ኣሓት ኣብያተ ክርስቲያናት ኦሬንታል፥ ጳጳሳት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ እንጦንዮስ ንዝወሰዶ ውሳኔ ብትሪ ነጺግዎ
መልእኽቲ ካብ ገዳም ደብረ ቢዘን – ክርስቶስ ሓርነት ኣውጺኡና እዩ። ስለዚ ጽንዑ፡
መልእኽቲ ካብ ገዳም ኣቡነ እንድርያስ ሰፍኣ– በቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ሲኖዶስ ኣይንምራሕን ኢሉ ነጺግዎ
ፈነወ ራድዮ ተዋህዶ - Radio Tewahdo 2017-2019 |
ካብ ነዊሕ እዋን ተታሒዙ ብዝጸንሐ መደብ መሠረት፥ ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ፥ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ዓቃቤ-መንበር። ካብ ዕለት 16-21/10/2018 ኣብ ሃገረ-ስዊስ፥ ሓዋርያዊ ተልእኮ ክፍጽሙ ቀንዮም።
ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ጀርመን መበል 12 - ክፋል
ከምዚ ኢለ ድማ ምስ ሞፌድ፥ ኣብ ነዊሕ ናይ ተመስጦ ዕላል ኣትየ ይርከብ ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ። እታ ተፈታዊት ዝኾነት ሳሚያ መጸት’ሞ፥ ሕቝፍ ኣቢላ ከኣ ሰዓመትኒ። ሳሚያ ንዓይ መቸም ከም ኃውትን ኣደን ዝርእያ ሰብ’ያ። እቲ ምስኣ ምርኻበይ ድማ፥ ፍሉይ ሓጎስን ደስታን’ዩ ክስመዓኒ ዝኸኣለ። ከምዚ ዝበለ ናይ ሓጎስ ስምዒት ድማ ተሰሚዑኒ ኣይፈልጥን። ኣብ ልዕሊኣ ዝነበረኒ ፍቕርን ኣኽብሮትን ከኣ፥ ቃላት ክገልጹዎ ካብ ዝኽእሉ ንላዕሊ’ዩ እንተበልኩ፥ ንምግናን ኢለ ዝብሎ ዘለኹ ኣይኮነን።
ግድን ስለ ዝኾነና ደኣምበር፥ ዮፍታሔ ዝብል ስም ክለዓልኮነ ክዝከር እንደልዮ ስም ኣይኮነን። በዓል ኣርዮስ, ንስጥሮስ,ኣውጣኪ, መቅደንዮስ’ውን እኮ፥ ስሞም ክዝክሮ ዝደሊየልቦን። ሰይጣን’ውን ከምኡ ክዝከር ዝድለ ኣይኮነን።
“ብእኡ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኺረክብ’ምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ከም’ቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ተመን ዝሰቐለ፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ኪስቀል ይግብኦ’ዩ። ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ (ሰብ) ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረክብ’ምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንዲ’ዚ ንዓለም ኣፍቀራ።” ዮሃ 3፡15,16
ሰንበት 31 መጋቢት 2019: ደብረ ዘይት - ዝሕልቲ ፍቕሪ
ቀዳም 30 መጋቢት 2019: ሓጢኣትን ሳዕቤኑን - 9ይ ክፋል
እቲ ብሃገረ-ስዊዲን ዝጀመረ ዑደት ብፁዕ-ኣቦና። ብስዊስ ሓሊፉ ሕጂ ድማ እንሆ ናብ ሃገረ-ሆላንድ በጺሑ ይርከብ ኣሎ። ናብዚ ዝተባህለ ሃገር ዝኣተወ ኣብ ዕለት 22/10/2018 ኮይኑ፣ ሕጂ ከኣ ኣብ ከተማ-ኣምስተርዳም ብምምራሕ፣ ናይቲ ኣብዚ ከተማ’ዚ ዝርከብ፣ ናይ ግብጻዊት ቤተ-ክርስቲያን መንበረ-ጵጵስና፥ ጋሻ ኮይኑ ይርከብ ኣሎ።
ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ጀርመን መበል 11 - ክፋል
ነቶም ካህን ንቀሲስ-ጴጥሮስ ረኺበ ከዘራርቦም ስለ-ዝደለኹ፥ መንገደይ ናብ ቤተ-ክርስቲያን ኣቕኒዐ’የ ዝኸድኩ። ይኹን እምበር ኣበይ ከም-ዘለዉ ብትኽክል ክሕብረኒ ዝኽእል ሰብ ስለ-ዝሰኣንኩ ተሸገርኩ። እቶም ሰባት ዝተፈላለየን ዘይራኸብን ሓበሬታ ይህቡ ስለ-ዝነበሩ፥ ከመይን እንታይን ክገብር ከም-ዘሎኒ ኣነ’ውን ተጸገምኩ። ከመይሲ ገሊኦም ኣብ ዕረፍቲ’ዮም ዘለዉ ክብሉ ከለዉ፥ ካልኦት ድማ ሓሚሞም ደቂሶም’ዮም ዘለዉ ይብሉ ነበሩ። ካልኦት ነናቶም ምኽንያት ዘምጽኡ’ውን ነይሮም’ዮም።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ