ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ፥ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ዓቃቤ-መንበር። ካብ ዕለት 09/03/2020 ኣትሒዞም፥ ኣብ ዓባይ-ብሪጣንያ፥ ሓዋርያዊ ዑደት ፈኢሞም። እዚ ዑደት’ዚ መቐጸልታ ናይቲ ብእስራኤል ዝጀመረ ዑደት ኮይኑ። ኣብ ከተማ-ማንችስተር ምስ በጽሑ ድማ፥ እቶም ናይ እንዳ መድሃኔ-ዓለም ቤተ-ክርስቲያን ማኅበረ-ምእመናን፥ ብዓቢይ ፍቕርን ኣኽብሮትን ተቐቢሎሞም።
ዓቃቢ ዝብል ቃል ካብ ዐቀበ ዝብል ናይ ግእዝ ግሢ ዝወጸ እዩ። ዓቀበ ማለት ሓለወ ክኸውን ከሎ ዓቃቢ ድማ ሓላዊ፥ ብሕድሪ ንዝተዋህቦ መጽንሒ እዩ ዘስምዕ። ኣብዚ ሎሚ-ቅነ ብዛዕባ ተኣፋፊ ጉዳይ 3ይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝምልከት ብሰብ እዋን ሰብ ኣሥመራ ብዝተዘርግሐ ዘጸይፍ መግለጺ፡ ንዕኦም ኣውጊዝና፥ ኣብታ ዘለዉዋ ቤት ዓጺናዮም ኣሎና። ነታ ሓዋርያዊት መንበር ከኣ ዓቃቢ ጌርናላ፡ ስለ ዝበሉ ብዙሓት ኦርቶዶክሳውያን ውሉደ-ክህነትን ምእመናንን መሪር ጓሂ ስለ ዝተሰምዖም በብዝመስሎም ኣብ መራኸቢ ብዙኃን ዓገብ ዝመልእኽቱ ይጽሕፉን ይዛረቡን ኣለዉ። ኣነ ድማ በታ ንእሽቶይ ዓቕመይ ከም መግለጺ ሓዘነይ ነዚኣ ክጽሕፍ ብሕሊናይ ተገዲደ ኣሎኹ።
The 12th Annual Conference of The Eritrean Orthodox Church, Diocese of North America will be held on July 22-25, 2010, at the Archangel Gabriel Eritrean Orthodox Church, in New York City, NY.
“ከም’ቲ ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ፡ ይሰምዓና’ዩ፡ እቲ ኣብኡ ዘሎና ትብዓት ድማ እዚ’ዩ። ነቲ ዝለመንናዮ ዘበለ ኸም ዚሰምዓና ኻብ እንፈልጥ ድማ፡ እቲ ካብኡ ዝለመንናዮ ልማኖ ድሮ ኸም ዝረኸብናዮ፡ ንፈልጥ ኢና።” 1ዮሃ 5፡14,15 (ግብ 10፡2,4)
ንሓሙስ 31 ታሕሳስ 2020 ናይ "ጽንዓት ይሃብኩም" መደብ ብZoom ተመዲቡ ዝነበረ: ኩነታት ስለዘየፍቀደ ተሰሪዙ ኣሎ። መልእክቲ "ጽንዓት ይሃብኩም" ክትህቡ ምስ እትደልዩ ግና ብውልቂ ክትልእኩ ነዘኻኽር። The Virtual memories and condolences that was planned for today [12/31/20] has been cancelled due to other family obligations.
መልእኽቲ "ጽንዓት ይሃብኩም" ካብ ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ጸሎተ ፍትሓት ንፍስሄር ኣቦይ ቆሞስ ኣርኣያ ተስፋይ
"So it was, as soon as the days of his service were completed, that he departed to his own house. - ኰነ ድማ፡ ቅነ ምግልጋሉ ምስ ኣብጽሔ፡ ናብ ቤቱ ኸደ።" (ሉቃ - Luke 1:23).
On Friday, December 25, 2020, the beloved Hegumen (komos) Araya Tesfay departed to be with the Lord Jesus Christ at the age of 87. Right after Eritrea declared independence in 1993, Hegumen Araya was the first priest to be sent oversea by Patriarch Philipos to serve in the USA and he was the priest of St. Gabriel Church of New York for 27 years.
The funeral service will be on Wednesday, December 30, 2020 at Saint Mark Coptic Orthodox Church, 7075 S Revere Pky, Centennial, CO, 80112. Because of COVID-19, attendance will be limited but the funeral service will be live streamed directly here.
May God comfort the family and repose his blessed soul in the paradise of joy.
| ሓጺር ታሪኽ ሕይወት ቆሞስ ኣርኣያ ተስፋይ |
ኣብዚ መራኸቢ ብዙሓን ዝገነነሉ ዘመን'ዚ፥ ሓቅን ሓሶትን ፈሊኻ ንኽትፈልጥ ኣብ ዘጸግም እዋን ኢና ዘለና። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት: ብስም ነጻ-ፕረስ፡ ዝተፈላለዩ ሰባት ወይ ትካላት ንዝተፈላለየ ዕላማታት ክብሉ ሃሳዪ ዝኾነ ነገራት በብጊዚኡ ይዝርግሑ እዮም።
በዚ መሰረት፥ ኣብ ወግዓዊ መስኮት ዜናታት መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ዘይዝርጋሕ ዝኾነ ይኹን ሓበሬታ፥ ንመንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ኣይውክልን እዩ። መርገጺ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ ከምዘይኮነ'ውን ብኣኽብሮት ንሕብር።
እግዚኣብሔር ቤተ ክርስቲያንናን ህዝብናን ይባርኽ። ኣሜን።
መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
እዚ ቃል`ዚ እቲ ሕያው ኣምላኽ፣ ብኣፍ ነቢይ-ኢሳይያስ ኣቢሉ ዝተዛረቦ ቃል`ዩ። እዚ መልእኽቲ`ዚ ናይ መጠንቀቕታ ደወል ከም-ዝነበረ`ውን፣ ካብቲ ቃላቱ ምርድኡ ይከኣል። እዚ ድማ ደቂ-ሰብ ካብቲ እግዚኣብሔር ዝሓንጸጸሎም መስመር ብምውጻእ፣ ናይ ገዛእ-ርእሶም ድሌት ብምኽታል፣ ሰጢጦም ክኸዱ ከለዉ ዝንገሮም ስምዕታ፣ ወይ ናይ መጠንቀቕታ ደወል `ዩ፣ ክበሃል`ውን ይከኣል።
እቲ ብብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ እናተመርሐ፣ ኣብ ቀጻሊ ሓዋርያዊ-ዑደት ዝርከብ ዘሎ ጉጅለ ቤተ-ክርስቲያን። ብድሕሪ እስራኤልን ጀርመንን፣ እቲ ጉዕዞ ናብ ሃገረ-ሆላንድ`ዩ ኣምሪሑ። ኣብ ዕለት 04/03 ድማ እቲ ጉዕዞ ጀሚሩዎ። ብድሕሪ ናይ 6-ሰዓት ናይ መኪና ጉዕዞ ከኣ፣ ኣማስያኡ ናብቲ ኣብ ከተማ ኣምስተርዳም ዝርከብ ናይ ግብጻውያን ገዳም ክበጽሕ ክኢሉ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ