ኣብ ከተማ ሃሪሰንበር (Harrisonburg) ክፍለ ግዝኣት ቪርጅንያ ሓዳስ ቤተ ክርስቲያን ኪዳነ ምሕረት ተሃኒጻ። ኣገልግሎት'ውን ድሮ ጀሚራ ኣላ። ኣገልጋሊ ቤተ ክርስቲያን ኪዳነ ምሕረት ኣቦይ ቀሺ ባህታ ኣሚነ ከምዝገለጽዎ፥ "ድሕሪ ብዙሕ ፈተናን ድኻምን፥ ኣምላኽ ረዲኡና፥ ናይ ገዛእ ርእስና ቤተ ክርስቲያን ክንምስርት ጸጋ ዘብዝሓልና እግዚኣብሔር ነመስግኖ" ክብሉ ስለቲ እግዚኣብሔር ዝገበረሎም ዓቢ ነገር ይገልጹ።
መግለጺ መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን።
Here is the Hotel information. The hotel Fee is $85.00 a night, each room has two beds. The rate will start Wednesday July 20, 2011.
“ (ክርስቶስ) ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ተሓርየ፡ ኣብ መወዳእታ ዘመን ግና ምእንታኻትኩም ተገልጸ። ንስኻትኩም እምነትኩምን ተስፋኹምን ኣብ ኣምላኽ ምእንቲ ኪኸውን፡ በቲ (ንክርስቶስ) ካብ ምውታት ዘተንስኦ፡ ክብሪ’ውን ዝሃቦ ኣምላኽ ኣመንኩም።”1ጴጥ 1፡20,21 ካ.ት
ሰላመ እግዚኣብሔር ምሳኻትኩም ክኸውን ንምነ።
እዚ ሒዝናዮ ዘለና ናይ ትምህርቲ ግዜ፥ ኣብዚ ወርሒ እዚ ክዛዘም ምዃኑ ንሕብር። ፈተና ዘይወሰድኩም፥ ክሳብ መወዳአታ ነሓሰ 2021 ክትወስዱ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንሕብር። ዝቕጽል ምዱብ ትህምህርቲ፥ 1 መስከረም 2021 ዓ.ም ክጅመር እዩ።
ዓይነት ዝወሃብ ትምህርቲ።
1. ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን - Church History
2. ቀኖና ቤተ ክርስቲያን - Canon of the Church
3. ምሕደራ ቤተ ክርስቲያን - Church Administration
ምምሕዳር ክፍሊ ተመሃሮ: ኮለጅ ሥነ መለኮት ተዋሕዶ።
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ፥ ኣሜን።
ናብ ኩሎም ኦርቶዶክሳውያን ምእመናን ህዝበ-ክርስቲያን ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራትን ኣሕጉራትን እትነብሩ ዘሎኹም።
ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጎይታናን ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋ፡ ሰላምን ጥዕናን ኣብ ዘዘሎኹሞ ንኣኻትኩም ይኹን።
እቲ ካብ 1999 ኣ.ፈ ጀሚሩ ዓመት መጸ ብናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ቀኖናዊ መንበረ-ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ ዝዳሎ መንፈሳዊ ዓመታዊ ጉባኤና፥ ሎሚ ዓመት'ውን ብረድኤት እግዚኣብሔር ንመበል 22 ዓመቱ ክካየድ እዩ። እዚ ብጸሎተ-ቡራኬ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ መሪሕነት፥ ኣቦታት ውሉደ ክህነት፡ መዘምራን ትምህርቲ ሰንበትን ምሁራት ደቂ ቤተ ክርስቲያንን ብዝህብዎ፥ መደብ-ትምህርቲ፥ ስብከታት፥ ሰሚናራት፥ መዝሙራትን ጸሎተ-ምህልላን ብስሩዕ መደባት ንኽመሓላልፍ ብኽፍሊ ትምህርትን ስብከትን መርሓ-ግብር (ፕሮግራም) ወጺኡ ኣሎ። ናይ ሎሚ ዘመን ዓመታዊ ጉባኤ በዚ ዘሎ ለበዳ ሕማም-ኮረና ምኽንያት፥ ብመሰኮት ኢንተርነት ካብ ርሑቕ ብቐጥታ (Live)፡ ካብ ሓሙስ 30 ሓምለ (July) - ክሳብ ቀዳም 1 ነሓሰ (August) 2020 ኣ.ፈ (ካብ ፳፫ ክሳብ ፳፭ ሓምለ ፳፻፲፪ ዓ.ም) ካብ ሰዓት 12:00 - 8:00 ምሸት ብምብራቓዊ (10:00 - 6:00 ድ. ቀትሪ ብምዕራባዊ ) ኣቆጻጽራ ሰዓታት፡ ካብ ኣአንጋዲት ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ሥላሴ ሲንሲናቲ ኦሃዮ፥ ክመሓለልፍ ምዃኑ ብኣኽብሮት ክንሕብር ንፈቱ።
ሰላመ እግዚኣብሔር ምሳኻትኩም ክኸውን ንምነ።
እቲ ክካየድ ዝጸንሐ ክፍለ ትምህርቲ፥ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ 2020 ክዛዘም እዩ። ቀጻሊ ትምህርቲ ድማ ካብ 1 መስከረም 2020 ክጅመር እዩ። በዚ መሠረት፥ ኩልኹም ተመሃሮ ኣብ መርበብ ሓበሬታ https://tewahdotheology.org/ ኣቲኹም ዘድሊ ቅጽዕታት ኣማሊእኩም ክትምዝገቡ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንሕብር።
ምምሕዳር ክፍሊ ተመሃሮ ሥነ መለኮት ተዋሕዶ።
4ይ ክፋል መልእኽቲ ቅዱስ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - 18 መስከረም 2019
3ይ ክፋል መልእኽቲ ቅዱስ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - 17 መስከረም 2019
ተወሳኺ ሓድሽ መልእኽቲ (2ይ) ካብ ቅዱስ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ዘኤርትራ - 16 ነሓሰ 2019
ድሕሪ 13 ዓመት ማእሰርቲ ብቪድዮ ዝተቐድሐ ድምጺ 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ - 19 ሚያዝያ 2019
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ