ብዓል ትንሣኤ ጎይታና ኢየሱስ ፍሉይ ዝገብሮ እንታይ እዩ? ትንሣኤ ክርስቶስ ፍሉይ ስለዝኾነን፡ ንሰዓብቱ ዝኾንና ክርስትያን ፍሉይ ትርጉም ስለዘለዎን። ብኸመይ?
ብጸሎት ነብዪ ኤልሳእ ዝተንስአ ወዲ እታ ሹናማዊት ሰበይቲ 2 ነገ 4፡35
ኣብ መቓብር ነብዪ ኤልሳእ፡ ኣዕጽምቲ ኤልሳእ ብምትንካፍ ዝተንስአ ሰብ 2 ነገ 13፡21
ኣብ ሓድሽ ኪዳን ከኣ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተንስኡ ሰለስተ ሰባት ኣሎዉ። ወዲ እታ መበለት (ሉቃ 7፡15)። ጓል ኢያኢሮስ (ሉቃ 8፡55)። ኣልኣዛር ሓው ማርታን ማርያምን (ዮሃ 11፡43-44)።
ሓዋርያ ጳውሎስን ጴጥሮስን ከኣ ንመንእሰይ እውጢከስን ንጣቢታ ዝተባህለት ጓልን በቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ሓይሊ ኣተንሲኦሞም (ግብ 20፡10። 9፡40።)
ነዞም ዝጠቐስናዮም ኩሎም ብጸሎት ካልኦት ቅዱሳን እዮም ተንሲኦም። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ከምቲ ብፍቓዱ ጽዋእ ሞትን ስቕያትን ዝተቐበለ። ብሓይሊ ኣምላኽነቱ ፡ ባዕሉ እዩ ተንሲኡ።
ብኸመይ ነረጋግጽ?
ብኻልኣይ ደረጃ ትንሣኤ ክርስቶስ ፍሉይ ዝገብሮ። በቲ ዝተለወጠ ሰማያዊ ስጋ፡ ብናይ ክብሪ ኣካል እዩ ተንሲኡ። ናይ ክብሪ ስጋ ማለት እንታይ’ዩ? ብኸመይ ነረጋግጽ?
“ንሕና ግና ሃገርና ኣብ ሰማያት ኢያ ካብኣውን መድሓኒ ንሱ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንጽበ ኣሎና። ንሱ በቲ ንኹሉ ኪመልከሉ ዝከኣሎ ሓይሊ ነቲ ክቡር ሥጋኡ ምእንቲ ክመስል ነዚ ናይ ውርደት ሥጋና ክልውጦ ኢዩ።” ፊሊ 3፡20-21
ስለዚ እዩ ነቲ ዓብዩ እምኒ ኣንከራርዩ ደርብዩ ኪትንስእ፡ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ኣትዩ ሰላም ንዓኹም ዝበለ ዝተወግአ ጎድኑ ኪድህስሶ ንቶማስ ዝሓተቶ፡ ኣብ መበል 40 መዓልቲ ናብ ሰማያት ኪዓርግ ዝኽኣለ።
ሳልሳይ ፍሉይነት፡ ካልኣይ ሞት ዘይብሉ ትንሣኤ ዝተንሥኤ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ።
ኩሎም እቶም ኣብ ብሉይ ኪዳንን ኣድሽ ኪዳንን ብጸሎት ቅዱሳን ካብ ሞት ዝተንሥኡ፡ ከምኩሉ ሰብ እንደገና ሞት ጥዒሞም እዮም። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ሓንሳብ ምስ ተንሥኤ ብዘይምቑራጽ ብህይወት ይነብር። ንሱ ንዘልኣለም ህያው እዩ።
“…ናይቶም ዝተንሥኡ ቦኽሪ ትንሣኤ…” 1 ቆረ 15፡20 ተባሂሉ ኣሎ።
“…ኣነ እቲ ቀዳማያን ዳሕራይን እቲ ህያውን እየ እሞ ኣይትፍራሕ። ሞይተውን ነበርኩ እንሆ ከኣ ንዘልኣለም ህያው እየ መርሖ ሞትን ሲኦልን ከኣ ኣሎኒ።” ራእ 1፡17-18።
ሳልሳይ ፍሉይነት፡ ካልኣይ ሞት ዘይብሉ ትንሣኤ ዝተንሥኤ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ።
ስለዚ ቀንዲ ስብከትን ትምህርትን ሃዋርያትን ቤተክርስትያንን ትንሣኤ ክርስቶስ እዩ። “ሓዋርያት ከኣ ብብዙሕ ሓይሊ ብዛዕባ ትንሣኤ ክርስቶስ ይምስክሩ ነበሩ። ኣብ ኩሎም ከኣ ዓብዪ ጸጋ ነበረ።” ግብ 4፡33
ትንሣኤኡ ምእዋጅ ማለት ኣምላኽነቱን ጽድቁን ምርግጋጽ ስለዝኾነ፡ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ኣይሁድ ዝቃወምዎ ትምህርቲ ትንሣኤ እዩ። (ግብ 5፡27-28)።
ራብዓይ ፍሉይነት፡ ትንሣኤ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተልእኾኡን ኩሉ ስቓዩን ብዓወት ዝዛመሉ፡ እቶም ብሓቂ ዝስዕብዎ ከኣ መወዳእታኦም ዓወት ምዃኑ ዘበስር ስለዝኾነ ፍሉይ እዩ።
“ስለዚ ከምቲ ሞት ብሓደ ሰብ ዝመጸ፡ ከምኡ ከኣ ትንሣኤ ሙውታት ብሓደ ሰብ እዩ ዝመጸ። ከምቲ ኩላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፡ ከምኡ ድማ ኩላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ዝኾኑ ኢዮም። ግናኸ ነፍሲ ወከፍ በብስርቱ እዩ፡ ክርስቶስ ከም ቦኽሪ ደሓር እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ብምጽኣቱ።” 1 ቆረ 15፡21-23
ትንሣኤ ክርስቶስ ኣብ ሳልስቲ ዝፍጸም ምዃኑ ምሳሌኡ ከኣ ካብ ናይ ነብዪ ዮናስ ክንምሃር ሓበረ፡ ማቴ 12፡39-
ራብዓይ ፍሉይነት፡ ትንሣኤ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተልእኾኡን ኩሉ ስቓዩን ብዓወት ዝዛመሉ፡ እቶም ብሓቂ ዝስዕብዎ ከኣ መወዳእታኦም ዓወት ምዃኑ ዘበስር ስለዝኾነ ፍሉይ እዩ።
“ትንሣኤ ምዉታት ዘየልቦ እንተ ኾይኑስ፡ ክርስቶስ ድማ ኣይተንሥአን። ክርስቶስ ዘይተንሥአ እንተኾይኑስ፡ እምበኣርከስ ስብከትና ከንቱ እዩ። እምነትናውን ከንቱ እዩ።…ኣብዛ ህይወት እዚኣ ጥራይ ብክርስቶስ ተስፋ እንተገበርናስ ካብ ኩሉ ሰብ እነደንግጽ ምኾንና ኔርና። ሕጂ ግን ክርስቶስ ቦኽሪ እቶም ዝደቀሱ ኮይኑ፡ ካብ ምዉታት ተንሠአ።” 1 ቆረ 15፡13-20።
ራብዓይ ፍሉይነት፡ ትንሣኤ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተልእኾኡን ኩሉ ስቓዩን ብዓወት ዝዛመሉ፡ እቶም ብሓቂ ዝስዕብዎ ከኣ መወዳእታኦም ዓወት ምዃኑ ዘበስር ስለዝኾነ ፍሉይ እዩ።
ክርስቶስ እንተዘይትንስእ ኔሩ ከም ተራ ሰብ ምኾነ። ጸላእቱ ከኣ ምተዓወቱ።
እቶም ዝጽበይዎ ዘሎዉ ስቕያታትን ብድሕሬኡ ዝርከብ ዓወትን ንደቀ መዛሙርቱ ኣቐዲሙ ይነግሮም ነበረ “ቅድም ግና ብዙሕ ሓሳረ መከራ ክጸግብ በዚ ወለዶ እዚውን ክንዓቕ ብግዲ እዩ” በሎም (ሉቃ 17፡25። ማቴ 16፡21። ማርቆስ 8፡31።
ኣብ ትንሣኤኡ ነቶም ሰብ ኤማሁስ በሎም “ንሱ ድማ ኣቱም ነብያት ብዝተዛረብዎ ኩሉ ንምእማን ልቦም ዝደንጎየ ዓያሱ፡ ክርስቶስ እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ኪጸግብ እሞ፡ ናብ ክብረቱ ክኣቱ ናይ ግዲዶ ኣይኮነን?” (ሉቃ 24፡25-26)
ራብዓይ ፍሉይነት፡ ትንሣኤ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተልእኾኡን ኩሉ ስቓዩን ብዓወት ዝዛመሉ፡ እቶም ብሓቂ ዝስዕብዎ ከኣ መወዳእታኦም ዓወት ምዃኑ ዘበስር ስለዝኾነ ፍሉይ እዩ።
“…ንምንታይከ ነቲ ህያው ኣብ ማእከል ምዉታት ትደልይኦ ኣሎኽን? ንሱስ ተንሲኡ እዩ ኣብዚ የሎን” ሉቃስ 24፡5-7።
መከራ ክርስትያንውን ከምኡ እዩ። ኣብ ዓለም መወዳእታኡ ዝፍለጥ ኲናት የሎን። እቶም ኣብ ሓቒ ደው ኢሎም ምእንቲ ሓቂ፡ ምእንቲ ክርስቶስ፡ ምእንቲ ቤተክርስትያኑ መከራ ዝቕበሉ ግና ኩሉ ግዜ ስዓርቲ እዮም።
“…ግናኸ ኣሕዋተየ ስጋን ደምን መንግስቲ ኣምላኽ ኪወርስ ከም ዘይከኣሎ፡ እቲ ሓላፊ ድማ ነቲ አይሓልፍ ከም ዘይወርሶ እብለኩም ኣሎኹ። እንሆ ምስጢር እነግረኩም ኣሎኹ ኩላትና ኽንልወጥ እምበር ኩላትና ኣይክንድቅስን ኢና…እዚ ሓላፊ ዘይሓልፍ ምስ ለበሰ ሽዑ እቲ ጽሑፍ፡ ሞት ብዓውት ተዋሕጠ ዝብሎ ቃል ኪፍጸም እዩ። ዎ ሞት ኣበይ ኣሎ ብልሕኻ፡ ኣታ ሲኦልከ ኣበይ ኣሎ ዓወትካ…ግናኸ ነቲ ብጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ዓወት ዝህበና ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ። ስለዚ ፍቑራት ኣሕዋተየ ጻዕርኹም ብጎይታ ኸንቱ ኸም ዘይኮነ ፈሊጥኩም ብዕዮ ጎይታ ጽኑዓት ዘይትነቓነቑ ኩሉ ግዜ ዕዙዛት ኩኑ።” 1 ቆረ 15፡50-58።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ