S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መስቀል ክርስቶስ ብኽልተ ኣዕጻው ተሰሚራ ዝቖመት፡

በቶም ገፋዕቲ ቀያፋን ጲላጦስን ውዲት ዝተዳለወት:

ንጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቀራንዮ ዝተቐበለት ንስቕለት

ኣብ ጉድጓድ ተቐቢራ ኣብ ልዕሊኣ መአከብ ጓሓፍ ዝኾነት

ጸሎት ምስጋና - The prayer of Thanksgiving:- ሠናይ ነገር ንዝገበረልና ይቕረ በሃሊ እግዚኣብሄር፥ ኣቦኡ ንጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነመስግኖ ኣሎና። ሰቲሩናን ረዲኡናን፥ ዓቂቡናን ተቐቢሉናን፥ ራሕሪልናን ደጊፉናን ክሳዕ እዛ ሰዓት እዚኣውን ኣብጺሑና እዩ እሞ ነመስግኖ ኣሎና። ሕጂውን ንዕኡ በዛ ቕድስቲ ዕለት እዚኣን፥ ብዅሉ ዘመን ሕይወትናን ብፍጹም ሰላም ኪዕቅበና ንዅሉ ዝመልኽ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ንለምኖ።

ኤሪትራዊ ኣቦ እንዲኻ፡ ኣንታ ምዕሩግ ሰብኣይ

በዓልቲ ቤትካ ትብለካ፡ ዓይኒ ብርከይ

ደቅኻ ይብሉኻ፡ ተናፋቒ ኣቦይ

ኣሕዋትካ ይብሉኻ፡ ተፈታዊ ሓወይ

ኣዝማድካ ይብሉኻ፡ ሓወቦይ ኣኮይ

ገሊኦም'ውን ይብሉኻ፡ ዝኸበርካ ኣያይ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ኣሜን።

ክቡራት ኣገልገልቲ ካህናትን ድያቆናትን ኩላትኩም ምእመናን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፡ ሰላም ኣምላኽ ምስ ኩላትኩም ይኹን።

ኣምላኽ ረዲእና፡ መመዝገቢ መሕተት (ፎርም) ናይ 3ይ ክፍለ-ዓመት ዓመተ-ትምህርቲ 2026 ንሰደልኩም ኣሎና። ምዝገባ ካብ ሰንበት 9 ክሳብ ቀዳም 22 ነሓሰ 2026 ዓም ክካየድ እንኮሎ፡ ትምህርቲ ድማ ኣብ 1 መስከረም 2026 ዓም ዘሎ ሰሙን ክጅምር እዩ። መላግቦ መመዝገቢ

ክፍሊ ጉዳያት ተመሃሮ

ኮለጅ ስነመለኮት ተዋሕዶ

ST.... - ST. Michael Eritrean Orthodox Church Charlotteክቡር ሞቱ ለጻድቅ በቅድመ-እግዚኣብሔር! ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞት ቅዱሳኑ ኽቡር እዩ (ዳዊት 116:15) ።

ዜና ዕረፍቲ መምህር ትሕትናን ትዕግሥትን መምህር ተስፋን ለውሃትን ኣቦና ዘውገ ምሁራን መሪጌታ ይትባረክ በርሀ ምስ ሰማዕኩ ሞት መሪር ስለዝኾነ ብጣዕሚ ስንባደን ዓሚቕ ሓዘንን ተሰሚዑኒ፥ 

ግናኸ ነቲ ኣብ ቅዱስ ወንጌል ዮሃንስ 5:24 ''ንሱ ኻብ ሞት ናብ ህይወት ተሳገረ እምበር፡ ናብ ፍርዲ ኸም ዘይበጽሕ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ዝብል ክርስቶሳዊ ቃል ዘኪረ በል ፍቓድካ ይኹን ጎይታ ኢለ ሃዲአ።

 "ደጊም ንንቃሕን ንጠንቀቕን እምበር፡ ከምቶም ካልኦት ኣይንደቅስ።" 1ተሰ 5፡6

እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ መበል 10ይ ሰንበት ናይ ዘመነ ክረምት’ዩ። ወርሒ ጳጕሜን መበል ዓሰርተው ሰለስተን ናይ መወዳእታ ወርሕን ናይ ዓመተ-ግእዝ ድማ’ዩ። ወርሒ ጳጕሜን፡ ናይ ዘመነ ክረምት ርእሱ ዝኸኣለ ንኡስ ዘመን’ዩ። ብመሠረት ሥርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና፡ ካብ ጳጕሜን 1 ክሳዕ ጳጕሜን 6 ኣብ ዘሎ ቕንያት ዚዝመር መዝሙር ቅዱስ ያሬድ፡ "ከመ እንተ መብረቅ" ዘርእስቱ ዀይኑ፡ ኣብ ማቴ 24፡26-31፣ ማር 13፡24-27፣ ሉቃ 17፡23-24 መሠረት ገይሩ ዝተደርሰ ናይ ምጽኣት መዝሙር’ዩ።

ካብ መስከረም 1- 3 203 ንሰለስተ መዓልታት፡ ብመሪሕነት ብፅኣን ጳጳሳት አቡነ መቃርዮስን አቡነ ሲኖዳን ዝተመርሐ፡ ብዙሓት ውሉደ ክህነት ዝተሳተፍዎ፡ ዝተፈላለየ መደባት ሓቕፉ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን፡ ምዕራፈ ቅዱሳን ደብረ ሊባኖስ ወተክለሃይማኖት ሳንታ ኣንቶንዮ ቴክሳስ፡ ክካየድ ዝቀነየ መንፈሳዊ ጉባኤ ብፍሱህን ውዕውዑን መንፈስ ተዛዚሙ። ብተወሳኺ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ብኣካል ኪሳተፍ ዘይከአለ ውሉደ ክህነት ብናይ ርሕቀት መራኸብ ብዙሓን  (zoom) ኪከታተሎ ቀንዩ።

እዚ ቃላት` በዓለ-ትንሣኤ ብዝመጸ ቁጽሪ፣ ኣብ ቤተ-ክርስቲያናትና ብጣዕመ ዜማ ተሰንዩ ክበሃል ዝስማዕ ቃል`ዩ። ብርሃንን ሰላምን ቅሳነትን ዘለዎ በዓል ንክኸውን፣ ብምምናይ ወይ ተስፋ ብምግባር ዝበሃል ቃል ምዃኑ ከኣ፣ ከም ርዱእ ክውሰድ ዝከኣል `ዩ። ከመይሲ ካብ ብርሃንን ሰላምን ንላዕሊ፣ ዝምረጽ ካልእ ነገር ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ብመሠረቱ`ውን ናይ ጎይታና ምምጻእ፣ ነታ ኣብ ጸልማትን ጽላሎት ሞትን ኣትያ ትርከብ ዝነበረት ዓለም፣ ብርሃን ንምዃን ከም-ዝነበረ ኣብቲ ቅዱስ ጽሑፍ ተነጊሩ ኣሎ። (ሉቃ-1/79)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ኣሜን።

ክቡራት ኣገልገልቲ ካህናትን ድያቆናትን ኩላትኩም ምእመናን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፡ ሰላም ኣምላኽ ምስ ኩላትኩም ይኹን።

ኣምላኽ ረዲእና፡ መመዝገቢ መሕተት (ፎርም) ናይ  3ይ ክፍለ ዓመት ዓመተ ትምህርቲ 2024 ንሰደልኩም ኣሎና። ምዝገባ ካብ ሰንበት 11 ክሳብ ቀዳም 24 ነሓሰ 2024 ዓም ክካየድ እንኮሎ፡ ትምህርቲ ድማ 01 መስከረም 2024 ዓም ክጅምር እዩ።

መላግቦ መመዝገቢ፥ Registration form

ክፍሊ ጉዳያት ተምሃሮ

ኮለጅ ስነመለኮት ተዋሕዶ

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div