እዚ ሰንበት እዚ (2 ሓምለ 2017)፡ ሓሙሻይ ሰንበት ናይ በዓለ መንፈስ ቅዱስ እዩ፣ መዝሙር ናይዚ ዕለት እዚ ድማ “ወረደ እግዚእ ውስተ ሲኦል” (ጐይታ ናብ ሲኦል ወረደ) ዝብል እዩ። እቲ ብቕዱስ ሓዋርያ ጴጥሮስ ዝተጻሕፈ መሪሕ ጥቕስናውን፡ ጐይታ ናብቶም ኣብ ሲኦል ብዲያብሎስ ተኣሲሮም ዝነበሩ ቅዱሳት ወሪዱ ወንጌል ከም ዝሰበኸሎም ኣረጋጊጹልና ኣሎ። ስለዚ ድማ፡ እቲ ዲያቆናት ዜዝምዎ ምስባክ ዘቕዳሴ እቲ ኣቦና ዳዊት ብመንፈ ቕዱስ ተደሪኹ ብዛዕባ እቶም ኣብ ሲኦል ዝነበሩ እሱራት ዝተነበዮ ክኸውን ቤተ ክርስትያን ሰርዓቶ።
እዚ ሰንበት እዚ (ሰነ 25, 2017)፡ ራብዓይ ሰንበት ኣብዚ ዘሎናዮ ዘመነ ጰራቅሊጦስ እዩ። ሎሚውን ምስቲ በጺሕናዮ ዘሎና ምስ ውህበትን መንፈስ ቅዱስ ብዝተኣሳሰር፡ ጐይታ ዝኣዘዘና፡ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስውን ዝዓበየ መገዲ ኢሉ ዝመሃረና መሰረታዊ ናይ ፍቕሪ መገዲ ክንርኢ ኢና።
እዚ ሰንበት እዚ (ሰነ 18, 2017): ሳልሳይ ሰንበት በዓለ ጰራቅሊጦስ እዩ። ሎሚውን ነቲ እንከታተሎ ዘሎና ንመንነትን ስራሕን እቲ መጸናንዕን ወሃቢ ህይወትን ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ዝድህስስ ትምህርቲ ክንቅጽል ኢና።
እዚ ካልኣይ ሰንበት በዓለ ጰራቅሊጦስ እዩ። ሎሚውን ነቲ ዝጀመርናዮ ተራን ስራሕን መጸናንዒ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ድሕነትና ዝድህስስ ትምህርቲ ክንቅጽል ኢና።
ከም ፓዮኔር፥ ቮዮጀር፥ ማሪነር፥ ኣፖሎ፥ ፊኔክ ወዘተ ዝተባህላ ናብ ሰማይ ዝጓዕዛ፥ ኣብ ሰማይ ዝንሳፈፋ፥ ካብ ዝሓለፈ እዋናት ብዝለዓለ ደረጃ ተንቀሳቒሰን ጌና ድማ ይንቀሳቐሳ ኣለዋ። ዳርጋ ሎሚ ካብቲ ናይ ቀደም ዕስራ ሰላሳ ዓመት ከም
እዚ ሳምናይ ሰንበት (ሰነ 4, 2017) በዓለ ሓምሳ (ጰራቅሊጦስ)፡ በዓለ ምውራድ መንፈስ ቅዱስ እዩ። በዚ መሰረት ድማ፡ ብዛዕባ እቲ በዚ መዓልቲ እዚ፡ ብፍሉይ መገዲ ኣብ ሰዓብቲ ክርስቶስ ዝወረደ፡ ኣካል ቅድስት ስላሴ ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ እንመሃረሉ መዓልቲ እዩ።
ከምዚ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘሎኹ፥ ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉ (ሮሜ 11፡1)። ሓዋርያ ጳውሎስ መሊሱ “እምብኣርከስ ኣቱም ኣሕዋትና፥ ካብቲ በቲ ኻባና እተቐበልኩምዎ “ምህሮ.. ፓራዶስስ” ዘይነብር፥ ብዘይ ሥርዓት ዚመላለስ ዘበለ ሓው
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ