እታ ሓቂ ሓራ ከተውጽኣኩም እያ- ዮሐ 8:31።
5 ሓምለ ብኣቈጻጽራ ግእዝ (ሓምለ 12 ዓ.ም.ፈ)፣ እቲ ብልምዲ “ሓርያ-ጉባኤ” ብዝብል ስም ዝፍለጥ ሃዋርያ ጳውሎስን ሃዋርያ ጴጥሮስን ብሰማእትነት ዝዓረፍሉ ዕለት እዩ።
ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዝዳሎ ትምህርቲ
“ንሓጢኣት መዊትናስ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ (ኢየሱስ) ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕንጸይቲ (ኣብ መስቀል) ጾሮ፡ ብቝስሉ ኢኹም ዝሓወኹም። (ቅድሚ ሕጂ) ከም እተባረራ ኣባጊዕ ኔርኩም ኢኹም’ሞ ሕጂ ግና ናብ’ቲ ጓሳኹምን ሓላው ነፍስትኩምን ተመሊስኩም ኣለኹም።” 1ጴጥ 2፡24,25
ንሰለስተ መዓልትታት (ሓሙስ: ዓርቢ: ቀዳም) መዓልታዊ ካብ ሰዓት 12:00 - 8:00 ምሸት ብምብራቓዊ (10:00 - 6:00 ድ. ቀትሪ ብምዕራባዊ ዞባ ኣሜርካ) ዝዝርጋሕ መደባት በዚ ኣገባብዚ ክትከታተሉ ብኣኽብሮት ንሕብር።
መደባት ዓርቢ ዓመታዊ ጉባኤ ቤተክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ
(2ይ) መደብ ናይ ንጉሆ
(1ይ) መደብ ናይ ንጉሆ
መደባት ሓሙስ ዓመታዊ ጉባኤ ቤተክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ
እቶም ብልኡኻት ዓፈና ህግደፍ ኣብ ከተማ ጊንዳዕ ኣብ ወርሒ ሰነ 2019 ኣ.ፈ ዝተኣስሩ ገዳማውያን ኣቦታት ደብረ ቢዘን፡ ሕጂውን ገና ብዘይ ሓደ ክስን ፍርድን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሕጊ-ኣልቦ ሥርዓት ህግደፍ ብኸቢድ ጸቕጥን ምስኣን ጥዕናን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዘለዉ ተፈሊጡ ኣሎ። ወላ’ኳ ብኣቦታት ደብረ-ቢዘንን ገለ ግዱሳትን ንኽፍትሑ ጻዕሪ እንተተግበረ፥ ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነት ግና ተጋጊና ኢና ኢሎም ከይፈረሙን ንመሪሕነት ኣባ ሉቃስ ከይተቐበሉን ከምዘይፍትሑ እዮም ዝፍክሩሎም ዘለዉ። እቶም 5ተ ኣቦታት መነኮሳት ገዳም ደበረ ቢዘን፡-
በስመ ሥላሴ እቀጠቅጥ ከይሴ
"ዕረፍትን ትንሣኤን ድንግል ማርያም"
"እዛ፡ ፈታዊኣ ተመርኲሳ፡ ካብ በረኻ እትድይብ ዘላስ መን እያ፧?" መኃልየ መኃልይ ዘሰሎሞን 8:5።
ብስም ክርስትና ካብ ዝጽውዓ ቤተ እምነታት (ርቱዕ መንገዲ) ዝብል ትርጉም ዘሎዎ እምነት ኦርቶዶክስ ዝኽተላ ኣብያተ ክርስቲያናት ንቅዱስ ሓዋርያዊ ትውፊት (Holy Tradition) ዓቢይ ቦታ ኣሎወን::ቅዱስ ትውፊት እንብሎ ካብ ቅዱሳን ኣቦታትና ሓዋርያት ጀሚሩ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተመኃላለፈ ዝመጽአ ኣስተምህሮን ሥርዓተ ኣምልኾን ኪኸውን ከሎ:መጽሓፍ ቅዱስውን ኣብ ዘመና ዝበጽሐ ብመንገዲ ሰንሰለት ቅዱስ ትውፊት እዩ::ነዚ እዮም ከኣ ኦርቶዶክሳውያት ኣበዋትና :-"መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ ገረብ ቅዱስ ትውፊት ዝበቖለ ሠናይ ፍረ እዩ" ዝብሉ።
ጐይታና ድሕሪ ትንሳኤኡ ነርብዓ መዓልታት ደጋጊሙ ኺረኣዮምን ህያውነቱ ኼረጋግጸሎምን ድሕሪ ምቕናዩ፡ ናይ ዕርገቱ’ውን ምስክር ምእንቲ ኪዀኑ፡ እናረኣይዎ ኺዓርግ ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ቢታንያ ወሰዶም። ኣብቲ ናይ ዝሓለፈ ሰንበት ንባብና ኸም ዝረኣናዮ፡ ኣብ ባሕሪ ገሊላ ዓሳ እናገፈፉ ኸለው’ዩ ዝተራእዮም።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ