንዓቕን ዘይምስማዕን ጽን ዘይምባልን ረቂቕ ምስሊ ጣኦት ምዃኑ’ዩ።
እቲ ብነብዪ ኤርምያስ፡ "ብሰሪ ዂሉ ኽፍኣቶም ንኣይ [ንእግዚኣብሔር] ስለ ዝሓደጉን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዕጣን ስለ ዝዓጠኑን ንግብሪ ኢዶም ስለ ዝሰገዱን፡ ፍርደይ ክነግሮም እየ።" እተባህለ ስምዕታ ምስ እንርእይ ኣብ’ቲ ኽልቲኡ ዓይነት ጣኦት ዘሎ ናይ ሓባር ረቛሒ፡ ሰባት ብገዛእ ርእሶም ዚሰርሕዎን ዚህንድስዎን ዜምልኽዎን ምዃኑ ነንብብ (ኤር 1፡16)። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ድማ ካብ ክልቲኡ’ዚ ግዙፍን ረቂቕን ጣኦታት’ዩ ኽንሕለው ኣዚዙና። ብመሰረት ቃል እግዚኣብሔር፡ ልዕሊ እግዚኣብሔር ኣብ ህይወትና ሰሪዕናዮ ዘለና ዘበለ ዅሉ፡ ጣኦት’ዩ’ሞ፡ ሎሚ በዚ መዐቀኒ’ዚ ተጠቒምና ህይወትና፡ ናብራና ንፈትሽ። ኣብ ክንዲ እግዚኣብሔር ዚዀነና፡ ቦታ እግዚኣብሔር ኣብ ልብና ዚወስድ ነገር እንታይ ኣሎና፧
ስለምንታይን ብኸመይ መገድን ኢና ኻብ ጣኦታት እንሕለው፧ "ተሓለዉ" ዚብል ቃል፡ መበቈልዊ ትርጕሙ ኽንርእዮ ኸለና፡ ከም’ቲ ጓሳ ንመጓሴኡ (ኣባጊዕ፡ ኣሓ ወዘተ) ዚሕልው፡ ከም’ቲ ዓቀይቶት ንእሱር/ራት ዚሕልዉ ማለትና’ዩ (ሉቃ 2፡8፣ ግብ 12፡4)። ተመሳሳሊ ቓል ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ’ቲ ንሰብ ተሰሎንቄን ንወዱ ቅዱስ ጢሞቴዎስን ኣብ ዝጸሓፈሎም መልእኽትታት ተጠቒሙሉ ኣሎ (2ተሰ 3፡3፣ 2ጢሞ 1፡12)። ኣብ’ዚ መልእኽቲ’ዚ ሃዋርያ ዮሃንስ፡ ክርስቲያን ዘበልና፡ ንገዛእ ርእስና ኻብ ጣኦታት ክንሕልው’ዩ ኣዚዙና። ርእስና ኽንሕልወሉ እንድለየሉ ምኽንያት ከኣ ብዘይምሕላውና እነጥፍኦ ኽቡር ነገር ስለ ዘሎ’ዩ። ሓረስታይ፡ ንዝኣኸለ እኽሉ፡ ካብ ኣዕዋፍ (ከም ኴላ-ኴላ ዝኣመሰላ)ን ካልኦት እንስሳ (ኣንበጣ፡ ኵብኵብታ፡ መፍለስ፡ ህበይ ወዘተ)ን ይሕልው፡ ምኽንያቱ ብሰንኪ’ዞም እንስሳታት’ዚኣቶም ክቡር ፍረ እኽሉ ምእንቲ ኸይስእን። ሃገር ወይ ከተማ ዚሕልዉ ሓለውቲ፡ ካብ ወረርቲ ወይ ገበን ካብ ዚፍጽሙ ኸም ዚሕልዉ፡ ሓደው ዝዀነ ሰብ ሰነዳቱ ምእንቲ ኸይስረቕን ከይጠፍኦን ብዝተፈላለየ መገድታት ሰነዳቱ ኸም ዚሕልው፡ ከምኡ ክርስቲያን ዘበልና፡ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽና እሙናት ኰይንና ምእንቲ ኸይነምልኾ (ብሓጐስ ከይንግዝኦ - መዝ 99(100)፡2)፡ ካብ ኣምልኾ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ኻብ ዜርሕቑና ዘበሉ ርእስና ኽንሕልው ይግብኣና’ዩ። እዚ ምጥፋእ ክቡር ነገርና ኽሳዕ ክንደይ ከም ዚኸይድ፡ ልቢ ኣምላኽ ዘማራይ ዳዊት ኣብ ዝዘመሮ መዝሙር ከም’ዚ ዚስዕብ ኢሉ ኣሎ፡
"ጣኦታት ኣህዛብሲ ብኢድ ሰብ እተገብሩ ብሩርን ወርቅን’ዮም።
ኣፍ ኣለዎም፣ ኣይዛረቡን፣ ኣዒንቲ ኣለዎም፣ ኣይርእዩን፣
ኣእዛን ኣለዎም፣ ኣይሰምዑን እዮም። ኣብ ኣፎም ድማ ትንፋስ የልቦን።
እቶም ዚገብርዎም ዚውከልዎም ዘበሉ ኸማታቶም ኪዀኑ እዮም።" መዝ 134(5)፡15-18 ፣ 114(5)፡4-8
እዚ ድማ ኵሎም’ቶም ጣኦታት ዜምልኹ ዘበሉ ኣብ መወዳእታኡ ከም’ቶም ዜምልኽዎም ጣኦታቶም’ዮም ዚዀኑ፡ እዚ ዓብይ መግደራ’ዚ ኸይበጽሓና ኸኣ ኢና ርእስና ኻብ ጣኦታት ክንሕልው ዚግብኣና።
እዚ ዅሉ ዝዘርዘርናዮ ምኽንያት ነዚ ሓለዋ ኻብ ጣኦታት፡ ብመንጽር ገዛእ-ርእስና ኽንርእይ ከለና’ዩ። እቲ ምኽንያት ግና ክንየውና ናብ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ዚበጽሕ’ዩ። ንሱ ኸኣ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ብኣምልኾ ዝመጸ፡ ቀናእ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ’ዩ (ዘጸ 20፡5፣ 34፡14፣ ዘዳ 4፡23-24፣ 5፡7-10፣ 6፡14-15፣ እያ 24፡19፣ ናሆ 1፡2)። በዚ ጕዳይ’ዚ ኣብ እግዚኣብሔር ምሕረትን ሕድገትን ንሕስያን የለን’ሞ፡ ርእስና ኻብ ጣኦታት እንሕልወሉ ዝዓበየ ምኽንያትና እግዚኣብሔር ኣምላኽና ቐናእ ስለ ዝዀነ ድማ’ዩ። ሓለዋ ርእስና፡ ብገዛእ ርእስና እንገብሮ ነገር ከም ዘይኰነ ግና ከነስተብህል ይግብኣና። እዞም ዚስዕቡ ጥቕስታት’ሞ ንርኣዮም፡
"ካብቲ ኽፉእ ክትሕልዎም እምበር፡ ካብ ዓለም ከተውጽኦም ኣይኰንኩን ዝልምን ዘለኹ።" ዮሃ 17፡15
"ግናኸ እቲ ዜጽንዓኩምን ካብ ክፉእ ዚሕልወኩምን ጐይታ እሙን’ዩ።" 2ተሰ 3፡3
"ንስኻትኩም ግና፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ በታ ኻብ ኵሉ እተቐደሰት እምነትኩም ንርእስኹም እናሃነጽኩም፡ ብመንፈስ ቅዱስ’ውን እናጸሌኹም፡ ነቲ ናብ ህይወት ዘለኣለም ዜብጽሕ ምሕረት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እናተጸቤኹምሲ፡ ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ ።" ይሁ 20-21
"ነቲ ኻብ ውድቀት ዘበለ ኺሕልወኩም፡ ብሓጐስውን ብዘይ ነውሪ ኣብ ቅድሚ ኽብሩ ኬቝመኩም ዚከአሎ፡ ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ፡ ጐይታና ፡ በይኑ መድሓኒና ዝዀነ ኣምላኽ ቅድሚ ዅሉ ዘመናትን ሕጅን ንዅሉ ዘለኣለምን ክብሪ፡ ግርማ፡ ሓይሊ፡ ስልጣን ይኹኖ። ኣሜን።" ይሁ 24-25
"እቲ ኻብ ኣምላኽ እትወልደ ዘበለ ርእሱ ይሕልው፡ እቲ እኩይ’ውን ኣይትንክዮን’ዩ’ምበር፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ እተወልደስ፡ ሓጢኣት ከም ዘይገብር፡ ንፈልጥ ኢና።" 1ዮሃ 5፡18
ኵሎም’ዞም ጥቕስታት’ዚኣቶም፡ ኣብ ምሕላውና፡ ግደ እግዚኣብሔር ኣምላኽን ግደና ድማ ከም ሰባትን ከም ዘሎ’ዮም ዚምህሩና። ብዓንደ-ርእሱ በቲ "ካብ ክፉእ ኣድሕነና’ምበር ኣብ ፈተና ኣይተእትወና" ኢልና እንጽልዮ ጸሎት፡ ናይ ምሕላውና ዝዓበየ ተራ ናይ’ቲ ኣብ ሰማያት ዚነብር ኣቦና እግዚኣብሔር ኣምላኽና ኪኸውን ከሎ፡ ንሕና ንገዛእ ርእስና ኽንሕልው ዓቕምን ሓይልን ስለ ዘይብልና፡ እቲ ኣብ ምሕላው ገዛእ ርእስና ዘሎና ግደ፡
ርእስና ኣብ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ምውፋይ’ዩ፡
ኣእምሮና ብፍልጠት እግዚኣብሔር ኣምላኽና ብቓሉ ምምላእና’ዩ፡
ናብ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ኸየባተኽና ምጽላይ’ዩ (ማቴ 6፡13፣ ሉቃ 11፡4፣ 1ተሰ 5፡17)።
እዚ ርእስና ኻብ ጣኦታት ናይ ምሕላው ሓላፍነት ከኣ ብህይወት ክሳዕ ዘለና፡ ክሳዕ’ቲ ገጽ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እንርእየሉን ሓደው ከኣ ክሳዕ’ቲ ብሞት ካብ’ዛ ዓለም እንፍለየሉ ዚኸይድ’ምበር ናይ ሓደ ጊዜ ንጥፈት፡ ወይ ንሓደ እዋን ጥራይ እነተግብሮ ናይ ሓለዋ ተግባር ኣይኰነን’ሞ፡ ኣቱም ህዝበ-ክርስቲያን ንርእስና ኻብ ጣኦታት ንሓልው።
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኵላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
|
15 ሕዳር 2026 | 6 ሕዳር, 2019 ግዕዝ ( 10ይ ሰንበት) |
||
|
ምስባክ መዝ: ፸፰(፸፱)፡፰ "ኢትዝክር ለነ አበሳነ ዘትካት። ፍጡነ ይርከበነ ሣህልከ እግዚኦ። እስመ ተመንደብነ ፈድፋደ።" ዓዲ፡ መዝ.፻፪(፻፫)፡፱-፲ "ኢይቀሥፍ ወትረ ወኢይትመዓዕ ዘልፈ። አኮ በከመ ኃጢአትነ ዘገብረ ለነ። ወኢፈደየነ በከመ አበሳነ።" |
ንባባት |
ኣንባቢ |
| ሮሜ 5፡10-ፍጻመ |
ዲያቆን |
|
| 1ዮሃ 5፡13-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
| ግብ 13፡38-43 |
ንፍቅ ካህን |
|
|
ማቴ 6፡1-15 |
ሰራዒ ካህን |
|
|
ቅዳሴ ፦ ዘእግዚእነ | መዝሙር፦ ኢተዘኪሮ |
|
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ