ኢንጂነር ዑቕባዝጊ ሥዩም ምስ ቤተክርስቲያን ተዋህዶ ዝነበሮም ርክብ ከመይ ይመስል? ምስ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ዝነበሮም ርክብ ምስቶም ካልኦት ጳጳሳት ተዋህዶ ካብ ዝነበሮም ርክብ ዝተፈልየ ድዩ?
5 ሓምለ ብኣቈጻጽራ ግእዝ (ሓምለ 12 ዓ.ም.ፈ)፣ እቲ ብልምዲ “ሓርያ-ጉባኤ” ብዝብል ስም ዝፍለጥ ሃዋርያ ጳውሎስን ሃዋርያ ጴጥሮስን ብሰማእትነት ዝዓረፍሉ ዕለት እዩ።
ገለ ስምዒታውያን ሰባት፡ ብ2001 ዓ.ም. ነቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅ፣ማርያም ኣስመራ ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓዊ ከምዘንደድዎ ሰሚዒኩም ትኾኑ። እቲ ካብኡ ዝገደደ ድማ ኣባ ሉቃስ ዝበሃሉ ኣቡን፡ "እቲ ዝነደደ "መጽሓፍ ቅዱስ ኣይኮነን መጽሓፍ ርኹስ እዩ" ብምባል ክኽሕድዎ ፈቲኖም። ነቲ ሓቂ ክትፈልጥዎን ክትምርምርዎን ምእንቲ ግና እንሆ ብቪድዮ ዝተሰነየ መርትዖ ነቕርበልኩም። ቪድዮ ንምርኣይ ኣብዚ ጠውቕ። እቲ ዅሉ ዚኽእል እግዚኣብሔር ይቕረ ይበለልና። ዘመን ፍትሒ፡ ምሕረትን ፍቕርን ድማ ይሃበና።
“(ኣምላኽ) ግና ኣበርን ነቐፋን ዘይብሎም ቅዱሳን ገይሩ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኬቑመኩም፡ ብሞት ስጋዊ ሰብነት ወዱ ገይሩ ዓረቐኩም። እዚ (ዕርቂ’ዚ ዚኹነልኩም) ግና፡ ተሰሪትኩምን ደልዲልኩምን፡ ካብ’ቲ ብወንጌል ዝረኸብኩምዎ ተስፋ ከይተነቓነቕኩም ኣብ እምነት እንተ ዘናዕኩም’ዩ። እዚ (ወንጌል’ዚ) ኸኣ፡ እቲ ንስኻትኩም ዝሰማዕኩምዎ፡ ኣነ ጳውሎስ ከኣ ዘገልጋሊኡ፡ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር (ሰብ) ዝተሰብከ ወንጌል’ዩ።” ቈሎ 1፡22,23 ካ.ት
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።
"ብተስፋ ተሓጎሱ፥ ብጸበባ ተዓገሱ፥ ጸሎት ኣዘውትሩ" (ሮሜ 12:12) ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጠቕሲ፥ ቀኖናዊ ሃገረ ስብከትና መበል 22 ዓመታዊ ጉባኤኡ ካብ ሓሙስ 30 ሓምለ ክሳብ ቀዳም 1 ነሓሰ 2020 ኣ.ፈ ((ካብ ፳፫ ክሳብ ፳፭ ሓምለ ፳፻፲፪ ዓ.ም) ብመራኸቢ ብዙኃን ካብ ርሑቕ ብቐጥታ (virtual) ብረድኤት እግዚኣብሔር ጉባኤኡ ብሰላም ዛዚሙ ኣሎ።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሸውዓተ ኣጽዋማት ኣለዉዋ። ንሳቶም ድማ ጾመ ነቢያት፡ ጾመ ነነዌ፡ ዓቢይ ጾም፡ ዓርበ ረቡዕ፡ ጾመ ገሃድ፡ ጾመ ሓዋርያትን ጾመ ፍልሰታን ይበሃሉ። እግዚኣብሔር ንኣቦና ኣዳም ብኽብሪ ፈጢሩ ኣብ ገነት ምስ ኣቐመጦ ናይ መጀመርታ ዝሃቦ ትእዛዝ ጾም እዩ። ከምዚ ዝስዕብ እናበለ ድማ ኣዘዞ። ‘’ካብ ፍረ እቲ ኣብ ገነት ዘሎ ኦም ኵሉ ብላዕ ። ካብ ፍረ እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና ካብኣ ዝበላዕካላ መዓልቲ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ እሞ ካብኣ ኣይትብላዕ’’ በሎ። እምበኣር ኣጽዋማት ዝተሰርዐ ትእዛዝ እግዚኣብሔር ምእንቲ ከነኽብርን ሓይሊ ስጋና ብትዕግሥቲ ከነድክምን እዩ (ዘፍ 2፡17)።
እታ ናይ ጽባሕ ቤተ-ክርስቲያን ዝብል ኣበሃህላ፣ እንታይ ንምባል ይድለ ከም ዘሎ፣ ቅልጥፍ ኢሎም ክርድኡዎ ዘይክእሉ እንተሃለዉ ዘገርም ኣይኮነን። ግዳስ ግዜ ወሲዱ ዘይዓብን ዘይምዕብልን ስለ-ዘይልቦ። ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያንና`ውን፣ ነቶም ብጸጋ-ጥምቀት ዝወለደቶም ደቃ፣ ዘለዋ ሓላፍነት ኣብ ግምት ብምእታው። ጸባ-ወንጌል እናመገበት እተዕብየሉ ተበግሶ ክትወስድ፣ ንጽባሕ ዘይበሃል ሓላፍነት ኮይኑ`ዩ ዝርከብ ዘሎ።
ጐይታና ድሕሪ ትንሳኤኡ ነርብዓ መዓልታት ደጋጊሙ ኺረኣዮምን ህያውነቱ ኼረጋግጸሎምን ድሕሪ ምቕናዩ፡ ናይ ዕርገቱ’ውን ምስክር ምእንቲ ኪዀኑ፡ እናረኣይዎ ኺዓርግ ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ቢታንያ ወሰዶም። ኣብቲ ናይ ዝሓለፈ ሰንበት ንባብና ኸም ዝረኣናዮ፡ ኣብ ባሕሪ ገሊላ ዓሳ እናገፈፉ ኸለው’ዩ ዝተራእዮም።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ