ኣብዚ ናይዚ ዕለት ስብከት ዘቕዳሴ፡ “ብርሃንካን ሓቅኻን ልአኽ፣ ንሳተን ይምርሓኒ፣ ናብ ቅድስቲ ኸረንካን ናብ ማሕደራትካን የብጽሓኒ” ኢሎም ዲያቆናትና የዚሙልና፡ ኣብ ቅዳሴ ዚንበብ ኵሉ ንባባት ሓዲሽ ኪዳን ድማ፡ ክርስቶስ መድሓኒና ብርሃን ምዃኑ፡ ንሕናውን ከምኡ ኽንበርህ ከም ዚግብኣና ዚገልጹልና እዮም። ሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያንና ድማ ነቲ ብርሃን ዓለም ዝዀነ እግዚኣብሄር ወልድ፡ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክንሰብኮ ኸም ዚግብኣና፡ “ወልደ መድህነ ንሰብክ” ኢሎም ብመዝሙሮም መልእኽቶም የመሓላልፉልና ኣለዉ።
“ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፡ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል ኣሎኹ። ንሱ ርእስኻ ክጭፍልቕ ኢዩ፡ ንስኻ ድማ ሸኾናኡ ኽትነክስ ኢኻ በሎ።” (ዘፍ 3፡15) እታ ቀዳመይቲ ተስፋና…
እዚ ኣቲናዮ ዘሎና ቅንያት ጾመ፡ ጾመ ነብያት ይብሃል። ክሳብ ልደት ጐይታና ድማ ይቕጽል። እዚ ናይ ጾም እዋን፡ ከምቲ ኵሎም ነብያትን ነገስታትን ምውላድ ናይቲ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ዝተጸበዩን ዚናፈቑን፡ ንሕናውን ኣብዚ ትጽቢት እዚ እንሳተፈሉ ናይ ጾም ግዜ እዩ።
ናይዚ ዕለት እዚ ንባብ ወንጌል፡ ብዛዕባ ክልተ መስተንክር ዝዀኑ ተኣምራት ናይ ኣምላኽናን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶ ዜዘንትው እዩ። እቲ ቐዳማይ ማዕበል ናይ ምህዳእ ተኣምር፡ መድሃኔ ዓለም ክርስቶስ፡ “ጐይታ ሕገ ተፈጥሮ ምዃኑ ኼመልክተና ኸሎ፡ እቲ ኻልኣይ ተኣምር ከኣ “መላኽ ኣጋንንቲ” ምዃኑ ዜመልክተና እዩ። ሰይጣንን ኣጋንንቱን ዋላ እኳ ብዕልወት ካብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ዝወጹን ንእግዚኣብሄርን ሰዓብቱን ዚጻረሩ እንተ ዀኑ፡ ገና ኻብ ምልክን ቍጽጽርን ናይ እግዚኣብሄር ወጻኢ ኸም ዘይዀኑ ዘርእየና ተኣምር እዩ።
ናይዚ መዓልቲ እዚ ናይ ወንጌል ንባብ ማእከላይ መልእኽቲ፡ እቲ ኣብ ዮሃ 5፡24 ተገሊጹ ዘሎ፡ “እቲ ንቓለይ ዚሰምዖን በቲ ዝለኣኸኒ ዚኣምንን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ። ንሱ ኻብ ሞት ናብ ህይወት ተሳገረ እምበር፡ ናብ ፍርዲ ኸም ዘይበጽሕ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።” ዝብል እዩ። ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚርከብ ብቓል ክርስቶስ እዩ።
ኣብዚ ናይዚ ዕለተ ሰንበት ንባብ ወንጌል፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሂቡና ዘሎ መጠንቀቕታ ኻብዚ ናይ ግብዝነት ኣበሳ ርእስና ብንጽህና ኽንሕልው እዩ። ግብዝነት ማለት ኣምሰሉ ምዃን፡ ውሽጥኻን ደጌኻን ነንበይኑ ዀይኑ ድርብ መንነት ምሓዝ፡ ዕላማኻን ተግባርካን ዝተፈላለየ ምዃን ማለት እዩ። ጐይታና ብዛዕባ ኽብደት ናይዚ ኣበሳ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ናይ ከረን ስብከቱ ኺምህሮ ምድላዩ፡ ንዕቱብነት ናይቲ መልእኽቱ ዜመልክተና እዩ። ኣብዚ ጥራይ ዘይኰነ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታትውን ደጋጊሙ ካብ ግብዝነት ኪሕለዉ ንደቀ መዛሙርቱን ነቲ ህዝብን ይዛረቦም ነበረ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ