S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ምስጢር ድልዱል ዝምድናን ሕጉስ ሓዳርን

"ምስጢር ድልዱል ዝምድናን ሕጉስ ሓዳርን: ቅድሚ መርዓ ጾታዊ ርክብ ዘይምፍጻም ምዃኑ ዝተበጽሐ ሓድሽ መጽናዕቲተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ብሪንግሃም ያንግ - ምዕራባዊ ሸነኽ ኣሜሪካ፡ ኣብ ዘካየድዎ ሓድሽ መጽናዕቲ ቅድሚ መርዓኦም ጾታዊ ርክብ ዘወግዱ መጻምድቲ፡ ሓዳር ምስ መስረቱ ዝሓየለ ዝምድናን ሕጉስ ሓዳርን ከም ዘስተማቕሩ ሓቢሮም።

እቶም ተመራመርቲ መጽናዕቶም ኣብ ልዕሊ 2 ሽሕ ምርዑዋት መጻምድቲ ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ነፍሲ-ወከፎም: ምስ መጻምዶም መዓስ ንፈለማ ግዜ ጾታዊ ርክብ ከም ዝፈጸሙ ቃለ-መሕትት ኣካይዶምሎም። ትንተና ናይቲ ዝተረኽበ ውጽኢት ከም ዘመልክቶ ድማ፡ ሓዳር ቅድሚ ምግባሮም ጾታዊ ርክብ ዘወገዱ መጻምድቲ ካብቶም ቅድሚ ምምርዓዎም ጾታዊ ርክብ ዝፈጸሙ፡ ዝጥዓየን ዝሓየለን ናብራ ዘሕልፉ ኮይኖም ተረኺቦም። ብፍላይ እቶም ቅድሚ መርዓኦም ርክብ ዘይፈጸሙ መጻምድቲ፡ ካብቶም ቅድሚ መርዓኦም ጾታዊ ርክብ ዝፈጸሙ መጻምድቲ ርግኡነት ዝምድናኦም 22% ዕግበት ዝምድናኦም 20% መቐረት ጾታዊ ርክቦም 15% ከምኡውን ናይ ምብህሃል (ምርድዳእ) ሓይሎም ብ2% ዝዛየደ ኮይኑ ተረኺቡ። ብዘይካ ኣብቲ መጽናዕቲ፡ ተራ ሃይማኖት ኣብ ምግታእ ቅድሚ መርዓ ዝግበር ጾታዊ ርክብ ጽልዋ ዘለዎ ኮይኑ ከም ዝተረኽበ እቲ ሓበሬታ ኣብሪሁ። በዚ መሰረት፡ እቶም ብትእዛዝ ሃይማኖቶም ተቐይዶም ዝኸዱ መጻምድቲ፡ ቅድሚ መርዓኦም ጾታዊ ርክብ ከይፈጸሙ ንኽጸንሑ ከም ዝሕግዞም ኣረዲኦም። ኣብ ዝምድና እቶም ጾታዊ ርክብ ከይፈጸሙ ነዊሕ ግዜ ዝጸንሑ እቶም ዝሓሸ ደረጃ ዝምድና ዘስተማቕሩ መጻምድቲዮም። እዚ ክኸውን ዝኽኣለ ድማ፡ ኣድህቦኦም ኣብ ክንዲ ብጾታዊ ርክብ ዝተሓዝ፡ መሰረት መጻኢ ጉዕዞ ሂወቶም ኣብ ምንጻር ሓገዝቲ ኣብ ዝኾኑ ጉዳያት ሓሳብ ንሓሳብ እናተወሃሃቡን እናተዛተዩን ናይ ምብህሃል ክእለት ስለ ዘጥርዩ ኢዮም። ይብል ነቲ መጽናዕቲ ዝመርሐ ፕሮፈሰርባስቢ ንሱ

ምስጢር ሓጎስ ዝመልኦ ሓዳር: ቅድሚ መርዓ ጾታዊ ርክብ ዘይምፍጻምዩ። ድሕሪ ምባል፡ቅድሚ ምምርዓዎም ጾታዊ ርክብ ዝፍጽሙ መጻምድቲ ስነ ኣእምሮኣዊ ጸቕጢን ዘይርጉእ ማሕበራዊ ሂወትን ከም ዘኸትለሎም ኣረዲኡ። ከምኡውን ቅድሚ መርዓኦም ጾታዊ ርክብ ዝፈጸሙ ሕጹያት፡ ብተደጋጋሚ ኣብ ጾታዊ ርክብ እንተ ዘይኮይኑ ብዛዕባ መጻኢ ሂወቶም ረዚን ሓሳብ ኣልዒሎም ኣብ ምዝታይ ድኹማት ከም ዝኾኑ ኣብሪሁ። ንሓዳር ዝዳለዉ ሕጹያት፡ ሳዕቤን ጾታዊ ርክብ ቅድሚ መርዓ ተረዲኦም፡ ክሳብ ዕለተ መርዓኦም ብትዕግስቲ ክጸንሑ ከኣ ኣትሪሩ መኺሩ። ሕጹያት ንምንታይ ቅድሚ መርዓኦም ጾታዊ ርክብ ክፍጽሙ ይግደዱ ንዝብል ሕቶውን ፕሮፈሰር ባስቢ ብኸምዚ ይምልሶ። ብዛዕባ ናይ መጻኢ ሂወቶምን ሂወት ሓዳሮምን ዘይኮነ፡ ብዛዕባ ኣብ ደጋዊ ሸነኽ ዝምድናኦም ኣመና ኣተኲሮ ስለ ዝገብሩዩ። ብኣንጻር ድማ ኣብ ንሓድሕዶም ዝህልዎም ምትእምማንን መብጽዓን ብዘይ መጠን ውሑድ እናኾነ ይመጽእ ዝምድናኦም እናተዳኸመ ዝያዳ ሓይሎም ድማ ኣብ ጾታዊ ርክብ እናኾነ ስለ ዝመጽእ ኣብቲ ዝድለ ዕላማ ከይበጽሑ ወይ ይኹለፉ እንተ በጽሑ ድማ መቐረት ዝዓሰሎ ሓዳር ክህልዎም ዘሎ ዕድል ጸቢብዩ። ቅድሚ መርዓኻ፡ ኣብ ክንዲ ዝምድናኻን ሓድሕዳዊ ምርድዳእካ እተደልድልን ንዝመጻካ ብድሆታትን ምግጣም ብሱል እትኾነሉ ሃዋሁው እትፈጥርን ናብ ጾታዊ ርክብ ምድሃብ ፋይዳኡ እዚ’’ ኢሉ።

ብተወሳኺ፡ቅድሚ መርዓ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም፡ነቲ ንነዊሕ ዝዓለመ መብጽዓኻ ንኸይተኽብር ዝገብርን ንኽልቲኦም መጻምድቲ ኣብ ሓዳር ንኸይበጽሑ ዝኾልፍን ስለ ዝኾነ ፍጹም ክውገድ ኣዘኻኺሩ። ዝበዝሑ ካብቶም ቅድሚ ሕጂ ዝተኻየዱ ተመሳሰልቲ መጽናዕትታት ኣብ ተመክሮ ጾታዊ ርክብ ኣብ ውልቀ-ሰባት ዘድሃቡ ድኣምበር ጾታዊ ርክብ  ኣበይናይ እዋን ናይ ዝምድና ክፍጽም ከምዘለዎ ኣተኲሮም ዝተኻየዱ ከም ዘይነበሩ ፕሮፈሰር ባስቢ ዝገልጽ። ሕጂ ግን ምስጢር ድልዱል ዝምድናን ሕጉስ ሓዳርን ጾታዊ ርክብ ድሕሪ መርዓ ምስ ዝፍጸም ምዃኑን ዝገልጽ ውጽኢት መጽናዕቶም ኣገዳስነቱ ልዑል ምዃኑ ኣረዲኡ ኣብ ዝምድናታት መጻምድቲ ኣተኲሩ መጽናዕቲ ዘካየደማርክ ረግኖሩስብግደኡ፡ ኣብ ሓዳር ከይበጽሑ ጾታዊ ርክብ ዝፍጽሙ መጻምድቲ እቶም ንጾታዊ ርክብ ቀዳምነት ዝህቡ፡ ንዝምድና ግን ድሕሪት ዝሰርዑ ከም ዝኾኑ ዝሕብር። እዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ መጻምድቲ፡ ዘይምዕቡል ዝምድና ዝሰረቱ ሓዳር ከም ዝህልዎም ጠቒሱ ከኣ፡ ንዝምድና ቀዳምነት ሰሪዕካ ናብ መርዓ ምጉዓዝ፡ ብሉጽን ጽኑዕን ዝምድና ክህልወካ፡ ምስ መጻምድኻ ድማ እምነትን ምክብባርን ዝዓሰሎ መነባብሮ ክትውንን ዘኽእል ኢሉ። ሓዳር ዝምስረት ናብ ጾታዊ ርክብ ብምቅድዳም ዘይኮነ፡ ሃዲእካ፡ ብማሕበራዊ ክብርታት ተቐይድካን ምስ እትምርዓዎ ወይ እትምርዓዋ ሰብ ዝምድናኻ ኣደልዲልካ ንናይ ሕጸ ግዜኻ ብግቡእ ዓቂብካን ክሳብ ዕለተ መርዓኻ ጾታዊ ርክብ ከይፈጸምካ ምስ እትጉዓዝ ድማ ኢሉ።

ምንጪ፡ ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ብሪንግሃም-ያንግ ..ኣሜሪካ ኮይኑ፡ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ ሕታም .251 ዝወጸ.

Forwarded by መም. ተኽለ ተስፉ 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div