እዚ ሰንበት እዚ(ግንቦት 28, 2017): ሳብዓይ ሰንበት ናይዚ ዘሎናዮ ቅነ (ዘመነ) ትንሳኤ እዩ። ድሕሪ ዕርገት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ ቀዳማይ ሰንበት ብምዃኑ ድማ፡ ንዕርገት ኣመልኪትና እንመሃረሉን እነስተንትነሉን መዓልቲ እዩ። ጐይታና ኢየሱስ ድሕሪ
እዚ ሰንበት እዚ (ግንቦት 21, 2017) ሳድሳይ ሰንበት ናይዚ ዘለናዮ ቅነ ትንሳኤ እዩ። ብናይ ቤተ ክርስትያን ዓውደ ኣዋርሕ (Calendar) “ኣርኣየ ሥልጣኖ ላዕለ ሞት” ዝብል ስያመ ኣለዎ። ነቲ ክርስቶስ ብሞቱን ትንሳኤኡን ኣብ ልዕሊ ሞትን ሓጢኣትን ዘርኣዮ ስልጣን እነስተንትነሉ መዓልቲ ድማ እዩ።
እዚ ሰንበት’ዚ (ግንቦት 14, 2017) ሓሙሻይ ሰንበት ኣብዚ ዘለናዮ ቅነ ትንሳኤ እዩ። ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ጥቅሲ መበገሲ ጌርና፡ ብዛዕባ እቲ በቲ ንኢየሱስ ጐይታና ካብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣምላኽ ብምእማንና ዝቚጸረልና ጽድቂ ክንምርምር ኢና።
ኣብ ኣጋ ወጋሕታ ናይታ ቀዳመይቲ ክፍለ ዘመን ሓዋርያ ዮሃንስ ብሓይሊ መንግሥቲ ሮማ ኣብ አጊያን ደሴት ጳጥሞስ ተኣሲሩ ነበረ። እዚ ሓዋርያ እዚ ብራእይ ዝፋን እግዚኣብሔር እቲ ኣዝዩ ጽቡቕ ዝዀነ ከባቢኡን ረኣየ።
እዚ ሰንበት'ዚ (ግንቦት 7, 2017) ራብዓይ ሰንበት ናይዚ ዘለናዮ ቅነ ትንሳኤ እዩ። ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ንእንታይነት እቲ፡ ምስ ክርስቶም ምትንሳእና ከም ውሁብ ወሲዱ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ክንደልዮ ዝምዕደና ሰማያዊ ድሌት እንድህስሰሉ መዓልቲ እዩ።
እዚ ሰንበት እዚ (ሚያዝያ 30, 2017) ሳልሳይ ሰንበት ናይ ቅነ ትንሳኤ እዩ። ነቲ ብምኽንያት ትንሳኤኡ ኣብ ህይወትና ዝመጸ ጸጋታት እነስተንትነሉ ክቡር ግዜ ድማ እዩ። ምስቲ ታሪኽ ናይ ሰብ ኤማሁስ ብዝተኣሳሰር፡ ኣብ ህይወት ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ ዝተፍጥሪ ሓዲሽ ተስፋ፡ ነዚ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ሓደ እዃ ብክርስቶስ እንተኣልዩ ንሱ ሓዲሽ ፍጥረት እዩ” ዝበሎ ሓቂ ክንድህስስ ኢና።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ