እተን ሓዋርያውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ዝበሃላ፡ ማለት ናይ ኦሬንታልን ናይ ምብራቕ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያናትን፡ ከምኡውን ናይ ሮማ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብሓባር ዓመታዊ ጉባኤ ናይ ስነ መለኮት ዘተ ካብ 25-28 ጥሪ 2011 ኣብ ሮማ ተጋቢኡ ቀንዩ።
ኣብቲ ነዊሕ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ካብ ዘመነ-ሓዋርያት ኣትሒዞም ክሳብ ሎሚ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተሰጋገሩ ዝመጹ ናይ ትውፊት ትእዛዛትን ሥርዓታትን ኣለዉ። ሓደ ካብኦም ድማ እቲ ዓመት መጸ ኣብ ዕለተ ሓሙስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንገብሮን ንዝክሮን ሥርዓት ምሕጻብ እግሪእዩ። ናይዚ ሠናይ ግብሪ ጀማርን መሃርን ድማ ባዕሉ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ፡ ዮሓንስ ኣብ ዝጸሓፎ ቅዱስ ወንጌል ምስ መንፈሳዊ መልእኽቱ ብሰፊሑ ተጻሒፉ ንረኽቦ። ብዛዕባ ሕጽበተ-እግር ዝገልጽ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ፥ ማርቆስን ሉቃስን ተጻሒፉ ኣይንረኽቦን ኢና።
ስብከተ ወንጌል ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - Sermon from the lectern of the Church
ኢየሱስ ከኣ በሎም፡ <እቶም ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ፡ እዚ ኻብ እግዚኣብሔር ኰነ፡ ኣብ ኣዒንትና’ውን ግሩም’ዩ፡> ዚብል ጽሑፋትዶ ከቶ ኣየንበብኩምን፧> ማቴ 21፡42።
ካብ ዝተፈላለየ ክፍልትታት ኣመሪካ ተዓዲሞም ብዝመጹ፡ ብብፁእ ኣቡነ መቃርዮስ ዝተመርሑ ሊቃውንቲ ኣቦታትን ብብዝሒ ምእመናን ብክብ ዝበለ ፍስሓን ሓጎስን ዝተጸንበለ ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣስተርእዮታ፡ ካብ ዓርቢ ክሳብ ሰንበት (ጥሪ 28 - 30/ 2011 ፤ ጥሪ ፳ - ፳፪ 2003 ዓ.ም. ግእዝ) ዝተፈላለየ መንፈሳዊ መደባት ሓቚፉ ኔሩ። ኣብቲ ብኣስታት 1.4 ሚልዮን ዶላር ዝተገዝአ ሓድሽ ህንጻ ቦኽሪ በዓል ኣስተርእዮ ቅ. ማርያም
ስብከተ ወንጌል ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - Sermon from the lectern of the Church
“ኣምላኽ ግና፡ ‘ኣታ ዓሻ፡ ንነፍስኻ ካባኻ ኪወስድዋ፡ በዛ ለይቲ’ዚኣ ይደልይዋ ኣለዉ። እዚ ዝደለብካዮ ደኣ ንመን ኪኸውን’ዩ፧’ በሎ። እቲ ንርእሱ መዝገብ (ሃብቲ) ዚእክብ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ዘይኰነ ኸምኡ’ዩ።” ሉቃ 12፡20,21።
ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካን፡ ኣመሠራርታኡን
ድሕሪ ናጽነት ሃገርና: ነቲ ብስደት ምኽንያት ኣብ ሰሜን ኣሜርካ ዝነብር ህዝብና መንፈሳዊ ኣገልግሎት ንምሃብ ተባሂሉ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ናብ ወጻኢ ኣገልገልቲ ካህናትን ዲያቆናትን ምልኣኽ ቀልጢፋ እያ ጀሚራቶ።
ቐዲምና ብዛዕባ ፍልልይ ሕግን ጸጋን ኣሕጽር ኣቢልና ተመልኪትና ኣሎና፡ ካብዚ ንደሓር ድማ፡ ጸጋ ምስ ምሥጢረ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ርክብ ብታሪኽን ብምሳሌን ከመይ ከም ዝዀነ ብኸምዚ ዝስዕብ ክንምልከቶ ኢና። ጸጋ
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ