ብብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ ተመሪሑ ኣብ ሃገረ ስዊድን ክካየድ፡ ካብ ነዊሕ እዋን ብመደብ ተታሒዙ ዝጸንሐ ጉባኤ፡ “-እግዚኣብሔር ንመንን ብኸመይን እዩ ርእሱ ዝገልጽ-” ብዝብል ኣርእስቲ፣ ሊቀ ካህናት ቀሺ ተኽለማርያም ምህርካጽዮን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ብ27 ከምኡ’ውን 28 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ስቶኮልም ተኻይዱ።
ናይ ዕድመ በዓል ጸጋ ዝኾኑ፡ ወዲ 91 ዓመት ክቡር ኣቦና 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ብዘይ ገበን ብጥልመት ጳጳሳትን ትእዛዝ መንግሥትን መንፈሳዊ መንበሮም ካብ ዝሕደጉ ድሮ 13 ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ። ቅዱስ ኣቦና ካብ 13 ጥሪ 2006 ኣ.ፈ ጀሚሮም ክሳብ ሎሚ ንልዕሊ 13 ዓመታት፡ ካብ ሰብን ቤተ ክርስቲያንን ካብ ቅዱስ ቁርባንን ዕጣንን ተገሊሎም፥ ብዘይ ፍትሕን ብዘይ ሕጋዊ ፍርድን ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር እንዳ ተሓለዉ፡ ብብዝሒ ደም፥ ሕማም ሽኮር፥ ቃንዛ ኵርምትን ምኹራዕ እዝንን እንዳተሳቐዩ ዝነብሩ ሽማግለ (ናይ ዘመንና ሓዋርያ)፡ ብሕይወት ዘለዉ ሰማዕተ-ክርስቶስ ኣቦ እምነት እዮም።
"The true fast is that in which sins, anger, tongue, and instincts are under control" (St Basil the Great).
The Holy Great Fast is often referred to as "The Spring of Our Spiritual Life". Spring being the most beautiful season of the year and a time of spiritual renewal.
“ኣሕዋተየ፡ (ብዓይነቱ) በበይኑ ዝዀነ ፈተና ኺበጽሓኩም ከሎ፡ ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ። (ምኽንያቱ) ብእምነትኩም ክትፍተኑ ኸለኹም፡ ጽንዓት’ዩ ዜፍርየልኩም። ግናኸ ብሓንቲ ነገር’ኳ ከይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ክሳዕ መወዳእታ ብትዕግስቲ ጽንዑ፡ . . . እቲ ብጊዜ ፈተና ዚዕገስ ሰብ ብጹእ’ዩ፡ (ምኽንያቱ) ተፈቲኑ(ብዓወት) ምስ ወጸ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ህይወት ኪቕበል’ዩ።” ያእ 2፡2-4,12 ካ.ት
ኣብ ውሽጥን ኣብ ስደትን እትርከቡ ክርስቶሳውያን ምእመናን
ናይ ኤርትራ ኣብያተክርስቲያናት ተዋሕዶ:ሰንበት ዕለት 21 ሰነ 2020 ምእንቲ እቶም ንፍትሕን ናጽነትን ሰላምን ኢሎም ክብርቲ ህይወቶም ዝወፈዩ ስዉኣት ኤርትራ ጸሎተ ፍትሓት ከካይዳ እየን።
ዓመታዊ ክብረ በዓል ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ከተማ ሻርሎት ሰሜን ካሮላይና ከምቲ ልሙድ ዓመት መጸ ብኽብሪ ዝበዓል: ሎሚ ዓመት'ውን ቀዳም 23 ሕዳር 2019 ዓ.ፈ (፲፫ ሕዳር ፳፻፲፪ ዓ.ም) ብዝደመቐን ዝማዕረገን ኣገባብ ን10ይ ግዜኡ ተኸቢሩ ውዒሉ። እዚ ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ ብነፈርትን መካይንን ብዝመጹ ብብዝሒ ኣጋይሽ ነጋድያን፥ ምእመናን ነበርቲ ከተማ ሻርሎት፥ ውሉደ ክህነትን መንእሰያት ተመሃሮ ትምህርቲ ሰንበትን ዝተሳተፍዎ፥ ዓቢይ መንፈሳዊ ክብረ በዓል ብኃይሊ ኣምላኽን፥ ብረድኤት ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክትን ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ተስፋን በረኸትን ብዝመልኦ ድሙቕ ኣገባብ እዩ ተኸቢሩ ውዒሉ።
በስምኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ!
ሓራ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ክርስቶስ ሓርነት ኣውጺኡና እዩ። ስለዚ ጽንዑ፡ ከም ብሓድሽ በርዑት ባርነት ኣይትቈረኑ። ገላ 5፡ 1።
ምኽንያት ጽሑፈይ በቲ መግለጺ ወጽዩ ዘሎ ብሽፋን ቅዱስ ሲኖዶስ ዝብል'ዩ:: ቅድስና ይትረፍሲ ሰብ ምዃን ኣጥፊኡ ዘሎ ሲኖዶስ እዩ:: ንቅዱስ እንጦንዮስ ብእምነት ክኸስዎም ብቕዓት ኮነ ሞራል የብሎምን:: ቅዱስ እንጠንዮስ ድምጾም ተሰሚዑ መልእኽቲ ፈንዮም ምስ ተሰመዓ፥ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ደቂሶም ኣይፈልጡን እዮም:: ነቲ ዝገበርዎ በደል ብየቅሬታን ብትሕትናን ከይዛዝምዎ ናብ ሰይጣናዊ ዝኾነ ህልኽ ምእታዎም ንቤተክርስቲያና ዓብይ ዉድቀት ኮይኑ ኣሎ:: እዚ ኹሉ ዝግበር ዘሎ ዋናታቱ እቶም ሰብ ፖለቲካ ምዃኖም ክዝንጋዕ ዘይግበኦ ሓቂ እዩ::
ርእይቶ ካብ ምእመናን ቤተክርስትያን ተዋህዶ:
ናብ ክቡር ኣቦና ኣቡነ መቃርዮስን ኩልኹም ኣብ ከባቢኦም ዘለኹም ኣቦታት ካህናትን ኣሕዋትን።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ