ሊቀ ካህናት ኣቦይ ቀሺ ገብረሕወት ኃይለ ኣገልጋሊ ገዳም ኣቡነ ተክለሃይማኖት ወገሪቆን ኪዳነ ምሕረትን ኣብ ነሓሰ 11/2017 ኣብ መበል 90 ዕድሚኦም ብሰላም ዓሪፎም።
“እምበኣርስኸ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምስሰልኩም፡ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ከኣ ዘመን ዕረፍቲ ምእንቲ ኺመጻልኩም፡ ነቲ ቕድም ንኣኻትኩም ዝተሓርየ ክርስቶስ ከኣ ምእንቲ ኺስድደልኩምሲ፡ ተነስሑን ተመለሱን።” ግብ 3፡19,20
ሰንበት 4 ጥቅምቲ 2020፡ ንዝኽሪ ኤርትራውያን ግዳያት ላምፐዱሳ፡ ኣብ ኩለን ኣህጉረ ስብከታትና ጸሎት ፍትሓት ተኻይዱ። እዚ ጸሎት ፍትሓት'ዚ: ስለቶም ኣብ 2013 ዓመት ኣብዚ እዋን'ዚ ህልቂት ዘጋጠሞም ልዕሊ 325 ዜጋታትና ኮይኑ፡ ስለቶም ድሕሪኡን ቅድሚኡን ኣብ ዝተፈላለየ እዋንን ቦታን ህይወቶም ዝሰኣኑ ኤርትራውያን ብሓባር ጸሎት ፍትሓት ተኻይዱ።
ብዶ/ር ሽሞንዲ ኃይለ፣ ዋሺንግቶን ዲሲ ሕመኣ።
ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ: ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት (ሉቃስ 2፡1-16)።
እቲ ወንጌላውን ሓኪምን ዝነበረ ግሪኻዊ ዝዓሌቱ ሉቃስ ዝተባህለ ወዲ መዝሙር፡ ናብ ሓደ ካልእ ቴዎፍለዎስ ዝተባህለ ግሪኻዊ፡ ታሪኽ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣይሁዳውያንን ግሪኻውያንን ጥራይ ዘይኰነ፡ መድኅን ዓለም ኰይኑ ንምልእቲ ዓለም ከድኅን ከም ዝመጸ ከፍልጦ ምእንቲ ኢሉ፡ ብ65 ዓ.ም. ምስ ሓዋርያ ጳውሎስ እናተጓዕዘ ከሎ፡ እዚ ሕጂ ወንጌል ኢልና ነንብቦን ንመሃሮን ዘለና፡ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ጥዑም ዜና ጸሓፈሉ።
ብብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ ተመሪሑ ኣብ ሃገረ ስዊድን ክካየድ፡ ካብ ነዊሕ እዋን ብመደብ ተታሒዙ ዝጸንሐ ጉባኤ፡ “-እግዚኣብሔር ንመንን ብኸመይን እዩ ርእሱ ዝገልጽ-” ብዝብል ኣርእስቲ፣ ሊቀ ካህናት ቀሺ ተኽለማርያም ምህርካጽዮን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ብ27 ከምኡ’ውን 28 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ስቶኮልም ተኻይዱ።
ናይ ዕድመ በዓል ጸጋ ዝኾኑ፡ ወዲ 91 ዓመት ክቡር ኣቦና 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ብዘይ ገበን ብጥልመት ጳጳሳትን ትእዛዝ መንግሥትን መንፈሳዊ መንበሮም ካብ ዝሕደጉ ድሮ 13 ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ። ቅዱስ ኣቦና ካብ 13 ጥሪ 2006 ኣ.ፈ ጀሚሮም ክሳብ ሎሚ ንልዕሊ 13 ዓመታት፡ ካብ ሰብን ቤተ ክርስቲያንን ካብ ቅዱስ ቁርባንን ዕጣንን ተገሊሎም፥ ብዘይ ፍትሕን ብዘይ ሕጋዊ ፍርድን ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር እንዳ ተሓለዉ፡ ብብዝሒ ደም፥ ሕማም ሽኮር፥ ቃንዛ ኵርምትን ምኹራዕ እዝንን እንዳተሳቐዩ ዝነብሩ ሽማግለ (ናይ ዘመንና ሓዋርያ)፡ ብሕይወት ዘለዉ ሰማዕተ-ክርስቶስ ኣቦ እምነት እዮም።
"The true fast is that in which sins, anger, tongue, and instincts are under control" (St Basil the Great).
The Holy Great Fast is often referred to as "The Spring of Our Spiritual Life". Spring being the most beautiful season of the year and a time of spiritual renewal.
“ቛቝኹም ዕጡቕ፡ መባርህትኹም ብሩህ ይኹን። .እቶም ጐይታኦም ኪመጽእ ከሎ ነቒሖም ዚረኽቦም ባሮት’ቲኦም ብጹኣን’ዮም፡ ተዓጢቑ ኣብ መኣዲ ኸም ዜቐምጦም፡ ቀሪቡ’ውን ከም ዜገልግሎም፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።” ሉቃ 12፡35,37
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ