ሕጋውን ቀኖናውን ሣልሳይ ፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ፡ ቅዱስ እንጦንዮስ ቀዳማዊ፡ ኣብታ ቅድስቲ መንበሮም ይምለሱ እሞ፡ ዕርቀ-ሰላም ክወርድ፥ ብተስፋ ንብዙሕ እዋን ክጽበ ጸኒሑ እዩ። ይኹን እምበር እቲ ብወገን ኣሥመራ ብ13 ግንቦት 2021 ዓ.ም.ፈ ዝተኣወጀ፡ ቀኖና ቤተ-ክርስቲያን ዝጠሓሰ፡ ምርጫ ዘይሕጋዊ 5ይ ፓትርያርክ፡ መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት ሰሜን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን፡ ብትሪ ከም ዝነጽጎን ከም ዝቃወሞን እናሓበረ፡ ኣብ ደረት ሓቅን ሕግን ቈይሙ ኸኣ፡ ከም ቀደሙ፡ ንሓዋርያዊ መሪሕነት 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ጥራይ ከም ዝቕበል፡ ንመላእ ማኅበረ ምእመናን፡ ውሉደ ክህነት፥ ኣኃት ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናትን ንኹሎም ዝምልከቶም ኣካላትን፡ ጽኑዕ መርገጺኡ የፍልጥ።
ኣብዚ መራኸቢ ብዙሓን ዝገነነሉ ዘመን'ዚ፥ ሓቅን ሓሶትን ፈሊኻ ንኽትፈልጥ ኣብ ዘጸግም እዋን ኢና ዘለና። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት: ብስም ነጻ-ፕረስ፡ ዝተፈላለዩ ሰባት ወይ ትካላት ንዝተፈላለየ ዕላማታት ክብሉ ሃሳዪ ዝኾነ ነገራት በብጊዚኡ ይዝርግሑ እዮም።
በዚ መሰረት፥ ኣብ ወግዓዊ መስኮት ዜናታት መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ዘይዝርጋሕ ዝኾነ ይኹን ሓበሬታ፥ ንመንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ኣይውክልን እዩ። መርገጺ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ ከምዘይኮነ'ውን ብኣኽብሮት ንሕብር።
እግዚኣብሔር ቤተ ክርስቲያንናን ህዝብናን ይባርኽ። ኣሜን።
መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
እዚ ቃል`ዚ እቲ ሕያው ኣምላኽ፣ ብኣፍ ነቢይ-ኢሳይያስ ኣቢሉ ዝተዛረቦ ቃል`ዩ። እዚ መልእኽቲ`ዚ ናይ መጠንቀቕታ ደወል ከም-ዝነበረ`ውን፣ ካብቲ ቃላቱ ምርድኡ ይከኣል። እዚ ድማ ደቂ-ሰብ ካብቲ እግዚኣብሔር ዝሓንጸጸሎም መስመር ብምውጻእ፣ ናይ ገዛእ-ርእሶም ድሌት ብምኽታል፣ ሰጢጦም ክኸዱ ከለዉ ዝንገሮም ስምዕታ፣ ወይ ናይ መጠንቀቕታ ደወል `ዩ፣ ክበሃል`ውን ይከኣል።
እቲ ብብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ እናተመርሐ፣ ኣብ ቀጻሊ ሓዋርያዊ-ዑደት ዝርከብ ዘሎ ጉጅለ ቤተ-ክርስቲያን። ብድሕሪ እስራኤልን ጀርመንን፣ እቲ ጉዕዞ ናብ ሃገረ-ሆላንድ`ዩ ኣምሪሑ። ኣብ ዕለት 04/03 ድማ እቲ ጉዕዞ ጀሚሩዎ። ብድሕሪ ናይ 6-ሰዓት ናይ መኪና ጉዕዞ ከኣ፣ ኣማስያኡ ናብቲ ኣብ ከተማ ኣምስተርዳም ዝርከብ ናይ ግብጻውያን ገዳም ክበጽሕ ክኢሉ።
ኢንጂነር ዑቕባዝጊ ሥዩም ምስ ቤተክርስቲያን ተዋህዶ ዝነበሮም ርክብ ከመይ ይመስል? ምስ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ዝነበሮም ርክብ ምስቶም ካልኦት ጳጳሳት ተዋህዶ ካብ ዝነበሮም ርክብ ዝተፈልየ ድዩ?
ከም-ዝፍለጥ ኣብዚ ሕጂ ዘሎናዮ እዋን። ንማኅበራዊ-ሕይወት ሕዝብና ብዝምልከት፥ ብዙሕ ክበሃልን ክጸሓፍን ጸኒሑ’ዩ፥ ገና’ውን ብዙሕ ይበሃልን ይጸሓፍን ኣሎ። ዘዛርብ ጉዳይ ከይ-ተረኽበ ግና፥ ዝዛረብ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ኩሉ ዘዝመስሎ ክብል ወይ ክጽሕፍ ከኣ መሰሉ’ዩ። ብመንጽር መሰል ግና ግዴታ ከም ዘሎ፣ ክዝንጋዕ ይግብኦ’ዩ ኣይንብልን። ከመይሲ ነዚ ደረት’ዚ ጥሒስካ ምርካብ። ብሓላፍነት ዘሕትት ገበን ኮይኑ ክርከብ ከም-ዝኽእል’ውን፥ ብልቦና ክጥመት ዘለዎ ኣገዳሲ ነጥቢ’ዩ።
ገለ ስምዒታውያን ሰባት፡ ብ2001 ዓ.ም. ነቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅ፣ማርያም ኣስመራ ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓዊ ከምዘንደድዎ ሰሚዒኩም ትኾኑ። እቲ ካብኡ ዝገደደ ድማ ኣባ ሉቃስ ዝበሃሉ ኣቡን፡ "እቲ ዝነደደ "መጽሓፍ ቅዱስ ኣይኮነን መጽሓፍ ርኹስ እዩ" ብምባል ክኽሕድዎ ፈቲኖም። ነቲ ሓቂ ክትፈልጥዎን ክትምርምርዎን ምእንቲ ግና እንሆ ብቪድዮ ዝተሰነየ መርትዖ ነቕርበልኩም። ቪድዮ ንምርኣይ ኣብዚ ጠውቕ። እቲ ዅሉ ዚኽእል እግዚኣብሔር ይቕረ ይበለልና። ዘመን ፍትሒ፡ ምሕረትን ፍቕርን ድማ ይሃበና።
“ናይ’ቲ መድሓኒና ዝዀነ ኣምላኽ ሕያውነትን ፍቕርን ምስ ተገልጸ ግና፡ ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ዘይኰነስ ብምሕረቱ፡ ማለት በቲ ኻልኣይ ልደት ዚህብ (ጥምቀትን) ብምሕዳስ መንፈስ ቅዱስን ኣድሓነና። ብጸጋኡ ጸዲቕና ብተስፋ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ወረስቲ ምእንቲ ኽንከውን ብመድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ንመንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሌና ኣብዚሑ ኣፍሰሶ። እዚ (ቓል’ዚ) እሙን’ዩ። ቲቶ 3፡4-8 ካ.ት (ቈሎ 2፡11-13 ፣ ሮሜ 6፡4)
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ አምላክ ኣሜን!
ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት፡ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን፡ ኣብ ውሽጢ ዓድን ኣብ ወጻኢ ሃገራትን ንዝርከቡ፡ ኩሎም ደቂ-ቤተ-ክርስቲያንን ደለይቲ ጽቡቕን፡ ብፍላይ ድማ ንኣበው ገዳማውያን፡ ንኣቦታት ካህናትን ዲያቆናትን፡ ንመላእ ማሕኅበረ ምእመናንን ምእመናትን፡ ከምኡውን ንምሉእ ሕዝቢ ኤርትራ መንፈሳዊ ሰላምታኡ የቕርብ።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሸውዓተ ኣጽዋማት ኣለዉዋ። ንሳቶም ድማ ጾመ ነቢያት፡ ጾመ ነነዌ፡ ዓቢይ ጾም፡ ዓርበ ረቡዕ፡ ጾመ ገሃድ፡ ጾመ ሓዋርያትን ጾመ ፍልሰታን ይበሃሉ። እግዚኣብሔር ንኣቦና ኣዳም ብኽብሪ ፈጢሩ ኣብ ገነት ምስ ኣቐመጦ ናይ መጀመርታ ዝሃቦ ትእዛዝ ጾም እዩ። ከምዚ ዝስዕብ እናበለ ድማ ኣዘዞ። ‘’ካብ ፍረ እቲ ኣብ ገነት ዘሎ ኦም ኵሉ ብላዕ ። ካብ ፍረ እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና ካብኣ ዝበላዕካላ መዓልቲ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ እሞ ካብኣ ኣይትብላዕ’’ በሎ። እምበኣር ኣጽዋማት ዝተሰርዐ ትእዛዝ እግዚኣብሔር ምእንቲ ከነኽብርን ሓይሊ ስጋና ብትዕግሥቲ ከነድክምን እዩ (ዘፍ 2፡17)።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ