ብዛዕባ ትምህርቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ዝመሃረ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ኣብ መበል 32 ዓመቱ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር፡ ኣብታ ናይ መውዳእታ ግዜኡ፡ ካብ ገሊላ ናብ ኢየሩሳሌም ዝገሸላ፡ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ እትርከብ ቦታ ከይኰነ ኣይተርፍን። እታ ጐይታ ነዚ ትምህርቲ እዚ ዝመሃረላ ቦታ ግምት ድኣ እምበር፡ ኣርጊጹ ዝፈልጣ ሰብ ግና የልቦን።
ፍልልይ፡ እዚ ናይ ሎሚ ትምህርትና ካብቲ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ 19፡16-22 ወንጌል ማርቆስ 10፡17-22 ወንጌል ሉቓስ 18፡18-23 ዝርከብ ጽሑፍ እዩ። እዚ ጽሑፍ እዚ ካብቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፎም ዝርከቡ ዛንታታት ኣዝዩ ዝተፈልየ ጽሑፍ እዩ። በቲ ጐይታ ጥዑም ዜና-ወንጌል ዝምህረሉ ዝነበረ እዋን፡ ብፍላይ ኣይሁዳውያን ጽቡቕ ነገር እንታይ እዩ፧ ጐረቤተይ መን እዩ፧ መንከ እዩ ዝያዳ ጽቡቕ ክገብር ዝግብኦ፧ ካህናትዶ ገባሮ፧ ሳምራውያንዶ ኣይሁዳውያን፧ ዝብል ሕቶታት ብርግጽ ዘይተመለሰሎም ኣብ ርእሲ ምንባሩ፡ ብፍላይ ኣይሁዳውያን ክህነት ኣብ ኢድና፡ ቓል እግዚኣብሔር ድማ ምሳና ስለ ዝዀነ፡ ካብ ሳምራውያን ንሕና ንጸድቕ ዝብል ትዕቢት መሊእዎም ስለ ዝነበረ፡ ከሕፍሮም ኢሉ ነቲ ሓቂ ብምሳሌ ገይሩ ናብ ብርሃን ኣውጽኦ። ይኹን እምበር እዚ ምሳሌ እዚ ንኣይሁዳውያን ወይ ሳምራውያን ዘይዀነስ ንኹሉ ሰብ ኰይኑ ዝተፈጥረ፡ ብዛዕባ ጽቡቕን ክፉእን ፈላልዩ ክርኢ ክኽእል “መሲለ ዝነግሮ ክመስሎ ኢለ” ከም ዝተባህለ፡ ብምሳሌ ተነግረና። ንሕና’ውን ናይቲ ጐይታ ዝመሃሮ ጽቡቕ ምሳሌ ብግቡእ ምእንቲ ክንርድኦ ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ጐይታና ዝሃቦ ምሳሌ ክንመሃሮ ንረብሓና ምዃኑ፡ ክንስሕቶ ኣይግባእን።
25- እንሆ ኸኣ፡ ሓደ ፈላጥ ሕጊ፡ መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ እንታይ እግበር፧ ኢሉ ኺፍትኖ ተንሥኤ። 26- ንሱ ኸኣ፡ ኣብ ሕጊ እንታይ ጽሑፍ ኣሎ፡ ከመይሲ ተንብብ፡ በሎ። 27- ንሱ ኸኣ፡ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዂሉ ነፍስኻን ብዂሉ ሓይልኻን ብዂሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ፡ ንብጻይካ ድማ ከም ነፍስኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። 28- ንሱ ኸኣ፡ ጽቡቕ መለስካ። ከምኡ ግበር እሞ ብህይወት ክትነብር ኢኻ፡ በሎ። 29- ንሱ ግና ርእሱ ኼጽድቕ ደልዩ፡ ንኢየሱስ፡ ብጻየይከ መን እዩ፧ በሎ። 30- ኢየሱስ መሊሱ በለ፡ ሓደ ሰብኣይ ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ያሪኮ ኺወርድ ከሎ፡ ኣብ ኢድ ከተርቲ ወደቐ። ገፈፍዎን ከትከትዎን፡ ዳርጋ ምውት ገይሮም ኸኣ ገዲፎምዎ ኸዱ። 31- ኰነ ኸኣ፡ ሓደ ኻህን በታ መገዲ እቲኣ ኺወርድ ከሎ፡ ርእይዎ ሓለፈ። 32- ከምኡ ድማ ሓደ ሌዋዊ ኣብታ ቦታ ምስ በጽሔ፡ እናረኣዮ ሓለፈ። 33- ሓደ ሳምራዊ ሓላፍ መገዲ ግና ናብኡ መጸ፡ ምስ ረኣዮ ኸኣ ደንገጸሉ። 34- ናብኡ ቐሪቡ ኣቚሳሉ ሰፈፈሉ፡ ዘይትን ወይንን ኸኣ ኣፍሰሰሉ፡ ኣብ ኣድጉ ኣወጢሑ’ውን ናብ ማሕደር ኣጋይሽ ወሲዱ ኣለዮ። 35- ንጽብሒቱ ድማ ክልተ ዲናር ኣውጺኡ፡ ነቲ ሓላው ማሕደር ኣጋይሽ ሃቦ እሞ፡ ተኸናኸኖ፡ ንእኡ ኢልካ ዘጥፋእካዮ ዘበለ ምስ ተመለስኩ ኽፈድየካ እየ፡ በሎ። 36- ነቲ ኣብ ኢድ ከተርቲ ዝወደቐስ ካብዞም ሰለስተ፡ ብጻይ ዝዀኖ ኣየናዮም እዩ ይመስለካ፧ 37- ንሱ ድማ፡ እቲ ምሕረት ዝገበረሉ፡ በለ። ኢየሱስ ኸኣ፡ ኪድኻ፡ ንስኻ’ውን ከምኡ ግበር፡ በሎ።
ቀንዲ ሓሳባት፡ እዚ ናይ ሎሚ ትምህርትና፡ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ከመይ ጌርካ ከም እትውረስ፡ ዝሓትትን ዝምልስን ትምህርቲ እዩ። ዘለዓለማዊ ሕይወት ንኽትወርስ፡ ካብ ፍልጠት ኣእምሮ ንላዕሊ ዚሓትት ሥልጣን እዩ። ከመይሲ ብሓሳብን ብቓልን ብግብርን ዚግለጽ ፍቕሪ ንኣምላኽን ንሰብን ክህልወካ ይሓትት።
መግለጺ
ብፍላይ እዛ ኣብ ትቅሲ 25 ተጠቒሳ ዘላ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ከመይ ጌርካ ይውረስ፧ እትብል ዓባይ ሕቶ፡ ወዲ ሰብ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ፡ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ከመይ ገይረ ይወርስ፧ በዚ እምነት እዚዶ፧ ወይስ በቲ እምነት እቲ፧ እናበለ ካብ ግዜ ኣዳምን ሔዋንን ኣትሒዙ፡ ክሳብ ሕጂ ዝሓተላ ዘሎ ሕቶ እያ። ቅድሚ ክልተ ሽሕ ዓመታት ኣቢሉ ይገብር፡ ሓደ ፈላጥ ሕጊ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዛ ሕቶ እዚኣ ከም ዝሓተቶ ኣብ ዘንበብናዎ ወንጌላዊ ጽሑፍ ኣሎ። ፈላጥ ሕጊ ማለት፡ በቲ እዋን’ቲ ንብሉይ ኪዳን ኣጸቢቑ ዚፈልጥን፡ ኣኽባር ሕጊ ሙሴን እዩ ነይሩ። ስርሑ ሕግን ስርዓትን ናይ ኣይሁድ ምግላጽን ምትርጓምን ድማ ነበረ። እዚ ፈላጥ ሕጊ እዚ፡ ንትምህርቲ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ከምቲ ናይቶም ጸሓፍቲ ኣይሁድ ዝምህርዎ ድዩ ወይስ ዝተፈልየ እዩ፧ ትምህርቱ ቅኑዕዶ ወይስ ዝተጠማዘዘ እዩ፧ ሓቅዶስ ወይስ ሓሶት እዩ፧ ኢሉ ኪምርምርን ኪፈልጥን ደልዩ ናብ ጐይታ መጸ። ሕቶኡ፡ በቲ እዋን እቲ ብፍላይ ብኣይሁዳውያን፡ ብዙሕ ዝካትዕሉ ዝነበረ ሕቶ እዩ ነይሩ። ብልቡ ንጐይታ ከም መምህርን ፈላጥን ስለ ዝቖጸሮ ድማ፡ “መምህር፡ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ኽወርስ እንታይ እግበር፧” ኢሉ ሓተቶ። እዚ ማለቱ ከመይ ገይረ ወዲ ኣምላኽ ክኸውን ይኽእል፡ ከም መጠን ውሉድ ኣብርሃም ኸኣ ከመይ ገይረ ወራሲ ክኽውን ይኽእል፧ ማለቱ ነበረ። ምናልባሽ ኣንባቢ’ውን እዚ ሕቶ እዚ ክሳዕ ሕጂ ትሓቶ ዘሎኻ ይኸውን።
ነዚ ሕቶ’ዝን ምላሹን ምእንቲ ክንርዳእ፡ ቅድም ቀዳድም ናይ ዘለዓለም ሕይወት እንታይ ከም ዝዀነ ንመልከት።
ጐይታ ነዚ ፈላጥ ሕጊ፡ ባህሊ ናይ ሰብ ገዲፉ ናብቲ ሕጊ ምእንቲ ኪጥምት ኢሉ፡ ሕጊ ንምግላጽ ከኣ ስርሑ ከም ዝዀነ ኣስተብሂሉ፡ ካብተን ዓበይቲ ሕግታት ሓንቲ መሺቱ ሓተቶ። “ኣብ ሕጊ እንታይ ጽሑፍ ኣሎ፧ ከመይሲ ተንብብ፧” በሎ።
እቲ ፈላጥ ሕጊ ካብታ ኣብ ዘዳግም 6፡5 እትርከብ፡ ሰብ ንፈጣሪኡ ዘለዎ ሓላፍነት እትገልጽን፡ ካብታ ኣብ ዘሌዋውያን 19፡18 እትርከብ፡ ሕጊ ብዛዕባ ፍቕሪ እትገልጽን፡ ኣዋጺኡ ጠቒሱ መለሰሉ።
ዝለዓለ ፍቕሪ ንኣምላኽ። “ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ኣፍቅሮ።“ ኣብ ፍቕሪ ብዙሕ ነገራት ተጠቒሱ ይርከብ። ከምቲ ሓደ ሰብ ንዘፍቅሮ ፈትዩ ከሕጉሶ ዝደሊ፡ ከምኡ ኸኣ ሰብ ንኣምላኽ ምስ ዘፍቕሮ ምእንቲ ባህ ከብሎ ኢሉ፡ ብፍታዉ ይእዘዞ። ነቲ ሕጉስ ፈቓዱ ብግዲ ዘይኰነስ፡ ብሕጉስ ልቢ ይገብሮ።
“ብምሉእ ልብኻ” ኣገልግሎ። ልብና ምንጪ ናይ ግዙፍ ኣካላትናን መንፈሳዊ ሕይወትናን፡ ምንጪ ናይ ሓሳባትናን ድሌትናን ሃረርታናን ፍቕርናን ዕላማናን ግብርናን እያ።
“ብኹሉ ነፍስኻ” ኣገልግሎ። ነፍሲ እታ ፈቓድን ኣመልን ናይ ሰብ ዝቆመትላ ቐንዲ ክፍሊ ናይ ሰብ እያ።
“ብኹሉ ሓይልኻ” ኣገልግሎ። ሓይሊ ነዚ ኹሉ ኣብ ላዕሊ ዝሰሜናዮ ኣገልግሎታት ዝጥቕልልን፡ ምሉእ ምውፋይ ዘመልክትን እዩ።
“ብኹሉ ሓሳብካ” ኣገልግሎ። ዕዉር ምውፋይ ዘይኰነስ፡ ፍልጠትን ሓሳብን ፍቕርን ዘለዎ፡ ፈሊጥካን መርሚርካን እትኣትዎ ምውፋይ ዘመልክት እዩ።
“ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ኣፍቅሮ።” ከምቲ ብምልኡ ልበይ ንነፍሰይ ዘፍቕራ፡ ከምኡ ኸኣ ንብጻየይ ከፍቅሮ ይግባእ። እዚ ፍቕሪ’ዚ፡ ኣነ ንብጻየይ ዘሎኒ ሓላፍነት ዘርኢ እዩ።
ጐይታ ኸኣ፡ “ጽቡቕ መለስካ። ከምኡ ግበር እሞ ብህይወት ክትነብር ኢኻ፡ በሎ።” እዚ መልሲ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ንሕልና ናይቲ ፈላጥ ሕጊ ወቐሶ። ናይ ዘለዓለም ሕይወት ንምውራስ እዚ ነገርዚ ኣድላዩ እንተድኣ ዀይኑ፡ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ከም ዘይወርሳ ተረድኦ። ምእንቲ ክንድሕን እንታይ ክንገብር ከም ዚግብኣና ምስ እንርዳእ፡ ብሓጥያትናን ውድቀትናን ንርታዕ፡ መድሓኒ ከም ዘድልየና ኸኣ ክንርኢ ንኽእል።
ካልኣይቲ ዓባይ ሕቶ - ብጻየይከ መን እዩ፧ ጥ.29።
እቲ ፈላጥ ሕጊ ገዛእ ርእሱ ኣብ ቅድሚ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኬጽድቕ ደልዩ፡ “ብጻየይ’ከ መን እዩ፧” ኢሉ ሓተተ። እንተድኣ ፈተውቱን ኣዕሩኹን ጥራይ ኰይኖም ብጾቱ፡ ነቲ ሕጊ ሓልይዎ ማለት እዩ።
ምላሽ - ምስላ ናይቲ ሕያዋይ ሳምራዊ። ጥ.30 – 35። “ሓደ ሰብኣይ ካብ ኢዮሩሳሌም ናብ ያሪኮ ወረደ።” እዚ መገዲዚ ብሓደ ዓቢ ሽንጭሮ ዝሕለፍ፡ ብዙሕ በዓትታት ዝርከብሉ መገዲ ስለ ዝነበረ፡ ኣዝዩ ድንገታዊ መገዲ ነበረ። ሰረቕቲ ኣብዚ በዓትታት’ዚ ተሓቢኦም ይጸንሑ እሞ ንገያሾ ይኸትሩን ይቐትሉን ነበሩ። ነዚ ሰብኣይ’ዚ ኸኣ ረኸብዎ እሞ፡ ኹሉ ዘለዎ ገፊፎም ከትከትዎ።
“ሓደ ካህን ከኣ በታ መገዲ ወረደ።” ነዚ ዳርጋ ምዉት ዝነበረ ገያሺ፡ ካብ ዅሉ ሰብ ኪሕግዞ ይኽእል እዩ ኢልካ እትሓስቦ፡ እዚ ኻህን ነበረ። እቲ ካህን ግና፡ “ርእይዎ ሓለፈ።” ትም ኢሉ ኪሓልፍ ከሎ፡ ብርግጽ ገለ ምኽንያት ነበሮ። ከመይሲ እንተ ደንጐየ፡ ምናልባሽ እቶም ነቲ ሰብኣይ ዝኸትከትዎ፡ ወይ ከኣ ካልኦት ከተርቲ ከይረኽብዎ ፈሪሁ ይኸውን። እዚ ዕዮ ካህን ኣይኰነን ኢሉ’ውን ሓሲቡ ይኸውን። ምናልባሽ ኣብቲ ቤተ መቕደስ ዕዮ ነይሩዎ ይኸውን። ወይ ከኣ ይህወኽ ነይሩ ይኸውን። ካልኦት ብድሕረይ ዝመጹ ይሕግዝዎ ይዀኑ እዮም ኢሉ’ውን ይኸውን። ብዝዀነ ርእይዎ ትም ኢሉ ሓለፈ።
“ከምኡ ኸኣ ሓደ ሌዋዊ…. እናረኣዮ ሓለፈ።” ሌዋውያን እቲ ዝተሓተ ዕዮ ናይ ቤተ መቕደስ፡ ከም ምጽርራይ፡ ዘይቲ ምምጻእ፡ ካልእ ንእሽቶ ስርሓት’ውን ምግባር ግዲኦም ነበረ። ጸሓፍትን መምህራንን ሰበኽትን’ውን ይኹኑ ነበሩ። እቲ ሌዋዊ ኸኣ፡ ልክዕ ከምቲ ካህን፡ ርእይዎ ሓለፈ።
“ሓደ ሳምራዊ ሓላፍ መገዲ ግና ናብኡ መጸ።” ሳምራውያን፡ ምስ ካልእ ዓሌት ዝተሓናፈጹ ኣይሁዳውያን እዮም ዝነበሩ። እዞም ሳምራውያን እዚኣቶም ንብሉይ ኪዳን ዅሉ ዘይኰነስ፡ ሕጊ ናይ ሙሴ ጥራይ ይኣምኑ ነበሩ። ብዙሕ ጌጋ ትምህርትን ኣተሓሳስባን ስለ ዝነበሮም፡ ካህናትን ሌዋውያንን ኣዝዮም ይንዕቕዎምን ይፍንፍንዎምን ነበሩ። እዚ ሳምራዊ ሓላፍ መግዲ ግና፡ ነቲ ዳርጋ ምዉት ዝነበረ ሰብኣይ፡ “ኣቑሳሉ ሰፈፈሉ፡ ዘይትን ወይንን ከኣ ኣፍሰሰሉ፡ ኣብ ኣድጉ’ውን ኣወጥሖ።” ብዘይ ጥርጥር፡ ኣቑሳል እቲ ሰብኣይ ምሕካም ብዙሕ ጊዜ ወሲዱሉ ይኸውን። እዚ ዝገበሮ ግብሪ ካብ ሕያውነት ንላዕሊ ነበረ። ኣብ ማሕደር ኣጋይሽ ወሲዱ ኸኣ ባዕሉ ኣለዮን ተኸናኸኖን። ንሓደ ነገር ባዕልኻ ምግባሩ፡ ካብቲ ገንዘብ ከፊልካ ብኻልእ ምግባሩ፡ ኣዝዩ ይኸብር፡ ዝበዝሔ በረኸትውን ኣለዎ። ድሕርዚ ነቲ ዋና ማሕደር ኣጋይሽ ክሳብ ዝሓዊ ተኻናኸኖ ኢሉ ገንዘብ ከፈሎ። ናይቲ ዝመጽእ’ውን ክኸፍለካ እየ፡ በሎ።
“ነቲ ኣብ ኢድ ከተርቲ ዝወደቐስ ካብዞም ሰለስተ፡ ብጻይ ዝዀኖስ ኣየናይ እዩ ይመስለካ፧” ኢሉ ሓተቶ። እቲ ፈላጥ ሕጊ፡ “ብጻየይከ መን እዩ” ንመንከ እየ ከም ነፍሰይ ጌይረ ከፍቅሮ ዚግባእ፧ ኢሉ ሓቲቱ ነበረ እሞ፡ ጐይታ ኸኣ፡ ካብ ግብሪ ናይዞም ሰለስተ ሰባት፡ መን እዩ ናይ ሓቂ ብጻይ ዝዀነ፧ በሎ። እቲ ፈላጥ ሕጊ ድማ “እቲ ሳምራዊ” ኢሉ መለሰ። ጐይታ ከኣ፡ “ኬድካ ንስኻ’ውን ከምኡ ግበር” በሎ።
ካብዚ ምስላ’ዚ እንምሃሮ ትምህርቲ። ምስ ዅሉ ሰብ ኪህልወና ዚግባእ ሕብረት እዩ። እንተድኣ መንግሥተ ሰማያት ብርግጽ ኣብ ልባትና ኣልያ ኰይና፡ እንተድኣ ንኸተማ ኣምላኽ ክንኣትዋ ተስፋ ኣሎና ዅይኑ፡ ንብጻይና ከም ነፍስና ዘፍቅርን ዚርእን መንፈስ ኪህልወና ይግባእ። ጸገም ካልኦት እናረኤና ምሕላፍ ኣይግባእን። እዚ ነገር’ዚ ብብዙሕ ዓይነት መገዲ እዩ ዚፍጸም። ንኻልኦት ምሕጋዝ ሸለል ብምባል፡ ኣብቲ ንኻልኦት ክንሕግዘሉ እንኽእል ሰፈር ንምኻድ ሸለል ብምባል፡ ኣብ ክንዲ ከነቕንዖ እንጋደልሲ፡ ክፍኣት እናረኤና ሸለል ብምባል፡ ናብ ወንጌል ዝንገረሉ ቦታ ሰባት ንምዕዳም ሸለል ብምባል፡ ክንፍጽሞ ንኽእል። ባዕልኻ ምግልጋል። እቲ ሳምራዊ ገንዘብ ብምሃቡ ጥራይ ዘይኰነስ ባዕሉ ኣለዮ። ገንዘብ ብምሃብ ንቡዙሓት፡ ብኻልእ መገዲ ክንሕግዞም ዘይንኽእል፡ ክንሕግዝ ንኽእል። ባዕልኻ ምግልጋልን ምድንጋጽን ምሕዛንን ግና፡ ገንዘብ ብምሃብ ከምጽኦ ዘይክእል ሓጐስን በረኸትን ኣለዎ። ጐይታ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ