ኣብ ቅንያት ልደት መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ጐሊሖም ካብ ዝተራእዩ ባህርያት ኣምላኽ ሓደ ናይ እግዚኣብሄር ናይ ምምራሕ ባህርይ እዩ። ብዓብዩ ንሰብ-ጥበብ ካብ ርሑቕ ምብራቕ ናብታ ጐይታና ዝነበራ መብልዕ ማል መሪሑ ኸም ዘምጽኦም ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ተማሂርና ኢና። ነቲ ቕዱስ ህጻን ስግደትን ገጸ በረኸትን ኣበርኪቶም ናብ ሄሮድስ ኪምለሱ ምስ ሓሰቡ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ብራእይ ለይቲ ተገሊጹ፡ ብኻልእ መገዲ ናብ ዓዶም ኪምለሱ እምበር ናብ ሄሮድስ ከየላግሱ ነጊሩ ብቕኑዕ መገዲ መርሖም፡።
ሄሮድስ ውዲቱ ኸም ዝፈሸለ ምስፈለጠ፡ ንዅሎም ህጻናት ቤት ልሄም ብምሕራድ ነቲ ቕዱስ ህጻን ኪረክብ ከም ዝሓሰበ ምስ ፈለጠ ድማ ንቕዱስ ዮሴፍ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ብሕልሚ ለይቲ ተገሊጹ “ሄሮድስ ነቲ ህጻን ኪቐትሎ ይደልይ ኣሎ እሞ፡ ተንስእ ነቲ ህጻንን ነዲኡን ሒዝካ ናብ ግብጺ ህደም፡ (ኣነ) ኽሳዕ ዝነግረካ ኸኣ ኣብኣ ጽናሕ” ኢሉ ንጹር ምርሒት ሃቦ (ማቴ 2፡13)። ኣብዚ ናይ ሎሚ ንባብ ወንጌል ተገሊጹልና ከም ዘሎ ድማ፡ እቲ ጨካን ሄሮድስ ምስ ሞተ፡ እቲ “ኣነ ኽሳዕ ዝነግረካ ኣብ ግብጺ ጽናሕ” ኢሉ ዝኣዘዞ መልኣኽ ተመሊሱ መጺኡ፡ “እቶም ህይወት ናይዚ ህጻን’ዚ ዚደልዩ ዝነበሩ ሞይቶም እዮም እሞ፡ ተንስእ፡ ነዚ ህጻንን ነዲኡን ሒዝካ፡ ናብ ምድሪ እስራኤል ኪድ።” ደጊሙ ምርሒት ሃቦ።
መቸም ልደት ጐይታናን መድሃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብኵለንተናኡ መስተንክርን ተኣምራውን እዩ። እቲ “ናብ ግብጺ ውሰዶ፡ ናብ እስራኤል ድማ መለሶ” ዚበሃለሉ ዘሎ ህጻን፡ እቲ ንዓለም ብቓሉ ዝፈጠረን ዘጽንዐን እግዚኣብሄር ወልድ እዩ። ነቲ መምርሒ ዚህብ ዘሎ ቕዱስ መልኣኽን ነቶም ምርሒት ተቐቢሎም ሓቝፎምዎ ናብ ግብጽን እስራኤልን ዚመላለሱ ዘለው ሰባትን ዝፈጠሮም’ውን ንሱ ባዕሉ እዩ። ስጋና ድሕሪ ምልባሱ ግና፡ ንሕና’ውን ምርሒት ኣምላኽ ከም ዜድልየና ምእንቲ ኺምህረና፡ እቲ መራሒ ባዕሉ ብፍጡራቱ ኺምራሕ ፈቐደ። “ክብሪ ነቲ ቕዱስ ኣርኣያኡ ይኹን። ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ብኣካል ስጋ ኣብ ዝተመላለሰን ኵለን ዓመታት፡ ብዛዕባ ዝኸዶ ዝገብሮ ዝዛረቦ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦኡን ካብ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስን ምርሒት ተቐቢሉ ይፍጽሞ ኸም ዝነበረ ባዕሉ ደጋጊሙ ገሊጹልና ኣሎ። ኣብ ሉቃ 4፡1 “ኢየሱስ መንፈስ ቅዱስ መሊእዎ ኻብ ኢየሩሳሌም ተመልሰ፡ ብመንፈስ ከኣ ናብ በረኻ ተመርሐ” ዚብል ቃል ተጻሒፉልና ኣሎ። ብዛዕባ ትምህርቱውን፡ “ኣነስ እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦ ደኣ እንታይ ከም ዝብልን ዝዛረብን ትእዛዝ ሂቡኒ እምበር፡ ካብ ርእሰይ ኣይዛረብን እየ። . . . እምበኣርሲ እቲ ኣነ ዝዛረቦ፡ ከምቲ ኣቦ ዝነገረኒ ኸምኡ እየ ዝዛረብ ዘለኹ።” ብምባል ብምርሒት ኣቦ ከም ዚዛረብ ገለጸ (ዮሃ 12፡48-50)። ብዛዕባ እቲ ዚገብሮ፡ ግብርታት’ውን፡ “ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ወድስ ኣቦኡ ኺገብሮ ዝረኣዮ እምበር፡ ካብ ርእሱ ሓንቲ ነገር እኳ ኺገብር ኣይከኣሎን እዩ። ነቲ ንሱ ዚገብሮ ግብሪ፡ እቲ ወዲ ድማ ከምኡ ዝበለ ይገብር እዩ። ኣቦ ንወዱ የፍቅሮ እዩ እሞ፡ ንሱ ዚገብሮ ዘበለ ዅሉ ድማ የርእዮ። ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትግረሙ ካብዚ ዚዓብይ ግብሪ’ውን ኬርእዮ እዩ።” ከም ዝበለውን ተጻሒፉልና’ዩ (ዮሃ 5፡19,20 14፡10)። ክርስቶስ ብመለኮቱ ምስ እግዚኣብሄር ኣቦን እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስን ማዕረ ስለ ዝዀነ፡ ኪምራሕ ዜድልዮ ኣይነበረን። ከም ፍጹም ሰብ መጠን ንኣና ኣርኣያ ኺሓድገልና ግና፡ ንርእሱ ኸም ባርያ ኣትሒቱ ዋላ ሓንቲ ኸም ዘይፈልጥ ኰይኑ ብኣቦን ብመንፈስ ቅዱስን ኪምራሕ ፈቐደ።
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኵሉ እናፈለጠን ኵሉ እናኸኣለን ከሎ ኺምራሕ ፍቓደኛ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ብምስሉ ዝተፈጥረ ብደሙ ድማ ዝደሓነ፡ ግን ከኣ ዋላ ሓንቲ ኺፈልጥን ኪገብርን ዓቕሚ ዘይብሉ ወዲ ሰብከ ደኣ ማዕረ ኽንደይ ምርሒት ኣምላኽ ዘየድልዮ፧ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ዅሉ ንጥፈታትና ምርሒት ኪህበና ዜድልየና ምዃንና ንሓንቲ ኻልኢት እኳ ክንዝንግዖ ዘይግብኣና ሓቂ እዩ። ቅዱስ ዳዊት፡ “ልቢ ኣምላኽ” ኪስመይ ዝበቕዐ ምርሒት ኣምላኽ ዚደልይን፡ ነቲ ምርሒቱ ድማ ዚስዕቦን ሰብ ምንባሩ፡ በቲ “ዎ እግዚኣብሄር፡ ብምኽንያት ተጸናጸንተይ፡ ብጽድቅኻ ምርሓኒ፡ ንመገድኻ ኣብ ቅድመይ መድምዳ። . . . ዎ እግዚኣብሄር ጐደናታትካ ኣፍልጠኒ፡ መገድታትካ መሃረኒ። ንስኻ ኣምላኽ ምድሓነይ ኢኻ እሞ፡ ብሓቕኻ ምርሓንን ኣስተምህረንን ኵሉ መዓልቲ እጽበየካ ኣለኹ። . . . ዎ እግዚኣብሄር መገድኻ መሃረኒ፡ ብምኽንያት ጸላእተይ ኰታ በታ ቕንዕቲ መገዲ ምርሓኒ። . . . ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ’ሞ ምግባር ፍቓድካ መሃረኒ፡ ሰናይ መንፈስካ ብቕኑዕ መገዲ ይምርሓኒ።” ዚብል ተደጋጋሚ ጸሎቱ ኣመስኪሩ እዩ (መዝ 5፡8፣ 25፡4,5፣ 27፡11፣ 143፡10)። እዚ ድማ ንሕና’ውን ምርሒት ኣምላኽ ኽንደልይ ከም ዚግብኣና ዜመልክተና እዩ።
እቲ ቕዱሳን ምርሒት ኣምላኽ ንምርካብ ዘቕረብዎ ጸሎት ብእግዚኣብሄር ከም ዚግባእ ከም ዝተመለሰ’ውን በቲ “እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ፡ ዚጐድለኒ የብለይን፡ ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፡ ናብ ዝዓርፈሉ ማይ ይመርሓኒ። ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ፡ ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመገዲ ጽድቂ ይመርሓኒ።. . . ንትሑታት (ብፍትሒ) ኺመርሖም መገዱውን ኬስተምህሮም እዩ። . . . ኣነ ኽምህረካ፡ ነታ እትኸደላ መገዲ ድማ ከርእየካ እየ ዓይነይ ናባኻ ኣቢለ’ውን ክመኽረካ እየ። . . . እዚ ኣምላኽ እዚ ንዘለኣለም ኣለም ኣምላኽና እዩ እሞ ንሱ ኽሳዕ ሞት ኪመርሓና እዩ። . . . ብምኽርኻ ክትመርሓኒ፡ ደሓር’ውን ናብ ክብሪ ኽትቅበለኒ ኢኻ።” ብዚብሉ ግሩም ቃላት ተገሊጹ ንረኽቦ (መዝ 23፡1-3፣ 25፡9፣ 32፡8፣ 48፡14፣ 73፡24)።
እቲ ምርሒት ኣምላኽ ብዓይኑ ዝረኣየን ዝተመኰረን ነብዪ ሙሴ፡ ነቲ ዘየስተውዕል ህብዚ እስራኤል፡ “ኣብ ጽምዊ ባድማ በረኻ፡ ኣራዊት ዜድህዩሉ ኣብ ምድሪ በረኻ ረኸቦ፡ ከበቦን ተኸናኸኖን፡ ከም መርዓት ዓይኑ ሓለዎ፡ ንስሪ ጫጨውቱ ከም ዜንፍር፡ ኣብ ልዕሊኦም ከኣ ከም ዚዝምብይ፡ ኣኽናፉ ዘርጊሑ ወሰዶ፡ ኣብ ክንቲቱ ኸኣ ጾሮ እግዚኣብሄር በይኑ መርሖ፡ ምስኡ ጓና ኣምላኽ ኣይነበረን፡ ኣወጢሑ ብበረኽቲ ምድሪ ኣሕለፎ።” ብምባል ገለጸሉ (ዘዳ 32፡10-13)። ስለዚ እቲ እንኮ መራሒ፡ መሪሑ’ውን ናብ ዓዲ ዜእትው እግዚኣብሄር ጥራሕ እዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ ባዕሉ፡ “ነቲ ዚጠቅም ዝምህረካን፡ በታ እትኸደላ መገዲ ዝመርሓካን ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። …ንዕውራት ብዘይፈልጥዎ ጐደና ኽወስዶም፡ ብዘይፈልጥወን መገድታት ክመርሖም፡ ንጸልማት ኣብ ቅድሚኦም ብርሃን ክገብሮ፡ ንድንጉር ከጣጥሖ እየ። ነዚ ኽገብረሎም ኣይክሓድጎምን ድማ እየ።” ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ኢሳ 48፡17 42፡16)።
ስለዚ ብዘይ’ዚ ምርሒት እዚ ምዃን ማለት ኣብ መረኻ ኣብ ጸልማት ተዋጢጥካ ምትራፍ ማለት እዩ። ብዙሓት ሰባት ብደረጃ ባህጊ ምርሒት ኣምላኽ ይደልዩ እዮም። ኣብ ግብሪ ግና ንምርሒት ኣምላኽ ኣይስዕብዎን እዮም። እግዚኣብሄር ብዝተፈላለየ መገድታት’ዩ ዚመርሕ፦
1. በቲ ቓል- ሓቂ ገይሩ ይመርሕ (መዝ 119፡38,105) ። ብቓሉ ምእንቲ ኺመርሓና ኢሉ ድማ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ሃበና፡
2. ብመንፈስ ገይሩ ኸኣ ይመርሕ’ዩ። ስለዚ ድማ ጐይታ፡ “እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ . . . ናብ ኵሉ ሓቂ ኺመርሓኩም’ዩ” ኢሉ ኣተስፈወና (ዮሃ 16፡13) ። ንሃዋርያትን ነብያትን እንታይ ኪዛረቡን ኪገብሩን ናበይ ኪኸዱ ኸም ዚግብኦም እናነገረ ኸም ዝመርሖም ቃሉ ኣረጋጊጹልና እዩ (ግብ 16፡6-10)።
3. ብዅነታት ገይሩውን ይመርሕ እዩ። ንኣብነት ንዮሴፍ ብጽልእን ቅንእን ናይ ኣሕዋቱ ገይሩ ናብ ግብጺ መርሖ። ካብ ቤት ባርነት ናብ ቤት ማእሰርቲ ብፍትወትን ሓሶትን ናይ እመቤቱ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ናብ ቤተ መንግስቲ ድማ ብሕልምታት ፈርኦን ገይሩ መርሖ (ዘፍ 39፡41) ።
4. ብሕልምን ብራእይን’ውን ይመርሕ’ዩ። በዚ መገዲ’ዚ ንዅሎም ነብያትን ሃዋርያትን፡ ናይ ኣህዛብ ነገስታትን፡ ንናይ እምነት ኣቦታትን መሪሑ እዩ።
5. ብመላእኽቲ ገይሩ ምርሒት ከም ዝሃበ’ውን ካህን ዘካርያስን፡ ኣዴና ቕድስቲ ድንግል ማርያምን ኣብነትና እዮም።
6. ከምቲ ናይ ነህምያ’ውን ሓሳባት ኣብ ልብኻ ብምንባር ክመርሕ ተራእዩ እዩ (ነህ 2፡12)።
እግዚኣብሄር በየናይ መገዲ ኸም ዚመርሓና ናይ በይኑ ሉኣላዊ ምርጫ እዩ። በቲ ንሱ ዚመርሓና ደኣ ተኣዚዝና ንምራሕ እምበር፡ “ብኸምዚ መገዲ’ዚ ኽትምርሓኒ’የ ዝደልይ” ክንብሎ ኣይንኽእልን ኢና። ኣዚና ኽንግደሰሉ ዚግብኣና፡ ንሱ ብኸመይ መገዲ ይመርሓኒ ዘይኰነስ፡ “ብሓቂዶ ኣምላኽ ኪመርሖ ዚበቅዕ ሰብ እየ፧” ዚብል ኪኸውን ይግባእ። ምርሒት ኣምላኽ፡ ትእዛዛቱ ንዜፍርሱ ሓጥኣን ከቶ ኣይወሃብን እዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ፡ ንጉስ ሳኦል ብተደጋጋሚ ትእዛዛት ኣምላኽ ድሕሪ ምፍራሱ፡ ኵነታት ዓቕሉ ምስ ኣጽበበሉን እግዚኣብሄር ምርሒት ኪህቦ ሓተተ። እግዚኣብሄር ግና ብነብያት ብሕልሚ ዀነ ብዝዀነ ኻልእ መገዲ ኺምልሰሉን ኪመርሖን ኣይፈቐደን (1ሳሙ 28፡4-6)። እቲ ነቲ ዝተገልጸሉ ትእዛዛት ኣምላኽ ኣብ መዓልታዊ ህይወቱ ኺምርሓሉ ዘይፈቐደ ሰብ፡ ዝዀነ ኻልእ ምርሒት ኣይወሃቦን እዩ። ሓጢኣት ኣብ ዘለዎ ኣምላኽ ስለ ዘየለ፡ ኣብኡ ድማ ምርሒት ኣምላኽ ኪህልው ኣይሕሰብን እዩ። ስለዚ ኸም ኵሎም ቅዱሳን፡ ንምርሒት ኣምላኽ ንድለዮ። ኵሉ ጊዜ ድማ ምርሒት ክንቅበል ዜብቅዓና ኣካይዳ ብምኻድ ንኣርኣያኦም ንስዓቦ። ብድሕርዚ በታ ቐጣን መገዲ ጽድቂ ብዓወት መሪሑ፡ ናብታ ጸባብ ደገን፡ ናብታ ኺኖ’ቲ ደገ ዘላ ሰማያዊት መንግስቲ’ውን ኬብቅዓና እዩ። ስለዚ እቲ እንኮ መራሒና ንእግዚኣብሄር ንግበሮ እሞ፡ ኣብዛ ብጸልማትን ብፈታኒ ዅነታት ዝተመልአት ዓለም ክንሓልፍ ከሎና ብዜደንቕ መገዲ ኺመርሓና ኸሎ ኽንርእዮ ኢና።
ኰዀብ ጽባሕ ብምሉእ ፍቓዱ ስለ ዝሰዓቦ፡ ንገዛእ ርእሱ ጥራይ ዘይኰነ ንበዓልቲ ቤቱን ንሰለስተ ደቁ መምስ ኣንስቶምን፡ ሻምናይ ርእሱ ኺድሕን ከኣለ። ጸሓፊ ናይ መልእኽቲ ናብ እብራውያን፡ ብዛዕባ ኣቦና ኖህ፡ “ኖህ ብዛዕባ’ቲ ገና ዘይተራእየ ነገር ራእይ ምስ ረኣየ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኹ ብእምነት’ዩ ንምድሓን ቤቱ እትኸውን መርከብ ዘዳለወ፡ ብኣኣ ገይሩ ንዓለም ኰነና፡ ናይቲ ብእምነት ዚርከብ ጽድቂ ኸኣ ወራሲ ዀነ።” ኢሉ መስከረሉ (እብ 11፡7)። ከምቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣብ 2ጴጥ 1፡19 ገሊጽዎ ዘሎ ብርሃን ናይቲ ብሩህ ኰዀብ ኣብ ልቡ ስለ ዘብርሃሉ’ዩ ኣብቲ ብጸልማት ዝተዋሕጠ ኽፉእን ጸልማትን ዘመን ንበይኑ ጻድቕ ኰይኑ ዝተረኽበ፡ ንምልእቲ ስድራ ቤቱ ድማ ኬድሕን ዝኸኣለ። እዚ ኰዀብ ጽባሕ ኣብ ልቡ ዘየብርሃሉን ብእኡ ዘይምራሕን ሰብ፡ ወጋሕታ ትንሳኤ ኣይኪርእይን እዩ። ናይ መወዳእታ ዕጫኡ ኣብቲ ንሰይጣንን መላእኽቱን ተዓቝሩሎም ዘሎ ግብ ዝበለ ጸልማት እዩ ዚኸውን (ይሁ 13 ፣ 2ጴጥ 2፡17)።
ንኣቦና ኣብርሃም ካብ ምድሩን እንዳ ኣቦኡን ኣዝማዱን ኣውጺኡ፡ “ናብታ ኣነ ዘርእየካ ምድሪ ውጻእ” ኪብሎ ኸሎ፡ በዚ ኰዀብ ጽባሕ ገይሩ’ዩ ዝመርሖ። እቲ ብዛዕባ ኣብርሃም ኣቦና፡ “ኣብርሃም ናብ ንርስቲ ኪቕበሎ እተኣመመሉ ስፍራ ኺወጽእ ምስ ተጸውዐ፡ ብእምነት ተኣዘዘ፡ ናበይ ከም ዚኸይድ ከይፈለጠውን ወጸ። ነታ ኣምላኽ ዝሃናጺኣን ዝሰራሒኣን መሰረት ዘለዎ ኸተማ ይጽበይ ስለ ዝነበረ፡ ነታ ምድሪ ተስፋ ኸም ኣብ ምድሪ ጓና ኰይኑ ተቐመጠ እሞ፡ ምስቶም ነዛ ተስፋ እዚኣ መዋርስቱ፡ ይስሃቕን ያእቆብን ብእምነት ኣብ ድንኳን ይነብር ነበረ።” ዝተባህለ ሃዋርያዊ ምስክር ኣብ ልቢ ኣቦና ኣብርሃም እዚ ኰዀብ ጽባሕ’ዚ የብርህን ይመርሕን ከም ዝነበረ ዜመልክተና እዩ (እብ 11፡8-10)።
ነዞም ከም ኣብነት ዝጠቐስናዮም ቅዱሳት ኣቦታትና ጥራይ ዘይኰነ ንዅሎም ካልኦት ቅዱሳን ንህይወቶምን መገዶምን ዘብርሃሎምን ዝመርሖምን እዚ ኰዀብ ጽባሕ እዚ እዩ። እታ ቐጣን መገዲ፡ እታ ጸባብ ደገ፡ እቲ ቀቅድሜኻ ዚመርሕ ሕያዋይ ጓሳ፡ እቲ ዓስብኻ ዚፈድይ ዳኛን ንጉስን፡ ኵሉ ባዕሉ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ብዘይ’ዚ ኰዀብ ጽባሕ እዚ ኣብዛ ጸልማት ዓለም’ዚኣ ዚመላለስ ሰብ፡ ብገዛእ ምርጫኡ ኺጠፍእ ዝወሰነ ዓሻ ሰብ እዩ። እቲ ሃዋርያ ቕዱስ ጴጥሮስ፡ ነቶም ነዚ ኰዀብ ጽባሕ እዚ ኣብ ልቦም ዘይነበሮም ኣይሁድ፡” እምበኣርስኸ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምስሰልኩም፡ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ከኣ ዘመነ ዕረፍቲ ምእንቲ ኺመጸልኩም ነቲ ቐደም ንኣኻትኩም እተሓርየ ክርስቶስ ከኣ (ናብ ልብኹም) ምእንቲ ኺሰድደልኩምሲ፡ ተነስሑን ተመለሱን” ዝበሎ ቓል ንኣናውን ተባሂሉልና ኸም ዘሎ ንፍለጥ (ግብ 3፡19,20)። ካብ ግብሪ ጸልማት (ማለት ካብ ሓጢኣት) ምርሓቕ ዜጸግመና ዘሎ ብርሃን ናይዚ መሪሕ ኰዀብ ስለ ዘይብልና እዩ። መብራህቲ ኸይወላዕካ ኣብ ጸልማት ኪኽየድን ኪስራሕን ከም ዘይከኣል፡ ንክርስቶስ ከይሓዝካ ድማ ናብራ ጽድቅን ብርሃንን ኪንበር ኣይከኣልን እዩ። እቲ ንሰብኣ-ሰገል ብብርሃን ኰዀቡ ናብ ቤትልሄም ዝመርሖ ኣምላኽ ሕጂውን ህያው እዩ። ንዓና’ውን በዚ ኰዀብ ጽባሕና ገይሩ ናብታ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ዜብጽሓና ክርስቶስ እዩ’ሞ ንእመኖ፡ ንስዓቦ ድማ።
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ
ሰንበት ጥሪ 13, 2019 (ጥሪ 5, 2011 ግእዝ) |
||
ናይቲ መዓልቲ ስብከት መዝ 132፡ 6, 7 “ናሁ ሰማዕናሁ በኤፍራታ ወረከብናሁ ውስተ ናመ ገዳም ንበውእ እንከለ ውስተ ኣብያቲሁ ለእግዚኣብሔር” “እንሆ፡ ብዛዕባኣ ኣብ ኤፍራታ ሰማዕና፡ ኣብ መሮር ያዓር ረኸብናያ። ናብ ማሕደሩ ንእቶ፡ ኣብ መርገጽ እግሩ ንስገድ።” |
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
|
ንባብ |
ኣንባቢ |
|
ሮሜ 15፡1-14፣ |
ዲያቆን |
|
ወንጌል፡ ማቴ 2፡19-ፍጻ |
1ዮሃ 4፡14-ፍጻ, |
ንፍቀ ዲያቆን |
ቅዳሴ፡ ዘዲዮስቆሮስ |
ግብ 13፡32-44 |
ንፍቀ ካህን |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ