“ሓደ’ኳ ተዓሚጹ ኸሎ ምእንቲ ኣምላኽ ኢሉ እንተ ተዓገሰ። (ትዕግስቱ) ብኣምላኽ ቅቡል’ዩ። በደል እናገበርኩም መውቃዕቲ እንተ ተዓገስኩምከ እንታይ ሓበን ኣለዎ፧ ሰናይ እናገበርኩም መከራ እንተ ተዓገስኩም ግና፡ እዚ (ትዕግስቲ’ዚ) ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል’ዩ። ንስኻትኩም’ውን ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም፡ ክርስቶስ ድማ ኣስኣሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ ኢሉ ምእንታኹም መከራ ተቐበለ። ኣረኣያ’ውን ሓደገልኩም። ንሱ ሓጢኣት ኣይገበረን፡ ሓሶት’ውን ኣብ ኣፉ ኣይተረኽበን። ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ኣይጸረፈን። መከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ፡ ነገሩ ነቲ ብቕንዕና ዚፈርድ ኣምላኽ ደኣ ኣሕሊፉ ሃቦ’ምበር፡ ኣየፈራርሀን።” 1ጴጥ 2፡19-23 ካ.ት
ፍርሃት እግዚኣብሔር ኣብ ኣገልግሎት - ብቀሺ ኢሳይያስ የዕብዮ
ቃል ኪዳን - ምስጢረ ተክሊል ባህርያት ሰብኣይን ሰበይትን - ብዲያቆን ብርሃነ ስዩም
ኣጽናፋዊት ቤተክርስቲያን (ኣቅሌሥያ) - ብዲያቆን ዑቕበ ዘመደ
እቲ ብሃገረ-ስዊዲን ዝጀመረ ዑደት ብፁዕ-ኣቦና። ብስዊስ ሓሊፉ ሕጂ ድማ እንሆ ናብ ሃገረ-ሆላንድ በጺሑ ይርከብ ኣሎ። ናብዚ ዝተባህለ ሃገር ዝኣተወ ኣብ ዕለት 22/10/2018 ኮይኑ፣ ሕጂ ከኣ ኣብ ከተማ-ኣምስተርዳም ብምምራሕ፣ ናይቲ ኣብዚ ከተማ’ዚ ዝርከብ፣ ናይ ግብጻዊት ቤተ-ክርስቲያን መንበረ-ጵጵስና፥ ጋሻ ኮይኑ ይርከብ ኣሎ።
ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ጀርመን መበል 11 - ክፋል
ነቶም ካህን ንቀሲስ-ጴጥሮስ ረኺበ ከዘራርቦም ስለ-ዝደለኹ፥ መንገደይ ናብ ቤተ-ክርስቲያን ኣቕኒዐ’የ ዝኸድኩ። ይኹን እምበር ኣበይ ከም-ዘለዉ ብትኽክል ክሕብረኒ ዝኽእል ሰብ ስለ-ዝሰኣንኩ ተሸገርኩ። እቶም ሰባት ዝተፈላለየን ዘይራኸብን ሓበሬታ ይህቡ ስለ-ዝነበሩ፥ ከመይን እንታይን ክገብር ከም-ዘሎኒ ኣነ’ውን ተጸገምኩ። ከመይሲ ገሊኦም ኣብ ዕረፍቲ’ዮም ዘለዉ ክብሉ ከለዉ፥ ካልኦት ድማ ሓሚሞም ደቂሶም’ዮም ዘለዉ ይብሉ ነበሩ። ካልኦት ነናቶም ምኽንያት ዘምጽኡ’ውን ነይሮም’ዮም።
ሰብ ከም ሰብ መጠን ንኽነብር፥ ብዙሕ ነገራት ስለ-ዘድልዮ። ስለ’ዚ ከኣ’ዩ መወዳእታ ኣብ ዘይብሉ ጻዕርን ድኻምን ዝነብር። ከመይሲ “ኩሉ ዘመን ሕይወትካ
“(ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ብህይወት) ክሳዕ ዘለና፡ (ብኣካል) ካብ ጐይታ ርሑቓት ከም ዝዀንና ንፈልጥ ኢና። (ግናኸ) ኵሉ ሳዕ ትብዓት ኣሎና። ምኽንያቱ ብእምነት’ምበር፡ ብምርኣይ ኣይኰንናን ንነብር ዘለና። ካብ’ዚ ስጋ’ዚ ግዒዝና ምስ ጐይታ ኽንነብር ድማ (ባህጊ ኣሎና)። (ኣብ’ዛ ምድሪ ብህይወት) እንተ’ለና ወይ እንተ ሞትና፡ (ንኣምላኽ) ከነሐጕስ ንጽዕት ኣለና። ምኽንያቱ፡ ነፍሲ ወከፍና ናይ’ቲ ብስጋዊ ህይወቱ ኸሎ ዝገበሮ ሰናይ ወይ እኩይ (ግብሪ ዓስቢ) እምንቲ ኪቕበል፡ ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ብግዲ ኽንቀርብ ኢና።” 2ቈረ 5፡6-10 ካ.ት
መእተዊ
መበል 21 ዓመታዊ ጉባኤ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፥ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ፥ ካብ 25-28 ሓምለ 2019 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ከተማ ኣትላንታ፥ ክፍለ ክዝኣት ጆርጂያ፣ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪክ ተጋቢኡ፡፡ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶን ጉዳይ ቅዱስ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ፥ ብዕምቆት ድኅሪ ምዝታይ ነዚ ዚስዕብ መግለጺ የውጽእ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ