“ህዝቢ ኣክቡ ቅዱስ ጉባኤ ከም ዘሎ ንገሩ”! ኢዩኤል 2፡16
ናብ ኩሎም ኦርቶዶክሳውያን ምእመናን ህዝበ-ክርስቲያን ነበርቲ ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ከምኡውን ኣብ ኤርትራን ኣብ ኩሉ ኵርንዓት ዓለም እትርከቡ ብክርስቶስ ጎይታ ኣኅዋትና።
On Sunday February 19, 2012, Deacon Simon Hadgu was ordained and was given the name Fr. Moses.
The 2010 conference, which was hosted by the Archangel Gabriel Eritrean Orthodox Church, took place in New York City on July 22-25, 2010. Conference attendees came from numerous US
“ክርስቶስ ንሓጢኣት ኬርሕቖ ኢሉ ኸም ዝተገልጸ ትፈልጡ ኢኹም፡ ኣብኡ’ውን ሓጢኣት የልቦን። እቲ ኣብ ክርስቶስ ዚነብር ዘበለ ዅሉ ሓጢኣት ኣይገብር’ዩ። ሓጢኣት ዚገብር ዘበለ ግና፡ ንክርስቶስ ኣይረኣዮን፡ ኣይፈለጦን’ውን። . . . ካብ መጀመርታ ሒዙ ዚሓጥእ ዘሎ ድያብሎስ’ዩ’ሞ፡ ሓጢኣት ዚገብር (ሰብ) ካብ ዲያብሎስ’ዩ፡ ወዲ ኣምላኽ (ኢየሱስ) ከኣ፡ ግብሪ ዲያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስ’ዩ ዝተገልጸ። ካብ ኣምላኽ ዝተወልደ ዘበለ፡ ባህርይ ኣምላኽ ኣብኡ ስለ ዘሎ፡ ሓጢኣት ኣይገብርን’ዩ፡ . . . ሓጢኣት ኪገብር (ኣይኰነሉን’ዩ)። . . . ደቂ ኣምላኽን ደቂ ዲያብሎስን በዚ’ዮም ዚፍለጡ፣” 1ዮሃ 3፡5,6,8-10 ካ.ት።
ብዝተወገዙ ፓትርያርክ ዝሽየሙ ጳጳሳት: ንመርገም እምበር ንበረኸት ኣይኮኑን።
“ኣቦኻ ቀቲሎም ኣቦ ኣይሃቡኻ” ዝብል ብሂል ኣበው፥ ሎሚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ኤርትራ ተራእዩ ኣሎ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ተፈጺሙ ዘሎ ገበን ኣብ ታሪኽ ዓለም መጀመርታ ዝተፈጸመ ግፍዒን ብድዐን እዩ። ከመይሲ ብመሪሕነት ዝለዓለ ሥልጣን ቤተ ክርስቲያን፥ ብዕድመ ወዲ 96 ዓመት፥ ብግፍዒ ተኣሲሮም፥ ብፖሊስ ዝሕለዉ፥ ከሰስቶም፥ ዳነይቶም፥ ፈረድቶም፥ ሓደ ዝኾኑ፥ ኣብ ታሪኽ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ እዮም።
ዓሚ ልክዕ ከምዛ ሎሚ 13 ሰነ 2019 ኣ.ፈ 5ተ ገዳማውያን ኣቦታት ብዘይ ፍትሕን ትእዛዝ ቤት ፍርድን ካብ ገዳም ደብረ ቢዘን ብኃይሊ ህግደፍ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጊንዳዕ ዝኣተውሉ ዕለት እዩ። እወ! ዓመት ከም ሓንቲ ዕለት ብቝርን ሃሩርን ብጥምየትን ጭንቀትን፥ ብሕማምን ስቅያትን ብጸርፍን ውርደትን 365 መዓልታት ብእህህታን ሓዘን ኣብ ጸልማት ማሕዩር ተዳጕኖም ኣለዉ።
ዝኽትምና ቀዳምነት ኣብ ሕጻናት ብሓፈሻ ድማ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ዘስዕቦ ሥነ-ኣእምሮኣዊ ይኹን ማኅበራዊ ጉድኣት ቀሊል ኣይኮነን። ብሞት ወለዲ ንዝመጽእ ዝኽትምና ከኣ ግደፍዶ ክትምነዮስ ወሪዱካ ክትጾሮውን ከቢድ መስገደል ምዃኑ እቲ ዘይበጽሖ ሰብውን ዘይርድኦ ኣይኮነን። ከምቲ ሥጋውያን ወለዲ ዘለዉና፥ መንፈሳውያን ወለዲ ከም ዘለዉና ድማ ኩልና ክንስሕቶ ኣይግባእን። ዝኽትማና እምበኣር ሰብ ብዝሰርሖ ይኹን ብተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ከጋጥም ዝኽእል መሪር ዕዳ ምስኣን ወለድን ኩሉ ሓልዮቶምን መሪሕነቶምን ማለት እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ዝኽትምና ብምስኣን ሥጋውያን ይኹኑ መንፈሳውያን ወለድና ከጋጥም ከም ዝኽእል ክንርዳእ ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ። እቲ ንቡር ብዘይ ንቡር ኣብ ዝተተክኣሉ፥ ጥልመትን ጭካነን ኣብ ዝበዝሖ መወዳእታ ዘመን 8ይ ሺሕ ንነብር ብምህላውና ድማ እንሆ ኣብ ቅድስት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራውን ንልዕሊ 15 ዓመታት ዝኣክል ክትኣምኖ ብዘጸግም ኵነታት መንፈሳዊ ዝኽትምና ወሪዱናስ ብከቢድ ሓዘንን ጓህን እናነባዕና ንነብር ኣሎና።
ሰንበት ትንሳኤ - Resurrection Sunday Service Schedule
ቀዳማይ መደብ (ቀዳም ምሸት ካብ ሰዓት 7:00 - 1:00 ሰንበት ንግሆ ብምብራቓዊ ኣቆጻጽራ )
ካልኣይ መደብ (ቀዳም ምሸት ካብ ሰዓት 7:00 - 1:00 ሰንበት ንግሆ ብምዕራባዊ ኣቆጻጽራ - Pacific Standard Time)
ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ፤ ብውሽጢ ከቢድ ነውጽን ምፍልላይን፡ ብግዳም ድማ ተነጽሎ ካብ ኣድማሳዊ ማሕበር ኣብያተ ክርስቲያናትን ካብ ኣሓት ኦርቶዶክሳውያን ኦርየንታልን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣጋጢምዋ ትርከብ። ጠንቂ ናይዚ ፍጻመ እዝን ካልእን ዝድህስስ መጽናዕታዊ ጽሑፍ በኸምዚ ዝስዕብ ኣገባብ ናብ ህዝቢ ቀሪቡ ኣሎ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ