በዓል-ልደት ኣብ ቤተ ክርስትያን ደብረ ብርሃን ቅድስት ስላሴ ከተማ ስያትል ተኸቢሩ። እቲ በዓል ሰሉስ ምሸት 6 ጥሪ 2009 ዓ.ም ብዋዜማ ጀሚሩ ናብ ረቡዕ ዘውግሕ ለይቲ ድማ ብስርዓተ ቅዳሴ ተዛዚሙ። ኣብዚ ክቡር በዓል ልደት'ዚ: ብርክት ዝበሉ ብባህላዊ ልብሲ ዘጌጹ ምእመናን ብምርካቦም ድማ ንበዓል-ልደት' ተወሳኺ ግርማ ሂብዎ።
ብሰንበት 11 ጥሪ 2009 ዓ.ም ድማ ንምእመናን ዝመሰጠ ተዋስኦ ብዛዕባ ልደት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ቀሪቡ። እዚ ተዋስኦ'ዚ ብዓይነቱን ትሕዝትኡን ፍሉይ ኮይኑ ነቲ ክቡር በዓል ልደት-ክርስቶስ ብግቡእ ዝገልጽ: ንምእመናን ዝመሰጠ ተዋስኦ እዩ ነይሩ። እግዚኣብሔር ንተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ቅድስት ስላሴ ክባርኽ ምእመናን ድማ ብጸሎት ግድግፍዎም ንምሕጸን።
እግዚኣብሔር ንቤተ ክርስትያን ተዋህዶን መራሒኣ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስን ይባርኽ: ንህዝብና ድማ ሰላም ይኣውጀሉ።
ቤተክርስትያን ደብረብርሃን ቅድስት ስላሴ,
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ