“ማርያም ድማ በለት፡ 'ነፍሰይ ንእግዚአብሔር ተዕብዮ፡' መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኽ፡ በቲ መድሓንየይ፡ ባህ ይብሎ። ውርደት ባርያኡ ስለ ዝረኣየ፡ እቲ ሓያል ዓብዪ ነገር ገይሩለይ’ዩ’ሞ፡ ስሙ ቅዱስ’ዩ። እንሆ ኻብ ሕጂ ዅሎም ወለዶታት 'ብጽእቲ' ኺብሉኒ’ዮም።”ሉቃ 1፡46-49
እዚ ዘለናዮ ቕንያት፡ ናይ ዘመነ ኣስተርእዮ ቕንያት’ዩ። እዛ ዕለት’ዚኣ ድማ ካልኣይት ሰንበት ናይ’ዚ ዘመነ ኣስተርእዮ’ያ። “ዘመነ ጥምቀት ወአስተርእዮ፡” ካብ በዓለ ጥምቀት ጥሪ 11 ጀሚሩ፡ ክሳዕ ምእታው ዓብዪ ጾም ዚዝርጋሕ ቅንያት’ዩ። ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ሰንበት ብስፍሓት ከም ዝተገልጸልና፡ እዚ ዘመነ ኣስተርእዮ’ዚ፡ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘመነ ኣስተርእዮ’ዩ። ኣስተርእዮ ማርያም ኣብ ውሽጢ’ዚ ናይ ክርስቶስ ዘመነ ኣስተርእዮ ስለ ትዝከርን ትበዓልን፡ መብዛሕትኡ ውሉደ ክህነትን ምእመንን “ዘመነ ኣስተርእዮ” ኺበሃል ከሎ፡ ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣስተርእዮ’ዩ ዚመስሎ። ናይ ክርስቶስ ኣስተርእዮ ኻብ 20=>53 መዓልታት ዚዝከር ኪኸውን ከሎ፡ ናይ ማርያም ኣስተርእዮ ግን ጥሪ 21 መዓልቲ ጥራሕ’ዩ ዚዝከር።
ጽቡቕ ኣጋጣሚ ዀይኑ ድማ ሎሚ ጥሪ 21ግ. (ጥሪ 29 ፈ.) ኣስተርእዮ ማርያም ዚዝከረሉ መዓልቲ’ዩ። ጥሪ 21ግ. “ዕረፍታ ለእግዝእትነ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ብመሰረት ትውፊት ቤተ ክርስትያንና፡ ድሕሪ ዕረፍቲ ድንግል ማርያም፡ ልክዕ ጥሪ 21 መዓልቲ ብደበና ተነጢቓ ናብ ገነት ብምእታው፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዝተዋህባ ጸጋን ክብርን ንጻድቃን ሰባትን ንመላእኽትን ዝተገልጸሉ መዓልቲ’ዩ። “ትውፊት” (Tradition) ናይ ግእዝ ቃል ኰይኑ “ሃበ፡ ኣረከበ” ካብ ዚብል ቃል ዝወጸ፡ “ቅብብል፡ ርኽክብ፡ ውርርስ” ዝትርጒሙ ቓል’ዩ። እዚ በዓል’ዚ ኣብ መዓልቲ ሰንበት ምስ ዚውዕል ዚዝመር መዝሙር ድማ “በጽሐ ዕለተ ወሊዶታ” (እትወልደሉ መዓልቲ በጽሐ) ዚብል’ዩ። ትሕዝቶ ናይ’ዚ መዝሙር’ዚ ነቲ ኣብ ሉቃ 2፡6-20 ዘሎ ታሪኽ ጸሚቑ ዚገልጽ መዝሙር’ዩ። ነዚ መዝሙር’ዚ መሰረት ብምግባር ነዚ ዕለት’ዚ ተሰሪዑ ዘሎ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ድማ፡ እቲ ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና “ጸሎተ እግእትነ ማርያም”፡ ብመጽሓፍ ቅዱስ ድማ “ጸሎት ምስጋና - ማርያም” ዚብል መጸውዒ ኣርእስቲ ዝተዋህቦ ናይ ሉቃ 1፡46-56 ክፍሊ ወንጌል’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ድማ ካብ’ዚ ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ጸሎተ ምስጋና ዝተወስደ’ዩ። ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና “ጸሎት ዘዘወትር” ብ “በስመ ኣብ” ጀሚሩ ብ “ጸሎተ እግዝእትነ ማርያም”’ዩ ዚውድእ። ቅድስቲ ድንግል ማርያም ነዚ ጸሎት ምስጋናኣ፡ “ተዐብዮ ነፍስየ ለእግዚኣብሔር (ነፍሰይ ንእግዚአብሔር ተዕብዮ)” ብምባል’ያ ዝጀመረት። ኣርኣያኣን ኣርኣያ ዅሎም ቅዱሳንን ተኸቲልና ንሕና’ውን ንእግዚአብሔር ምእንቲ ኸነዕብዮ፡ ነዚ ግሩም ኣርእስቲ’ዚ ብልዑል ተገዳስነት ክንመሃሮ ክርስትያናዊ ሓላፍነትና’ዩ።
“ንእግዚአብሔር ምዕባይ” ማለት እንታይ ማለት’ዩ፧ እግዚአብሔር ንሰብ የዕብዮ’ምበር፡ ሰብዶ ንእግዚአብሔር የዕብዮ’ዩ፧ ብመሰረት ቃለ እግዚአብሔር፡ “ንእግዚአብሔር ምዕባይ” ማለት፡ ብቓልካን ብተግባርካን ዕብየት እግዚአብሔር ምግላጽ ማለት’ዩ። ብቓልካ ወይ ብልሳንካ ንእግዚአብሔር ምዕባይ ማለት ድማ፡ ብዛዕባ ዕብየቱ ብልሳንካ ምእማን (ተኣምኖኻ ምግላጽ)፡ ብዛዕባ ዕብየቱ ንኣምላኽ ምውዳስ፡ ዕብየቱ ብዛዕባ ዚገልጹ ግብርታቱ ንእኡ ምምስጋን ክብሪ ምሃብ፡ ብዛዕባ ኣብ ውልቅኻ፡ ኣብ ቤትካ፡ ኣብ ቤተ ክርስትያንካ፡ ኣብ ሃገርካን ህዝብኻን፡ ኣብ ዓለም ዝገበሮ ግብርታት ሕያውነትን ፍርድን እቲ ዚግብኦ ምስጋናን ውዳሰን ምሃብ፡ ንኽብሪ እግዚአብሔር ኢልካ መዝሙር ምዝማር፡ ቅኔ ምቕናይ፡ ሽብሸባ ምሽብሻብ ወዘተ ማለት’ዩ። ነዚ ድማ ንበይንኻ ኴንካ፡ ኣብ ቤትካ ምስ ስድራ ቤትካ ኴንካ፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን ኣብ ጊዜ ቅዳሴን መንፈሳዊ ጉባኤታትን፡ ምስጢራት ኣብ ዚፍጸመሉ ዀነ ዚጽምበለሉ ኣጋጣሚታት፡ ኣብ መገዲ እናተጐዓዝካ፡ ዕዮኻ እናሰራሕካ፡ ኣብ ቀብርን ሓዘንን ክንገብሮ ንኽእል ኢና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ናይ ግድን ክንገብሮ ይግብኣና። ነዚ ተገዲስና ኽንገብሮ ምስ ዘይንደልን ምስ ዘይንግደስን፡ ንእግዚአብሔር ከነዕብዮ ዘይንደልይ፡ ናይ እግዚአብሔር ምዕባይ ፈጺሙ ዘየገድሰና፡ ዝተበከለን ዝለመሰን ሕልና ኸም ዘሎና ንጹር ምልክት’ዩ።
ገለ ኻብ’ዚ ዝጠቐስናዮ ኣብነታት፡ ክዉንነታዊ ዘይኰነ ግብራውነት ዘይብሉ ዀይኑ ዚስምዓና ኣይስኣንን’ዩ። ንኣብነት “ከመይ ገይረ’የ ኣብ ቦታን ጊዜን ናይ ቀብርን ሓዘንን ንእግዚአብሔር ከዕብዮ ዝኽእል፧ ናይ ብኽያትን ሓዘንን ጊዜ’ምበር፡ ናይ መዝሙርን ምስጋናን ጊዜ፡ ዕብየት ኣምላኽ ዚዝከረሉ ጊዜ ኣይኰነን” ዚብል መጐታዊ ዚመስል ሓሳባት ኪለዓለናን ኪዓግተናን ይኽእል’ዩ። እቲ ዓሰርተ ደቁ መምስ ስድራ ቤቶም ኣብ ሓንቲ ቕጽበት ዝሞትዎ ኣቦና እዮብ ግን፡ ነዚ ድኹም ኣተሓሳስባና ዚቐልዕን ዚፈርድን ኣርኣያ ሓዲጉልና’ዩ። ብዓሰርተታት ዚቝጸሩ ደቁ ብሓደጋ ኸም ዝጸነቱ ብሃንደበት ምስ ተረድአ፦
“እግዚአብሔር ሃበ፡ እግዚአብሔር ድማ ወሰደ፡ ስም እግዚአብሔር ይባረኽ።”
ኢሉ ብገጹ ተደፊኡ ኣብ ምድሪ ብምስጋድ፡ ኣብ’ታ መዳርግቲ ዘይብላ መራር ህሞት’ቲኣ ንኣምላኹ ኣዕበየ (እዮ 1፡20,21)። ኣቦና እዮብ ነዚ ዝገበረ ፍቕሪ ደቁን ደቂ ደቁን ዘይብሉ፡ ሕልናኡ ዝደንዘዘ ጨካን ኣቦ ስለ ዝዀነ ኣይኰነን። ሓዘን ስለ ዝተሰምዖ’ሞ ክዳውንቱ ኽሳዕ ምቕዳድን ጸጉሩ ኽሳዕ ምልጻይን በጺሑ’ዩ። ነቲ ኽብደትን ምርረትን ናይ ሓዘኑ ግን፡ ልዕሊ’ቲ ንእግዚአብሔር ናይ ምዕባይ ሓላፍነቱ ዘይሰርዕ ጻድቕን ፍጹምን ሰብ ነበረ። ኣብ ርእሲ’ዚ መሪር ሓዘኑ፡ ኣዝዩ ኸቢድ ሕማምን ከቢድ ድኽነትን ምስ ኣጋጠሞ’ውን፡ ንእግዚአብሔር ካብ ምዕባይ ኣይበዀረን። ነታ ግብረ መልሲ ዓያሱ ዝሃበት ክሳዕ ክሕደት’ውን ዝተመጥጠት ብዓልቲ ቤቱ፡ “ገናዶ ፍጹም ኴንካስ ጸኒዕካ ትነብር ኣለኻ፧ ንኣምላኽ ግዳ ኽሓዶ’ሞ ሙት” ምስ በለቶ፡ ንሱ ድማ፦
“ንስኺ ኣዘራርባ ዓሻ ሰበይቲ ትዛረቢ ኣለኺ፡ ካብ ኢድ ኣምላኽ ሰናይ ተቐቢልናስ፡ ነቲ እኩይከ ኣይንቕበሎንዶ፧”
ብምባል፡ ኣብ ጊዜ መሪር ሓዘንን ስቓይን ካብ ኣፍ ሰብ ኪወጽእ’ዩ ኢልካ ዘይትጽበዮ ዜገርም መልሲ ሃበ (እዮ 2፡9,10)። ካብ’ዚ ዚበልጽ ንኣምላኽ ዜዕብይን ዜኽብርን ቃላት ኪዝረብ ይከኣልዶ፧ እዚ ቕዱስ ኣርኣያ’ዚ፡ ንእግዚአብሔር ከነዕብየሉን ከነኽብረሉን ዘይንኽእል ኵነታት ከም ዘየለ ዚረትዓና’ዩ።
ብዛዕባ’ቲ ዘየባትኽ ዝውቱር ሕያውነት ናይ ኣምላኽ፡ ንእኡ ዜዕብዮ ቓላት ክንዛረብ ግቡእ’ዩ። ብዛዕባ’ቲ መዓልታዊ እንምገቦ፡ እንለብሶ፡ እንነብሮ ናብራ ኣብ ቅድሚ ምሳና ዘለዉ ሰባት ኰነ ብውልቅና ንኣምላኽ ከነዕብዮ ይግባእ። ብዛዕባ ጥዕናና፡ ዀነ ብዛዕባ’ቲ ዚገብረልና ሓለዋ፡ ንእግዚአብሔር ብምስጋና ኸነዕብዮ ሓላፍነትና’ዩ። እቲ ኸም ውልቀ ሰባት፡ ከም ስድራ ቤት፡ ከም ህዝቢ ዚገብረልና ሰናይ ነገር ማእለያ የብሉን። ብዛዕባ’ቲ ዝገበረልና ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ኣምላኽነቱ ብዛዕባ ዅሉ መለኮታዊ ባህርያቱ መስተንክር ግብርታቱን’ውን ነፍስና ንእግዚአብሔር ብውዳሴ፡ ብመዝሙር ወዘተ ከተዕብዮ ይግባእ። ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ንእግዚአብሔር ናይ ዘዕበዩ ሰባት ማእለያ ዘይብሉ ኣብነታት ንረክብ ኢና። ንኣብነት ነብዪት ሚርያም ሓብቲ ነብዪ ሙሴ፡ እግዚአብሔር ባሕሪ ኤርትራ መቒሉ ብተኣምር ምስ ኣስገሮም፡ ንዅላተን ኣንስቲ መሪሓ ከበሮ ሒዛ ብምውጻእ፡
“እግዚአብሔር ኣዝዩ ልዑል’ዩ’ሞ፡ ዘምሩሉ፡ ንፈረስን ፈረሰኛን ናብ ባሕሪ ደርበዮም።” ብምባል ንእግዚአብሔር ዜዕብይ መዝሙር ዘመረት (ዘጸ 15፡21 ካ.ት)። ነብዪ ሙሴን ኵሉ ህዝቢ እስራኤል’ውን፦ “እግዚአብሔር ኣዝዩ ልዑል ስለ ዝዀነ ኽዝምረሉ’የ። ...... እግዚአብሔር ሓይለይ’ዩ፡ ኣነ ኸኣ ክዝምረሉ’የ፡ ንሱ ምድሓነይ ኰነ፡ ንሱ ኣምላኸይ ስለ ዝዀነ ከኽብሮ’የ። ኣምላኽ ኣቦይ’ዩ’ሞ ልዕል ከብሎ’የ። .......ኦ እግዚአብሔር ኣብ መንጎ ኣማልኽቲ ኸማኻ ዝበለ መን ኣሎ፧ ብቕድስና ኸማኻ ዝኸበረ፡ ብግርማ ኸማኻ ዝተፈርሀ ገባር ተኣምራት መን ኣሎ፧” ኢሎም ዘመሩን ወደስዎን (ዘጸ 15፡1,2,11 ካ.ት)። በዚ ተግባሮም’ዚ ድማ ነፍሶም ንእግዚአብሔር ኣዕበየት። ነዚ ድንቂ ተኣምር’ዚ ድሕሪ ምርኣዮም፡ ከም’ዚ ገይሮም ብመዝሙር ናይ ምስጋናን ውዳሰን ገይሮም እንተ ዘየዕብይዎ፡ ንእግዚአብሔርን ነቲ ተኣምራታዊ ግብሩን ኣንኢሶም ብንዕቀት ከም ዝረኣይዎ መመልከተና ነይሩ። ስለ’ዚ እቲ ንእግዚአብሔር ዘየዕብዮ፡ ብርግጽ የንእሶ ኸም ዘሎ ርዱእ’ዩ። ብውልቂ ዀነ ብሓባር ንእግዚአብሔር ምዕባይ ከም ዚግባእ ቅዱስ ዳዊት’ውን ኣብ መዝሙሩ፦
“ንእግዚአብሔር ምሳይ ኣዕብይዎ፡ ንስሙ ሓቢርና ልዕል ነብሎ።”
ብምባል ዓዲሙና ኣሎ (መዝ 34፡3)። ኣብ ኵሉ ማሕበራውን መንፈሳውን ህይወትና ብዝተፈላለየ መገድታት እግዚአብሔር ዓብይን ልዑልን ኣምላኽ ምዃኑ ምስ እንእመን፡ ንኣምላኽና ነዕብዮ ኣለና ማለት’ዩ። እግዚአብሔር ኣብ ልዕሌና ዜውርዶ በረኸት ኰነ መቕጻዕቲ ናይ መወዳእታ ዕላማኡ ንእግዚአብሔር እነዕብይ ሰባትን ህዝብን ምእንቲ ኽንከውን’ዩ። ንኣብነት ናይ ባቢሎን ንጉስ፡ ነቡካድነጻር፡ ብምኽንያት’ቲ እግዚአብሔር ዝሃቦ ዓወትን ኣሳልጦን፡ ኣብ ከባቢኡ ዀነ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ነገስታት ኣዝዩ ዝኸበረ ነበረ (ዳን 5፡18,19)። ቀደሙ’ውን መምለኽ ጣኦት ስለ ዝነበረ፡ በቲ ዝረኸቦ ኽብሪ ነቲ ዘዕበዮ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዜዕብይ ንርእሱ ኼዕብይ መረጸ። እዚ ርእስኻ ናይ ምዕባይ ከቢድ ሓጢኣት’ዩ፡ “ትዕቢት” ዚበሃል። እግዚአብሔር ከም’ዚ ዝበለ ሓጢኣት ካብ ምፍጻም ኬድሕኖ ኢሉ፡ ዜስተንክር ራእይን ተርጓሚ ነብይን ልኢኹ ኣጠንቂቕዎ እንተ ነበረ’ኳ ኪሰምዕ ኣይፈተወን፡ ብትዕቢት ከኣ ወደቐ (ዳን 4፡4-33)። ቅድሚ ንርእሱ ኼዕብይ ምምራጹ ግን፡ ከም’ዚ ዚስዕብ ብምባል ብግሩም ቃላት ንእግዚአብሔር ዜዕብይ ሰብ’ዩ ዝነበረ።
“እቲ ልዑል ኣምላኽ ዝገበረለይ ትእምርትን ተኣምራትን ክነግር ጽቡቕ ኰይኑ ተራእዩኒ ኣሎ። ትእምርትታቱ ኸመይ ዝበለ ዓብዪ፡ ተኣምራቱ ድማ ከመይ ዝበለ ብርቱዕ’ዩ። መንግስቱ ዘለኣለማዊ መንግስቲ’ያ፡ ግዝኣቱ ኸኣ ንውሉድ ወለዶ ይነብር” ዳን 4፡2-3
ንኣምላኽ ገዲፉ ንርእሱ ኼዕብይ ምስ መረጸ ግና፡ ቃላት ትዕቢት ተዛረበ። እግዚአብሔር ከኣ ከም’ታ ዘጠንቀቖ ነእምሮኡ ዘሪፉ ናብ እንስሳ ለወጦ። ድሕሪ ናይ ሾብዓተ ዓመታት መሪር መቕጻዕቲ ግና ነእምሮኡ መለሰሉ፡ ንሱ ድማ ንኣምላኽ ናብ ምዕባይ ተመልሰ።
“እቲ ዘመን ምስ ተፈጸመ፡ ኣነ ነቡካድነጻር፡ ኣዒንተይ ናብ ሰማይ ኣልዓልኩ’ሞ፡ ኣእምሮይ ተመልሰለይ። ነቲ ልዑል ባረኽኩ፡ ነቲ ንዘለኣለም ህያው ዝዀነ፡ ግዝኣቱ ዘለኣለማዊ ግዝኣት፡ መንግስቱ’ውን ንውሉድ ወለዶ ዚነብር (ኣምላኽ) ወደስኩን ኣኽበርኩን። እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዅሎም፡ ብእኡስ ከም ገለ’ኳ ኣይቍጸሩን፡ ንሱ ኣብ ሰራዊት ሰማይን ኣብ’ቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩን፡ ከም ፍቓዱ’ዩ ዚገብር፡ ንኢዱ ኪኽልክላ፡ “ስለምንታይ እዚ ‘ትገብር፧” ኪብሎ ዚኽእል’ውን የልቦን። (ከም’ዚ ምስ በልኩ) በታ ጊዜ’ቲኣ ኣእምሮይ ተመልሰለይ፡ ንኽብሪ መንግስተይ ከኣ ግርማይን ምንጽብራቐይን ተመልሰለይ። ኣማኸርተይን መኳንንተይን ደለዩኒ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ መንግስተይ ጸናዕኩ ዝበለጸ ዕብየት’ውን ተወሰኸለይ። ሕጂ ድማ ኣነ ነቡካድነጸር፡ ነቲ ንጉስ ሰማይ አመስግኖን ልዕል አብሎን አኽብሮን ኣለኹ። ተግባሩ ዅሉ ሓቂ፡ መገድታትቱ ኸኣ (ፍትሒ)’ዩ’ሞ፡ ነቶም ተዓብዮም ዚኸዱ ኼዋርዶም ይኽእል’ዩ።” ዳን 4፡34-37
እዚ ቓል ናይ’ዚ ንጉስ ንእግዚአብሔር ምዕባይ ከመይ ከም ዝዀነ ብስእላዊ መልክዕ ዚገልጽ መስተንክር ብሂል’ዩ። ካብ ሓደ ኣረማዊ ሰብ ከም’ዚ ዝበለ ንእግዚአብሔር ዜዕብይ ቃላት እንተ ወጺኡ፡ ካብ ሓደ “ንኣምላኽ እፈርህ’የ” ዚብል ክርስትያንከ ደኣ ከመይ ካብ’ዚ ዚበልጽ ቃል ኪወጽእ ዘይግብኦ፧!
ኣቦታትና ቅዱሳን ሃዋርያት፡ ጳውሎስን ሲላስን፡ በቲ ናይ ወንጌል ኣገልግሎቶም ነቲ ልዑል ኣምላኽ ኬዕብዩ ዚጋደሉ ሰባት’ዮም ዝነበሩ። እቲ እግዚአብሔር ኪዓብይ ዘይደልይ ዲያብሎስ ድማ፡ ኣብ ከተማ ፊሊጲ እናኣገልገሉ ኸለዉ፡ ነቶም ሰዓብቱ ኣለዓዒሉ፡ ኣካላቶም ምስፋፍ (ምሕካም) ዜድልዮም ዀይኑ ኽሳዕ ዚቘስል ኪግረፉ ገበረ። እዚ ኸይኣኽሎ ድማ ናብ ማእሰርቲ ኣእትዩ፡ ኣእጋሮም ምስ ጒንዲ ኸም ዚምቋሕ (ከም ዚእሰር) ገበረ። እዞም ቅዱሳን ሃዋርያት ግን ካብ’ቲ ንእግዚአብሔር ናይ ምዕባይ ናይ ህይወት ተልእኾኦም ኪበዅሩ ኣይመረጹን። ነቲ መግረፍትን ምምቋሕን ዘውረደሎም መሪር ስቓይ ከም ዘየለ ቘጺሮም፡ ብጸሎትን ብመዝሙር ንኣምላኽ እናኣመስገኑን ኣብ ማእከል’ቶም እሱራት ንጐይታኦም፡ ፍርቂ ለይቲ የዕብይዎ ነበሩ። እቲ ብተግባሮም ዝተሓጐሰ ጐይታ ድማ ንርእሱን ንኣታቶምን ኬዕብይ ተደረኸ። ንመሰረት ናይ’ቲ ቤት ማእሰርቲ ኣናዊጹ፡ መዓጹኡ ጋሕ ኣቢሉ ኸፊቱ ነቲ ብጽኑዕ ዝተኣስሩሉ መቝሖም ፈቲሑ፡ ተኣምር ገበረ። በዚ ኸኣ ስሙ ኣዕበየ። ንኣታቶም’ውን ስለ ዘዕበዮም፡ እቲ ሓላዊ “ጐይተተይ” ኢሉ ኣብ እግሮም ሰገደ። እቶም ዝገረፍዎምን ዝኣሰርዎምን ሓለፍቲ’ውን ኣቃባጢሮም ኬውጽእዎም ገበረ። ምኽንያቱ እግዚአብሔር ነቶም ዜዕብይዎ ዜዕብይ ኣምላኽ ፍትሒ’ዩ (ግብ 16፡19-40)።
ንእግዚአብሔር ምዕባይ ብልሳን ጥራሕ ድዩ ዚፍጸም፧ ንኣምላኽ እነዕብየሉ እንታይ ካልእ ኣማራጺ ኣሎና፧ ብርግጽ ኣሎና። ንሱ ኸኣ ግብራዊ መገዲ’ዩ። እቲ ዝዓበየን ኣሉ ዘይበሃልን ጥበብ ከኣ’ዩ። ነቲ “ግበሮ” ዝተባህሎ ዅሉ ዚገብር፡ ነቲ “ኣይትግበሮ” ዝተባህለ ዅሉ ኸኣ ዚሓድግ ሰብ፡ ኣብ’ቲ ዕለታዊ ማሕበራዊ ናብራኡ ብዘይ ምቍራጽ ንኣምላኹ ዜዕብይ ሰብ’ዩ። ንኣምላኽ ናይ ምዕባይ ድልየትና’ዩ፡ ንዅሉ ቓላቱ ኽንእዘዞ ዚድርኸና። ነፍሲ ወከፍ እንፍጽማ ተኣዝዞ፡ ንኣምላኽ እተዕብዮ ግብራዊት መልእኽቲ’ያ። ንዅሉ ትእዛዛት ዘርዚርና በብሓደ ኽንርእዮን ክንገልጾን እንተ ዘይከኣልና’ኳ ወካሊ ብዝዀነ ኣብነታት ክንገልጾ ንኽእል ኢና።
ኵላትና ኸም እንግንዘቦ፡ ናትና ፍቓድ፡ ዚበዝሕ ጊዜ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተጻራሪ’ዩ። ገለ ጸገም ወይ በደል ኬጋጥመና ኸሎ፡ እግዚአብሔር ክንዕገስ ይደልየና፡ ንሕና ግን ክንበኣስ፡ ሕነ ኽንፈድይ ንደልይ። “ሃብ” ኪብለና ኸሎ፡ ውሽጥና ግን ኽንህብ ኣይፈቕደልናን። ፍቓድ መን ከም ዚፍጸም እንውስን ከኣ ንሕና ኢና። እቲ ውሳነና ድማ፡ በቲ ብዛዕባ ዕብየት ኣምላኽ ዘሎና ኣረኣእያ’ዩ ዚውስን። ናይ ብሓቂ እግዚአብሔር ካባና ኣዝዩ ዝዓበየ ልዑል ኣምላኽ ምዃኑ ንኣምን እንተ ዄንና፡ ነቲ ኣብ ውሽጥና ዀይኑ ዚህውጸና ፍቓድ ስጋና ጸቒጥናን ጥሒስናን፡ ነታ ናይ ኣምላኽ ፍቓድ ብፍታውን ብሓጐስን ንፍጽም። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ “ፍቓዱ ኻብ ፍቓደይ ይዓብይ” ብዚብል ጽኑዕ እምነት፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ፍቓድና ነግዝኦ። “ንኣምላኽ ምዕባይ” ይብሉኻ ኸም’ዚ’ዩ።
ብዛዕባ ዅሉ ስጋውን መንፈሳውን ንጥፈታትና፡ “እንታይ ክገብር’ዩ ዜድልየኒ” ቅድሚ ምባልና፡ ኣቐዲምና፡ “እግዚአብሔርከ እንታይ ክገብር’ዩ ዚደልየኒ ዘሎ፧ ነዛ ጒዳይ’ዚኣ ብዚምልከት፡ እንታይ እንተ ገበርኩ’የ ንኣምላኸይ ዘዕብዮን ዘኽብሮን፧” ኢልና ኽንሓትት’ዩ ዚግባእ። ናይ’ዚ ሕቶታት’ዚ ቕደም ተኸተል እንተ ኣዘናቢልናዮ፡ ናብራና ብሓጢኣት ዝተዓብለለ፡ ነፍሰ-ስጋና ብበሰላ ሓጢኣት ዝተደወነ’ዩ ዚኸውን። ኣብ ኵሉ ነገሩ ንኣምላኽ ቀዳምነት ዘይህብ ሰብ፡ ዋላ ብልሳኑ ብዘይ ምቍራጽ ዜዕብዮ ሰብ ይኹን፡ ከም ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም፡ “ነፍሰይ ንእግዚአብሔር ተዕብዮ” ኺብል ኣይክእልን’ዩ። ምናልባት “መልሓሰይ ንእግዚአብሔር ተዕብዮ” ንምባል ኪደፍር ይኽእል ይኸውን። ከም’ዚ ዝዓይነቱ ተኣምኖ ናይ ከንፈር ጥበራ’ምበር ናይ ኣዕብዮት ተኣምኖ ኪኸውን ብቕዓት ዘይብሉ’ዩ። ነቲ ከቶ ዘይጥበር ኣምላኽ ክትጥብር ናይ ምፍታን መልእኽቲ ድማ እምብዛ ኽፉእ’ዩ። ዚሰምዓ ኣእዛን’ምበር፡ ዚርእያ ኣዒንቲ ኸም ዘይብሉ ስንኩል ኣምላኽ ትሓስቦ ኣለኻ ማለት’ዩ። ነቲ ዝገበርካዮ ስለ ዘይረኣዮ፡ ብመልሓስካ ኽትድልሎ ትጋደል ኣለኻ። ህዝቢ እስራኤል ብዛዕባ’ቲ ዚገብርዎ ዅሉ ግብርታት ዓመጻ፡ “እግዚአብሔር ኣይርእዮን’ዩ” ዚብል ኣተሓሳስባ የዘውትሩ ነበሩ (መዝ 10፡4,11,13፣ 94፡7)። እግዚአብሔር ግና በቲ ቕዱስ ዘማሪኡ ገይሩ፦
“ኣቱም ዳንዴታት ህዝቢ ኣስተውዕሉ፡ ኣቱም ዓያሱ መኣዝ ኢኹም እትልብሙ፧ እዝኒ ዝተኸለስ ኣይሰምዕንዶ፧ ዓይኒ ዝፈጠረስ ኣይርእንዶ’ዩ፧” ይብሎም ነበረ (መዝ 94፡8,9)። እቲ ሊቀ መዘምራንን ነብይን ዝነበረ ኣሳፍ፡ ነዚ ናይ ልሳን ጥበራዊ ተኣምኖ፦ “ብኣፎም ኣቀባጠሩሉ፡ ብመልሓሶም ድማ ሓሰውሉ፡ ልቦም ናብኡ ኣይቀንዐን፡ ብኺዳኑ’ውን እሙናት ኣይነበሩን።” ብምባል ቀሊዕዎ ኣሎ (መዝ 78፡36,37)። ኣብ ፍቓድካን ኣብ ኵሉ ግብርታትካን ፈጺምካ ዘየግዛእካዮን ዘየዕበኻዮን ኣምላኽ፡ “ኣንታ ልዑል፡ ኣታ ቅዱስ ክትብሎ ውዒልካ እንተ ሓደርካ፡ እንታይ ዋጋ ኣለዎ፧ ልብን ኰላሊትን ዚምርምር፡ ንሓሳብና ገና ኻብ ርሑቕ ዜስተውዕሎ፡ ገና ሓንቲ ቓል ናብ መልሓስና ኸይቀረበት ከላ ኣጸቢቑ ዚፈልጣ ኣምላኽ’ዩ (መዝ 139፡1-4)። ጐይታና ኢየሱስ ባዕሉን ቅዱስ ሃዋርያኡን ዝበልዎ ቓል’ውን ኣይንረስዕ።
“እምበኣርከ (መን ምዃኖም) ብፍሪኦም ከተለልይዎ ኢኹም። ፍቓድ ናይ’ቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ደኣ’ምበር፡ (ብልሳኑ) “ጐይታይ፡ ጐይታይ” ዚብለኒ ዅሉ፡ ናብ መንግስተ ሰማያት ዚኣትው ኣይኰነን።” ማቴ 7፡20,21
“(ብኣፎም) “ንኣምላኽ ንፈልጦ ኢና” ይብሉ፡ ግናኸ ፍንፉናትን ዘይእዙዛትን ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ ኺገብሩ ዘይበቕዑን (ዘይክእሉን) ስለ ዝዀኑ፡ ብተግባሮም ይኽሕድዎ።” ቲቶ 1፡16 ካ.ት
ስለ’ዚ “ብኣምላኽ እኣምን’የ፡ እግዚአብሔር ዓብዪን ልዑልን ምዃኑ እፈልጥ’የ፡ ንኣምላኽ ከዕብዮ’ውን እደልይ’የ” ዚብል ክርስትያን ነፍሲ፡ ብልሳኑ ተኣማኒ ብግብሩ ግና ገሃሲ ዀይኑ ኸይርከብ ኺጥንቀቕ ይግብኦ። ፈጺምና ኽንዝንግዖ ዘይግብኣና፡ ብግብርና ንኣምላኽ ዘይነዕብዮ ምዃንና፡ ነቲ ብልሳናዊ ተኣምኖና ዝፈጸምናዮ ኣዕብዮት’ውን ከንቱን ብላሽን ዚገብር፡ ኣብ መወዳእታ’ውን ጓህሪ ዜሕቍፈና፡ ኣብ ሕቝፊ ሰይጣንን ገሃነምን ዜደርብየና ምዃኑ’ዩ። እቲ ኣብ’ቲ ዝኸበደ ግብራዊ ኣዕብዮት ዝተዓወተ ሰብ ግና፡ ዜሰክፎን ንልቡ ዚሓቕዮን ግብራዊ ኽሕደት ስለ ዘይብሉ፡ ኣብ’ቲ ዝቐለለ ልሳናዊ ኣዕብዮት ኣዝዩ ዕዉት’ዩ ዚኸውን።
እግዚአብሔር ግን ንምንታይ’ዩ ሰባት ኬዕብይዎ ዚደልይ፧ ንሕና ኽንምልኣሉ ዚደልዮ ናይ ዕብየት ሕጽረት ኣለዎ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ምልኣት ዕብየቱ ይትረፍ’ዚ ብሓጢኣት ዝደኸመ ኣእምሮ ዘለዎ ወዲ ሰብ፡ እቶም ቅዱሳን መላእኽቱ’ኳ ኺበጽሕዎ ዘይክእሉ’ዩ። ንዕብየቱ ንሱ ባዕሉ እንተ ዘይኰይኑ፡ መንፈሳዊ ይኹን ስጋዊ ፍጥረት መርሚሩን ተረዲኡን ኪበጽሖ ኣይክእልን’ዩ። ምኽንያቱ ፍጡር ኣካል ክንዲ’ቲ ኣምላኽ ዚፈልጦ እንተ ፈሊጡ፡ ናብ ኣምላኽነት ገጹ ዓብዩ ማለትና’ዩ። እዚ ኸኣ ፈጺሙ ዘይሕሰብ’ዩ። እግዚአብሔር ምልኣት ዕብየቱ ፈጺሙ ኪምርመር ክሳዕ ዘይክእል እምብዛ ዓብዪ’ዩ (መዝ 145፡3፣ ራእ 15፡3,4፣ ሮሜ 11፡33-36)። ገና ኻብ’ቲ መጀመርታ ዘይብሉ ህላወኡ ጀሚሩ ኺምርመርን ኪብጻሕን ዘይክእል ዕብየት ንዘለዎ ኣምላኽ፡ እዚ ሓጥእ ፍጥረት ሰብ፡ ክንዲ በሰር (መንገፍ) ዓይኒ እትኸውን ዕብየት’ኳ ኺውስኸሉ ኣይክእልን’ዩ። ንርእሱ ኻብ ኣምላኽ ዝበለጸን ዘለኣለማውን ዕብየት ምእንቲ ኺረክብ ግና፡ ኣብ’ታ ገዛእ ህይወቱ ንእግዚአብሔር ብልሳኑን ብግብሩን ኬዕብዮ፡ እግዚአብሔር ኣዘዞ። እግዚአብሔር ንርእሱ ዕብየት ስለ ዝጐደሎ ዘይኰነስ፡ ነቲ ንሱ ቕድሚ ምስራት ዓለም ነቲ ብኣርኣያኡ ዝፈጠሮ ሰብ ዝመደበሉ ዕብየት ምእንቲ ኺህቦ፡ “ኣብ ህይወትካ ኣዕብየኒ” ዝመልእኽቱ ብዙሕ ትእዛዛት ሃቦ። እቲ ምእንቲ ድሕነትናን ኣርኣያናን ኢሉ ስጋና ለቢሱ ዝተገልጸ ጐይታ፡ ነዛ ምስጢር’ዚኣ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።
“.....ዎ ኣቦ፡ ....... ኣነ ነቲ ኽገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጺመ፡ ኣብ ምድሪ ኣኽበርኩኻ (ኣዕበኩኻ) ዎ ኣቦይ፡ ሕጂ ድማ በቲ ዓለም ከይተፈጥረት ኣባኻ ዝነበረኒ ኽብሪ ኣባኻ ኣኽብረኒ። ......ሕጂ ወዲ ሰብ ከበረ፡ ኣምላኽ’ውን ኣብኡ ኸበረ። ኣምላኽ ኣብኡ ኻብ ኸበረ፡ ኣምላኽ ከኣ ኣብ ርእሱ ኬኽብሮ’ዩ።” ዮሃ 17፡4,5፣ 13፡31,32
ካብ’ዚ ቓል’ዚ ኸም ‘ንርድኦ’ምበኣር ከም’ዚ ጐይታና ዝገበሮ፡ ንኣምላኽ ኣብ ገዛእ ህይወትና እንተ’ኽቢርናዮን እንተ’ዕቢናዮን፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ገዛእ ርእሱ ኬኽብረናን ኬዕብየናን’ዩ። ኣምላኽ ኣብ ሰብ ዚረኽቦ ኽብሪ ብዓይነቱ ትሑት ብመጠኑ ኸኣ ውሑድ’ዩ። ሰብ ኣብ ኣምላኽ ዚረኽቦ ክብርን ዕብየትን ግን ብዓይኒ ዘይተራእየ፡ ብእዝኒ ዘይተሰምዐ፡ በእምሮ’ውን ከቶ ዘይተሓስበን፡ ምስ’ቲ ንሕና ዝገበርናዮ ፈጺሙ ዘይመጣጠንን’ዩ (2ቈረ 4፡16,17፣ 1ቈረ 12፡9፣ ሮሜ 8፡18,19)።
እምበኣር፡ ከም’ቲ “ጨው፡ ምእንቲ ርእስኻ ኢልካ መቅር” ዚበሃል፡ ንገዛእ ርእስና ምእንቲ ኬሕሸና፡ ነቲ ዘይተመርማሪ ዕብየት ዘለዎ ጐይታ፡ ኣብ’ዛ ሕስርቲ ህይወትና ነዕብዮ፡ ነኽብሮ፡ ነግዝኣዮ ኸኣ። ዘለኣለማዊ ዕብየት ምእንቲ ኽንጐናጸፍ፡ ነዛ ሓጻር ዕምርና፡ ንዕብየት ጐይታ ንወፍያ። ከም’ታ ቅድስቲ ኣዴናን ኣርኣያናን ድንግል ማርያም፡ “ነፍሰይ ንእግዚአብሔር ተዕብዮ” ዚብል ቃል መኽፈት ኣፍና ይኹን። እቲ ንዘኽበርዎ ዜኽብር ፍትሓዊ ኣምላኽ ድማ፡ ሓለፋ ትጽቢትና ኬኽብረና’ዩ!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
ጥር 21, 2015 ግዕዝ (29 ጥር/ጥሪ 2023 ፈ [መበል 21 ሰንበት: ቊ.፳፱/29, 2023] |
||
ምስባክ መዝ.44(45)፡ 9-10 መዝ 44(45)፡9-10 “ወትቀውም ንግሥት በየማንከ። በአልባሰ ወርቅ ዑጽፍት ወኁብርት። ስምዒ ወለትየ ወርእዪ ወአጽምኢ ዕዝንኪ።” ወይ ከኣ መዝ 47(48)፡8 “በከመ ሰማዕነ ከማሁ ርኢነ። በሀገረ እግዚአ ኃያላን በሀገረ አምላክነ። እግዚአብሔር ሣረራ ለዓለም።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
ገላ 4፡1-11 |
ዲያቆን |
|
2ዮሃ 1፡1-7 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 7፡30-34 |
ንፍቅ ካህን |
|
ሉቃ 1፡46-56 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ፦ ዘዲዮስቆሮስ |
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ