ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ዝነበረ ታሪኽ፡ ነቶም ተዋሳእቲ ናይቲ ታሪኽ ገዲፍካ፡ ከምዘለዎ ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን እናተፈጸመ ብዓይንኻ ክትርእን፡ ኣካል ናይቲ ዝፍጸም ዘሎ ታሪኽ ኮይንካ ንገዛእ ርእስኻ ክትረኽባን ዘገርም እዩ። ናይ ታሪኽ ጽቡቅ ነገሩ፡ ንኽልቲኡ ኣሉታውን ኣወንታውን ናይቲ ፍጻሜ ስለዝገልጽ፡ ተጠንቂቑ ነቲ ታሪኽ ብምስትውዓል ንዘንብብ ብዙሕ’ዩ ዝምሃር። እቲ ብዘይ ምስትውዓል ነቲ ታሪኽ ዘንብብን፡ ካብ ቅንዕና ወጻኢ ብኻልእ ፖለቲካውን ማሕበራውን መኽሰባት ተታሊሉ ክትርጉሞ ዝፍትን ግን፡ ነቲ ታሪኽ ብኣሉታዊ ጎኑ ካብ ምድጋም ካልእ ምርጫ ኣይህልዎን እዩ።
5 ሓምለ ብኣቈጻጽራ ግእዝ (ሓምለ 12 ዓ.ም.ፈ)፣ እቲ ብልምዲ “ሓርያ-ጉባኤ” ብዝብል ስም ዝፍለጥ ሃዋርያ ጳውሎስን ሃዋርያ ጴጥሮስን ብሰማእትነት ዝዓረፍሉ ዕለት እዩ።
The 11th Annual Conference of The Eritrean Orthodox Church, Diocese of North America will be held on 30 July-August 2, 2009 in Washington, DC. at Medhnie-Alem Eritrean Orthodox Church.
“ንስኻትኩም ግና፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ነዚ ድሮ ትፈልጥዎ ኢኹም፡ እምበኣር፡ ብስሕተት ናይ’ቶም ስዲ ዚኸዱ ዘለዉ ተሳሒብኩም ካብ’ቲ ጽኑዕ መሰረትኩም ከይትወድቁ ተሓለዉ። ብናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጸጋን (ፍልጠትን) ግና ዕበዩ። ንእኡ ሕጅን ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ፡ ኣሜን።” 2ጴጥ 3፡17,18 ካ.ት
በዓለ-ፋሲካ ብዝመጸ ቁጽሪ፣ ኣብ ቤተ-ክርስቲያንና ዘንት ዕለት፣ ደሚቑ ዝዝመር ያሬዳዊ መዝሙር ኣሎ። ንሱ ድማ “-ነቶም ትንሣኤኻ እንኣምን ሕዝብኻ፣ ብርሃንካ ፈንዎ ናባና-” ዝብል እዩ። ከመይሲ እታ ብምኽንያት እቲ ኣብ ገነት ዝተረኽበ ወድቀት፣ ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ኣትያ ትርከብ ዝነበረት ዓለም። በቲ ጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ ኣብ ቀራንዮ፣ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ዝኸፈሎ ዋጋ፣ ብርሃን በሪሁዋ ነፃ`ውን ኮይና`ያ። ስለዚ ከኣ`ዩ እቲ ብታሪኹ ኣፍቃሪ-መስቀል ዝኾነ ሕዝብና። “-ትንሣኤከ ለእለ ኣመነ፣ ብርሃነከ ፈኑ ዲቤነ-” ብምባል፣ ነዚ ክቡር በዓል`ዚ ከብዕሎ ዝርከብ።
ብፁዕ ኣቦና ኣብ ሃገረ-እስራኤል ክገብሩዎ ዝቐነዩ ሓዋርያዊ-ዑደት ብምቕጻል፣ ኣብ ዕለት 25/03/2020 ኣብ ሃገረ-ጀርመን ኣትዮም። ኣብ ፍራንክፎርት ድሕሪ ምውራዶም ድማ፣ ኣብ ከባቢ ካስል ናብ ዝርከብ ናይ ግብጻውያን ገዳም ኣምሪሖም። ድሕሪ ናይ 4ተ ሰዓት ናይ ማኪና ጉዕዞ ከኣ፣ ኣብቲ ብብፁዕ ኣቡነ-ድምያን ዝመሓደርን ዝምራሕን ገዳም ክበጽሑ ክኢሎም።
ትምህርቲ ስነ መለኮት ተዋሕዶ ምስ ናይ ግብጺ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ብምትሕብባር፥ ንውሉደ ክህነትን ምእመናንን መንፈሳዊ ፍልጠቶም ንምዕባይ ኣብ 2013 ትምህርቲ ምጅማርና ዝዝከር እዩ። መፍትሒ ናይቲ ውህሉልን፡ ስቓይ ኮይኑና ዘሎ እዋናውን ፈተና ቤተክርስቲያንና ድሕረት ትምህርቲ ምዃኑ ስለ ንኣምን፡ ትምህርቲ ንምስፋሕ ዝኣክል ሕድገታት ክንገብር ከምዘሎና ንግንዘብ።
ኩልና ከም ንፈልጦ፡ ሽም ዘይብሉ ንህቢ፡ ኣይሰምር፡ ኣየምዕር ምዃኑ ርዱእ ሓቂ እዩ። ቆፎ ብዘይ ንህቢ ድማ ኣይብርበር፡ ኣይከብር እኳ ደኣ ይሓስር እዩ። ምኽንያቱ እቲ ዘምዕርን ዘኽብርን ዝነበረ ዕስለ ንህቢ ምስ ሽሙ ነቲ ቆፎ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ሓዲግዎ ስለ ዝኸደ እዩ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ