መበል 15 ዓመታዊ ጉባኤ ቤተክርስትያን ተዋሕዶ፡ መምበረ ጵጵስና ሰሜን ኣመሪካ ብዓወት ተዛዚሙ።
“(ንሳኦል ካብ ስልጣኑ) ምስ ሰዓሮ ድማ፡ ንጉስ ኪኸውን ንዳዊት ኣተንስኣሎም፡ ‘ዳዊት ወዲ እሴይ ኵሉ ፍቓደይ ዚገብር ሰብኣይ ዝኸም ልበይ ረኸብኩ’ ኢሉ ኸኣ መስከረሉ። . . . ዳዊት ብዘመኑ ንፍቓድ ኣምላኽ ምስ ኣገልገለ ዓረፈ፡ . . . ።” ግብ 13፡22,36
ሕጋውን ቀኖናውን ሣልሳይ ፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ፡ ቅዱስ እንጦንዮስ ቀዳማዊ፡ ኣብታ ቅድስቲ መንበሮም ይምለሱ እሞ፡ ዕርቀ-ሰላም ክወርድ፥ ብተስፋ ንብዙሕ እዋን ክጽበ ጸኒሑ እዩ። ይኹን እምበር እቲ ብወገን ኣሥመራ ብ13 ግንቦት 2021 ዓ.ም.ፈ ዝተኣወጀ፡ ቀኖና ቤተ-ክርስቲያን ዝጠሓሰ፡ ምርጫ ዘይሕጋዊ 5ይ ፓትርያርክ፡ መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት ሰሜን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን፡ ብትሪ ከም ዝነጽጎን ከም ዝቃወሞን እናሓበረ፡ ኣብ ደረት ሓቅን ሕግን ቈይሙ ኸኣ፡ ከም ቀደሙ፡ ንሓዋርያዊ መሪሕነት 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ጥራይ ከም ዝቕበል፡ ንመላእ ማኅበረ ምእመናን፡ ውሉደ ክህነት፥ ኣኃት ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናትን ንኹሎም ዝምልከቶም ኣካላትን፡ ጽኑዕ መርገጺኡ የፍልጥ።
ቅዱስ-ዳዊት ኣብ መዝሙሩ፣ ንትንሣኤ ጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ ኣመልኪቱ፣ ብመንፈስ ትንቢት ተመሊኡ ክዝምር ከሎ፣ “-እግዚኣብሔር ኣብ ድቃስ ከም-ዝጸንሐ ኮይኑ፣ ተንሥአ” ብምባል`ዩ ገሊጹዎ ዘሎ። እወ እቲ ሕያው ዝኾነ ዘለዓማዊ ኣምላኽ፣ ሞት ኣጽኒዑ ክሕዞ ዝኽእል ስለ-ዘይነበረ፣ ክትንሥእሲ ናይ ግድን`ዩ ነይሩ። ንምዃኑኸ ስለምንታይ`ዩ ክመውት ዝኸኣለ-? ንዝብል ሕቶ፣ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ብኸምዚ ዝስዕብ መሊሱዎ ኣሎ። “-ግናኸ ንሕና ገና ኃጥኣን ከሎና፣ ክርስቶስ ክንዳና ሞይቱ እዩ`ሞ፣ ኣምላኽ እታ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ በዚ የርኢ ኣሎ ብምባል`ዩ ገሊጹዎ ዘሎ። (ሮሜ-5/8)።
ሰላመ እግዚኣብሔር ምሳኻትኩም ክኸውን ንምነ።
እዚ ሒዝናዮ ዘለና ናይ ትምህርቲ ግዜ፥ ኣብዚ ወርሒ እዚ ክዛዘም ምዃኑ ንሕብር። ፈተና ዝወሃበሉ እዋን ካብ 15 ጥሪ ክሳብ - 30 ጥሪ 2021 እዩ። በዚ መሠረት፥ ኩልኹም ተመሃሮ ኣብ መርበብ ሓበሬታ https://tewahdotheology.org ኣቲኹም ዘድሊ ቅጽዕታት ኣማሊእኩም ክትምዝገቡ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንሕብር።
ምዝገባን መምርሕን ትምህርቲ 2021 ዓ.ም
ናይዙ እሞ ዝገደደ
ዝበለ ንተርትረ ንቅደደ
ከም ዓለባ ንቀዳድደ
ንሓቂ ንተርትረ ንቅደደ
ካባኡ ዝኸፍአ ዝገደደ
ካህናት ክቕበልዎ ገደደ
ገ እናበሉኻዶ ትጋገ!፧
እዙስ እምብዛ የስገድግደ፥
Pray for His Holiness Antonios, Patriarch of the Eritrean Orthodox Church who has been under house arrest since January 13, 2006.
Day 27 (4th Saturday of the Holy Great Fast)
“Let my prayer be set before You as incense, the lifting up of my hands as the evening sacrifice.” (Psa 141:2)
ካብ ትሕዝቶታት ጉባኤ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ 2013
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ