“ንጐይታና ክርስቶስ ብልብኹም ቀድስዎ’ምበር፡ ብዛዕባ’ታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያት ንዚሓትተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳለኹም ኩኑ፡ ግናኸ ብዓቕልን ብፍርሃት (ኣምላኽን) ደኣ ይኹን።” 1ጴጥ 3፡15
እዚ ዕለት’ዚ፡ ናይ ድሕረ-ትንሳኤ ራብዓይ ሰንበት’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ድሕሪ ትንሳኤ ድሕሪ 25 መዓልታት ዘላ ረቡዕ፡ “ርክበ ካህናት” ተባሂላ’ያ ትጽዋዕ። ኣብ መንጐ በዓለ ትንሳኤን በዓለ መንፈስ ቅዱስን ዘለዋ መዓልታት 50 መዓልታት’የን። ስለ’ዚ “ርክበ ካህናት” ልክዕ ኣብ ፍርቂ’ያ ትውዕል። ኵሉ ጊዜ ድማ ረቡዕ መዓልቲ’ያ ትውዕል። እዚ ናይ “ርክበ ካህናት” መዓልትን እቲ ንእኡ ዘማእከለ ሰሙንን፡ አበ-ንስሓ ካህናት ነቲ ናይ አበ ነፍሲ፡ ማለት ስድራ ቤታዊ ናይ ጕስነት ኣገልግሎቶም ዚዝክሩለን፡ ብዛዕባ ኣፈጻጽማ ኣገልግሎቶም ርእሶም ኪምርምሩ ዝተሰርዓሎም መዓልትን ሰሙንን’ዩ። ኣብ’ታ ናይ ርክበ ካህናት መዓልቲ፡ ናብ’ተን ብሓላፍነት ዚጓስይወን ስድራቤታት ኪበጽሑ ዚውዕሉሉ መዓልቲ’ዩ። ናብ’ተን ዚጓስዩወን ስድራቤታት ኣብ’ዛ ሰሙን’ዚኣ ጥራሕ’ዮም ዚበጽሑ ማለት ኣይኰነን። እታ ዕለት’ቲኣን፡ እታ ሰሙን’ቲኣን፡ ኣገልግሎቶም ዚምርምሩላን ዚጽምብሉላን መዓልቲ’ያ። ኣብ’ዚ ሰሙን’ዚ ብደረጃ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ብፍሉይ ንካህናት፡ ብሓፈሻ ድማ ንዅላቶም ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያንን ንማሕበረ ምእመናንን፡ ብዛዕባ ኣገልግሎት አበ-ነፍሲ ኣስተምህሮ (ትምህርተ አበ ነፍሲ) ዚወሃበሉ ቕንያት’ዩ። ካህናት ናብ’ተን ዚጓስይወን ስድራ ቤታት ስሩዕ ናይ ምብጻሕን ትምህርቲ ናይ ምሃብን ሓላፍነት ከም ዘለዎም ንምዝኽኻር ዝዓለመ’ዩ። መስቀል ኣሳሊምካን፡ ጸሎት ደጊምካን፡ መኣዲ ባሪኽካን ጥራሕ ምኻድ፡ ናይ አበ-ነፍሲ ኣገልግሎት ኣይኰነን። ኣብ’ታ ስድራ ዘለዉ ወለድን ደቅን፡ ስራሕተኛን፡ ምስ’ታ ስድራ ተጸጊዖም ንዚነብሩ ዓጽመ ስጋን ዕለትን ሰዓትን ዝተመደበሉ ስሩዕ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ምሃብ ተሓታትነት ዘለዎ ናይ አበ ነፍሲ ሓላፍነት’ዩ። እቲ ካህን ንበይኑ ስለ ዘየገልግል፡ ነቶም መገላግልቱ ዲያቆናትን መዘምራንን’ውን ትምህርቲ ምሃብ ይግባእ። ምእመናን’ውን ምስ ኣገልገልቶም ኪተሓባበሩን፡ ካብ’ዚ ዘቤታዊ ኣገልግሎት እንታይ ኪጽበዩ ኸም ዚግብኦም ኪፈልጡን፡ ብዛዕባ ናይ አበ-ነፍሲ ኣገልግሎት መሰረታዊ ኣፍልጦ ዜስንቖም መንፈሳዊ ትምህርቲ ኪረክቡ ግቡእ’ዩ።
እዚ ሰንበትን ሰሙንን’ዚ ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብዛዕባ ምስጢረ ትንሳኤ ሙታን ከነስተንትንን ክንመሃርን ዝተሰርዓልና’ዩ ድማ’ዩ። ምኽንያቱ ናይ ጐይታና ናይ ሞቱን ትንሳኤኡን ዕላማ፡ ንኣና ኣብ ትሕቲ ምርኮ ሞትን ሲኦልን ዝነበርና ደቂ ኣዳም ትንሳኤ ሙታን ንምውሓስ’ዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ነዚ ዕለት’ዚ ተሰሪዑ ዘሎ ናይ ቅዱስ ያሬድ መዝሙር፡ “ተንሥአ ወአንሥአ ኵሎ ሙታን (ተንሲኡ ንዅሎም ምውታት ኣተንስኦም)” ዚብል’ዩ። ኣብ’ቲ ናይ ዝሓለፈ ሰንበት ናይ 1ቈረ 15፡1-19 ንባብ ከም ዝረኣናዮ፡ ናትና ናይ ትንሳኤና መሰረት፡ ትንሳኤ ናይ ጐይታና’ዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እንተ ዘይትንስእ፡ ክርስትና ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ዅላቶም ሃይማኖታት፡ እቲ ዝኸፍአ ዕሽነት ምዀነ፡ ኵላትና ሰዓብቱ ድማ ኣዝዮም ዜደንግጹ ምዀንና ኔርና። ትንሳኤኡ ርጉጽ ስለ ዝዀነ ድማ፡ ኵላቶም ቅዱሳን ንክርስቶስ ኣብ ሞቱን ትንሳኤኡን ኪሓብርዎ፡ ብዜስተንክር ትብዓትን ጽንዓትን ብሰማእትነት ሓለፉ። ሞቱን ትንሳኤኡን ናይ ትንሳኤና ተስፋን መሰረትን ምዃኑ ምእንቲ ኼረጋግጸልና ኸኣ፡ “ተፈጸመ” ኢሉ ነፍሱ ምስ ወጸት ብዛዕባ ዝተፈጸመ ናይ ትንሳኤ ተኣምር ከም’ዚ ዚስዕብ ተጻሒፉልና ኣሎ።
“ኢየሱስ ከም ብሓድሽ ብዓብዪ ድምጺ ጨርሐ፡ ነፍሱ ድማ ወጸት። እንሆ መጋረጃ ቤት መቕደስ ካብ ላዕሉ ኽሳዕ ታሕቱ ኣብ ክልተ ተተርተረ። ምድሪ ኣንቀጥቀጠት፡ ኣኻውሕ ድማ ተጨድዱ። መቓብራት’ውን ተኸፍቱን ብዙሓት ደቂሶም (ሞይቶም) ዝነበሩ ስጋ ቕዱሳን ተንስኡ። ድሕሪ ትንሳኤኡ ኻብ መቓብሮም ወጺኦም ናብ’ታ ቕድስቲ ኸተማ ኣተዉ፡ ንብዙሓት ከኣ ተራእዩ።” ማቴ 27፡50-53
እዚ ቓል ትንሳኤን’ዚ ሞቱን ትንሳኤኡን ምእንቲ ትንሳኤና ኸም ዝተፈመጸ ንኼረጋግጸልና ዝተፈጸመን ዝተጻሕፈን’ዩ። ስለ’ዚ ኣብ’ዚ ዘለናዮ ዘመነ ትንሳኤ’ዚ፡ ናይ ክርስቶስ ትንሳኤ ዘኪሩን ኣብዒሉን ኬብቅዕ፡ ንእኡ’ውን ትንሳኤ ተሰሪዑሉ ኸም ዘሎ ዚርስዕ ክርስትያን፡ ኣብ መንፈሳዊ ጸልማት ይነብር ከም ዘሎ ኼስተውዕል ይግባእ። ምኽንያቱ ብዛዕባ ትንሳኤ ሙታን፡ ምሕሳብ ኣብ ህይወት ሓደ ክርስትያን ኣዝዩ ኣገዳስን ኣማእዛንን ግደ ኣለዎ። ናይ መብዛሕትና መንፈሳዊ ህይወት እምብዛ ዚበላሸወና ዘሎ፡ ይትረፍ ትንሳኤ ከም ዘሎ፡ ሞት ከም ዘሎ’ኳ ዘይንሓስብ ምዃንና’ዩ። ብዛዕባ’ዚ ዘይተርፍ ክልተ ኣገደስቲ ፍጻመታት ፈጺምና ዘይንሓስብ ምዃንና ዜቃልዓና ድማ እቲ እንነብሮ ዓይነት ናብራ’ዩ። ሞት ከም ዘሎ፡ ድሕሪ ሞት ድማ ክንልውጦ ዀነ ኸነዐርዮ እንኽእል ነገር ከም ዘየለ፡ ድሕሪ ትንሳኤ ኸኣ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ደው ኢልና ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ግብርናን ቃላትናን ፍትሓዊ ጻማና ኽንቅበል ምዃንና፡ ናይ ብሓቂ ንፈልጥን ንኣምንን እንተ ንኸውን፡ ዓይነት ህይወትናን ኣካይዳናን ኣዝዩ ምተለወጠ ነይሩ።
ስለ’ዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መዝሙርን ምስባኽን ንባባትን ብዛዕባ’ዚ ዚጽበየና ዘሎ ፈጺሙ ዘይተርፍ ትንሳኤና ኣጸቢቑ ኼዘክረናን፡ ብትንሳኤና ምእንቲ ኽንረብሕ ጽድቂ ኼዕጥቐናን ዝተሰርዐ’ዩ። እቲ ንጉስ ትንሳኤ ዝዀነ ጐይታ፡ ነቶም ቅድሚ ምጽኣቱ ዝሞትና ዅላትና ጻድቃንን ሓጥኣንን ካብ’ቲ ስጋና ተመቝሑሉ ዝነበረ ማእሰረ ሞት ኪፈትሓና’ዩ። ካብ ድቃስና ከም እንበራበሮ ገይሩ ኼበራብረና’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ መጽሓፍ ቅዱስ ንሞት ከም ድቃስ ገይሩ ዚገልጾ፡ (ዮሃ 11፡11-15 ፣ ማቴ 27፡52 ፣ ዳን 12፡2)። ንኣና “ነቲ በስቢሱ ዝፈረሰ ስጋና፡ ነቲ ኣራዊት ምድርን ዓሳ ባሕርን ዝበልዕዎ፡ ብባርዕ ሓዊ ሓመዅስቲ ዝዀነ ስጋና ኻበይ ኣምጺኡ’ዩ ዜተንስኦ፧” ዚብል ሕቶ ኽንምልሶ የሸግረና ይኸውን። ንብዙሓት’ውን ናብ ኢዝሄርነትን (Atheism) ክሕደትን ዘውደቐ ኣጉል ሕቶ’ዩ። ነቲ ኸኣል ኵሉ ጐይታ ግን፡ ንዝደቀሰ ሰብ ካብ ምብርባር ዚቐልል ተግባር’ዩ። በዚ ኣጉል ሕቶ’ዚ ንሳቐይ፡ ብትንሳኤ ሙታን ከኣ ንጠራጠር እንተ’ሊና፡ ትንሳኤ ኣልኣዛር ንዘክር። ንራብዕቲ ዚኣክል ዝበስበሰን ዝጨነወን ሬሳ’ዩ ዝነበረ። ንዅሉ’ቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝቢ ምእንቲ ኼስምዕ ብዓውታ ብምጭዳር “ኣልኣዛር ንዓ፡ ናብ ወጻኢ ውጻእ” ኢሉ ጸውዖ። ንኣልኣዛር ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ዚሰምዕ እዝንን ኣእምሮን፡ ኪንቀሳቐስ ዚኽእል ሰብነትን ኣይነበሮን። ዋላ እንተ ዚነብሮ’ውን ተገኒዙ እቲ ዚንቀሳቐስ መሓውሩ ተጠሚሩ ኵለንተናኡ’ውን ብጨርቂ ተጠቕሊሉ ስለ ዝነበረ ኻብ’ቲ ዘንበርዎ ቦታ ኺትንስእን ኪንቀሳቐስን ኣይክእልን’ዩ። እቲ ነዚ ተኣምር ናይ ትንሳኤ ብዓይኑ ዝረኣየ ቅዱስ ዮሃንስ ወንጌላዊ ኸኣ፡ ብዛዕባ’ቲ ኽስተት፦
“እቲ ምዉት ብግኑዙ፡ ኣእዳውን ኣእጋሩን ብእሱሩ፡ ገጹ’ውን ብመኣረምያ (ብዓለባ) ተጐንጕኑ ኸሎ ወጸ።” ብምባል መስከረ (ዮሃ 11፡44)። ኣብ’ቲ ናይ ኵላትና ትንሳኤ ዘጕባኤ’ውን ከምኡ’ዩ ኪኸውን። ቅዱስ ጳውሎስ ገሊጽዎ ኸም ዘሎ፡ ትንሳኤ ሙታን’ውን ብናይ ትእዛዝ ጭድርታን ብድምጺ ሊቀ መላእኽትን ብመለኸት ኣምላኽን’ዩ ኺፍጸም። (1ተሰ 4፡16,17)። ነዚ ናይ ትእዛዝ ጭድርታ ምስ ሰምዑ ምድርን ባሕርን፡ ሞትን ሲኦልን ነቶም ሒዞምዎም ዘለዉ ምዉታት ኪውፍዮም’ዩ (ራእ 20፡11-15)። እዚ ተስፋ’ዚ ትንሳኤ ክርስቶስ ዚጸገወና ናይ ክብሪ ተስፋ’ዩ። እቲ ሓቢርና ዝዘመርናዮ ምስባክ’ውን ብዛዕባ ትንሳኤ ሙታን ነብዪ ዳዊት ብመዝሙር ዝተነበዮ’ምበር፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ዓራትና እንጋደመሉ ናይ ትኽስታ ድቃስ ኣይኰነን። ብሞት ኣብ መቓብር ድሕሪ ምግምሳስና፡ ብደገፍን ትእዛዝን ናይ ኣምላኽ፡ ካብ’ቲ ነዊሕ ድቃስ ክንበራበር ኢና።
ኵላትናስ ክንትንስእ ኢና፡ ግናኸ ኵላትና ዲና ናይ ትንሳኤ ተረባሕቲ እንኸውን፧ ብትንሳኤ ዚጕዳእ፡ መቓብርን ሞትን ዜሕሾ ሰብ ይህልወናዶ ይኸውን፧ ኣየወ!! ይኽደነና፡ ምስ’ቶም ብትንሳኤ ዚረብሑ ደኣ ይግበረና’ምበር፡ ካብ’ቶም ዚረብሑ ደኣ እቶም ዚጕድኡ’ንድዮም ዚበዝሑ!! ነዚ ሓቂ’ዚ ጐይታና ደጋጊሙ ገሊጹልና’ዩ። ብትንሳኤ ዚረብሑ፡ እቶም በታ ናቱ ቐጣን መገዲ ተጓዒዞም ኣብ’ታ ጸባብ ደገ ዚበጽሑን ብእኣ ዚኣትውን’ዮም (ማቴ 7፡13,14)። እቶም ኣብ’ታ ገፋሕ መገዲ ዚዕንድሩ’ዮም ብዙሓት’ምበር፡ በታ ቐጣን መገዲ ብጥንቃቐን ብጽድቅን ብመንፈሳውነትን ኪጐዓዙ ዚደልዮ፡ ብቝጽሪ ኣዝዮም ውሑዳት’ዮም። ሓደ እዋን ሓደ ሰብኣይ ንጐይታና፡ “ሒደትዶ’ዮም ዚድሕኑ፧” ኢሉ ሓተቶ፡ ጐይታና ድማ፦
“ብዙሓት ኪኣትው እናደለዩስ ከም ዘይኰነሎም (እነግረኩም) ኣለኹ’ሞ፡ በታ ጸባብ ደገ ንምእታው ተጋደሉ።” ኢሉ መለሰሉ (ሉቃ 13፡23,24)። ኣብ’ቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ ቈሎ 3፡1-11 ንባብ፡ ብትንሳኤ እትረብሓሉ ምስጢር ምስ ክርስቶስ ካብ ሓጢኣት ብሙማት፡ ምስ ክርስቶስ ድማ ንጽድቂ ብምትንሳእ ምዃኑ ገሊጹልና ኣሎ (ሮሜ 6፡1-11፣ 1ጴጥ 2፡24)። ነዚ ኸኣ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና “ትንሳኤ ሕልና” ወይ ከኣ “ትንሳኤ ልቦና” ኢላ’ያ ትጽውዖ። እቲ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ገና ብህይወቱ ኸሎ ብትንሳኤ ልቦና ዝተንስአን ዝተመላለሰን፡ ኣብ’ቲ ኣብ ምጽኣት ጐይታ ዚፍጸም ዓብዪ ትንሳኤ ዘጕባኤ ናይ መለኮት ክብሪ ኺጐናጸፍ’ዩ። እቲ ክርስትያን ክነሱ ምድራዊ ህይወቱ ምዉት ግብሪ (ሓጢኣት) እናገበረ ብምዉት ሕልና ዝወድአ ድማ፡ ንእኡ ትንሳኤ ሙታን መርድእ’ምበር፡ ብስራት ኣይኰነን (እብ 9፡14)። ትንሳኤ ሙታን፡ ነቶም ናይ ኣቦ ብሩኻት መንግስትን ዝፋንን ኬውርሶም፡ ነቶም ናይ ሰይጣን ርጉማት ከኣ ናይ ዘለኣለም ስቓይ ኬውርሶም’ዩ (ማቴ 25፡34,41,46፣ ራእ 20፡4,11-15፣ 21፡8፣ 22፡15)።
እቶም ብትንሳኤ ሕልና ዝተመላለሱ’ሞ፡ ብትንሳኤ ሙታን ዚረብሑ እንታይ ስለ ዚገብሩ’ዩ፧ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስቲ መሰረታዊ ዕላማኡ ነዚ ሕቶ’ዚ ምምላስ’ዩ። እቲ ልዑል ኣምላኽ፡ እግዚአብሔር፡ ዚገብሮ ዅሉ ግብሪ፡ ርእሱ ንምቕዳስ ኢሉ’ዩ ዚገብሮ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እግዚአብሔር ብዅሉ ተግባሩ፡ ቅድስናኡ ዚገልጽ ኣምላኽ’ዩ። ንኣና ንደቂ ሰባት ዝፈጠረሉ ዕላማ’ውን፡ ቅድስናኡ ንምግላጽ’ዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ “ኣነ ቅዱስ’የ’ሞ፡ ቅዱሳት ኩኑለይ” ኢሉ ኣዘዘና (ዘሌ 20፡26፣ 19፡2፣ 1ጴጥ 1፡15,16)። ቅድስና፡ ንእግዚአብሔር ናይ ባህርይ ገንዘቡ’ዩ። ዝዀነ ይኹን ኣካል ንእግዚአብሔር ካብ ቅድስናኡ ኬጕድሎ ወይ ዘይቅዱስ ኪገብሮ ዚኽእል ሓደ’ኳ የልቦን። ሰይጣን ንእግዚአብሔር ወልድ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብተዋህዶ ፍጹም ሰብ ዀይኑ ኵሉ ድኻም ሰብ ጠቢቕዎ ምስ ረኣየ፡ ርኽሰት ኬጥብቐሉ’ሞ፡ ካብ ቅድስናኡ ኼጉድሎ ኣዝዩ ዓብዪ ተስፋ ገበረ። ብናይ 40 መዓልትን ለይትን ፍጹም (absolute) ጾም ጠምዩን ደኺሙን ምስ ረኣዮ፡ በቶም ሰለስተ ምርኡያት ሓጢኣት (ሠለስቱ ኣርእስተ ኃጣውእ) ኬስሕቶ’ሞ፡ ካብ ቅድስና ካብ ኣምላኽነት ኬጕድሎ ተጋደለ። እንተ ዀነ፡ ከቶ ኣይሰለጦን። ስለ’ዚ እቶም ኣብ ሰብ ዝሓደሩ ኣጋንንቲ፡ ኢየሱስ ኪጓነፎም ከሎ፦
“ኢየሱስ ናዝራዊ፡ ምሳኻ’ሞ እንታይ ኣሎና፡ (ቅድሚ ጊዜኡዶ) ኸተጥፍኣና መጺእካ፧ ኣታ ናይ ኣምላኽ ቅዱስ፡ መን ምዃንካ ፈሊጠካ ኣለኹ።” እናበሉ ኣብ ቅድሚኡ ተደፊኦም ኣምላኽነቱን ቅድስናኡን ይእመኑ ነበሩ (ማር 1፡24,25,34፣ 5፡6,7)። ስለ’ዚ እቲ “ብልብኹም ቀድስዎ” ዚበሃለልና ዘሎ ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ርኹሳት ኣጋንንቲ ኸይተረፈ እናንቀጥቀጡ ኣብ ቅድሚኡ ተደፊኦም ዚእመኑሉ ቅድስና ዘለዎ’ዩ። ቅድስና ስለ ዝጐድሎስ፡ ንሕና ቐዲስና ቅድስናኡ ንኽንመልኣሉ ኣይኰነን። ንሕና ቅድስና ስለ ዘይብልና፡ ንርእስና’ውን ክንቅድስ ስለ ዘይንክእል፡ ጐይታና በቲ ቕዱስ ደሙን ብስራሕ መንፈስ ቅዱስን ገይሩ ይቕድሰና፡ ካብ ቅድስናኡ’ውን ይመቕለና። ስለ’ዚ ነቲ “ቀድስዎ” ዚብል ሃዋርያዊ ትእዛዝ፡ በዚ ንሕና ሰባት እንቕደሰሉ ኣገባብን ትርጕምን ክንርድኦ ኣይግባእን’ዩ።
ንኣምላኽ ምውዳስን ምቕዳስን ግን ናይ’ቶም ብስልጣን መንፈስ ቅዱስ ናይ ክህነት ማዕርግ ዝተቐበሉ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያንዶ ኣይኰነን፧ ከመይ ኢሉ’ዩ ንዅላትና “ቀድስዎ” ዚበሃለልና ዘሎ፧ ነስተውዕል!! ናብ ቤት መቕደስ ኣቲና፡ ምስጢራት ብምፍጻም ክንቅድሶ ኣይተኣዘዝናን። እቲ መሰረተ እምነት ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ዝዀነ “ምስጢረ ክህነት” ዝተሰምየ ሰፊሕን ረቂቕን ትምህርቲ ነዚ ሕቶ’ዚ ብትኽክልን ብምልኣትን’ዩ ዚምልሶ። እዚ ዓሚቝ ምስጢር’ዚ፡ ክልተ ዓይነት ክህነት ከም ዘለዉ’ዩ ዜስተምህረና። እቲ ቐዳማይ ክህነት፡ ንዅሉ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ዝተጠምቐ ክርስትያን ብመንፈስ ቅዱስ ዚወሃብ “ኣድማሳዊ ክህነት ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ክህነት ከኣ ብኣድማሳዊ ክህነቱ ብቕዓት ንዘርኣየን ግብረ ክህነት ንዝተማህረን ብኣገልገልትን ምእመናንን ንዝተመስከረሉ ዲያቆን ዚወሃብ “ኣገልግሎታዊ ክህነት” እዩ። እዚ “ብልብኹም ቀድስዎ” ዚብል ትእዛዝ ከኣ፡ ንኣገልገልትን ምእመናንን ብማዕረ ዚምልከቶም፡ ብኣድማሳዊ ክህነት ዚፍጸም ምቕዳስ’ዩ። እዚ ምቕዳስ’ዚ ኣብ’ቲ ብሰብ ዝተሰርሐ ህንጻዊ መቕደስ ዘይኰነስ ኣብ’ቲ ብኣምላኽ ዝተሃንጸ መቕደስ-ስጋና ዚፍጸም ኣገልግሎት’ዩ። ኣብ’ዛ መቕደስ’ዚኣ ብኣድማሳዊ ክህነት ንክርስቶስ ዚቕድስ ካህን፡ ባዕሉ’ቲ ነቲ ስጋ ለቢስዎ ዘሎ ክርስትያን’ዩ (1ጴጥ 2፡4,5,9፣ ራእ 1፡6፣ 5፡9,10)። እዚ ኣድማሳዊ ካህን ዚቕድስሉ ቤት መቕደስ ከኣ እቲ ብደም ክርስቶስን ብስራሕ መንፈስ ቅዱስን ቅዱስ መቕደስ ዝዀነ ስጋኡ’ዩ 1ቈረ 3፡16,17፣ 6፡19,20)። እቲ ኣብ’ዚ መቕደስ’ዚ እነቕርቦ መስዋእቲ ድማ እቲ ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርና እንስውኦ ስጋና’ዩ (ሮሜ 12፡1)። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ባዕሉ ሊቀ ካህናት፡ ባዕሉ መቕደስ፡ ባዕሉ’ውን መስዋእቲ ብምዃን’ዩ ዘድሓነናን ዝቐደሰናን። ንሱ ኣርኣያና ስለ ዝዀነን፡ ንሕና’ውን ብዅለንትናና ንእኡ ምእንቲ ኽንመስል ስለ ዝተጸዋዕናን፡ ንሕና’ውን በታ ንሱ ንኣና ዝቐደሰላ ኣገባብ ኢና፡ ብልብና ብስጋና እንቕድሶ (ሮሜ 8፡29፣ 2ቈረ 3፡16)። እቲ ሓቂ ኸምኡ እንተ ዘይከውን፡ ናይ መንግስቱ ካህናት ክንከውን ኣድማሳዊ ክህነት ኪህበና ኣይመድለየን ነይሩ።
ክርስትያን ናይ ምዃንና ዕላማን ናይ ህይወት ተልእኾናን ንእኡ ምቕዳስ ካብ ኰነ፡ ኣብ’ዚ ባዕሉ ካህንን መቕደስን መስዋእትን ዝገበሮ ስጋና፡ ከመይ ጌርና ኢና ‘ንቕድሶ፧ እዚ ሕቶ’ዚ ናይ’ዚ ናይ ሎሚ መልእኽትና ሕመረት (ወይ ከኣ ማእከላይ ሓሳብ)’ዩ። ናይ’ዛ ሕቶ’ዚኣ ቅኑዕ መልሲ ዘይብሉን ኣብ ትግባረኡ ዝፈሸለን ሰብ፡ ፍሹል ክርስትያን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ብትንሳኤ ሙታን ኣዝዩ ዚጕዳእ ሰብ’ዩ ዚኸውን። ኣቦታትና እንኪምስሉ፡ “ዘይክኢላ ሰዓማይሲ ንፋጥ ይጽይቕ” ከም ዚብሉ፡ ዘይክኢላ ቐዳሲ ድማ ንፉዕ መራኸሲ ኰይኑ’ዩ ዚተርፍ። እቲ ሕጂ ኣብ’ዚ ዘመን’ዚ ሕያዋይ መድሓኒና፡ ኣብ መዓልቲ ምጽኣቱ ኣብ መዓልቲ ትንሳኤና ግን ሓያል ፈራዲና ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ፦
“ኣቱም ርጉማት፡ ካባይ ርሓቑ፡ ናብ’ቲ ንሰይጣንን መላእኽቱን ዝተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ (ኪዱ)።” ዚብሎም፡ ነቶም ኣብ’ቲ ባዕሉ ዝፈጠሮን ብኽቡር ደሙ ዝዓደጎን ዝቐደሶን መቕደስ ስጋኦም ዘርከስዎን መስዋእቲ ሓጢኣት ዝሰውኡሉን’ዩ (ማቴ 25፡41)። ስለ’ዚ ምእንትኡ ኢልና ጥራሕ ዘይኰነስ ምእንቲ ርእስና ኢልና እንተ ቐደስናዮ’ዩ ዜዋጽኣና።
እታ ብኣድማሳዊ ክህነትና ብመስዋእቲ ስጋና ኣብ መቕደስ ስጋና ንእኡ እንቕድሰላ መንፈስዊት ጥበብና ድማ ንህይወትና ኻብ ሓጢኣት እናሓለናን እናጽረናን፡ ጽድቅን ቅድስናን ምፍራይ’ያ። ቅድስና፡ መለኮታዊ’ምበር ሰብኣዊ ባህርይ ኣይኰነን። ስለ’ዚ ነቲ መለኮታዊ ናይ ጽድቅን ቅድስናን ባህርይ ለቢስና ኽንመላለስ ከለና፡ ንኣምላኽ ኣባና ንቕድሶ ኣለና ማለት’ዩ። ብኣንጻሩ ብሓጢኣትን ርኽሰትን ክንመላለስ ከለና ድማ ንኣምላኽ ኣባና ነርክሶ ምህላውና ኽንፈልጥ ይግባእ። ናይ’ዚ ለቢስናዮ ዘለና ስጋ ፈጣሪ ባዕሉ ጐይታና’ዩ። ካብ መንፈሱ ኡፍ ኢሉ ብምሃብ ህያው ነፍሲ ገይሩ ዘቘመና’ውን ባዕሉ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ወለዶ ክርስቶስ ኪጽብጸብ ከሎ፡ “ኣዳም፡ ወዲ ኣምላኽ” ኢሉ ዝደምደመ (ሉቃ 3፡38)። ብመልክዕን ምስልን ናይ ኣምላኽ ስለ ዝተፈጠርና በቲ ስሉስ ኣቃውማና ጥራሕ ኣይኰንናን ውሉድ ኣምላኽ እንኸውን። ብመስዋእቲ ክርስቶስን ብስራሕ መንፈስ ቅዱስን ብቓል ሓቂ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ ስለ ዝወለደና’ውን ኣዝዩ ዝዓበየ መንፈሳዊ ውልድነት ረኺብና ኢና (B)። ዕላማ ናይ’ዚ ድርብ ውልድነት’ዚ ድማ በቲ ዘውረሰና ገዛእ ቅድስናኡ፡ ኣብ ህይወትና ምእንቲ ኽንቅድሶ’ዩ። እምበኣር ንጐይታና ኢየሱስ ብልብናን ኣብ ስጋናን እንቕድሰሉ መገዲ ከም’ዚ ዚስዕብ’ዩ።
1ይ. ንኣካላትና ናይ ኣምላኽ ኣጽዋር ጽድቅን ቅድስናን ብምግባር’ዩ፦
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ ኣምላኽን ኣምላኽ ጽድቅን ስለ ዝዀነ፡ ብጽድቅን ብቕድስናን ብምንባር ኢና ኣብ ህይወትና ኽንቅድሶ ንኽእል።
“እምብኣርሲ ንትምኒቱ ኸይትእዘዙ፡ ኣብ’ዚ መዋቲ ስጋኹም ሓጢኣት ኣይንገስ። ትሕቲ ጸጋ’ምበር፡ ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኰንኩም፡ ሓጢኣት ኣይመልከኩምን’ዩ’ሞ፡ ከም ሞይቶም ዝተንስኡ ርእስኹም ንኣምላኽ ወፍዩ’ምበር፡ ንኣካላትኩም ኣጽዋር ዓመጻ ንሓጢኣት ኣይትግበርዎ፡ ንኣካላትኩምሲ ኣጽዋር ጽድቂ ንኣምላኽ ደኣ ግበርዎ። ..... ስለ ድኻም ስጋኹም በዛራርባ ሰብ እዛረብ ኣሎኹ፡ ከም’ቲ ንርኽሰትን ግፍዕን ናብ ምፍራስ ሕጊ ኣካላትኩም ንባርነት ዝወፌኹም፡ ከምኡ ድማ ሕጂ ንጽድቂ ናብ ቅድስና ኺግዛእ፡ ኣካላትኩም ወፍዩ።..... ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት’ዩ፡ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት’ዩ። ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእኩም፡ ንኣምላኽ’ውን ስለ እተገዛእኩምዎ፡ ፍሬኹም ንቕድስና ዀይኑ ኣሎ፡ መወዳእታ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።”ሮሜ 6፡12-14,19,22,23
“ከም እዙዛት ውሉድ’ምበር ከም’ቲ ብዘመን ድንቍርና ከሎኹም ዝገበርኩምዎ ናይ ቀደም ትምኒት ኣይትግበሩ፡ ኣነ ቅዱስ’የ’ሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ፡ ዚብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፡ ከም’ቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ብዅሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ።”1ጴጥ 1፡14-16
“ደጊም ክርስቶስ ምእንታና ሓሳረ መከራ ካብ ጸገበስ፡ ብስጋኡ መከራ ዚጸግብ፡ ንሱ ንሓጢኣት ሓዲግዎ’ዩ’ሞ፡ እቲ ብስጋ ዝተረፈ ዘመን ንፍቓድ ኣምላኽ’ምበር፡ ንፍትወት ሰብ ምእንቲ ኸይትነብሩ፡ ንስኻትኩም’ውን ነዚ ሓሳብ’ዚ ኸም ኣጽዋር ጌርኩም ሓዝዎ። እቲ ብዕብዳን፡ ብፍትወት ስጋ፡ ብስኽራን፡ ብጓይላ፡ ብመስተ፡ ብርኹስ ምምላኽ ጣኦት ክትነብሩ ኸሎኹም፡ ፍቓድ ኣህዛብ ዝገበርኩምሉ ዝሓለፈ ዘመን ይኣክል’ዩ። ናብ’ቲ ዕያግ ርኽሰት ምሳታቶም ስለ ዘይጐየኹም፡ እናተጻረፉ ብእኡ ይግረሙ ኣለዉ።”1ጴጥ 4፡1-4
“ፍቓድ ኣምላኽ እዚ’ዩ፡ ቅድስናኹም። ካብ ምንዝርና ኽትርሕቁ’ሞ፡ ከም’ቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣህዛብ ብፍትወት ትምኒት ዘይኰነስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቲ ኺዳኑ ብቕድስናን ክብርን ምሕላይ ኪፈልጥ፡ እዚ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ።”1ተሰ 4፡3-5
“እምብኣርከ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ እዚ ተስፋታት’ዚ ካብ ዚህልወናስ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ቅድስና እናመላእና፡ ካብ’ቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉ ርእስና ነንጽህ።”2ቈረ 7፡1
ንጐይታና ኣብ ህይወትና ኽንቅድሶ ኸም ዚግበኣና፡ ናይ ብሓቂ ኣሚንናሉን ተዓጢቕናሉ እንተ’ሊና፡ እዚ ዘንበብናዮ ሃዋርያዊ መልእኽታት ኣዚዙና ኸም ዘሎ፡ ሰብነትና መሳርሕን መፍረይን ናይ ሓጢኣት ከይከውን ቈራጽን ዘይልወጥን ውሳነ ኽንውስን ይግብኣና። ነቲ “ኻብ ምንዝርና፡ ካብ ፍቕሪ ገንዘብ ህደም” ዚብል ሃዋርያዊ ትእዛዝ፡ ልክዕ ከም ዮሴፍ፡ ብምሉእ ልብና ኽንእዘዞ ይግባእ (1ቈረ 6፡18፣ 1ጢሞ 6፡10,11፣ ዘፍ 39፡6-19)። ብኣንጻሩ፡ ይትረፍ ክንሃድም፡ ናብ ሓጢኣትን ርኽሰትን ገጽና ብፍቕሪ ኽንፋንን እንተ መሪጽና ግን፡ ኣብ ህይወትና ንሰይጣን ክንቅድስ ንክርስቶስ ግና ከነርክስ ተዓጢቕና ኣለና ማለት’ዩ። ነቲ ቕዱስ ክርስቶስ ኣብ ገዛእ መቕደሱ፡ ኣብ’ቲ ባዕሉ ብኢዱ ዝፈጠሮን ብደሙ ዝቕድሶን መቕደሱ ኺዋረድን ኪረክስን፡ ነቲ ዓመጸኛን ሰራቕን ድያብሎስ ድማ፡ ኣብ ዘይንብረቱ ኪኸብር ንፈቅድ ኣለና ማለት’ዩ። ሰይጣን ኣብ’ቲ ሰማያዊ መቕደስን ዝፋንን ዝሰኣኖ ዓወት፡ ኣብ መቕደስ ስጋና ይሰልጦን ኣብ ዝፋን ልብና ነግዝኦን ኣለና። ካብ ከም’ዚ ዝበለ ኣዕናዊ ምርጫ ኽንድሕን እንተ ዄንና፡ ንኣካላትና ናይ ኣምላኽ ኣጽዋር ጽድቅን ቅዱስ መቕደስን ጌርና ኽንውፍዮ ይግባእ።
2ይ. ምእንትኡን ንኽብሩን ኢልና ጥራሕ ምንባር’ዩ፦
ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ርእስኻ ንኣምላኽ ምቕዳስ ወይ ምፍላይ’ዩ። ንዝኣመነ ይኹን ንዘይኣመነ፡ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ንዚነብር ኵሉ ሰብ፡ ክርስቶስ በቲ መሪር መስዋእቱ ብዘፍስሶ ኽቡር ደሙ ዓዲግዎ’ዩ (1ቈረ 6፡19,20፣ ገላ 3፡13,14፣ ራእ 5፡9,10)። ስለ’ዚ ንገዛእ ርእስና ኽንነብር ዜኽእለና ዝዀነ ይኹን ሕጋዊ መሰል የብልናን። እንተ ወዓልናዮ ኸኣ ዓመጽን ዕልወትን ይቝጸረልና፡ እቲ ዚግብኣና ፍዳ ድማ ንቕበለሉ። ይትረፍ ንርእስና ኢልና ኽፉእ ክንገብር፡ ንርእስና ኢልና ጽድቅን ሰናይ ግብርን ክገብርን’ውን ኣይፍቀደናን’ዩ። እቲ ሃዋርያዊ ቓል’ውን ከምኡ’ዩ ዚእዝዘና።
“ካባናስ ሓደ’ኳ ንርእሱ ኢሉ ዝነብር የልቦን’ሞ፡ ንርእሱ ዚመውት ከኣ ሓደ’ኳ የልቦን። ብህይወት እንተ ነበርና፡ ንጐይታ ኢና እንነብር፡ ወይስ እንተ ሞትና፡ ንጐይታ ኢና እንመውት’ሞ፡ ብህይወት እንተ ነበርና ወይስ እንተ ሞትና፡ ናይ ጐይታ ኢና። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ክርስቶስ ጐይታ ምዉታትን ህያዋንን ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ዝሞተን ህያው ዝዀነን።” ሮሜ 14፡7-9
“ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘለዉ ነቲ ምእንትኦም ዝሞተን ዝተንስአን’ምበር፡ ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ፡ ንሱ ኣብ ክንዲ ዅላቶም ሞተ።” 2ቈረ 5፡15
“ንኣይሁድ ኰነ ንጽርኣውያን፡ ወይስ ንማሕበር ኣምላኽ ኰነ መዓንቀፊ ኣይትኹኑ።” 1ቈረ 10፡31
ይትረፍ ንሓጢኣትን ጽድቅን ዚምልከት ዓበይቲ ጕዳያት፡ ዋላ’ቲ ተራ መሰረታዊ ድልየታትና (ምግብን፡ ልብስን፡ ወዘተን)’ውን ምእንትኡን ምእንቲ ኽብሩን ኢልና ኽንገብሮ ጥራሕ’ዩ ዚግባእ። ስለ’ዚ ድማ ኢና እንገብሮ ዝዀነ ይኹን ተግባር “ብስም ጐይታና ኢየሱስ ግበርዎ” ተባሂልና ዝተኣዘዝና (ቈሎ 3፡17)። ምእንትኡ ኢልካ ዘይትገብሮ ነገር፡ ብስሙ እትገብረሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የለን።
3ይ. ብዛዕባ ዅሉ ኣባና ዚፍጽሞ ተግባሩ ምምስጋንን ምውዳስን’ዩ።
ንኣምላኽ ብዛዕባ መንነቱ ምውዳስ፡ ብዛዕባ ዝገበሮ ድማ ምምስጋን፡ ናይ ምቕዳስ ተግባር’ዩ። ኣብ’ቲ ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያን ዝተሰርዐ ናይ ኣምልኾ ስርዓት ተረኺብካ “ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ” እናበልካ ምውዳስ ንጐይታ ምቕዳስ’ዩ። ኣብ ናይ ስድራ ቤት መንፈሳዊ መደባት፡ ኣብ ናይ ውልቅኻ መንፈሳዊ መደባት’ውን፡ ንኣምላኽ ምውዳስን ምቕዳስን ግቡእ’ዩ። ነዚ ድማ ብጸሎት ብመዝሙር ኢና እንፍጽሞ። ከም’ቲ ቅዱስ ዳዊት ኣብ መዝ 66፡16 ኢልዎ ዘሎ ድማ ብዛዕባ’ቲ ኣምላኽ ዝገበረልካ ብዙሕ ሰናይ ግብርታት ንሰባት ብምምስካር ንስሙ ክትቅድሶ ክትባርኾ ግቡእ’ዩ። ከም’ዚ ዘመሰለ ቅዱስ ልማድ ኣብ ስድራ ቤታትን ውልቀ ሰባትን፡ ከም ዚሰርጽ ምግባር ናይ ኣበ-ነፍሲ ካህናት መንፈሳዊ ሓላፍነት’ዩ። እቶም ብኸም’ዚ ንጐይታኦም ኣብ ህይወቶም ዚቕድስዎ፡ ብትንሳኤ ሙታን ኣብ የማን ኣምላኽ ቈይሞም ኣኽሊል ክብርን ጽድቅን ህይወትን ደፊኦም ኣብ ዝፋን ክብሪ ተቐሚጦም ንኣምላኾም ኪውድሱን ኪቕድሱን ኪባርኹን ኪነብሩ’ዮም። እምበኣር ከም ደቂ ትንሳኤ መጠን ብቓልናን ብግብርናን ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወትና ንቕድሶ ምህላውና ነረጋግጽ። ነቲ ዘሎና ኣዕዚዝና፡ ነቲ ዝጐደለና ድማ መሊእና ናይ ኣድማሳዊ ክህነት ኣገልግሎትና ንኣምላኽ ብዜስምሮን ብዜኽብሮን ኣገባብ ንፈጽም!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
ሚያዝያ 29, 2015 ግዕዝ (7 ግንቦት 2023 ፈ [መበል 35 ሰንበት: ቊ.፵፫/43, 2023] ) |
||
ምስባክ መዝ. ፫፡፭,፮ “አንሰ ሰከብኩ ወኖምኩ። ወተንሣእኩ እስመ እግዚአብሔር አንሥአኒ። ኢይፈርህ እምአእላፍ አሕዛብ።” “ተገምሰስኩ ደቀስኩ’ውን፡ እግዚኣብሄር ይድግፈኒ ኣሎ’ሞ ነቓሕኩ። ነቶም ዚኸቡኒ ኣእላፋት ኣህዛብ ኣይፈርሆምን’የ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
ቈሎ 3፡1-11 |
ዲያቆን |
|
1ጴጥ 3፡15-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 13፡26-42 |
ንፍቅ ካህን |
|
ሉቃ 24፡33-40 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ፦ ዘዲዮስቆሮስ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ