3ይ ክፋል ቃለ መሕትትን ዘተን ምስ ኣቦታት ካህናት ቀሲስ ዲበ ገብረወልድን ምስ ቀሲስ ዶ/ር ቴድሮስ ተስፋይን
ዕለት፥- ቀዳም 26 መስከረም 2020
ሰዓት፥- 5:00 ድ.ቀ ብኣቆጻጽራ ምብራቓዊ ዞባ ኣሜርካ
ዛዕባ፥- ኣመሰራርታ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካን ሕጂ ዝርከበሉ ዘሎ ኩነታትን።
መስኮት መራኸቢ፥ ብቀጥታ ዝመሓላለፍ ገጽ ንገጽ ኣብ
1. https://www.facebook.com/EritreanOrthodoxChurch
2. https://www.youtube.com/c/TewahdoTV
3. ኣብዚ ገጽ መርበብ ሓበሬታ ተዋህዶ
ተኸታተልቲ ንዘቕርቡዎም ሕቶታት`ውን ኣቦታት መልሲ ክህቡሎም እዮም።
ክፍሊ መራኸቢ ብዙሓን መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዝኽትምና ቀዳምነት ኣብ ሕጻናት ብሓፈሻ ድማ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ዘስዕቦ ሥነ-ኣእምሮኣዊ ይኹን ማኅበራዊ ጉድኣት ቀሊል ኣይኮነን። ብሞት ወለዲ ንዝመጽእ ዝኽትምና ከኣ ግደፍዶ ክትምነዮስ ወሪዱካ ክትጾሮውን ከቢድ መስገደል ምዃኑ እቲ ዘይበጽሖ ሰብውን ዘይርድኦ ኣይኮነን። ከምቲ ሥጋውያን ወለዲ ዘለዉና፥ መንፈሳውያን ወለዲ ከም ዘለዉና ድማ ኩልና ክንስሕቶ ኣይግባእን። ዝኽትማና እምበኣር ሰብ ብዝሰርሖ ይኹን ብተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ከጋጥም ዝኽእል መሪር ዕዳ ምስኣን ወለድን ኩሉ ሓልዮቶምን መሪሕነቶምን ማለት እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ዝኽትምና ብምስኣን ሥጋውያን ይኹኑ መንፈሳውያን ወለድና ከጋጥም ከም ዝኽእል ክንርዳእ ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ። እቲ ንቡር ብዘይ ንቡር ኣብ ዝተተክኣሉ፥ ጥልመትን ጭካነን ኣብ ዝበዝሖ መወዳእታ ዘመን 8ይ ሺሕ ንነብር ብምህላውና ድማ እንሆ ኣብ ቅድስት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራውን ንልዕሊ 15 ዓመታት ዝኣክል ክትኣምኖ ብዘጸግም ኵነታት መንፈሳዊ ዝኽትምና ወሪዱናስ ብከቢድ ሓዘንን ጓህን እናነባዕና ንነብር ኣሎና።
ሰንበት ትንሳኤ - Resurrection Sunday Service Schedule
ቀዳማይ መደብ (ቀዳም ምሸት ካብ ሰዓት 7:00 - 1:00 ሰንበት ንግሆ ብምብራቓዊ ኣቆጻጽራ )
ካልኣይ መደብ (ቀዳም ምሸት ካብ ሰዓት 7:00 - 1:00 ሰንበት ንግሆ ብምዕራባዊ ኣቆጻጽራ - Pacific Standard Time)
ከም-ዝፍለጥ ኣብዚ ሕጂ ዘሎናዮ እዋን። ንማኅበራዊ-ሕይወት ሕዝብና ብዝምልከት፥ ብዙሕ ክበሃልን ክጸሓፍን ጸኒሑ’ዩ፥ ገና’ውን ብዙሕ ይበሃልን ይጸሓፍን ኣሎ። ዘዛርብ ጉዳይ ከይ-ተረኽበ ግና፥ ዝዛረብ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ኩሉ ዘዝመስሎ ክብል ወይ ክጽሕፍ ከኣ መሰሉ’ዩ። ብመንጽር መሰል ግና ግዴታ ከም ዘሎ፣ ክዝንጋዕ ይግብኦ’ዩ ኣይንብልን። ከመይሲ ነዚ ደረት’ዚ ጥሒስካ ምርካብ። ብሓላፍነት ዘሕትት ገበን ኮይኑ ክርከብ ከም-ዝኽእል’ውን፥ ብልቦና ክጥመት ዘለዎ ኣገዳሲ ነጥቢ’ዩ።
ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ፤ ብውሽጢ ከቢድ ነውጽን ምፍልላይን፡ ብግዳም ድማ ተነጽሎ ካብ ኣድማሳዊ ማሕበር ኣብያተ ክርስቲያናትን ካብ ኣሓት ኦርቶዶክሳውያን ኦርየንታልን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣጋጢምዋ ትርከብ። ጠንቂ ናይዚ ፍጻመ እዝን ካልእን ዝድህስስ መጽናዕታዊ ጽሑፍ በኸምዚ ዝስዕብ ኣገባብ ናብ ህዝቢ ቀሪቡ ኣሎ
“መሪር ቅንእን ሻራን ኣብ ልብኹም ካብ ዚህልወኩም ግና፡ ንሓቂ እናተጻረርኩም ኣይትመክሑን ኣይትሓስዉን። ኣብ’ቲ ቕንእን ሻራን ዘለዎ፡ ኣብኡ ምፍራስ ስርዓትን ኵሉ እኩይ ግብርን ኣሎ’ሞ፡ እዛ ጥበብ’ዚኣ ምድራዊትን ስጋዊትን ሰይጣናዊትን’ያ’ምበር፡ ካብ ላዕሊ እትወርድ ኣይኰነትን።” ያእ 3፡14-16 (ቲቶ 3፡10,11)
ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ። ኣሜን።
ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት፡ ካብ ልክዕ ንላዕሊ እናተጎሃሃረ ይኸይድ ምህላዉ፡ ዘኅዝን ጉዳይ እዩ። ኲናት፡ ቀለቡ ሰብ እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንሕዝቢ ዘጽንት፥ ንብረት ዘዕኑ፥ ሽማግለታት፥ ሕፃናት፥ ነፍሰ-ጾራት፥ ከይፈለየ ንኹሉ በልማማ ዝጐድእ ሓደገኛ ተርእዮ ኮይኑ ኣሎ። መንበረ ጵጵስና ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ
ብሩኽ በዓለ ቅዱስ ዮሓንስን ሓድሽ ዓመተ ምሕረት [2013 ግእዝ] ይግበረልና።
ዎ ጎይታ ሰላምካ ሃበና፥ ካብ ኢድ ጸላእትና ኣናግፈና፥ ካብ ሕማምና ፈውሰና፥ ንስኻ ኩሉ እትኽል ኣምላክ ኢኻ'ሞ ንህዝብኻ ባርኮምን ሓልዎምን። ከምኡ'ውን፥ በቲ ዘይውዳእ ፍቕርኻ፥ ኣኽሊል ናይዚ ዓመት ባርኽ፥ ወሓዝን ፈልፋሊ ማያትን ባርኽ፥ ዘርእን ኣታኽልቲ ናይ'ዛ ምድሪ'ውን ባርኸልና። ኣሜን።
ዝኸበርኩም ማኅበረ-ምእመናን-! እዚ ሕጂ ንርከቦ ዘሎና እዋን፣ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ። ኣብ ዝሃሎና ሃገር ንሃሉ ብዘየገድስ፣ ኩላትና ብኃባር ነስተማቕሮ ዘሎና መሪር ሕይወት`ዩ። ምናልባት`ውን ኣብ ታሪኽ ዓለምና፣ ከምዚ ናይ ሕጂ ኣጋጢሙ ክበሃል ዝከኣል ኣይመስልን። ከመይሲ ኣብ 1-ይን 2-ይን ኲናት-ዓለም፣ ብሚልዮናት ዝቑጸር ብዙሕ ሕዝቢ ከም-ዝሃለቐ ዝፍለጥ`ዩ። እዚ ግና ኣብቲ ዓውዲ-ኲናት ዝካየደሉ ዝነበረ፣ ውሱን ቦታ ደኣምበር። ንምልእቲ ዓለም ካብ ጫፍ ንጫፍ በጺሑዋ`ዩ ዝበሃል ኣይነበረን።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ