“ንሳውን ሽዑ ናብኡ መጺኣ ንኣምላኽ ኣመስገነቶ።ነቶም ምድሓን ኢየሩሳሌም ዚጽበዩ ዅሎም ከኣ ብዛዕባኡ ተዛረበቶምን።” ሉቃ 2፡38 ከምቲ ሕጊ-ሙሴ ዚእዝዞ፡ ኣዴና ቕድስቲ ድንግል ማርያም መዓልታት ምንጻሃ (40 መዓልታት) ምስ መልአት፡ ነቲ እንኮን በዅርን ውሉዳ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቝማ “ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ” ኽትገብሮ፡ እቲ ንምንጻሃ ዚግባእ መስዋእቲ ኽትውፍይ ምስ ዮሴፍን ወዳ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ናብ ቤት መቕደስ ከደት (ዘጸ 13፡2 ዘሌ 12፡4,6,8)። ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ተኣዚዞም እናፈጸምዎ ኸለው ድማ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ክልተ ነብያት ናባታቶም መጹ። እቲ ቐዳማይ፣ ስምኦን ኪኸውን ከሎ፡ እታ ኻልኣይቲ ድማ ሃና ጓል ፋኑኤል ነበረት። ናይዚ ዕለት’ዚ ናይ ወንጌል ንባብ ከኣ ብዛዕባ ሃና ጓል ፋኑኤል ዜዘንትው እዩ።
እዛ ቅድስቲ ነብዪት እዚኣ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብእግዚኣብሄር ካብ እተመስከረላን ቅዱሳት ኣንስቲ ሓንትን ምርእይትን እያ። ካብ መጀመርታኣ፡ ሰብነታ ብምንዝርና ከየርከሰት ብድንግልና ናብ ቅዱስ መውስቦ ዝኣተወት ንጽህትን ቅድስትን ሰብ ነበረት። ምስ በዓል ቤታ ሾብዓተ ናይ ኪዳን ዓመታት ድሕሪ ምሕላፋ፡ ብፍቓድ ኣምላኽ በዓል ቤታ ብሞት ተፈልያ። ቅድሚ ክልተ ሽሕ ዓመታት ኣብ ባህሊ እስራኤል ኣዋልድ ኣብ ዕድመ ቝልዕነት ይምርዓዋ ነበራ። ንዘይምግናን ኣብ መበል 18 ዓመታ ተመርዕያ እንተ ኢልና፡ ጓል ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ምስ ኰነት መበለት ኰይና ማለት እዩ። ብድሕሪኡ ተመርዕያ ሓዳር ክትገብር ትክእል እኳ እንተ ነበረት፡ ንሳ ግና ካብኡ ዝከበረ ምርጫ ገበረት። ሓዳራ ንእግዚኣብሄር ምግልጋል ኪኸውን መረጸት እሞ፡ ካብቲ ቤት መቕደስ ከይወጸት ብጾምን ጸሎትን ለይትን መዓልትን ንኣምላኽ ንልዕሊ ሱሳ ዓመታት ኣገልገለት። እግዚኣብሄር ድማ ነዛ ኸምዚ ዝበለት ውፍይቲ ምእመኑ ናይ ትንቢት ውህበቱ ብምሃብ ኣኽበራ። ነቲ ቕቡእ (መሲሕ) ፡ ነቲ ኰዀብ ጽባሕ፡ ነቲ ሕያዋይ ጓሳ ዝዀነ ክርስቶስ ከይረኣየት ከይትመውት ድማ ብነዊሕ ዕድመ ባረኻ። ብዕድመኣ ዀነ ብምኽንያት ኣገልግሎታ፡ ኣብታ ንመዓልታት ምንጻህ ኬኽብር ዚመጸላ ጊዜ ምእንቲ ኽትረኽቦ፡ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ እቲ ኽትጽበዮ ዝጸንሐት መድሓኒ ንሱ ምዃኑ ገለጸላ። መጺኣ ምስ ረኣየት፡ ንኣምላኽ ብሓጐስ ኣመስገነት፡ እግዚኣብሄር ብመንፈሱ ዝሃባ ቓል ትንቢት ድማ ነቶም ምድሓን ኢየሩሳሌምን ምድሓን ነፍሳቶምን ዚጽበዩ ዝነበሩ ዅሎም ብዛዕባኡ ተዛረበቶም።
ብዛዕባ ክርስቶስ ምዝራብ ብነብዪት ሃና ፋኑኤል ኣይተጀመረን። እግዚኣብሄር፡ ገና ኣዳምን ሄዋንን ብሓጢኣት ካብ ዝወደቝላ መዓልቲ ጀሚሩ፡ ኣብቲ ነቲ ተመን፡ “ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፡ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል ኣለኹ። ንሱ ርእስኻ ኪጭፍልቕ እዩ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ክትነክስ ኢኻ” ኢሉ ኻብ ዝተዛረበሉ ጊዜ ጀሚሩ፡ እግዚኣብሄር ብትእምርትን ብጽላሎትን ብትንቢትን ብዛዕባ ክርስቶስ ተዛሪቡ እዩ (ዘፍ 3፡15)። ካብቲ እዋን እቲ ኣትሒዙ፡ ኣቤል ብመስዋእቱን ብሞቱን ገይሩ ተዛረበ (ዘፍ 4፡10)። እቲ ሃዋርያዊ ቓል ድማ ድማ፡ “ኣቤል ካብ መስዋእቲ ቃኤል ዚበልጽ መስዋእቲ ብእምነት ንኣምላኽ ኣቕረበ። ኣምላኽ ብናይ መባኡ ኺምስክረሉ ኸሎ ጻድቕ ምዃኑ ብእኣ ተመስከረሉ። ምዝራብ ክንሓድግ ኣይኰነልናን እዩ” ኢሉ መስከረሉ (እብ 11፡4)። “እንታይ ኢሉ ይዛረብ ኣሎ፧ ብዛዕባ መንከ ይዛረብ ኣሎ፧” ኢልና ኽንሓትት ግቡእ እዩ። ብዛዕባ ቓኤል ዘይኰነስ ብዛዕባ ክርስቶስ እዩ ዝተዘረበ። ስለዚ ድማ ጐይታ፡ ብዛዕባኡ ስለ ዚዛረብ እዩ፡ ሕነ ዅሎም ቅዱሳን ነብያት ኸም ዚፈድይ ካብ ኣቤል ጀሚሩ ዝጸብጻበ (ማቴ 23፡35,36)።
ካህናት ብሉይ ኪዳን በቲ ዕለታዊ ዚስውእዎ መስዋእቲ፡ ሊቃውንቲ ካህናት በቲ ዓመታዊ ዚስውኦ መስዋእትን ዚፍጽምዎ ዕርቅን፡ ነብያት ድማ በቲ ዝተዋህቦም ትንቢት ብዛዕባኡ፡ ብዛዕባ ክርስቶስ ተዛረቡ። ነብዪ ስምኦንን፡ ነብዪት ሃናን ድማ ጊዜኦምን ተራኦምን ምስ በጽሐ ብዛዕባኡ ተዛረቡ። እምበኣር፡ እቶም ቅድሚ ክርስቶስ ዝነበሩ ዅላቶም ብቓላቶም፡ ብዝፈጸምዎ ግብሮም፡ ወይ ኣብ ልዕሊኦም ብዝተፈመጸ ኵነታት ብዛዕባኡ ተዛሪቦም ማለት እዩ።
እዚ ብዛዕባኡ ናይ ምዝራብ ሓላፍነት ድማ እቶም ድሕሪ ልደትን ሞትን ትንሳኤን ናይ ጐይታ ዝተፈጠርና ሰባት ተራ ዀይኑ ተረከብናዮ። እቶም መጀመርታ ንጐይታና ዝረኸብዎ፡ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ዮሃንስ ዝነበሩ ሰባት፡ መምህሮም ብዛዕባ ክርስቶስ “እንሆ፡ ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ!! ኣነ ብማይ ኣጥምቕ ኣለኹ፡ ግናኸ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ኣብ ማእከልኩም ደው ኢሉ ኣሎ። እቲ (ብመለኮቱ) ቅድመይ ዝነበረ (ብስጋ ኸኣ) ድሕረይ ዚመጽእ ንሱ እዩ፡ ኣነ ስራኽ ኣሳእኑ ንምፍታሕ እኳ ዘይበቅዕ እየ። . . .” ኢሉ ብዛዕባኡ ኺዛረብን ኪምስክርን ምስ ሰምዕዎ፡ ንእኡ ገዲፎም ንክርስቶስ ኪስዕቡ ጀመሩ (ዮሃ 1፡26-37)። እቲ ሓደ ኻብኣቶም ዝነበረ እንድርያስ፡ ንሓው ንስምኦን ረኸቦ እሞ፡ “ንክርስቶስ ረኽብናዮ” ኢሉ ብዛዕባ እቲ ምስ ጐይታ ዝወዓሎ ነገሮ። ስምኦን ከኣ ናብ ክርስቶስ መጸ። ክልቲኦም ኣሕዋት ድማ ሃዋርያቱ ዀኑ። ፊሊጶስ ንጐይታ ምስዓብ ምስ ጀመረ ድማ ንናትናኤል ብዛዕባ ክርስቶስ ተዛረቦ፡ ናትናኤል ድማ ናብ ክርስቶስ መጺኡ ሃዋርያ ኪኸውን በቕዐ (ዮሃ 1፡37-51)። እታ ሓጥእ ሳምራዊት ሰበይቲ ድማ ንክርስቶስ ምስ ረኸበቶን ምስ ፈለጠቶን ናብቶም ዚጽየፍዋ ደቂ ዓዳ ከይዳ ብዛዕባኡ ተዛረበቶም። ንሳቶም ድማ ናብኡ መጺኦም ካባታቶም ከይከይድ ኣጥቢቖም ክሳዕ ዚልምንዎ ድማ ብእኡ ኣመኑ(ዮሃ 4፡28,29,32-42)።
ጐይታ ድማ ብንጹር ብዛዕባኡ ኽንዛረብ ከም ዚግባና ናይ ነብያት ኣብነት ብምጥቃስ፡ “ኣቱም ነብያት (ብዛዕባ ክርስቶስ) ብእተዛረብዎ ዅሉ ንምእማን ልቦም ዝደንጐየ ዓያሱ፡ ክርስቶስ እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ኺጸግብ እሞ፡ ናብ ክብረቱ ኪኣትው ናይ ግዲዶ ኣይኰነን፧” ኢሉ ድሕሪ ምግናሕ፡ ካብ ሙሴን ኵሎም ነብያትን ኣትሒዙ ኸኣ እቲ ብዛዕባኡ (ዝተዘርበ) ኣብ ኵሉ ጽሑፋት ዘሎ ኪትርጕመሎም ጀመረ (ሉቃ 24፡25-27)። ነተን ኣብ መቓብሩ ዝሰኣናኦ ቅዱሳት እቲ መልኣኽ ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስ ተዛረበን፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኺነግራኦም’ውን ኣዘዘን። ኣብ መገዲ፡ ጐይታ ባዕሉ ምስ ተጓነፈን ድማ “ኪዳ ብዛዕባይ ተዛረባኦም (ንገራኦም)” ኢሉ ኣዘዘን (ማቴ 28፡5-10)። ንሳተን ድማ ከምቲ ዝተኣዘዛኦ ከይደን ነገራ (ሉቃ 24፡9,22,23)። ጐይታ፡ ድሕሪ ትንሳኤኡ ንደቁ መዛሙርቱ፡ ካብ ኢየሩሳሌም ጀሚሮም ብዅሉ መኣዝናት ዓለም ክሳዕ ወሰን ምድሪ ብዛዕባኡ ብምዝራብ ምስክር ኪዀንዎ ኣዘዞም (ግብ 1፡8)። ንሳቶም ከኣ ነቲ ቃሉ ተኣዚዞም ኣብ ጊዜኡን ኣብ ዘይጊዜኡን፡ ኣብ ቦትኡን ኣብ ዘይቦትኡን ብዛዕባኡ ተዛረቡ። ብትምህርቶም ድማ ንዅላ እታ ኸተማን ንኵሉ ህዝባን መልእዎ። ጸላእቲ ክርስቶስ፡ ብዛዕባኡ ድሕሪ ሕጂ ከይዛረቡ ኣምሪሮም እንተ ኣፈራርህዎም፡ “ነቲ (ብዛዕባኡ) ዝርአናዮን ዝሰማዕናዮን ምዝራብ ክንሓድግ ኣይኰነልናን እዩ” ብምባል ዜደንቕን ዜሰምብድን መልሲ ሃብዎም (ግብ 4፡18-20)። እንተ ኣሰርዎም እንተ ገረፍዎም፡ “ኣብ ቤት መቕደስን ኣብ በቤትን ብስራት ኢየሱስ ክርስቶስ ምምሃርን ምስባኽን ኣየብኵሩን ነበሩ።” ክሳዕ ዚበሃለሎም ብዛዕባ ኢየሱስ ኣብ ምዝራብ ጸኒዖም ነበሩ። ብዛዕባ ብምዝራቦም ንዝወረዶም ስቓይ ድማ፡ ብጓህን ብሕፍረትን ዘይኰነስ ምእንቲ ስሙ ኺሓስሩ ብቝዓት ኰይኖም ስለ ዝተቘጽሩ ብሓጐስን ብሓበንን ተቐበልዎ (ግብ 5፡40-42)። ብምኽንያት ሞት እስቲፋኖስ ምስ ተበተኑውን፡ ኣብቲ ዝኸድዎ ዅሉ ብዛዕባ ክርስቶስ ቃል ወንጌል እናነገሩ ፈቐዶኡ ዞሩ (ግብ 8፡4,5 11፡19,20)። እቲ ጸረ ክርስቶስን ክርስትያንን ዝነበረ ሳውል (ጳውሎስ) እኳ፡ ምስ ኣመነን ምስ ተጠምቀን፡ ብኡንብኡ ኣብ ኣብያተ ጸሎት ኣትዩ ብዛዕባ እቲ ዜሳድዶ ዝነበረ ክርስቶስ ይዛረብ ነበረ (ግብ 9፡20-22,28-30)። ነቲ ወንጌል ዝመሃርዎን ዘረከብዎን ህዝብን ውልቀ ሰብን ድማ ንኻልኦት ኪነግሩን ሕድሪ ኺህቡን ኣዘዞም (1ጢሞ 4፡13 2ጢሞ 1፡8 2፡2 4፡1-4 ቲቶ 2፡1,15)። ካብዚ ኵሉ መርዳእታ እምበኣር፡ ክርስትያን ምዃን ማለት፡ ብዛዕባ ክርስቶስ እትዛረብ ሰብ ምዃን ማለት ምዃኑ ኽንድምድም ይከኣል እዩ።
ኣቐዲምና ብዛዕባ እቶም ናይ ብሉይ ኪዳን ቅዱሳን ኸም ዝበልናዮ፡ ብሰለስተ መገዲ ኢና ብዛዕባኡ ኽንዛረብ እንኽእል። ቀዳማይ ብልሳንና፡ ካልኣይ ብግብርና፡ ሳልሳይ ድማ በቲ ምእንትኡ እንቕበሎ መከራን ሞትን እዩ። እዞም ሰለስተ ኣገባባት እዚኣቶም ፈጺሞም ኪተኻኽኡ ዘይክእሉ እዮም። ብቓልካ ብዛዕባኡ ስለ ዝተዛረብካ ነቲ ብግብርኻ ምዝራብ እንተ ገደፍካዮ፡ ወይ’ውን ብኣንጻሩ ብግብሪ ትዛረብ ስለ ዘሎኻ ብልሳንካ ምዝራብ እንተ ገድፍካዮ፡ እቲ ቐዳማይ፡ ዚብል እምበር ዘይገብር ግብዝ ይገብረካ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ብዛዕባ ክርስቶስ ምዝራብ ዜሕፍር ወይ ዜፍርሖ ሰብ ምዃንካ ዜቃልዕ እዩ። ብቓልካን ብግብርኻን ብዛዕባኡ ክትዛረብ ጸኒሕካ፡ ብምኽንያት እምነትካ ፈተና ምስ መጸካ፡ ምእንቲኡ መከራ ብምቕባል ዘይትምስክረሉ እንተ ዄንካ ድማ ጥልመት እዩ’ሞ ነቲ ዝቐደመ ድርብ ተኣምኖኻ ከንቱ ትገብሮ ማለት እዩ። ጐይታ ብልሳኑ ብዘይምዝራብ፡ እንተ ብሰናይ ግብሩ ብዘይ ምምስካር፡ እንተ ብስሙ መከራ ብምቕባል መንነቱ ዘይገልጸሉ ሰብ፡ ኣብ ሰማያት ኣብ ቅድሚ ኣቦኡን ኣብ ቅድሚ ቕዱሳን መልእኽቱን ብኡ ከም ዚሓፍርን፡ “ከቶ ኣይፈልጦን እየ” ኢሉ ከም ዚኽሕዶን፡ “ስለዚ ኣብ ቅድሚ ሰብ ንተኣመነኒ ዅሉ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ክእመኖ እየ። ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝኸሐደኒ ድማ፡ ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክኽሕዶ እየ።” “ንሳቶም ድማ፡ ገሊኦም ዮሃንስ መጥምቕ፡ ካልኦት ድማ ኤልያስ፡ ካልኦትውን ሓደ ኻብ ነብያት እዩ፡ ዚብሉ ኣለዉ፡ በልዎ።” ብምባል ኣነጺሩ ገሊጹልና እዩ (ማቴ 10፡32,33 ማር 8፡28)። እምበኣር ፍቁራንን ፍቁራትን ስድራ ቤት ኣምላኽ ኣይንዓሽው፡ ንገዛእ ርእስና ንዘለኣለም ምእንቲ ኼሕሸና፡ ኣብ ጉባኤን ማሕበርን ናይቶም “ብዛዕባኡ ዚዛረቡ” ቕዱሳኑ ንጸምበር። ኣብ ማእከል እቶም ዚኣምኑን ዚክሕዱን፡ ምስቶም ንፈልጦምን ዘይንፈልጦምን፡ ኣብ ጊዜኡን ኣብ ዘይጊዚኡን፡ ኣብ ቦትኡን ኣብ ዘይቦትኡን ብዛዕባኡ ንዛረብ። ምኽንያቱ ኵሉ ሰብን ኵሉ ጊዜን ኵሉ ቦታን ኵሉ ዅነታትን ናቱ ናይ ክርስቶስ፡ ስለ ዝዀነ ብዛዕባኡ ክንዛረበሉ ዘይግብኣና ሰብን ቦታን ጊዜን ኵነታትን ፈጺሙ የልቦን!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
ዕለት፦ሰንበት የካቲት 03, 2019 (ጥሪ 26, 2011 ግእዝ) |
||
ናይቲ መዓልቲ ስብከት መዝ 48፡8 “በከመ ሰማዕነ ከማሁ ርኢነ በሃገረ እግዚአ ኃያለን በሃገረ ኣምላክነ እግዚአብሔር ሣረራ ለዓለም” “ከምቲ ዝሰማዕናዮ ኣብ ከተማ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣብታ ከተማ ኣምላኽና ኸምኡ ርኤና፡ ኣምላኽ ንዘለአለም ኬጽንዓ እዩ።” |
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
|
ንባብ |
ኣንባቢ |
|
ሮሜ 1፡1-12፣ |
ዲያቆን |
|
ወንጌል፡ ሉቃ 2፡36-42 |
1ጴጥ1፡13-22 |
ንፍቀ ዲያቆን |
ቅዳሴ፡ ድዮስቆሮስ |
ግብ 19፡1-11 |
ንፍቀ ካህን |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ