S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ካብ ኣወሃሃዲ ኮሚቴ ናይ ምብራቕ ኦርቶዶክስን ኦሬንታል ኦርቶዶክስን ጉባኤ ጳጳሳት ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ብዝቐረበሉ ዕድመ መሠረት ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኣብቲ ብዕለት 26 ጥቅምቲ 2009 ኣብ ኒው-ዮርክ ቅድስት ሥላሴ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ግሪኽ ዝተገብረ 9ይ ዓመታዊ ናይ ሓባር ጸሎት ወኪል ብምልኣኽ ተሳቲፉ።

ቃል ብቕድሙ ነበረ፥ እቲ ቃል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፥ እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ። …. ሕይወት ኣብኡ ነበረት፥ እታ ሕይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበርት። ብርሃንውን ኣብ ጸልማት የብርህ፥ ጸልማት ከኣ ኣይሰዓሮን። ዮሓ 11-5 እዚ ጥቕሲ ካብ ቅዱስ ወንጌል ዝተወስደ ቃል ኢዩ። ካብዚ ክንመሃሮ ዝግብኣና ድማ ሕይወት ሰብ ካብ ብርሃን ኣምላኽ ከም ዝተፈጥረትን ኣብ ብርሃን ክትነብር ከም ዝተመደበትን ይነግረና። እወ ኣቦና ኣዳምውን ኣብቲ ምሉእ

ኩሉ ከም ዝፈልጦ ኣብዚ ዘመን እዚ ዘመን ሓበሬታን ቴክኖሎጂን፡ ንእምነት ክርስትናና ካብ ጫፍ ዓለም ክሳብ ጫፍ ዓለም ንምስፋሕን ምእመናንና ንምምሃር ንኽንጥቀመሉ ድማ ኣምላኽ ዝፈቕዶ እዩ።

ንሕጊ እግዚኣብሔር፥ እተቐድም ሃገር!

ንሳ ሰማንያን ኣርባዕተን ዓመት ዝዕድሚኣ መበለትያ። ካብ ቤት መቕደስ ከይወጸት፡ ብጾምን ብጸሎትን ለይትን መዓልትን ንኣምላኽ ተገልግል ነበረት።ሉቃ 237

እዛ ናይ ዕለት ንባብ ቅዱስ ወንጌል ጠቒስዋ ዘሎ ቅድስቲ ኣደ፡ ብኣገልግሎታ ነብዪትያ። ድሕሪ ናይ ሾብዓተ ዓመት ሓዳር፡ በዓል ኪዳና ብሞት ተፈልይዋ ምስ መብለወት፡ ኣብ ቤት መቕደስ ተኸቲታ፡ ካብኡ ኸይወጸት ንኣምላኽ ተገልግል ነበረት። ኣብቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ቤት መቕደስ ንደቀንስትዮ ዝተሰርዐ ኣገልግሎት ከም ዝነበረ፡ ኣብ መጻሕፍቲ ኦሪት ኣይንረክብን ኢና። ስለዚ ካብ ቤት መቕደስ ከይወጸት ኪበሃል ከሎ ናብቲ ውሽጢ ቤት መቕደስ ትኣትው ከም ዝነበረት ዜመልክት ኣይኰነን።

ዓመት መጸ እዚ ናይ ሓድሽ ዓመት ጊዜ ክንቆጽር እንከሎና፡ ብዛዕባ እዚ ታሪኻዊ ቅዱስ ዕለት እዚ ኣብ ሕልናና ከነስተንትኖ ዘሎና ነገር ኣሎ። ንሱ ድማ፡ ናይ ብሉይ ኪዳን መፈጸምታ ናይ ሓዲሽ ኪዳን መጀመርታ ነቢይን

ብኣቆጻጽራ ግእዝ  ካብ መስከረም 26 ክሳብ 5 ሕዳር ወርሓት ጽጌ ይበሃል። ጽጌ ማለት ከኣ ብዕንበባን ጽጌታትን ፍሬታትን ዝወቀበ ጊዜያት ናይ ልምላሜ እዋን

ናይ 80 ዓመት ዕድመ፣ 60 ዓመት ምንኩስናን 20 ዓመት ጳጳስ ኮይነም ካብ ዘገልግሉን  ኣብ ዝብል ሰለስተ ኣርእስቲ ዝተመርኮሰ  ጽንብል ንብፁዕ ኣብነ መቃርዮስ ዝምልከት በዓል ጽምብል ሰንበት ግንቦት 1, 2011 ኣብ

“ህዝቢ ኣክቡ ቅዱስ ጉባኤ ከም ዘሎ ንገሩ”! ኢዩኤል 2፡16

ኢየሱስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ብጥበብን ብቑመትን ብጸጋን ዓበየ።ሉቃ 252

እቲ ነዚ ዕለት ተሰሪዑልና ዘሎ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ዕብየት ብቓልን ብግብርን ዜስተምህር ክፍሊዩ። እቲ ንድሕነትና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንኣርኣያናውን ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ፡ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ተወሊዱ ፍጹም ሰብ ዝዀነ እግዚኣብሔር ወልድ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብግብሪ ዘስተምሃረና ዓባይን ቀዳመይትን ትምህርቲ ዅለንተናዊ ዕብየትያ። ምኽንያቱ ሰብ ኺፍጠር ከሎ ኣትሒዙ ምሉእ ኰይኑ ስለ ዘይፍጠር፡ ነቲ ኺበጽሖ ዚግባእ ምልኣት ብዕብየት ገይሩ ዚበጽሖ።

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div