“ከም እዙዛት ውሉድ’ምበር፡ ከም’ቲ ኣብ ዘመን ድንቍርና ኸለኹም ዝገበርኩምዎ ናይ ቀደም (ክፉእ) ትምኒት ኣይትግበሩ። “ኣነ ቅዱስ’የ’ሞ ቅዱሳት ኩኑ፡” ዚብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፡ ከም’ቲ እቲ ዝጸውዓኩም (ኣምላኽ) ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩም’ውን ብዅሉ (ናብራኹም) ቅዱሳት ኩኑ።” 1ጴጥ 1፡14-16
እዚ ሰንበት’ዚ፡ ናይ’ዚ ዘለናዮ ዘመነ ኣስተርእዮ ሳልሳይ ሰንበት’ዩ። ናይ ሎሚ ዓመት ናይ ጐይታና ዘመን ኣስተርእዮ፡ ካብ በዓለ ጥምቀት ጥሪ 11 ኽሳዕ ምእታው ዓብይ ጾም ለካቲት 13 ዚዝርጋሕ ናይ 33 መዓልታት ዘመን’ዩ። እቲ ነዚ ዕለት’ዚ ዝተመደበ መዝሙርን ክልተ ኣማራጺ ምስባካትን’ውን ነዚ ዘመነ ኣስተርእዮ ዘማእከለ ትሕዝቶ ዘለዎ’ዩ። ኣርእስቲ ናይ’ዚ መዝሙር-ሰንበት “ተወልደ ኢየሱስ” ዚብል ኰይኑ፡ “ንትፌሣሕ በልደቱ፡ ወንትኃሠይ በአስተርእዮቱ” (ብልደቱ ንተሓጐስ፡ ብኣስተርእዮኡ’ውን ባህ ይበለና) ኢሉ ዚዕድም ትሕዝቶ ዘለዎ’ዩ። እቲ ነዚ ዕለት’ዚ ተሰሪዑ ዘሎ ክልተ ኣማራጺታት ምስባክ’ውን “አርአየ እግዚኣብሔር አድኅኖቶ” (እግዚአብሔር ምድሓኑ ኣርኣየ)፡ ከምኡ’ውን “በከመ ሰማዕነ፡ ከማሁ ርኢነ” (ከም’ቲ ዝሰማዕናዮ፡ ከምኡ ርኢና) ዚብል ትሕዝቶ ዘለዎ’ዩ። ብርግጽ ከኣ እቲ ኣቐዲሙ ብልሳን ቅዱሳን ነብያት ዝተሰምዐ ናይ ምድሓን ተስፋ፡ ኣብ’ቲ ናይ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ዘመነ ኣስተርእዮኡ ብግህዶ ተራእዩን ተጨቢጡን’ዩ። እቲ ሎሚ እተነብበ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ብዛዕባ ነብዪት ሃና ጓል ፋኑኤል ዚገልጽ’ዩ። ንሳ ነቲ ገና ናይ 40 መዓልታት ናጽላ ዝዀነ ኢየሱስ በዒንታ ምስ ረኣየቶ፡ እቲ ንዓለም ዜድሕን መድሓን ዓለም ንሱ ምዃኑ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝገለጸላ፡ ነቶም ምድሓን እስራኤል ዚጽበዩ ኣብ ከባቢኣ ዝነበሩ ፈራህቲ ኣምላኽ “ንሱ’ዩ’ቲ መድሓኒ” ኢላ ብዛዕባኡ ብዛዕባ’ቲ ህጻን ኢየሱስ ተዛረበቶም። እቲ ኣብ ለካቲት 8 እንዝክሮ ነብዪ ስምኦን’ውን፡ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ዘተስፈዎ ተስፋ ረኺብዎ ንመድሓኒኡ ኺሓቍፍ ምስ ተዓደለ፡ “ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝብኻ ዘዳለኻዮ ምድሓንካ ኣዒንተይ ካብ ረኣያስ ሕጂ ኸም’ቲ ዘረባኻ ንባርያኻ ብሰላም (ኣፋንዎ)” ብምባል እግዚአብሔር ምድሓኑ ዜርእየሉ ዘመነ ኣስተርእዮ ኸም ዝኣኸለ ኣበሲሩ’ዩ (ሉቃ 2፡25-32)። እምበኣር ንሕና’ውን ከም’ዞም ዝተጠቕሱ ቅዱሳን ነብያት፡ ነቲ ክርስቶስ ኣብ ዘመነ ኣስተርእዮኡ ዘግሃዶ ምድሓን ርኢናዮን ፈሊጥናዮን፡ ካብኡ ሓሊፍና’ውን ረኺብናዮስ ኣብ’ታ መገዲ ድሑናት ምቛምናን ምህላውናን እነረጋግጸሉ ቕንያት’ዩ። ኣብ መገዲ ጥፉኣት ኴንካ ዘመን ኣስተርእዮ ምሕሳብ፡ ኣብ ዘይውራይካ ብዓል ጕዳይ ምምሳል ኪዀነና’ዩ። ከመይሲ ዘመን ኣስተርእዮ፡ ዘመን ድሕነትን ዘመን ድሑናትን ጥራሕ’ዩ።
ነዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ ኣስተርእዮ መዝሙር መሰረት ብምግባር ካብ ዝተሰርዑልና ንባባት ሓደ፡ እዚ ናይ 1ጴጥ 1፡13-22 ንባብ’ዩ። ኣብ’ዚ ንባብ’ዚ፡ ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ዘመን ድንቍርና ኸነምልጥ’ምበር፡ ደጊምና ናብኡ ኽንምለስ ከም ዘይግብኣና ምዒዱና ኣሎ። ነዚ መሪሕ ጥቕስና ብዕምቈት እንተ ኣስተብሂልናሉ፡ “ዘመን ድንቍርና” ተባሂሉ ዘሎ፡ ነቲ ኽፉእ ስጋዊ ትምኒትና እናተኣዘዝና እንነብረሉ ናይ ጥፍኣት ዘመን’ዩ። ንስጋዊ ትምኒትካ ናይ ምእዛዝ ናይ መወዳእታ ፍረ፡ “ርኽሰት”’ዩ። ነቶም ናይ ዘመን ለውጢ ዝገበሩ ሰባት፡ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ “እዙዛትን ቅዱሳትን ውሉድ” ብምባል ገሊጽዎም ኣሎ። “ውሉድ” ካብ ተሰምዩ፡ ናይ ግድን ንኣታቶም ዝወለደ “ወላዲ” ኣሎ ማለት’ዩ። እቲ ቅዱስ ጽሑፍ ኣሚቱልና ኸም ዘሎ፡ እዚ ወላዲ’ዚ፡ እቲ ቅዱስ ኣምላኽ ባዕሉ’ዩ። እዚ ቅዱስ ኣምላኽ ዝሃቦም ትእዛዝን ዘቕረበሎም ጽውዓን፡ “ቅዱሳት ኩኑ” እትብል’ያ። እቶም ነዛ ትእዛዝን ጽውዓን’ዚኣ ዘኽበሩ፡ “እዙዛትን ቅዱሳትን ውሉድ” ይዀኑ፡ ካብ ዘመን ድንቍርና ኣምሊጦም ከኣ፡ ንዘመኖም ዘመን ምስትውዓልን ፍልጠትን፡ ዘመን ቅድስናን ድሕነትን ይገብርዎ። እቶም ቅድስናስ ነውርን ዕሽነትን ኰይኑ ዝተራእዮም ድማ ነቲ ትእዛዝ የፍርስዎ፡ ነቲ ጽውዓ ድማ ይሕሰምዎ። ውሉድ ናይ’ቲ ቅዱስ ኣምላኽ ምዃን የጽልኦምን የፈንፍኖምን። ደቂ ኻልእ ወላዲ ምዃን ይመርጹ። ናይ’ዚ ሕሱም ወላዲ’ዚ (ናይ ድያብሎስ) ትእዛዝ ከኣ፡ “ንትምኒት ስጋኹም ጥራሕ ተኣዘዙ” ዚብል’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ “ኣእምሮን ምስትውዓልን ይትረፍኩም፡ ድንቍርናን ጸልማትን ይበልጸኩም” ማለት’ዩ።
ንኣምላኽ ምእዛዝ ገዲፍካ ንትምንት ስጋኻ ምእዛዝ ድንቍርና ዚዀነሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ፧ ንምዃኑ’ዚ ድንቍርና’ዚ እንታይ ዓይነት ድንቍርና’ዩ፧ ብርግጽ ብዛዕባ መንፈሳዊ ጒዳያት ንዛረብ ስለ ዘለና፡ እቲ ‘ንዛረበሉ ዘለና ድንቍርና’ውን መንፈሳዊ ድንቍርና ምዃኑ ግሁድ ምስጢር’ዩ። ብምህሮ ዓለም ናብ ደረጃ ሊቅነት ዝበጽሑ ሰባት፡ ብዛዕባ ህይወቶም ኣብ ህልም ዝበለ ሕሱም መንፈሳዊ ድንቍርና ዝጠሓሉ ኪዀኑ ይኽእሉ’ዮም። ብዓለማዊ መለክዒ ኣብ ደረጃ መሃይምነት ዘለው ሰባት ድማ፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ ህይወት ኪግለጽን ኪልካዕን ብዘይክእል መጠን ጠቢባንን ሊቃውንትን ኪዀኑ ይኽእሉ’ዮም። ንኣብነት ቅዱሳን ሃዋርያት፡ ብዓለማዊ መለክዒ መብዛሕትኦም ብምግፋፍ ዓሳ ዚናበሩ መሃይማን’ዮም ዝነበሩ። በቲ መንፈስ ቅዱስ ዝጸገዎም መንፈሳዊ ፍልጠት ግን፡ ኣፍ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ሊቃውንቲ ዚዓብሱ፡ እምብዛ ፈላጣትን ሊቃውንትን ነበሩ። ኣብ ምሉእ ሓድሽ ኪዳን ኰነ ብሉይ ኪዳን እዚ ሓቂ’ዚ ብተደጋጋሚ ተገሊጹ’ዩ።
“ትብዓት ጴጥሮስ ዮሃንስን ምስ ረኣዩ፡ ዘይተማህሩ ጭዋታት ሰባት ምዃኖም ምስ ተረድኡ፡ ገረሞም፡ ምስ ኢየሱስ ከም ዝነበሩ ድማ ኣለለይዎም።” ግብ 4፡13
“......ንእስጢፋኖስ ከኣ ተንስእዎ፡ ይከራኸርዎ ኸኣ ነበሩ። ነዚ ዚዛረበሉ ዝነበረ ጥበብን መንፈስን ግና ኪማጐትዎ ኣይተኻእሎምን።” ግብ 6፡9,10
“ሳውል ግና እናበርትዐ ኸደ፡ ነቶም ኣብ ደማስቆ ዚነብሩ ኣይሁድ ከኣ ኢየሱስ እቲ ክርስቶስ ምዃኑ ብምግሃዱ ኣፎም የትሕዞም ነበረ።” ግብ 9፡22 (19፡28)
ኣይሁድ ብዛዕባ ጐይታና ኢየሱስ’ውን፡ “እዝስ ከይተማህረ ኸመይ ገይሩ ጽሑፋት ይፈልጥ፧” ኢሎም ይግረሙ ነበሩ (ዮሃ 7፡15)። ኣብ ዘመን ብሉይ ኪዳን’ውን ቅዱሳን ነብያት መንፈስ ቅዱስ ብዝገለጸሎም ፍልጠት ካብ’ቶም ናይ ፊደል ሊቃውንቲ ኣዝዮም ጸብለል ይብሉ ነበሩ።
እግዚአብሔር ነቶም ብፍልጠቶም ዚምክሑ ሊቃውንቲ ዓለም ኬሕፍር ስለ ዚመርጽ፡ ዝዀነ ትምህርቲ ቐለም ንዘይነበሮም ሰባት ካብ ሓመድ ኣልዒሉ ሊቃውንትን ጠቢባንን ኪገብሮም’ዩ ዚመርጽ። ነዚ ኸኣ በቲ ቕዱስ መንፈሱ ገይሩ’ዩ ዚፍጽሞ (ማቴ 11፡25-27፣ 10፡19,20፣ ሉቃ 10፡21፣ 12፡11,12፣ 21፡14,15፣ 1ቈረ 1፡20,26,27፣ 2፡10፣ 12፡8)።
እዚ ኽሳዕ ሕጂ ዝረኣናዮ ንመንፈሳዊ ፍልጠት ዚምልከት ጥራሕ’ዩ። መንፈሳዊ ሊቅነት ግን ኣብ ግብራውነት ድማ’ምበር ኣብ ፍልጠት ጥራሕ ኣይምርኰስን’ዩ። ዋላ ኣእምሮኻ ካብ መንፈስ ቅዱስ ብዝዀነ ፍልጠት እንተ’ዕለቕለቐ፡ ኣብ’ቲ ዕለታዊ ናብራኻ ግን ብግብሪ ዘይፍጸም እንተ ዀይኑ፡ ናይ ፈላጥ ደንቈሮ ኢኻ ‘ትኸውን። ምኽንያቱ ኣብ መንፈሳዊ ህይወት እቲ ዝለዓለ ጥበብን ፍልጠትን፡ ምእዛዝ ወይ ከኣ ግብራውነት’ዩ። ናይ ፍልጠት ረብሓ ድማ ነተሓሳስባኻ፡ ንምርጫኻ፡ ነካይዳኻ ኬጸብቕን ኬማኣዝንን ምኽኣሉ’ዩ። ከም’ቲ ቅዱሳን ነብያት ዝገለጽዎ፡ ውልቀ ሰብ ኰነ ህዝቢ ሰኣን ፍልጠት’ዩ ዚጠፍእ (ሆሴ 4፡6፣ ኢሳ 5፡13)። ሰኣን ፍልጠት ንጠፍእ እንተ ዄንና፡ ሳላ ፍልጠት ድማ ኽንድሕን ኣለና ማለት’ዩ። ፍልጠት ድማ ኣብ ከብሕታት (shelves) ሓንጐልና እንተ ተደርደረ ዘይኰነስ፡ እንተ ተተግበረ ጥራሕ’ዩ ዜድሕነና። ስለ’ዚ ደናቍር ዲና ፈላጣት ዚልለይ፡ ብመጠን ፍልጠትና ዘይኰነስ ብዓይነት ምርጫናን ኣካይዳናን ጥራሕ’ዩ።
ቃል እግዚአብሔር፡ ዓስቢ ሓጢኣት ዘለኣለማዊ ሞትን ጥፍኣትን ምዃኑ ገና ኻብ ኦሪት ዘፍጥረት ጀሚሩ ኣፍሊጡና’ዩ (ዘፍ 2፡17፣ ሮሜ 6፡23፣ ዮሃ 8፡21,24)። ንኣዳምን ሄዋንን እዛ ሓቂ’ዚኣ ብቐጥታ ብልሳን ኣምላኽ’ያ ተነጊራቶም። ካብ ነቲ ሓቂ ናይ ኣምላኽ ግና ነቲ ሓሶት ናይ ሰይጣን ኪኣምንዎን ኪእዘዝዎን መረጹ። ከም እትመውት እናተነግረካ ናብ ሞት ዘሊልካ ምእታው፡ ድንቍርና እንተ ዘይኰይኑ ደኣ እንታይ ካልእ ኪኸውን’ዩ፧ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብዶ ዓይኑ እናረኣየ ንጒድኣቱን ንጥፍኣቱን ይተግህ’ዩ፧ ንኸም’ዚ ዝበለ ዓሻ ምርጫን ተግባርን ዚደፍኣና ዘሎ’ምበኣር እቲ ንኣእምሮና ኣጸልሚቱ ዘሎ መንፈሳዊ ድንቍርና’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ’ዚ ዜብርህ ግሩም መልእኽቲ ጽሑፉልና ኣሎ። ሓጢኣትን መንፈሳዊ ድንቍርናን ብኸመይ ከም ዚዛመድ ዜርእየና ኸኣ’ዩ።
“እምበኣርሲ ኸም’ቲ ኣህዛብ ብኸንቱ ሓሳብ ዚመላለስዎ ኸይትመላለሱ፡ እዚ እብል ብጐይታ’ውን እምዕድ ኣለኹ። (ኣህዛብ) ብሰሪ ትርሪ ልቦምን ብሰሪ’ቲ ኣባታቶም ዘሎ ድንቍርናን ኣእምሮኦም ጸልሚቱ ካብ ህይወት ኣምላኽ ርሒቖም፡ ድንዙዛት ኰይኖም’ውን፡ ብስሰዐ ርኽሰት ዘበለ ንምግባር ናብ ዕብዳን ተለቅቁ (ንሳቶም ደንዚዞም’ዮም፡ ርኽሰት ዘበለ ንምግባር ስለ ዝሰስዑ ኸኣ፡ ገዛእ ርእሶም ንዝርጋን ኣግዚኦም’ዮም)።” ኤፌ 4፡17-19 (ቀ.ት + ካ.ት)
ካብ’ዚ ቓል’ዚ ኸም እንርድኦ፡ ንሰብ ናብ ፍኑው ዕብዳንን ዝርጋንን ኣሕሊፉ ዚህቦ፡ ትርሪ ልብን መንፈሳዊ ድንቍርናን’ዩ። መንፈሳዊ ድንቍርና ነእምሮና ምስ ኣጸልመቶ፡ ብድሕሪኡ ሓጢኣት ወይ ርኽሰት ናይ ምዝውታር ልዑልን ኪዕገት ዘይክእልን ባህጊ ይለዓለና። ርኽሰት ብምግባር ዘይንዓግብ ሰባት ንኸውን ከም’ዚ ወልፊ ኣልኮል ወይ ወልፊ ሓሽሽ ዘለዎ ሰብ፡ ነቲ ባህጉ ደረት ኪገብረሉን ኪዓግቶን ስለ ዘይክእል ብዘይ ምቍራጽን ብብዝሕን ዚወስዶ፡ እቲ ብሰሪ ድንቍርና ርኽሰት ዝተወለፈ ሰብ ድማ ከምኡ ይኸውን። ንሓጢኣት እቲ ዝበለጸን ብልክዕ ዚምጥኖን መግለጺኡ ድንቍርና’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ሊቀ ካህናት ኬስተምህር ከሎ፡ “ነቶም ደናቝርትን እተጋገዩን ኪድንግጸሎም ይኽእል’ዩ” ኢሉ ኣሎ (እብ 5፡12)። ጐይታና ንፈሪሳውያን ብዛዕባ ግብዝነቶም ኪነቕፎም ከሎ፡ “ኣቱም ዕውራትን ደናቝርትን” ኢሉ ይጽውዖም ነበረ (ማቴ 23፡17,19)። ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ብዛዕባ’ቶም ሓሰውቲ መምህራን፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ምጥዋይ ዝሓጢኣቶም ሰባት፡ “ደናቝርቲ” ኢሉ ጸዊዕዎም ኣሎ (2ጴጥ 3፡16)። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን “ሓቂ ዝሰኣኑ፡ ሓሳቦም ዝጠፍአ፡ ኣእምሮኦም ዝጠፍአ” እናበለ ገሊጽዎም ይርከብ (1ጢሞ 6፡4,5፣ 2ጢሞ 3፡8)።
ፍረ ህይወትና ሓጢኣት ጥራይ ክሳዕ ዚኸውን ንኣእምሮና ዜጸልምቶን ዜደንቍሮን እንታይ’ዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሕቶ’ዚ ብንጹር’ዩ ዚምልሶ። ናይ ወዲ ሰብ ናይ ውድቀት ጠንቂ “ትምኒት ስጋ”’ዩ። “ፍትወት ስጋ፡ ስሰዐ” ተባሂሉ’ውን ይጽዋዕ’ዩ። ትምኒት ስጋ፡ ስጋ ኣብ ዝለበሰ ዅሉ ፍጡር ዚርከብ ተፈጥራዊ ባህርይ’ዩ። ትምኒት ስጋ፡ እግዚአብሔር’ምበር፡ ሰብ ዝፈጠሮ ወይ ሰይጣን ዝፈጠሮን ዘስረጸልናን ባህርይ ኣይኰነን። ኣዳምን ሄዋንን ኣብ’ቲ ኣብ ገነት ዝነበሮም ናይ ቅድመ-ውድቀት ዘመኖም፡ ምስናይ ምሉእ ትምኒቶም’ዮም ዝነበሩ። ክትበልዕ፡ ክትሰትይ፡ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም፡ ወዘተ ምድላይ፡ ሰይጣን ኪፍትኖም ቅድሚ ምምጽኡ’ውን ኣብ ሰብነቶም ዝነበረ ትምኒት ስጋ’ዩ።
ሰይጣን ንሰብ ናብ ሓጢኣት ንኼውድቖ ከም መእቶ (access) ኪጥቀመላ ዝመረጸ፡ ንትምኒት ስጋ’ዩ። እግዚአብሔር ንስጋና ምስናይ ትምኒቱ ኺፈጥሮ ኸሎ፡ ንኽንገዝኦ’ምበር፡ ንኽንግዝኦ ኣይኰነን። ስለ’ዚ ሰይጣን፡ ባሮት ትምኒትና ናብ ምዃን እንተ ኣውዲቑና ጥራሕ ከም ዚዕወተልናን፡ ብድንቍርና ኺገዝኣናን ካብ ኣምላኽ ኪፈልየናን ከም ዚኽእል፡ ካብ ገዛእ ተመክሮኡን ካብ’ቲ ኣብ ሰብ ዝነበሮ ትዕዝብትን ስለ ዚፈልጥ፡ ንትምኒትና መዝሚዙ ተዓወተልና። ቅዱስ ጳውሎስ ድያብሎስ ነቲ ኣብ ስጋና ዘሎ ትምኒትን ነቲ ብኣምላኽ ዝተዋህበና ትእዛዝን መዝሚዙ ብኸመይ ናብ ሓጢኣት ከም ዜውድቐና፡ ኣብቲ ናብ ሰብ ሮሜ ዝጸሓፎ መልእኽቱ ኣብ ምዕራፍ 7 ግሩም ገይሩ ገሊጹልና ኣሎ።
“ኣብ’ቲ (ብስጋዊ ኣተሓሳስባ) ‘ንምርሓሉ ዝነበርና ጊዜ፡ ንሞት ዚኸውን ፍረ (ምእንቲ) ኺፈርይ፡ ብሕጊ ተለዓዒሉ፡ ኣብ ስጋና ትምኒት ሓጢኣት ይዓይዪ ነበረ። ........እንታይ ደኣ ኽንብል ኢና፧ እቲ ሕጊዶ ሓጢኣት’ዩ፧ ያእ ኣይፋሉን። ብዘይ ሕጊ ግና ንሓጢኣት ኣይምፈለጥክዎን ነይረ። ሕጊ “ዘይገንዘብካ ኣይትተምነይ” እንተ ዘይብል፡ ንትምኒት ኣይምፈለጥክዎን ነይረ። ሓጢኣት ብዘይ ሕጊ ምዉት’ዩ። ሓጢኣት ግና ነቲ ትእዛዝ (ከም ምኽንያት ተጠቒሙ)፡ ክፉእ ትምኒት ዘበለ ኣለዓዓለለይ። ቀደም (ሕጊ ኸይተዋህበ ኸሎ) ኣነ ህያው ነበርኩ፡ ትእዛዝ (ሕጊ) ምስ መጸ ግና፡ ሓጢኣት ህያው ኰነ ኣነ ኸኣ ሞትኩ። እቲ ህይወት ኬምጽእ ዝተዋህበ ትእዛዝ፡ ንኣይ (ጠንቂ ናይ) ሞት ኰነኒ። (ምኽንያቱ) ሓጢኣት ምኽንያት ረኺቡ ብትእዛዝ ኣስሓተኒ፡ ብእኡ’ውን ቀተለኒ።” ሮሜ 7፡5,7-11 ካ.ት
ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ሰይጣን ነቲ “ኣይትብላዕ” ዚብል ሰናይ ትእዛዝ፡ ኣብ ስጋና ንዘሎ ናይ ምብላዕ ትምኒት ክንዓግቶ ናብ ዘይንኽእል ደረጃ ኣለዓዓሎ፡ ኣዕፈሮ፡ ኣፍልሖ!! “ካብ ነቲ “ኣይትብላዕ” ዚብል ትእዛዝ ኣምላኽ፡ ነቲ “ብላዕ” ዚብለካ ዘሎ ትምኒት ስጋኻ ተኣዘዝ።” ኢሉ ኣስሓተና። ነቲ ንትምኒትና ንኽንገዝኦ ኺሕግዘና ዝተዋህበና ቅዱስ ትእዛዝ፡ ካብ ባህግና ኺዕንቅፈና ኸም ዝተዋህበና ኽፉእ ትእዛዝ ገይሩ ኣብ ሓንጎልና ሰኣለልና። ብኸም’ዚ ኸኣ ንኣእምሮና ኣደንቈሮ። ኣብ መንጎ ጊዝያዊ ብልዕን ጽጋብን ኣብ መንጎ ዘለኣለማዊ ሞትን ስቓይን ዘሎ ዘይቀራረብን ዘይዕረቕን ፍልልይ ኬስተውዕል ዘይክእል ኣእምሮ፡ ካብ ድንቍርና ኽትብሎስ፡ ጕልባቡ ዝቐልዐ ጽላለ ወይ ዕብዳን ክትብሎዶ ኣይምተመርጸን፡ ኣይምተገብአንዶኸ፧ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ንትምኒት ነብዪ በልዓም ብኸምኡ’ዩ ገሊጽዎ። ታሪኽ በልዓም ኣብ ኦሪት ዘሁልቍ ካብ ምዕራፍ 22-24 ተተሪኹልና ኣሎ። እቲ ንጉስ ብብሩርን ወርቅን ንናይ በልዓም ትምኒት-ስጋ የፍልሖ ነበረ። እግዚአብሔር ከኣ ባዕሉ፡ ብመልኣኹ፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ብበሃም ኣድጊ እናተዛረበ፡ ካብ’ቲ ተጻዊዱሉ ዘሎ መፈንጠራ ኼድሕኖ ተጋደለ። ቅዱስ ጴጥሮስ ነዚ ኪገልጽ ከሎ፦
“ዝሙት ዝመልኣ ኻብ ሓጢኣት ዘየቋርጻ ኣዒንቲ ኣለዋኦም። . . . ስሰዐ ዝለመደ ልቢ ኣለዎም፡ ደቂ መርገም’ዮም። ነታ ቕንዕቲ መገዲ ሓዲጎም ንመገዲ ናይ’ቲ ዓስቢ ዓመጻ ዝፈተወ በልኣም ወዲ ቦሶር ሰዓቡ። (በልኣም ግና) ስለ ኣበሳኡ መግናሕቲ ተቐበለ፡ በሃም ኣድጊ ጽዕነት ብድምጺ ሰብ ተዛረበት። ንጽላለ ናይ’ቲ ነብዪ ኸኣ ዓገተት።” 2ጴጥ 2፡14-16
ነቲ ኣቐዲምና ኣብ ኤፌ 4፡17-19 ዘንበብናዮ፡ “ናብ ዕብዳን ተለቅቁ” ዚብል ቃል’ውን ኣይንረስዓዮ። ኣብ መንጎ ብክርስቶስ ዝኣመነ ክርስትያንን፡ ኣብ መንጎ ንትምኒቱ ዚግዛእ ውሉድ ዲያብሎስን ዘሎ፡ ቃላት ኪገልጾ ዜሸግር ፍልልይ እምብዛ ኸቢድ’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ናብ እምነት ክርስቶስ ከይመጸ ኸሎ ዝነበሮ ህይወት ምስ ናይ ካልኦት ሰባት ኣሕቢሩ ገሊጽዎ ኣሎ።
“ቀደም፡ ንሕና ዅላትና’ውን ከምኣቶም (ከም’ቶም ብበደሎም ምዉታት ዝነበሩ ሰባት) ትምኒት ስጋና እናፈጸምና ከም ድልየትናን ሓሳባትና ንነብር ነበርና። ብባህርይና ከም’ቶም ካልኦት ቍጥዓ ኣምላኽ ዚግብኣና (ደቂ ቝጥዓ) ነበርና። . . . ንሕና’ውን ቀደምሲ ዓያሱ፡ ዘይእዙዛት፡ ግጉያት፡ ንብዙሕ ፍትወት ስጋን ትምኒትን እተገዛእና፡ ብኽፍኣትን ቅንኣትን እንነብር ፍንፉናት፡ ንሓድሕድና እንጻላእን ነበርና።” ኤፌ 2፡3 ካ.ት፣ ቲቶ 3፡3
እቲ ኣዝዩ ዜሕዝን ግና፡ ክርስትያን ህዝቢ ኽነስና፡ ባሮት ትምኒት ስጋ ምዃን ናይ ቀደም ታሪኽና ዘይኰነስ፡ ናይ ሕጂ ህልዊ ታሪኽና ምዃኑ’ዩ። ነዚ ኸም’ዚ ዝበለ ዜሕፍር ሃለዋትና ድማ፡ ቅዱሳን ሃዋርያት ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኾም፡ “ዘመን ድንቝርና፡ ዘመን ዕብዳን፡ ዘመን ጽላለ” ብምባል ሰምዮምዎ ኣለዉ።
ንምንታይ’ዮም ግን “ዘመን ድንቍርና” ዚብል ቃል መሪጾም፧ “ህይወት ድንቍርና፡ ናብራ ድንቍርና” እንተ ዚብልዎዶ ኣይምተመርጸን፧ ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ረኣና፡ እግዚአብሔር ንዅሉ ነገር ብጊዜ ማለት፡ ብዘመን’ዩ ዚሰርዖን ዚገልጾን። ንዅሉ ተግባሩ ኣብ ምዱብ ጊዜ የቝሞን ይፍጽሞን። ሰባት ኰኑ መላእኽቲ ኺፈልጥዋ ዘይተዋህበቶም ፍቓድ ኣምላኽ፡ ጊዜ ጥራሕ’ያ (ማቴ 24፡36፣ ግብ 1፡6)። እንተ ብድንቍርና እንተ ብኣስተውዕሎ ኽንነብሮ፡ ንነፍሲ ወከፍና ኣብ’ዛ ምድሪ እንነብረሉ ፈጺምና ዘይንፈልጦ ውሱን ዘመን ሰሪዑልና ኣሎ (ግብ 17፡26-28)። ነዛ ተሰሊዓትልና ዘላ ዘመን፡ ናይ ምንታይ ዘመን ከም ‘ንገብራ፡ ናትና ናይ በይንና ምርጫን ስልጣንን’ዩ። እግዚአብሔር ኣብ’ታ ዝመደበልና ዘመን ካብ ምምዓድን ብዝተፈላለየ መገድታት ካብ ምሕጋዝን ሓሊፉ ዚገብሮ ምትእትታው የልቦን። ነቲ ዝተዋህቦም ሓጺርን ክቡርን ዘመን ንዝለበሙሉን ንዝደንቈሩሉን ሰባት፡ ከም ዓስቢ ዝሰርዓሎም ንሱ ጥራሕ ዜመሓድሮ፡ “ክሳዕ ኣብ’ዚ’ዩ” ዘይበሃሎ ዘለኣለማዊ ዘመን ግን ኣዳልዩ ኣሎ። ነቶም ብሕያውነቱ ንዝተመደበትሎምን ዝተዋህበቶምን ሓጻርን ክብርትን ዘመን፡ ብድንቍርና ንዘጸልመትዋ ብርኽሰት ንዘጋዕዘይዋ፡ መለሳን ዕረፍትን ዘይርከበላ ናይ ስቓይ ዘመን-ዘለኣለም መዲቡሎም ኣሎ። ነታ ዝርካባ ሓጻር ዕምሮም ብጽድቂ ብቕድስና ዝሰለምዋን ዘኽበርዋን ብኣስተውዕሎ ብርሃናዊ ህይወት ዝነበሩላ ድማ፡ መለክዒ ዀነ መግለጺ ብዘይርከቦ፡ ከቶ ብዘይምጥኖምን ብዘይበቕዕዎን መለኮታዊ ኽብሪ ዚኸብሩሉ ዘለኣለማዊ ዘመን ሰሪዑሎም ኣሎ።
እምብኣር ነስተውዕል፡ ህይወት፡ ምርጫ፡ ኵነታት፡ ዝምድናታት፡ ፍጻመታት፡ ብዘመን ብጊዜ እንተ ተመዚኖም ጥራሕ’ዮም ሓቀኛ ትርጕምን ምሕደራን ዚረኽቡ። እቲ ብትምኒት ስጋን ብርኽሰትን ነእምሮኡ ዘደንቈረ ሰብ፡ ነዛ ናይ ቋሕ-ሰም ሓጻር ዘመን፡ በቲ ዝምቡዕ ኣእምሮኡ ክንዲ ዘለኣለም ገይሩ ኣግዚፉ ይርእያ’ሞ፡ ዕንደራን ዕብዳንን የወናውኖ። ጽድቅን ቅድስናን ድማ ዕሽነትን ነውርን ወጽዓን ኰይኑ ይረኣዮ። እቲ ንምድሓን ዝለበመ፡ ነእምሮኡ ኻብ ድንቍርና ዝተበጀወ ውሉድ ጥበብ ከኣ፡ ነዛ ሓጻር ዘመኑ፡ ብመንጽር’ቲ ዘይውዳእ ዘለኣለም ይጥምታ’ሞ፡ ይጥንቀቐላ። ናይ ትዕዝብቲ ናይ ምዘና (ምምዛን) ዘመን ምዃና፡ ብሰንካ ኺጠፍእ ወይ’ውን ብሳላኣ ኺለምዕ ምዃኑ ኣስተውዒሉ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ይሕዛን የመሓድራን፡ ብጽድቂ ይስልማ፡ ብቕድስና የጊጻ። ነቲ ናይ ዘለኣለም ረብሓኡ ምእንቲ ኼውሕስ፡ ነቲ ናይ’ዛ ሓጻር ዘመን ጊዝያዊ ረብሓ ይፍንፍን ይስውኦ ድማ። ኣብ’ዛ ሓጻር ዘመን እሙን ብዓል ሕድሪ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ’ታ ናይ ዘለኣለም ኪሽየምን ኪኸብርን ምዃኑ ስለ ዚፈልጥ፡ ናብራ ሰማይ ይነብረላ።
ድሕሪ’ዚ ዅሉ፡ ርእስኻ ምምርማርን ዘመንካ ምልላይን’ዩ ዚተርፈና። ኣብ’ዛ ሓጻር ዘመን እንታይ ዓይነት ናብራ ዀን ንነብር ንህልው፧ ዘመን ድንቍርና፡ ዘመን ርኽሰት፡ ዘመን ጽላለን ዕብዳንንዶ ዘመን ጥበብ፡ ዘመን ኣስተውዕሎ፡ ዘመን ጽድቅን ቅድስናን፧ ንትምኒት ስጋናዶ ንግዛእ ኣለና ንፍቓድ ኣምላኽ፧ ነዚ ሓጺር መዋእልና፡ ነዚ ናይ ቋሕ-ሰም ዘመንና፡ ነዚ ዘመን ግሽነትና ብኸመይ ነመሓድሮ ዀን ንህልው፧ እቲ ልዑል ፈጣሪ፡ እቲ ዓዳል ዘመናት፡ እቲ መዛን ኵሉ ግብርታት፡ ነቲ ዝሃበና ስጋን ህይወትን ዘመንን ብኸመይ ነመሓድሮ ኸም ዘለና ብኣትኵሮት ይዕዘበና ኣሎ’ሞ ንዘመንና ንጠንቀቐሉ፡ ብድንቍርና ኣይነጸልምቶ!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
ጥር 28, 2015 ግዕዝ (5 የ(ለ)ካቲት 2023 ፈ [መበል 22 ሰንበት: ቊ.፴/30, 2023] |
||
ምስባክ መዝ.97(98)፡ 2-3 “አርአየ እግዚአብሔር አድኅኖቶ። ወበቅድመ አሕዛብ ከሠተ ኪዳኖ። ወተዘከረ ሣህሎ ለያዕቆብ።” ወይ ከኣ መዝ.47(48)፡8 “በከመ ሰማዕነ ከማሁ ርኢነ። በሀገረ እግዚአ ኃያላን በሀገረ አምላክነ። እግዚአብሔር ሣረራ ለዓለም።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
ሮሜ 1፡1-12 |
ዲያቆን |
|
1ጴጥ 1፡13-22 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 19፡1-10 |
ንፍቅ ካህን |
|
ሉቃ 2፡36-40 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ፦ ዘዲዮስቆሮስ |
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ