“ንሓጢኣት መዊትናስ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ (ኢየሱስ) ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕንጸይቲ (ኣብ መስቀል) ጾሮ፡ ብቝስሉ ኢኹም ዝሓወኹም። (ቅድሚ ሕጂ) ከም እተባረራ ኣባጊዕ ኔርኩም ኢኹም’ሞ ሕጂ ግና ናብ’ቲ ጓሳኹምን ሓላው ነፍስትኩምን ተመሊስኩም ኣለኹም።” 1ጴጥ 2፡24,25
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ አምላክ ኣሜን!
ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት፡ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን፡ ኣብ ውሽጢ ዓድን ኣብ ወጻኢ ሃገራትን ንዝርከቡ፡ ኩሎም ደቂ-ቤተ-ክርስቲያንን ደለይቲ ጽቡቕን፡ ብፍላይ ድማ ንኣበው ገዳማውያን፡ ንኣቦታት ካህናትን ዲያቆናትን፡ ንመላእ ማሕኅበረ ምእመናንን ምእመናትን፡ ከምኡውን ንምሉእ ሕዝቢ ኤርትራ መንፈሳዊ ሰላምታኡ የቕርብ።
ንሕና ኤርትራውያን ከም ሕዝብን ከም ሃገርን መጠን፣ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዝና፣ ሰላምን ሠናይን ዝኾነ ጥዑም ዜና ክንሰምዕ፣ ሃንቀው ኣብ ምባል እንርከብ ዘሎና ሕዝቢ ኢና። እቲ ተስፋናን ትጽቢትናን ግና፣ ካብቲ ሕያው ኣምላኽ ገና መልሲ እንጽበየሉ ዘሎና ደኣምበር፣ ኣብ ራህዋን ሰላምን በጺሕና፣ ተመስገን-!! እንብለሉ ሰዓትሲ፣ ገና ርሒቑና`ዩ ዝርከብ ዘሎ።
እዚ ምድንጓይ`ዚ ግና ናቱ ምኽንያት ክህልዎ ከም ዝኽእል፣ ከም-ርዱእ ክውሰድ ዝኽእል ይመስለና። ከመይሲ ኣብቲ ሕጂ ዘሎ፣ ናይ ሕዝብና ማኅበራዊ-ሕይወት እንተ-ተመልከትና፣ እግዚኣብሔር ክሕጎሰሉ ዝኽእል፣ ሥሩዕ ዝኾነ ሥነ-ምግባር ኣሎና ክንብል ከም-ዘይንኽእል፣ ክንክሕዶ ንኽእል ኣይኮናን። ማኅበራዊ-ሕይወት ሕዝብና ኣዚዩ ተበላሽዩ ከም-ዘሎ፣ እቲ ንሕና ከም ሕዝቢ ንነብሮ ዘሎ ሕይወት ባዕሉ ክምስክሮ ዝኽእል እዩ። ካብ መንገድን ሕግን እግዚኣብሔር ወጺእካ፣ እነብር ኣሎኹ ምባል ድማ፣ ትርጉም ዘለዎ ምንባር ክኸውን ኣይክእልን እዩ።
“ቦ ጊዜ ለኩሉ” ከም-ዝበሎ ሰሎሞን ወዲ-ዳዊት፣ እቲ እግዚኣብሔር ዝመደቦ ግዜ ስለ-ዝኣኸለ፣ እንሆ ኣብታ ርእሰ-ከተማ ናይ ሃገረ-ስዊድን ዝኾነት ስቶኮልም`ውን፣ ኣብቲ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ጸኒዑ ዝቖመ፣ “ደብረ-ኣማኑኤል” ተባሂሉ ዝተሰምየ ሓዲሽ ቤተ-ቤተ-ክርስቲያን፣ ንኣገልግሎት ክፉት ኮይኑ ክርከብ፣ ናይቲ ገባር ተኣምራት ዝኾነ ሕያው ኣምላኽ፣ ቅዱስ-ፍቓድ ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ። ስለ`ዚ ከኣ`ዮም እቶም ነዚ ቅዱስ ራእይ`ዚ ተግባራዊ ንምግባር፣ ካብ ነዊሕ እዋን ክደኽሙን ክጽዕሩን ዝጸንሑ ማኅበረ-ምእመናን፣ ንሓጎሶም ወሰን ዘይረኽቡሉ።
Day 5 (1st Friday of the Great Fast)
“Jesus said to him, ‘I am the way, the truth, and the life. No one comes to the Father except through Me.’” (John 14:6)
በዓል---------ዕለት ብግእዝ------------- Fast or Feast--------------------Date
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ