S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ክርስቶስ ተንሥኣ እሙታን


ክርስቶስ ተንሥኣ እሙታን------------በዓቢይ ኃይል ወሥልጣን፡
ኣሰሮ ለሰይጣን-----------------------------ኣግዓዞ ለኣዳም
ሰላም------------------------------------------እምይእዜሰ
ይኩን-----------------------------------------ፍስሓ ወሰላም

 

   በስመ ኣብ ወወ ልድ ወመንፈ ስቅደስ ኣሓደ ኣምላክ ኣሜን።

ኣብ ፈቐዶ ስደት ኮነ ኣብ ኤርትራ ዘለኹም ክቡራት ምእመናን፣
ኣቐዲምና እንቋዕ ናብ በዓል ትንሣኤ-ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ 2001 ዓም (2009) ኣብጽሓኩም እናበልና ዘመን ሰላምን ሓጎስን ፍስሓን ክኾነልና ጸሎትናን መንፈሳዊ ሠናይ ትምኒትናን ንገልጽ።

ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሙታን ምስ ተንሥኤ ንደቀመዛሙርቱ ዘበሰሮም ቀዳመይቲ ቃል “ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን” እትብል እያ። ሰላም ኩሉ ሰብ ይናፍቓን ይምነያን እዩ። ዝያዳ ኩሉ ድማ ንሕና ኤርትራውያን ዝያዳ ንምነያን ንናፍቓን። ምእንቲ ሰላም ተባሂሉ ዘይተኸፍለ ነገር ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ጎይታ ግና “ሰላመይ እህበኩም ሰላመይ እሓድገልኩም: እቲ ኣነ ዚህበኩም ሰላም ከምቲ ዓለም እትህበኩም ሰላም ኣይኮነን” ክብል ብዘይሕሶ ቅዱስ ቃሉ ቃል ኣትዩልና እዩ እሞ፡ ኩላትና ኣምላኽ ብሰላሙ ክበጽሓና "ሰላመከ ኀበነ ኣምላክነ” እናበልና ብትግሃት ክንጽልን ናብ ኣምላኽ ክንቀርብን ይግባእ።

ብፍላይ ድማ እዛ ብደሙ ዝዓደጋ ሓዋርያዊት ቅድስት ቤተ ክርስትያን፡ ዋላ እኳ ሰይጣን ኣብ ርእሲኣ ክዕወት ከም ዘይክእል ምሉእ ምትእምማን ኣብ ኣምላኽ እንተ ሃለወና፡ ኣብዚ ጊዜ እዚ እዛ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፡ ሰይጣን ብዘምጽኦ ፈተና፡ ኣብ ከቢድ ፈተና ወዲቓ፡ ርእሲ ቤተ ክርስቲያን ዝኾኑ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ኣብ ከቢድ ፈተና ይርከቡ ከም ዘለዉ፡ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። መዓርግ ሃይማኖትና ድማ ተደፊሩ።

ኣብዚ ዘመን እዚ ንሓቀኛ እምነቶም ደው ኢሎም ሓዋርያዊ መስዋእቲ ንምዃን ዝተዳለዉ ኣቦ ምህላውና ድማ ሓበን ይስምዓና። ኩሉ ኣማኒ እዚ ሓቂ እዚ ተገንዚቡ፡ ኣብዚ ሰላም ክርስቶስ ዘበሰረሉ እዋን፡ እቲ ዘይድቅስ ጸላኢና ሰይጣን፡ ኣብ ደምበ ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ ክንዲ ሓጎስ ሓዘን ንምእታው ዘይድቅስ ስለ ዝኾነ ኩላትና ብጸሎት ክንነቅሕ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ለበዋኡ የመሓላልፍ።

እግዚኣብሔር ንሃገርናን ሕዝብናን ሰላምን ቅሳነትን ይሃብ።
ንመላእ ዓለም ሰላም የውርድ።
ቅዱስ ኣቦና፡ ብጥዕናን ሕይወትን ይሓልወልና።

ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ,
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን-ኤርትራ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div