“ግናኸ እቲ (ኣባና ዘሎ) ዓብዪ ሓይሊ፡ ናይ ኣምላኽ’ምበር፡ ናትና ከም ዘይኰነ ምእንቲ ኺገሃድ፡ እዚ (ናይ ዓብዪ ሓይሊ) ሃብቲ’ዚ ኣባና፡ ከም ኣብ ኣቕሓ መሬት ዝተቐመጠ’ዩ)። ብዅሉ ወገን ንጽቀጥ፡ ግናኸ ኣይጸብበናን’ዩ፡ እንገብሮ ይጠፍኣና፡ ግናኸ ተስፋ ኣይንቐብጽን ኢና፡ ንስጐጕ፡ ድርቡያት ግን ኣይኰንናን። ይደፍኡና፡ ግናኸ ኣይንጠፍእን ኢና።” 2ቈረ 4፡7-9 ካ.ት + ቀ.ት.
ሰንበት 4 ጥቅምቲ 2020፡ ንዝኽሪ ኤርትራውያን ግዳያት ላምፐዱሳ፡ ኣብ ኩለን ኣህጉረ ስብከታትና ጸሎት ፍትሓት ተኻይዱ። እዚ ጸሎት ፍትሓት'ዚ: ስለቶም ኣብ 2013 ዓመት ኣብዚ እዋን'ዚ ህልቂት ዘጋጠሞም ልዕሊ 325 ዜጋታትና ኮይኑ፡ ስለቶም ድሕሪኡን ቅድሚኡን ኣብ ዝተፈላለየ እዋንን ቦታን ህይወቶም ዝሰኣኑ ኤርትራውያን ብሓባር ጸሎት ፍትሓት ተኻይዱ።
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ፥ ኣሜን።
ናብ ኩሎም ኦርቶዶክሳውያን ምእመናን ህዝበ-ክርስቲያን ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራትን ኣሕጉራትን እትነብሩ ዘሎኹም።
ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጎይታናን ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋ፡ ሰላምን ጥዕናን ኣብ ዘዘሎኹሞ ንኣኻትኩም ይኹን።
እቲ ካብ 1999 ኣ.ፈ ጀሚሩ ዓመት መጸ ብናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ቀኖናዊ መንበረ-ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ ዝዳሎ መንፈሳዊ ዓመታዊ ጉባኤና፥ ሎሚ ዓመት'ውን ብረድኤት እግዚኣብሔር ንመበል 22 ዓመቱ ክካየድ እዩ። እዚ ብጸሎተ-ቡራኬ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ መሪሕነት፥ ኣቦታት ውሉደ ክህነት፡ መዘምራን ትምህርቲ ሰንበትን ምሁራት ደቂ ቤተ ክርስቲያንን ብዝህብዎ፥ መደብ-ትምህርቲ፥ ስብከታት፥ ሰሚናራት፥ መዝሙራትን ጸሎተ-ምህልላን ብስሩዕ መደባት ንኽመሓላልፍ ብኽፍሊ ትምህርትን ስብከትን መርሓ-ግብር (ፕሮግራም) ወጺኡ ኣሎ። ናይ ሎሚ ዘመን ዓመታዊ ጉባኤ በዚ ዘሎ ለበዳ ሕማም-ኮረና ምኽንያት፥ ብመሰኮት ኢንተርነት ካብ ርሑቕ ብቐጥታ (Live)፡ ካብ ሓሙስ 30 ሓምለ (July) - ክሳብ ቀዳም 1 ነሓሰ (August) 2020 ኣ.ፈ (ካብ ፳፫ ክሳብ ፳፭ ሓምለ ፳፻፲፪ ዓ.ም) ካብ ሰዓት 12:00 - 8:00 ምሸት ብምብራቓዊ (10:00 - 6:00 ድ. ቀትሪ ብምዕራባዊ ) ኣቆጻጽራ ሰዓታት፡ ካብ ኣአንጋዲት ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ሥላሴ ሲንሲናቲ ኦሃዮ፥ ክመሓለልፍ ምዃኑ ብኣኽብሮት ክንሕብር ንፈቱ።
ሰላመ እግዚኣብሔር ምሳኻትኩም ክኸውን ንምነ።
እቲ ክካየድ ዝጸንሐ ክፍለ ትምህርቲ፥ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ 2020 ክዛዘም እዩ። ቀጻሊ ትምህርቲ ድማ ካብ 1 መስከረም 2020 ክጅመር እዩ። በዚ መሠረት፥ ኩልኹም ተመሃሮ ኣብ መርበብ ሓበሬታ https://tewahdotheology.org/ ኣቲኹም ዘድሊ ቅጽዕታት ኣማሊእኩም ክትምዝገቡ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንሕብር።
ምምሕዳር ክፍሊ ተመሃሮ ሥነ መለኮት ተዋሕዶ።
እወ ጾም-ኣርብዓ ተፈጺሙ፣ ሰሙነ-ሕማማት`ውን ሓሊፉ`ዩ። “-ክርስቶስ ተንሥኣ እሙታን፣ በዓቢይ ኃይል ወሥልጣን-” ኢሉ ሕዝብና መስቀል ክሳለመሉ ዝኽእል ኣብያተ-ክርስቲያናት ግና፣ ዛጊት ኣሎ ክበሃል ኣይተሰምዐን። ከመይሲ ኣብዚ እዋናት`ዚ እቲ ቤተ-እግዚኣብሔር፣ ተዓጽዩ`ዩ ዝርከብ ዘሎ። እዚ ከኣ እቲ ብዝኾነ ተኣምር፣ ክዕጾ ይኽእል`ዩ ኢልካ ዘይሕሰብ ዝነበረ ቤት-ኣምላኽ። ካብቲ ንቡር ዝኾነ ወጻኢ ክዕጾ ዘገድድ ምኽንያት ተረኺቡ ስለዘሎ`ዩ።
4ይ ክፋል መልእኽቲ ቅዱስ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - 18 መስከረም 2019
3ይ ክፋል መልእኽቲ ቅዱስ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - 17 መስከረም 2019
ተወሳኺ ሓድሽ መልእኽቲ (2ይ) ካብ ቅዱስ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ዘኤርትራ - 16 ነሓሰ 2019
ድሕሪ 13 ዓመት ማእሰርቲ ብቪድዮ ዝተቐድሐ ድምጺ 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ - 19 ሚያዝያ 2019
“ህዝቢ ኣክቡ ቅዱስ ጉባኤ ከም ዘሎ ንገሩ”! ኢዩኤል 2፡16
ናብ ኩሎም ኦርቶዶክሳውያን ምእመናን ህዝበ-ክርስቲያን ነበርቲ ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ከምኡውን ኣብ ኤርትራን ኣብ ኩሉ ኵርንዓት ዓለም እትርከቡ ብክርስቶስ ጎይታ ኣኅዋትና።
On Sunday February 19, 2012, Deacon Simon Hadgu was ordained and was given the name Fr. Moses.
The 2010 conference, which was hosted by the Archangel Gabriel Eritrean Orthodox Church, took place in New York City on July 22-25, 2010. Conference attendees came from numerous US
“ኣምላኽ ዚባላዕ ሓዊ’ዩ። ስለ’ዚ ንሕና ዘይተንቀጥቅጥ መንግስቲ (ኻብኡ) ‘ንቕበል ካብ ኰንናስ፡ ንኣምላኽ ብዜሐጕሶ ቅዱስ ኣኽብሮትን ብፍርሃት (ኣምላኽን) እና’ገልገልና (ንእግዚኣብሄር) ነመስግን።” እብ 12፡28,29 (መዝ 146፡2)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ