“እምበኣርሲ ንዅሉ ኽፍኣትን ኵሉ ጕርሕን ግብዝናን ቅንእን ኵሉ ሕምየትን ኣርሕቕዎ። እግዚኣብሄር ሕያዋይ ምዃኑ ጥዒምኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ብእኡ ንምድሓን ምእንቲ ኽትዓብዩ፡ ከም’ቶም ሕጂ እተወልዱ ሕጻናት ነቲ ሕዋስ ዘይብሉ መንፈሳዊ ጸባ ብሃግዎ።” 1ጴጥ 2፡1-3 (ኤፌ 4፡14,15)
ንሰለስተ መዓልትታት (ሓሙስ: ዓርቢ: ቀዳም) መዓልታዊ ካብ ሰዓት 12:00 - 8:00 ምሸት ብምብራቓዊ (10:00 - 6:00 ድ. ቀትሪ ብምዕራባዊ ዞባ ኣሜርካ) ዝዝርጋሕ መደባት በዚ ኣገባብዚ ክትከታተሉ ብኣኽብሮት ንሕብር።
መደባት ዓርቢ ዓመታዊ ጉባኤ ቤተክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ
(2ይ) መደብ ናይ ንጉሆ
(1ይ) መደብ ናይ ንጉሆ
መደባት ሓሙስ ዓመታዊ ጉባኤ ቤተክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ
መደባት መበል 22 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ጉባኤ፥ ሓሙስ ሓምለ (July) 30 - ክሳብ ቀዳም 1 ነሓሰ (August) 2020 ካብ ርሑቕ ብቐጥታ (Live) ክዝርጋሕ እዩ። ካብ ሰዓት 12:00 - 8:00 ምሸት ብምብራቓዊ (10:00 - 6:00 ድ. ቀትሪ ብምዕራባዊ ) ኣቆጻጽራ ይመሓላለፍ።
Live https://www.facebook.com/EritreanOrthodoxChurch
Live https://www.facebook.com/tewahdoChurch
መሪሕ ጥቕሲ - Theme Verse:-
“ብተስፋ ተሓጐሱ፡ ብጸበባ ተዓገሱ፡ ጸሎት ኣዘውትሩ” ሮሜ 12፡12
ዝርዝር መደባት ፕሮግራም- Program Detail
እቶም ብልኡኻት ዓፈና ህግደፍ ኣብ ከተማ ጊንዳዕ ኣብ ወርሒ ሰነ 2019 ኣ.ፈ ዝተኣስሩ ገዳማውያን ኣቦታት ደብረ ቢዘን፡ ሕጂውን ገና ብዘይ ሓደ ክስን ፍርድን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሕጊ-ኣልቦ ሥርዓት ህግደፍ ብኸቢድ ጸቕጥን ምስኣን ጥዕናን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዘለዉ ተፈሊጡ ኣሎ። ወላ’ኳ ብኣቦታት ደብረ-ቢዘንን ገለ ግዱሳትን ንኽፍትሑ ጻዕሪ እንተተግበረ፥ ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነት ግና ተጋጊና ኢና ኢሎም ከይፈረሙን ንመሪሕነት ኣባ ሉቃስ ከይተቐበሉን ከምዘይፍትሑ እዮም ዝፍክሩሎም ዘለዉ። እቶም 5ተ ኣቦታት መነኮሳት ገዳም ደበረ ቢዘን፡-
በስመ ሥላሴ እቀጠቅጥ ከይሴ
"ዕረፍትን ትንሣኤን ድንግል ማርያም"
"እዛ፡ ፈታዊኣ ተመርኲሳ፡ ካብ በረኻ እትድይብ ዘላስ መን እያ፧?" መኃልየ መኃልይ ዘሰሎሞን 8:5።
ብስም ክርስትና ካብ ዝጽውዓ ቤተ እምነታት (ርቱዕ መንገዲ) ዝብል ትርጉም ዘሎዎ እምነት ኦርቶዶክስ ዝኽተላ ኣብያተ ክርስቲያናት ንቅዱስ ሓዋርያዊ ትውፊት (Holy Tradition) ዓቢይ ቦታ ኣሎወን::ቅዱስ ትውፊት እንብሎ ካብ ቅዱሳን ኣቦታትና ሓዋርያት ጀሚሩ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተመኃላለፈ ዝመጽአ ኣስተምህሮን ሥርዓተ ኣምልኾን ኪኸውን ከሎ:መጽሓፍ ቅዱስውን ኣብ ዘመና ዝበጽሐ ብመንገዲ ሰንሰለት ቅዱስ ትውፊት እዩ::ነዚ እዮም ከኣ ኦርቶዶክሳውያት ኣበዋትና :-"መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ ገረብ ቅዱስ ትውፊት ዝበቖለ ሠናይ ፍረ እዩ" ዝብሉ።
ርእይቶ ካብ ምእመናን ቤተክርስትያን ተዋህዶ:
ናብ ክቡር ኣቦና ኣቡነ መቃርዮስን ኩልኹም ኣብ ከባቢኦም ዘለኹም ኣቦታት ካህናትን ኣሕዋትን።
“ኣሕዋተየ፡ (ብዓይነቱ) በበይኑ ዝዀነ ፈተና ኺበጽሓኩም ከሎ፡ ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ። (ምኽንያቱ) ብእምነትኩም ክትፍተኑ ኸለኹም፡ ጽንዓት’ዩ ዜፍርየልኩም። ግናኸ ብሓንቲ ነገር’ኳ ከይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ክሳዕ መወዳእታ ብትዕግስቲ ጽንዑ፡ . . . እቲ ብጊዜ ፈተና ዚዕገስ ሰብ ብጹእ’ዩ፡ (ምኽንያቱ) ተፈቲኑ(ብዓወት) ምስ ወጸ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ህይወት ኪቕበል’ዩ።” ያእ 2፡2-4,12 ካ.ት
በዚ ዘሎ ሕማም-ለበዳ ምኽንያት: መበል 22 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ (2020) ኣብቲ ዝተመደበሉ ቦታ ከምዘይካየድ ጉባኤ ካህናት ሰሜን ኣሜርካ ንምእመናን ብኣኽብሮት ይሕብር። ኣብ ክንድኡ ግና: ዝተፈላለዩ መደባት ኣገልግሎት ዝሓቖፈ ጉባኤ-ብርሕቀት (Virtual Conference) ክህሉ'ዩ። ምእመናን ነዚ ብርሑቕ ዝወሃብ ትምህርቲ ክትከታተልዎን ብጸሎት ክትሓብሩናን ብኣኽብሮት ንዕድም። ጉባኤ-ብርሕቀት፥ ካብ ሓሙስ 30 ሓምለ - ክሳብ ሰንበት 2 ነሓሰ ((July 30 - August 2) 2020 ዓ. ም ኣብቲ ዝተመደበሉ ዕለት ክካየድ እዩ።
እግዚኣብሔር ነዚ ዘሎ ሕማም-ለበዳ ይቐንጥጠልና። ኣሜን።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ