“እቲ ዘለኽዎ ግና ብጸጋ ኣምላኽ’የ ዘለኹ። ካብ ኵላቶም ዚበዝሕ ደኣ ጸዓርኩ’ምበር፡ እቲ ንኣይ እተዋህበ ጸጋኡ ኸንቱ ኣይኰነን። እቲ ምሳይ ዘሎ ጸጋ ኣምላኽ ደኣ’ዩ’ምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን።” 1ቈረ 15፡10
እዚ ሰንበት’ዚ ድሕሪ ትንሳኤ ሳልሳይ ሰንበት’ዩ። ነዚ ዕለት’ዚ ብሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያን ኪዝመር ዝተሰርዐ መዝሙር ቤተ ክርስትያንና ኸኣ “ወበእሑድ ሰንበት ጌሠት ማርያም መግደላዊት” ዚብል’ዩ። ማርያም መግደላዊት ኣብ’ታ ጐይታ ዝተንስኣላ ሰንበት ናብ መቓብር ጐይታ ኸም ዝኸደት ዜመልክት መዝሙር ድማ’ዩ። እቲ በዚ መዝሙር’ዚ መሰረት ዝተሰርዐ ናይ ዮሃ 20፡1-18 ንባብ ቅዱስ ወንጌል ከኣ ነዚ ዝተጠቕሰ ዛንታ ዚትርኽ’ዩ።
እዚ ነዚ ዕለት’ዚ ተመዲቡልና ዘሎ ኣርእስቲ፡ ካብቲ ናይ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ መልእኽቲ ዝተወስደ’ዩ። ጸጋ ኣምላኽ ኣብ ናይ ህይወትና ዅለንተና ብዛዕባ ዘለዎ ተራ ዜመልክተና ድማ’ዩ። ኣብ’ዚ ሎሚ ዝተነበበልና መበል 15 ምዕራፍ ናይ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቈረንቶስ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ትንሳኤ ጐይታናን ትንሳኤናን ኣዝዩ ሰፊሕን ዓሚቝን ኣስተምህሮ ሂቡ’ሎ። ኣብ’ታ ብብዙሕ ጻዕርን ገድልን ዝመስረታ ቤተ ክርስትያን ገሊኦም “ትንሳኤ ሙታን የልቦን” ካልኦት ከኣ፡ “ትንሳኤ ቕድሚ ሕጂ ዀይኑ’ዩ” ዚብሉ ስሑታትን መስሓትትን ሰባት ተላዒሎም ነበሩ። ነዚኣቶም መልሲ ኺህብ ምስ ኣንቀደ፡ ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስ መርትዖታት ዘርዘረ። ካብ’ቶም እሙናት መሰኻኽር ናይ ትንሳኤ ክርስቶስ ሓደ ድማ፡ ንሱ ባዕሉ ነበረ። ንሱ ኻብ’ቶም ድሕሪ ትንሳኤኡ ንጐይታና ብዓይኖም ዝረኣይዎ ሰባት ሓደ’ዩ። ኵላቶም እቶም ንሱ ዝዘርዘሮም ንጐይታ ዝረኣይዎ ሰባት፡ ቅድሚ ምዕራጉ ዝረኣይዎ’ዮም። እቲ እንኮ ድሕሪ ዕርገቱ ዝረኣዮ ምስክር ግና ንሱ ሃዋርያ ጳውሎስ’ዩ። ብዛዕባ’ቲ ንጐይታ ድሕሪ ትንሳኤኡ ብዓይኑ ናይ ምርኣይ ክብሪ ምርካቡ ኣመልኪቱ ኺዛረብ ከሎ ድማ፦
“ድሕሪ ዅላቶም ድማ ንኣይ፡ ቍላዕ ንዝመስል፡ ተራእየኒ። ኣነስ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ስለ ዝስጐጕክዋ፡ ምንኣስ ኵሎም ሃዋርያት’የ’ሞ ሃዋርያ ኽስመይ ብቑዕ ኣይኰንኩን።” ብምባል ብትሕትና ተኣመነ (1ቈረ 15፡8,9)። ብድሕሪ’ዚ’ዩ ነቲ ኣብ መሪሕ ጥቕስና ዘሎ ቓል ዝጸሓፈ። ሓቀኛን ኣርኣያውን ተኣምኖ ኸኣ’ዩ። ብጸጋ ኣምላኽ ነይሩ እንተ ዘይከውን፡ ንክርስቶስን ንቤተ ክርስትያኑን ዘሳደደ ሰብ፡ ከመይ ኢሉ ሃዋርያ ኪኸውን ምበቕዐ፧ ጐይታና ኻብ ዓመጸኛ ኣሳዳዲ ናብ ሃዋርያ ኺልውጦ ምስ ኣንቀደ፡ ሰባኺ ኪሰድደሉ ዘይኰነስ፡ ባዕሉ ብኣካል ኪረኣዮ ደኣ መረጸ። በቲ ንኻልኦት ሃዋርያት ዝተራእየሉ ተራ ሰብ መሲሉ ዘይኰነስ፡ ብመለኮታዊ ኽብሩ ብጸዳል ብርሃን ተራእዮ። ካብኡ ዝተላዕለ ድማ ምርኣይ ክሳዕ ዚስእን ኣዒንቱ ዖረ። ንዜሳድዶ ዜፍቅር ጐይታ ረኺቡ ኸኣ ህይወቱ ተለወጠ። ነቲ ኣዝዩ ዚጸልኦ ጐይታ፡ “እንታይ ክገብር ትደልየኒ ኣለኻ፧” ኢሉ ርእሱ ንተኣዝዞ ድሉው ገበረ። ካብ’ዛ ዕለት’ዚኣ ጀሚሩ መዳርግቲ ብዘይርከቦ ጻዕሪ ንጐይታኡ ኣኽበረ። መጠን-ኣልቦ ፍረ ድማ ፈረየ። ብኸመይ ነዚ ጻዕርን ፍረን’ዚ ኸም ዝተዓወተሉ ኺገልጽ ከሎ ድማ’ዩ፡ “ብጸጋ ኣምላኽ’የ ዘለኹ” ኢሉ ዝተኣመነ። ኣብ መንጎ ሰብን ኣብ መንጎ ጸጋን ኪህልው ዚግብኦ ዝምድናን ኪዳንን ኣዝዩ ፍሉይ’ዩ። እቲ ጸጋ ነቲ ሰብ የኽእሎ፡ እቲ ሰብ ከኣ ነቲ ጸጋ የኽብሮ። እቲ ምስ ጸጋ ናብ ከም’ዚ ዝበለ ዝምድና ዘይኣተወ ሰብ፡ ናይ ፍሽለትን ውድቀትን ታሪኽ’ዩ ዚሃንጽ።
ጸጋ ማለት እንታይ ማለት’ዩ፧ ጸጋ ዚበሃል፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ ከም ነጻ ህያብ እንቕበሎ ዅሉ’ዩ። ንጸጋ ጸጋ ዚገብሮ፡ ተገቢኡናን በቒዕናዮን ዘይኰነስ፡ ከይተገብኣና ብኸምኡ ብሕያውነቱ ዚህበና ምዃኑ’ዩ። ካብ ኣምላኽ ተቐቢልናዮስ፡ “ጸጋ” ዘይበሃል ዋላ ሓንቲ ነገር የልቦን። ኣብ መንጎ ህያባት “መንፈሳዊ፡ ስጋዊ” እናበልካ ኽትከፋፍሎ ዜጸግምን ዘይግባእን’ኳ እንተ ዀነ፡ ንኣና ንስጋውያን ሰባት ምእንቲ ኺርድኣና ግና፡ ከም ኣዘራርባ ሰብ ጌርና፡ ብኸምኡ ኽንገልጾ ንኽእል ኢና። ካብ ኣምላኽ እንቕበሎ መንፈሳዊ ጸጋታት ብዙሕ ኰይኑ፡ ኵሉ ምስጢራት፡ ምሕረት፡ ቃል ኣምላኽ፡ ወዘተ ዜጠቓልል’ዩ። ስጋዊ ጸጋታት እንብሎ ድማ ኵሉ መሰረታዊ ድልየታት (ምግቢ፡ ልብሲ፡ መጽለሊ)፡ ጥዕና ስጋ፡ ውሉድ፡ መጻምድቲ፡ ስራሕ፡ ሞያ፡ ትምህርቲ፡ ወዘተ ዜጠቓልል’ዩ። ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ብህይወት ምንባር ንርእሱ፡ ኣምላኽ ጥራሕ ኪህበና ዚኽእል ዝዓበየ ጸጋ’ዩ። ስለ’ዚ ጸጋ፡ ሓደ ርእሱ ዝኸኣለ ፍሉይ ነገር ዘይኰነስ፡ ኵሉ’ቲ ኻብ ኣምላኽ እንቕበሎ ምድራውን ሰማያውን ህያባት ዜጠቓልል ምዃኑ ብሩህ’ዩ።
“ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም” ማለት፡ “ድሕነት ብኸምኡ (ብነጻ) ተዋህበኩም” ማለት’ዩ’ምበር ካልእ ኣይኰነን (ኤፌ 2፡5,8,9)። “ከም ብዋልታ ብጸጋ ትኸብቦ” ማለት ድማ “ትሕልዎ” ማለት’ዩ (መዝ 5፡12)። እቶም ከቢቦም ዚሕልዉ ቅዱሳን መላእኽቲ ኪዀኑ ይኽእሉ’ዮም፡ እቲ ብኣታቶም ዚግበር ሓለዋ ኸኣ ናይ ኣምላኽ ጸጋ’ዩ። “ጸጋ ኣብ ከናፍሩ ዘለዎ ሰብ” ወይ ከኣ “ዘረባኹም ብጨው እተቓመመ ዅሉ ሳዕ ብጸጋ ይኹን” ማለት፡ ጥዑምን ጥዑይን ሃናጽን ዝዀነ ዘረባ ዚዛረብ ምዃን ዜመልክት’ዩ (ምሳ 22፡11 ፣ ቈሎ 4፡6)። ስለ’ዚ እቲ ኻብ ኣፍና ዚወጽእ ጽቡቕ ቃላት፡ ንርእሱ ጸጋ’ዩ። እቲ ነዚ ጸጋዊ ቓላት ዝሰምዐ ሰብ ድማ፡ ካብ ኣምላኽ ጸጋ ኸም ዝተቐበለ ኺርዳእ ይግብኦ። ምኽንያቱ ኻብ ጸጋ ኣምላኽ ዘይኰነ ዝዀነ ይኹን ጽቡቕ ነገር የልቦን።
ኵሉ’ቲ እነንጸባርቖ ጽቡቕ ባህርይን ግብርን ካብ ገዛእ ርእስና እንገብሮ ዘይኰነስ፡ ብጸጋ ኣምላኽ እንገብሮ’ዩ። ጸጋ፡ ዜኽእል ሓይሊ ናይ ኣምላኽ’ዩ። ሓደ ሰብ፡ ንቓል ኣምላኽ ተኣዚዙ ብእምነታዊ ትዕግስቲ ኺዕገስ ከሎ፡ እቲ ዜኽእል ሓይሊ-ጸጋ ኣብኡ ተገሊጹ’ሎ ማለት’ዩ። ትሕትና፡ ምሕረት፡ ሕያውነት፡ ርእስኻ ምግታእ፡ ይኣኽለኒ ምባል ወዘተ ዅሉ፡ ጸጋ ኣምላኽ’ዩ። ብዘይ ናይ ጸጋ ኣኽኣልነት ኪግበር ዘይክእል ተወራሲ መለኮታዊ ባህርያትን ግብርታትን’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ጐይታና፡ “ብጀካይ ሓንቲ’ኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም” ዝበለና (ዮሃ 15፡5)። ነብዪ ኤርምያስ ስጋ-ለበስ ሰብ ኣካይዳኡ ኬቕንዕ ዝዀነ ይኹን ዓቕሚ ኸም ዘይብሉ ብግሩም ቃላት ተኣሚኑ ኣሎ።
“ጐይታየ፡ መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ፡ እቲ ዚመላለስ’ውን ስጕምቱ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዘይብሉ፡ እፈልጥ ኣለኹ።” ኤር 10፡23
ኣብ ኣምላኽ ናይ ምውካል ኣገዳስነት ድማ ኣብ’ዚ’ዩ ዚገሃድ። ኣብኡ ኽንውከል ከለና፡ በቲ ዜኽእል ጸጋኡ ኺድግፈና ብድኻምና ንእመን ኣለና ማለት’ዩ። ኣብ ኣምላኽ ተወኪልና ማለት ኣብ ጸጋ ኣምላኽ ተወኪልና ማለት’ዩ። ቅዱስ ዳዊት ኣብ ጸጋ ኣምላኽ ብምውካል እቲ ዝለዓለ ኣርኣያና’ዩ። “ኣነ ግና ኣብ ቤት ኣምላኽ ከም ልምዕቲ ኣውሊዕ’የ፡ ኣብ ጸጋ ኣምላኽ’ውን ንዘለኣለም ኣለም እውከል።” መዝ 52፡8
ከመይ ዝበለ ዕሉምን ጅግናን ወተሃደር ክነሱ፡ እዚ ዅሉ ካብ ኣምላኽ ዝተዋህቦ ጸጋ’ምበር፡ ካብ ርእሱን ናቱን ከም ዘይኰነ ይእመን ነበረ። ነቲ ኣብ ናይ ጸበባ እዋን ካብ ኣምላኽ ዝተቐበሎ ዜኽእል ጸጋ ድማ ብዜገርም መገዲ ይእመነሉን ይምስክረሉን ነበረ።
“ንመብራህተይ ተድምቖ ኢኻ’ሞ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ንጸልማተይ የብርሆ’ዩ። ብኣኻ ንሰራዊት እጥሕሶ’የ’ሞ፡ ብኣምላኸይ’ውን ንቐጽሪ እዘልሎ። . . .እቲ ሓይሊ ዜዕጥቐኒ፡ ንመገደይ ከኣ ዜቕንዓ ኣምላኽ(‘ዩ)። ንሱ ነእጋረይ ከም ናይ እራብ ይገብረን። ኣብቲ በሪኽ ቦታይ የቝመኒ። ንሱ ነእዳወይ ውግእ፡ ንቐላጽመይ ድማ ምግታእ ቀስቲ ኣስራዚ ዘልመደን’ዩ። ዋልታ ምድሓንካ ድማ ሂብካኒ፡ የማነይቲ ኢድካ’ውን ደጊፋትኒ፡ ሕያውነትካ ድማ ዓብዪ ገይሩኒ። ኣእጋረይ ከይሰናኸላስ፡ ንመገደይ ኣብ ትሕቲ ስጕምተይ ተርሕባ ኢኻ።. . . ንውግእሲ ሓይሊ ኣዕጢቕካኒ፡ ንተቓወምተይ ኣብ ትሕተይ ኣድኒንካዮም፡ ዝባን ጸላእተይ ከኣ ሂብካኒ። . . .እቲ ሕነ ዚፈድየለይ፡ ነህዛብ’ውን ዜግዝኣለይ፡ ካብ ጸላእተይ ዜውዕለንስ ኣምላኽ’ዩ፡ እወ፡ ኣብ ልዕሊ ተጻረርተይ ልዕል እተብለኒ፡ ካብቲ ዓመጸኛ ሰብ እትባልሃኒ ንስኻ ኢኻ።” መዝ 18፡28-48
ኣብ’ዚ ናይ ንጉስ ዳዊት መዝሙር፡ ንሱ ንርእሱ ዝሃባ ዝዀነት ትኹን ክብሪ (credit) የላን። ኵሉ’ቲ ኣብ ኢዱ ዝሰለጠ ዘበለ፡ ብቑዕ ኰይኑ ባዕሉ ዝገበሮ ዘይኰነስ፡ እግዚኣብሄር ብኸምኡ ዝሃቦ ጸጋ ምዃኑ ጥራሕ’ዩ ተኣሚኑ። ንኣምላኽ ዘይፈርህ ዝዀነ ኻልእ ሰብ፡ እዘን ንጉስ ዳዊት ዝረኸበን ኵለን ዓወታት እንተ ዚረክብ፡ ብትዕቢት ተነፊሑ ርእሱ ኣብ ምውዳስ ምተጸምደ’ምበር፡ ነዚ ዳዊት ዝበሎ ኣይምበለን ነይሩ። እቲ ዘርዚርዎ ዘሎ ዅሉ ናይ ኣምላኽ ጸጋታት’ዩ። ንሱ ጥራሕ ከኣ ኣይኰነን። ዋላ’ቲ ንዅሉ ብጸጋ ኣምላኽ ከም ዝረኸቦ ዝተኣመኖ ንጹህ ምእማን’ውን ንርእሱ ኣዝዩ ዓብዪ ጸጋ’ዩ። ምኽንያቱ ናይ መብዛሕትና ኣበሳ ንሱ’ዩ። ንዅሉ’ቲ ብጸጋ ኣምላኽ ዝተገብረልናን ዝረኸብናዮን፡ ጸጋ ምዃኑ እነስተውዕለሉን እንእመነሉን ጊዜ ኣዝዩ ውሑድን በጻብዕ’ኳ ዘይቍጸርን’ዩ። ብዛዕባ ሰሪሕና ዝረኸብናዮ ገንዘብ፡ ካብ “እግዚኣብሄር ዝመገበኒ ጸጋ’ዩ” ኽንብል፡ “መዓልትን ለይትን ሰሪሐ፡ ካዕበት ርሂጸ ዘጥረኽዎ ገንዘብ’ዩ” ኽንብል’ዩ ዚቐልለና። ከነዕልል ከለና፡ ብዛዕባ ዝተገብረልና ኽንምስክር ከለና’ኳ ኸይተረፈ፡ ካብ ግደ ናይ ኣምላኽን ናይ ጸጋኡን ንላዕሊ፡ ነቲ ናትና ግደ ብዝበለጸ እናጕላሕና ኢና እንዛረብ። እዚ “ብጸጋ ኣምላኽ’የ ዘለኹ” ዚብል ኣርእስቲ ኽንመሃር ዘድለየና ኸኣ፡ ካብ’ዚ ዘየባትኽ ዝውቱር ኣበሳ ርእስና ምእንቲ ኸነንጽህ’ዩ።
መልእኽቲ ናይቲ ንጸጋኡ ኣፍልጦን ክብርን ናይ ዘይምሃብ እንታይ’ዩ፧ ቀዳማይ መልእኽቱ ንዕቀት’ዩ። ነቲ ቐንድን እንኮን ገባሪ ናይ’ቲ ዝገበርናዮ ስራሕ ወይ ዝረኸብናዮ ውሬታ ኣፍልጦ ካብ ዘይምሃብ ዚኸፍእ ንዕቀትን ምቅላልን ኪህልው ኣይክእልን’ዩ። እግዚኣብሄር ማእለያ ዘይብሉ መስተንክርን ግሁድን ተኣምራት እናገበረ ካብ ግብጺ ኣውጺኡ ኪጓስዮም እናረኣዩ፡ እስራኤላውያን ነቲ ጸጋኡ ኣፍልጦ ኺህብዎ ፈጺሞም ኣይደለዩን። እግዚኣብሄር ነቲ እዚ ተግባሮም’ዚ ናብኡ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ኺገልጽ ከሎ፦
“እዚ ህዝቢ’ዚ ኽሳዕ መዓስ’ዩ ዚንዕቀኒ፧ ክሳዕ መዓስከ’ዮም በቲ ዅሉ ኣብ ማእከሎም ዝገበርክዎ ትእምርትታት ዘይኣምኑኒ፧ ብፌራ ኽወቕዖምን ከጥፍኦምን’የ . . .።” በለ (ዘሁ 14፡11,12)። ብርግጽ ንዕቀቶም፡ “ኣምላኽ እንታይ ዓቕሚ ኣለዎ፧ እንታይከ ገይሩልና ይፈልጥ፧” ብምባል ብግሁድ ቃላት ኣይገለጽዎን። ብኸምዚ ዝተጠቕሰ ታሪኽ ብዘይ ምእማን ብመሪር ምጕርምራም ንመላለስ እንተ’ሊና ግን እቲ ዝኸፍአ ንዕቀት’ዩ። ነብዪ ሙሴ እስራኤላውያን ምስ ኣጕረምረሙሉ ኣዝዩ ጐሃየ። እግዚኣብሄር ስጋ ኸም ዚህቦም ኣረጋጊጹ ድሕሪ ምንጋር ከኣ፡ ከም’ዚ ዚስዕብ በሎም፦
“ንጽባሕ ተቐደሱ፡ ስጋ ኽትበልዑ ኢኹም፡ “እንበልዖ ስጋ መን ኪህበና’ዩ፡ ኣብ ግብጺ ጽቡቕ ነበርና” እናበልኩም ምብካይኩም ኣብ እዝኒ እግዚኣብሄር ተሰሚዑ’ዩ’ሞ፡ እምበኣር እግዚኣብሄር ስጋ ኺህበኩም’ዩ፡ ክትበልዑ ኢኹም። ሓደ መዓልቲ፡ ክልተ መዓልቲ፡ ሓሙሽተ መዓልቲ፡ ዓሰርተ መዓልቲ ወይ ዕስራ መዓልቲ ኣይኰነን እትበልዑ። ብኣፍንጫኹም ክሳዕ ዚወጽእ’ሞ ክሳዕ እትመንውዎ ወርሒ ምሉእ’ምበር። እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ እግዚኣብሄር ስለ ዝነዓቕኩምዎን፡ ‘ስለምንታይ ካብ ግብጺ ወጻእና፧’ እናበልኩም ኣብ ቅድሚኡ ስለ ዝበKeኹምን’ዩ።” ዘሁ 11፡18-20
እምበኣር ምጕርምራም’ውን ነቲ ድሮ ዝተቐበልካዮ ጸጋን ንእግዚኣብሄር ብቐንዱን ምንዓቕ’ዩ።
ንጸጋ እግዚኣብሄር ኣፍልጦ ናይ ዘይምሃብ ካልኣይን ክፉእን መልእኽቲ ኸኣ ክሕደት’ዩ። ብናይ ጸጋ ኣኽኣልነት ንዝገበርካዮ ነገር፡ ባዕልኻ ከም ዝገበርካዮ ዄንካ ክትዛረብን ኪስምዓካን እንተ ጀሚሩ፡ ናብ ግሁድን ውጹእን ክሕደት (ጥልመት) ኣቲኻ’ለኻ ማለት’ዩ። በዚ ሓጢኣት’ዚ ዘይፍተንን ዘይወድቕን ሰብ ዳርጋ የብልናን። ከም’ቲ ብዛዕባ ጻጸን ሓርማዝን ዚዝረብ ኣፍሪቃዊ ጽዋ ኽንገብር ኢና እንነብር። ሓደ ሓርማዝ እናተጓዕዘ ኸሎ፡ ሓደ ደቂቕ ጻጸ ኣብ ዝባኑ ነይሩ ይበሃል። እቲ ጻጸ ኣብ ዝባኑ ኸም ዘሎ ዋላ ነቲ ሓርማዝ’ኳ ፈጺሙ ኣይተፈለጦን ነበረ። ብሓንቲ ብዕንጸይቲ ዝተሰርሐት ድንድል (ቢንቶ) ኺሰግሩ ኸለዉ ድማ፡ ካብ ክብደት ናይ’ቲ ሓርማዝ ዝተላዕለ እቲ ድንድል ኣንቀጥቀጠ። ብዛዕባ’ቲ ምንቅጥቃጥ እቲ ሓርማዝ ዋላ ሓንቲ ኸይተዛረበ፡ እቲ ኣብ ዝባኑ ዝነበረ ጻጸ፡ “ነዚ ድንድል’ምበር ኣንቀጥቂጥናዮ” ኢሉ ተጃህረ ይበሃል። ንሕና’ውን ኵሉ ነገርና ብጸጋ ኣምላኽ ዚፍጸም ክነሱ፡ ንዅሉ ባዕላትና ኸም ዝገበርናዮ ጌርና እናሓሰብናን እናተዛረብናን፡ ከም’ዚ ናይ’ዚ ጻጸ ብባዶ ጃህራ እንሓጥኣሉ መዓልታት ብዙሕ’ዩ። ወፊርካ ሰሪሕካ ምእታው ከም ሓንቲ ዝቐለለት ኣብነት ወሲድና ኽንርእያ ንኽእል ኢና። ነቲ ለቢስናዮን እንሰርሓሉን ዘለና ኣካላት ዝፈጠሮን ዋናኡን እግዚኣብሄር’ዩ። እታ እንነብረላ ዘለና ህይወት ብቐንዳ ናቱን ካብኡን’ያ። እቲ ሞያን ጕልበትን ናይ ስራሕ ዕድልን፡ ካብቲ ናይ ስራሕ ቦታ ዀነ ካብ መገዲ ብደሓን ምምላስን፡ እትሰርሓሉ ጥዕና ምርካብን፡ ወዘተ ዅሉ፡ ናይ እግዚኣብሄር ነጻ ህያብ ክነሱ፡ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ብዝርዝር ሓሲብካ ንጸጋ ኣምላኽ ምልላይን ብዛዕባኡ ንኣምላኽ ክብሪ ምሃብን ፈጺምና ዘይንሓስቦ’ዩ። ብዛዕባ’ዚ ዅሉ፡ “ብጸጋ ኣምላኽ ዝገበርክዎን ዝረኸብክዎን’ዩ” ኣይንብልን ኢና። እንተ በልና’ኳ ሳሕቲ’ዩ ዝመልቈና። እንተ በልናዮ’ውን ንስለ መማቕርቲ-ልሳን’ምበር ልባዊ ኣይኰነን።
ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር፡ ይትረፍ ነቲ ብኣርኣያኡ ዝተፈጥረ ሰብ፡ ንዅሉ ፍጥረት ዚምግብ በይኑ እግዚኣብሄር’ዩ። ይትረፍ ነቲ ብመልክዑን ምስሉን ዝተፈጥረ ሰብ፡ ንዕምበባ መሮር ከይተረፈ ዜልብስ ንሱ’ዩ። “ብጸጋ ኣምላኽ እምገብ እለብስ ኣለኹ” ገዲፍካ፡ “ብጕልበተይ ብርሃጸይ እምገብ ኣለኹ” ኢልካ ምሕሳብን ምዝራብን ክሕደት እንተ ዘይኰይኑ ደኣ እንታይ ካልእ ክሕደት ኣሎ፧ ንህዝቡ ኻብዚ ሓጢኣት’ዚ ምእንቲ ኼድሕኖም ከኣ ብኸምዚ ዚስዕብ መዓዶም።
“በሊዕካ ምስ ጸገብካን ጽቡቓት ኣባይቲ ሰሪሕካ ምስ ተቐመጥካየንን፡ ኣሓኻን ኣባጊዕካን ምስ ሰሰና፡ ብሩርን ወርቅን ከኣ ምስ በዝሓልካ ዘሎካ ዅሉ ድማ ምስ በዝሐ፡ ሽዑ ልብኻ ከይዕበይ’ሞ፡ ነቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ቤት-ባርነት ዘውጽኣካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ከይትርስዕ፡ በቲ ዚነድዱ ኣትማንን ዕንቅርቢታትን ዘለዉዎ፡ ማይ ብዘይብሉ ኣጻምእን ብገፊሕን ዜፍርህን በረኻ ዝመርሓካ፡ ካብ ጽኑዕ ከውሒ ማይ ዘውጽኣልካ፡ ኣብ በረኻ ኣቦታትካ ዘይፈለጥዎ ማና ዘብልዓካ፡ . . .ብልብኻ “ሓይለይን ጽንዓት ኢደይን ነዚ ዅሉ ሃብቲ ደለበለይ”ንኸይትብል’ዩ። ከም’ዚ ናይ ሎሚ ነቲ ነቦታትካ ዝመሓለሎም ኪዳን ምእንቲ ኬቕውም፡ ሃብቲ ኽትድልብ ሓይሊ ዚህበካስ፡ ንሱ’ዩ’ሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዘክር።” ዘዳ 8፡12-18
ስለ’ዚ ብዛዕባ’ቲ እግዚኣብሄር ዘጸገወካ ዅሉ ነገራትን ኣሳልጦታትን ልባዊ ኣፍልጦ ዘይምሃብ ናይ ልባዊ ትዕቢት ነጸብራቕ ምዃኑ የመልክተና ኣሎ። ካብ’ዚ መርዛም ትዕቢት’ዚ ርእስና ኸነድሕን እንተ ዄንና’ምበኣር፡ ነዚ “ብጸጋ ኣምላኽ’የ ዘለኹ” ዚብል ርድኢትን ቋንቋን ክንውንኖን ክንመልኮን ኬድልየና’ዩ። ብዛዕባ’ቲ ኣብ ሕሉፍን ህሉውን መጻእን ጊዜ እንረኽቦን እንገብሮን ኵሉ፡ ኣብ ጸጋ ኣምላኽ ክንውከል፡ ምስ ኰነ ኸኣ ብጸጋ ኣምላኽ ከም ዝዀነልና ኽንእመን ፍቓደኛታት ብምዃን ካብ’ዚ ንልቢ ኣምላኽ ዚሰብር ሓደገኛ ኣበሳ ርእስና ኸነንጽህ ይግብኣና።
ሳዕቤን ናይ’ዚ ንጸጋ ኣምላኽ ኣፍልጦ ዘይምሃብካ እንታይ’ዩ፧ ብዛዕባ’ቲ ኣብ መንፈሳውን ስጋውን ናብራና ዚግለጽ ኵሉ ጸጋታት-ኣምላኽ ቅኑዕ ርድኢትን መርገጽን ዘይብልና ምዃን ንብዙሕን ከቢድን ሓጢኣት’ዩ ዜቃልዓና። ብዓብዩ ነቲ ልዕል ኢልና ዝጠቐስናዮ ንዕቀትን ክሕደትን ትዕቢትን እንተ ኣቃሊዑና፡ እንታይ ተሪፉና፧ እዚ ኣበሳታት’ዚ’ኮ ናብ ገሃነም ዚነቝተና ኸቢድ ኣበሳታት’ዩ። ብእኡ ጥራሕ ከይተደረተ ኸኣ፡ ካልእ ብዙሕ ኣበሳታት’ውን ይውስኸልና’ዩ። ንኣብነት ናይ ሃብቲ ጸጋ እንተ ተዋሂቡና’ሞ፡ ብሕድሪ ዝተዋህበና ጸጋ ምዃኑ እንተ ዘይፈሊጥና፡ ብስስዐ፡ ብንፍገት፡ ብግፍዒ ኸነመሓድሮ ንቕሰብ ኢና። ከም’ቲ ብዕሽነቱ ዝተመስከረሉ ሃብታም ሰብኣይ፡ ናብ ምኽዛኑ ጥራሕ ነድህብ (ሉቃ 12፡13-21)። ከም’ቲ ንኣልኣዛር ዝበደለ ሃብታም ሰብኣይ፡ ንድኻታት ብዘይ ምክፋል ብንፍገት ነመሓድሮ (ሉቃ 16፡19-31)። ከም’ቶም ሃዋርያ ያእቆብ ዝጠቐሶም ሃብታማት ድማ ኣብ ትሕቴና ንዘለዉ ሰራሕተኛታት ንገፍዓሉ (ያእ 5፡1-6)። ብትሕዝቶና ንጽጉማት ናይ ምርዳእ ጸጋ እንተ ተዋሂቡና፡ ብዛዕባኡ ንኣምላኽ ኣመስጊንና ብሕቡእ ኣብ ክንዲ ንገብሮ፡ ሰባት ርእዮም ምእንቲ ኺንእዱና ብቓልዕ ነዘውትሮ፡ ናይ ሰባት ናእዳ ፈጺሙ ስለ ዘየዕግበና ኸኣ ብገዛእ ኣፍና ንርእስና ኽንንእድን ሕያውነትና ኸነውርይን ንውዕል። እዚ ዅሉ ኸኣ እቲ ዚምቀል ትሕዝቶ ዀነ እቲ ናይ ምክፋል ተግባር ናይ ኣምላኽ ጸጋ ምዃኑ ኻብ ምኽሓድና ዝተላዕለ ዚመጽእ ለካሚና ኣበሳ’ዩ። እግዚኣብሄር ብዝሃበካ ትሕዝቶን ተልእኾን ናብ ሓጢኣት ካብ ምውዳቕ ዚኸፍእ እንታይ ካልእ ወጽዓ ኣሎ፧ “ብጸጋ ኣምላኽ’የ ዘለኹ” ናይ ዘይምባል ኣሉታዊ ሳዕቤን’ምበኣር፡ ኣዝዩ ብዙሕን ክፉእን’ዩ።
እቲ ዝኸፍአ ሳዕቤን ግና ኣብ ጊዜ ምጽኣት ጐይታን ትንሳኤ ዘጕባኤን’ዩ ዚገሃድ። ጐይታ ብድምጺ መለኸት ምስ ተገልጸ፡ እቲ በስቢሱን ተበታቲኑን ዝጸንሐ ኣካላትና ህይወት ለቢሱ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ምስ ቈመ፡ እቲ ኣብ ዘመነ-ህይወቱ ንጸጋ ኣምላኽ ኣኽቢሩ ዝተመላለሰ፡ ነቲ ንድሕነቱ ዝተገልጸ ጐይታ ኺርእይ ርእሱ ብሓጐስ ኬቕንዕ’ዩ። ምኽንያቱ ጻማ ናይ’ቲ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ኣምላኽ ዘርኣዮ እሙንነት ኪፍደይ’ዩ (ማቴ 25፡34-40 ፣ ሉቃ 21፡27,28)። እቲ ብቓልን ብግብርን ንጸጋ ኣምላኽ ዘስተናዓቐ ግና መእተዊኡ ኺጨንቆ፡ ምድሪ ዳግማይ ኣፋ ኸፊታ ኽትውሕጦ፡ ካብ ገጽ’ቲ ፍትሓዊ ዳኛ ኽትክውሎ ኺምነይ’ዩ (ራእ 6፡15-17 ፣ ሉቃ 23፡30 ፣ ማቴ 25፡41-46 ፣ ሆሴ 10፡8)። ንጸጋ ኣምላኽ ክሒድካን ኣስተናዒቕካን፡ ዜብህግ ዘለኣለማዊ መጻኢ ኺህልወካ ፈጺምካ ዘይሕሰብ’ዩ። ስለ’ዚ እቲ ንመንፈሳውን ነገራውን ጸጋታቱ ዘለና ኣረኣእያን ኣተሓሕዛን፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ናይ ዘለና ኣረኣእያ ነጸብራቕ ምዃኑ ኣጸቢቕና ኸነስተውዕልን፡ ነነፍሲ ወከፍ ዝተቐበልናዮ ጸጋ ድማ ንኣምላኽ ብዚግባእ ክብሪ ኸነኽብሮ፡ ክንእመነሉ፡ ከነመስግነሉ፡ ከነመሓድሮ ይግብኣና። ንዝረኸብናዮ ዅሉ፡ “ጸጋ ኣምላኽ’ዩ” ኢልና ኸነመስግነሉን ክንጥንቀቐሉን ክንገብሮ ንዝኸኣልና ዅሉ ኸኣ “ብጸጋ ኣምላኽ’የ ዝገበርክዎ” ኢልና ንኣምላኽ ጥራሕ ክብሪ ኽንህበሉ፡ ኣብ ኢድና ብዛዕባ ዘሎ ትሕዝቶን ክእለትን ተልእኾን “እዚ ጸጋ ኣምላኽ’ዩ” ኢልና ንእኡ ብዚምጥን ክብሪ ኸነመሓድሮ ዝለዓለን ብሸለልትነት ኪረኣይ ዘይግብኦን ሓላፍነትና’ዩ። ካብ’ዚ ዝተፈልየ ኣካይዳ፡ ንጸጋ ኣምላኽ ምርኻስ’ዩ ዚኸውን።
ድሕር’ዚ ዅሉ’ምበኣር፡ ተመሊስካ ህይወትካ ምምርማር’ዩ ዚተርፍ። ግደ ሓቂ፡ በዚ መዳይ’ዚ ገና ናብ ምምርማር ከይበጻሕና’ኳ ኣዚና ኣበሰኛታት ምዃንና ክንክሕድ ኣይከኣልን’ዩ። ስለ’ዚ ነቲ ሕሉፍ ኣበሳና ብሓቀኛን ንጹህን ንስሓ ኣሕዊና፡ ኣብ መጻኢ ድማ ንኣምላኽን ንጸጋታቱን እቲ ዚምጥኖም ኣፍልጦን ክብርን እናሃብና ኸም እንነብር ወትርግ ርግጸኛታት ንኹን። “ብጸጋ ኣምላኽ’የ ዘለኹ” ምባል ናይ ዘወትር ቋንቋናን መኽፈት ኣፍናን ይኹን!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
ሚያዝያ 22, 2015 ግዕዝ (30 ሚያዝያ 2023 ፈ [መበል 34 ሰንበት: ቊ.፵፪/42, 2023] ) |
||
ምስባክ መዝ.39 ፲፩(፲፪)፡፭,፮ “ይእዜ እትነሣእ ይቤ እግዚአብሔር። እሬሲ መድኃኒተ ወአግህድ ቦቱ። ቃለ እግዚአብሔር ቃል ንጹሕ።” “‘ስለ ምግፋዕ ጥቑዓትን ስለ ልቕሶ መሳኪንን ሕጂ ኽትንስእ፡ ነቲ ዚናፍቖ’ውን ምድሓን ከምጽኣሉ’የ፡>ይብል እግዚኣብሄር። ቃላት እግዚኣብሄር ጽሩይ ቃላት’ዩ፡ ብመምከኽ መርየት ዝጸረየ፡ ሾብዓተ ሳዕ እተዀልዐ ብሩር’ዩ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
1ቈረ 15፡1-19 |
ዲያቆን |
|
1ጴጥ 1፡1-9 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 5፡29-33 |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 20፡1-18 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ፦ ዘዲዮስቆሮስ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ