S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሽዑ ንመከራ ኣሕሊፎም ኪህቡኹምን ኪቐትሉኹምንዮም። ብዛዕባ ስመይ ከኣ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኰኑ ኢኹም፡ ሽዑ ብዙሓት ኪዕንቀፉ፡ ንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ኪወሃሃቡ፡ ንሓድሕዶምውን ኪጸላልኡዮም።ማቴ 249-10

ኣብ ኮለጅ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ግብረ-መለኮት (theology) ክከታተሉ ዝጸንሑ ብርክት ዝበሉ ተመሃሮ ብ1 መስከረም 2011 (ነሓሰ 26, 2003 ግእዝ) ብዲግሪ ተመሪቖም። ካብቶም ዝተመረቑ ተመሃሮ፣ ካህናት፣ ዲያቆናትን መምህራን ቤት ትምህርቲ ሰንበትን ይርከብዎም። እዞም ዝተመረቑ ተመሃሮ ካብ 2006 ዓ.ም አትሒዞም ትምህርቶም ክከታተሉ ዝጸንሑን እዮም።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሸውዓተ ኣጽዋማት ኣለዉዋ። ንሳቶም ድማ ጾመ ነቢያት፡ ጾመ ነነዌ፡ ዓቢይ ጾም፡ ዓርበ ረቡዕ፡ ጾመ ገሃድ፡ ጾመ ሓዋርያትን ጾመ ፍልሰታን ይበሃሉ። እግዚኣብሔር ንኣቦና ኣዳም ብኽብሪ ፈጢሩ ኣብ ገነት ምስ ኣቐመጦ ናይ መጀመርታ ዝሃቦ ትእዛዝ ጾም እዩ። ከምዚ ዝስዕብ እናበለ ድማ ኣዘዞ። ‘’ካብ ፍረ እቲ ኣብ ገነት ዘሎ ኦም ኵሉ ብላዕ ካብ ፍረ እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና ካብኣ

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ። ኣሜን።
ክቡራንን ክቡራትን ምእመናን ኣብ ውሽጥን ወጻእን።

“ልብኹም ኣይሸበር ብኣምላኽ እመኑ ብኣይ'ውን እመኑ” (ዮሃ 14፡1)

ንሱ ግና፡እቲ ዘሕወየኒዩ፡ዓራትካ ኣልዕል ኪድዝበለኒ ኢሉ መለሰሎም። ..... ድሕሪዚ ኢየሱስ ኣብ ቤት መቕደስ ረኸቦሞ፡እንሆ ሓዊኻ፡ ካብዚ ዚገድድ ከይረኽበካስ፡ መሊስካ ኣይትበድልበሎ። እቲ ሰብኣይ ከይዱ፡ ንኣይሁድ እቲ ዘሕወዮስ ኢየሱስ ምዃኑ ነገሮም። ስለዚ፡ ... ኪቐትልዎ ይደልዩ ነበሩ።ዮሃ 511,14-16

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።
ፍትዋት ኣኅዋተይ ካህናት፡ ዲያቆናትን ምእመናንን፡ እንቋዕ ናብ እዚ ርእሰ በዓላት ዝኾነ በዓል እዚ ብሰላም ኣብጽሓና ኣምላክ።

በቲ መጀመርያ ዘመን ክርስትና ዝነበሩ ሰባት፡ ስለ ትንሣኤ ካብ ምዉታት ኪንገሮም እንከሎ፡ ገለ ይሳለቑ (ይሕጭጩ ) ነበሩ (ግብ.ሓዋ. ፲፯፡ ፴፩) ይኹን ደኣ እምበር ካብ እቶም መራሕቶም እኳ በቲ ትምህርቲ እቲ ደኣ ይኣምኑ ነበሩ (ግብ.ሓዋ. ፲፯፡፴፬) ገለ ከኣ ንምንታይ ክርስቶስ ካብ ምዉታት ተንሢኡ፡ ተባሂሉ ትምህርቲ ተዋህበ ኢሎም ነቦታትና ሓዋርያት፡ ኣብ ሓለዋ (ማእሰርቲ) ዘእተዉ፡ ዘጠንቀቑ፣ ዝገረፉ ነበሩ። ቁጽሪ እቶም ኣመንቲ ግና ፴፻ (3000) ኮነ (ግብ.ሓዋ. ፪፡፵፩። ተቓውምኦም ግና ቀጸለ ቁጽሪ ኣመንቲ ከኣ ፶፻ (5000) በጽሐ (ግብ.ሓዋ.፬፡፬)

ሓደ መዓልቲ ንሓዋርያት ንምቕታል (ግብ.ሓዋ. ፭፡፴፫) ዕዉር ብምራን፣ ሓንካስ ብምንርኩስ ተኣከቡ፣ ሓዋርያት ካብ ሓለዋ ብህጹጽ ተጸውዑ። ብዙኅ ወቀሳታት ተዘርበ።

ከይጸበበ ኣይርሁን እዩ እሞ፡ ኣብ እዚ ኩሉ ጸበባ እዚ፡ ኣይሁድ ዝኣምንዎ ሰብ ንሓዋርያት ዚሕለቕ ሕግን ፍትሕን ዝኽእልን ዝፈልጥን ነታ ሓቂ ዚፈልጣን ዚገብራን እተማህረ ሰብ  (ሂለል ሃዛቀን) ዝኾነ መምህር ኦሪት ገማልኤል ተላዒሉ፡ እዚ ምኽሪ እዚን እዚ ግብሪ እዝን ካብ ሰብ እንተ ኾይኑ ክፈርስ እዩ፡ ካብ ኣምላኽ እንተ ኾይኑ ግና ግብሮም ከተፍርሱ ኣይትኽእሉን ኢኹም ምስ ኣምላኽ ከይትበኣሱ( ግብ.ሓዋ. ፭፡፴፬- ፴፱)

ብካልእ ጊዜ ከኣ ወዲ ጠርሴስ ካብ ነገደ ብንያም ተመሃሪ ገማልኤል (ግብ.ሓዋ.፳፪) ዝኾነ፡ ሳውል ኣነ እንከለኹ እዚ ሃይማኖት እዚ ኣይነብርን እዩ ኢሉ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ዝነበሩ ውሒዶም ናብ ደማስቆ ጎየየ። ካብ ሊቃነ ካህናት ነታ ማኅበር ከጥፍእ ፍቓድ ተቐቢሉ (ገላ.፩፡ ፲፫- ፲፬፡ ግብ.ሓዋ. ፱፡፪)(ልቢ ጎበዝ ኣብ ደረቱ ከምዝበሃል)ሰባት ንኽኣስር ናብ ደማስቆ ከደ። ሊቃነ ካህናት፣ ሰብን ስንቅን ከይወሰኹሉውን ኣይተርፉን።

ኃይሊ ኣሎኒ ኢሉ ካብኡ ዚኅይል ኣብ መገዲ ተጸበዮ። ጐይታና፣ ርእይዎ ዘይፈልጥ ሰማያዊ ባውዛ ፈነወሉ። እዚ ጥራሕ ኣይነበረን ነቶም ምእመናን ዘፋጥጠሎም ዝነበረ ኣዕይንቱ ብርሃኑ ተሰወረ። በቲ ምእመናን ኪኣስረሉ ኢሉ ኂዝዎ ዝነበረ ገመድ፡ ተመሪሑ ናብ ከተማ ደማስቆ በጽሐ (ግብ. ሓዋ. ፱፡፰) ወዮ "እሩቅ ብእሲ" እዩ፣ ኣይተንሥአን፣ ዝብሎ ዝነበረ ጐይታና ድማ ከም ዝተንሥአ ኣረጋገጸሉ። ጉያኡ ክሳብ ዚውድእ፡ ምእመናን ንምብዛኅ ጐየየ (፪ጢሞ. ፬፡፯) ወዮም ብዝተንሥአ ጐይታ ዝኣምኑ ከኣ ቁጽሮም ኣእላፋት እናኾነ ከደ(ግብ.ሓዋ.፳፩፡፰)

በዓል ትንሣኤ ከምቲ  ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቂ ዝበሎ ርእሰ በዓላት እዩ። ኣልኣዛር ካብ ምዉታት እንተ ተንሥአ ነዓ ውጻእ ተባሂሉ እምበር ባዕሉ ኣይተንሥአን። (ዮሓ.፲፩) ኣቦታትና ሓዋርያት ናብ ሥራሕ ቅድሚ ምውፋሮም ንሓዋርያ ማትያስ ኣብ ክንዲ ይሁዳ ዝመረጽዎ ብትንሣኤ ክርስቶስ ንኽምስክር እዩ (ግብ. ሓዋ.፩፡፳፪)

ኣብዚ ኣብ ትንሣኤ ለይቲ እተሰምዕዎ መልእኽቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ( ቈሮን ፲፭) እቲ ኩሉ ምሳሌ ሂቡ ዝተጻሕፈ ንትንሣኤ ንምብራህ እዩ። ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ከኣ ነቶም ካብ ፍልስጥኤም ወጻኢ ዝነብሩ ዝነበሩ ክርስቶስ ሓንሳእ ስለ ኃጢኣትና  ብሥጋ ሞተ ብመንፈስ ግና ሕያው ኮነ ኢሉ ዝተጻሕፈሎም( ፩ጴጥ.፫፡፲፰)ነኣናውን ትምህርቲ ኮይኑና ኣሎ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ተማሃሪኡ ቅዱስ ጢሞቴዎስ ኣብ ዚጸሓፎ መልእኽቱ ከምዚ ይብል።ነቲ ከም ወንጌል ካብ ዘርኢ ዳዊት ዝኰነ ካብ ምዉታት ዝተንሥአ የሱስ ክርስቶስ ዘክሮ።”(፪ጢሞ.፪፡፰) ቅዱስ ዮሓንስ ሓዋርያውን ኣብቲ ዝጸሓፎ መጽሓፈ ራእይ ፩፡፲፰።ኣነ እቲ ቀዳማይ እቲ ዳሕራይን እቲ ሕያውን እየ እሞ፡ ኣይትፍራሕ። ሞይተውን ነበርኩ እነሆ ከኣ ንዘለዓለም ዓለም ሕያው እየ።

እቲ ዝጥመቕ ሰብ ኩሉ ከኣ ብትንሣኤ ምውታን ክኣምን ኣለዎ። ኣብቲ ጸሎተ ሃይማኖት "ወንሴፎ ትንሣኤ ሙታንብትንሣኤ ምዉታን ተስፋ ንገብር እንብሎ፡ እቲ ትንሣኤ ዓቢይ መልእኽቲ ስለ ዝኾነ እዩ።

ጽቡቕ በዓል ይግበረልና ኣምላኽ።

ነደ ሥዉዕ፡ ኃፍቲ ሥዉዕ፡ ጓል ሥዉዕ ጽንዓት የሃበልና ኣምላክ። ነፍሲ እቶም ሥዉዓት ይምሓረልና።

ዝጐዪ መንእሰይ፡ ዝመክር ዝገንሕ ዘጸናንዕ ሽማግለ፡ ፍርዲ ዘየጉድል በላዕቲ ጉቦ ዘርሕቕ መራሕ ሃገር ኣየጥፍእ ኣምላክ።

ብጸሎት እዞም ኣቦታት።

ፖፕ ሺኖዳ 3 ናይ እስክንድርያ።

ቀዳማይ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኩልና ይኩን።

መቃርዮስ ኣቡን።

ርባዕተ መዓልታት ካብ ሓሙስ 21 ሓምለ ክሳብ ሰንበት 24 ሓምለ 2011 ዓ.ም ክካየድ ዝቐነየ መበል 13 ዓመታዊ ጉባኤ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፣ ሰንበት 24 ሓምለ 2011 ኣ.ፈ ኣብ ቅድስት ማርያም

“መንፈስ ገዛኢ ኣብ ልዕሌኻ እንተ ተላዕለ፡ ትዕግስቲ ንዓብዪ ኣበሳ ተህድእ እያ እሞ፡ ስፍራኻ ኣይትሕደግ።” (መክ 10፡4)

ኣብ መንፈሳዊ ጉዕዞ ሕይወት ካብ ሓጢኣት ምግባር ንላዕሊ፥ ብሓጢኣትካ ዘይምንሳሕ እቲ ዝዓበየ በደል እዩ። ብርግጽ ድማ ሠናይ ጥራይ ዝገብር እሞ ዘይሓጥእ ጻድቕ ሰብ ኣብዚ ምድሪ የልቦን። ጽድቂ ናይቲ ጻድቕ ሸውዓተ ሳዕ ምውዳቑ ዘይኮነስ ካብ ዝወደቖ

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div