እዚ ሰንበት እዚ (ሰነ 25, 2017)፡ ራብዓይ ሰንበት ኣብዚ ዘሎናዮ ዘመነ ጰራቅሊጦስ እዩ። ሎሚውን ምስቲ በጺሕናዮ ዘሎና ምስ ውህበትን መንፈስ ቅዱስ ብዝተኣሳሰር፡ ጐይታ ዝኣዘዘና፡ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስውን ዝዓበየ መገዲ ኢሉ ዝመሃረና መሰረታዊ ናይ ፍቕሪ መገዲ ክንርኢ ኢና።
ኣብ ኣጋ ወጋሕታ ናይታ ቀዳመይቲ ክፍለ ዘመን ሓዋርያ ዮሃንስ ብሓይሊ መንግሥቲ ሮማ ኣብ አጊያን ደሴት ጳጥሞስ ተኣሲሩ ነበረ። እዚ ሓዋርያ እዚ ብራእይ ዝፋን እግዚኣብሔር እቲ ኣዝዩ ጽቡቕ ዝዀነ ከባቢኡን ረኣየ።
እዚ ሰንበት እዚ (ሰነ 18, 2017): ሳልሳይ ሰንበት በዓለ ጰራቅሊጦስ እዩ። ሎሚውን ነቲ እንከታተሎ ዘሎና ንመንነትን ስራሕን እቲ መጸናንዕን ወሃቢ ህይወትን ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ዝድህስስ ትምህርቲ ክንቅጽል ኢና።
እዚ ካልኣይ ሰንበት በዓለ ጰራቅሊጦስ እዩ። ሎሚውን ነቲ ዝጀመርናዮ ተራን ስራሕን መጸናንዒ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ድሕነትና ዝድህስስ ትምህርቲ ክንቅጽል ኢና።
እዚ ሳምናይ ሰንበት (ሰነ 4, 2017) በዓለ ሓምሳ (ጰራቅሊጦስ)፡ በዓለ ምውራድ መንፈስ ቅዱስ እዩ። በዚ መሰረት ድማ፡ ብዛዕባ እቲ በዚ መዓልቲ እዚ፡ ብፍሉይ መገዲ ኣብ ሰዓብቲ ክርስቶስ ዝወረደ፡ ኣካል ቅድስት ስላሴ ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ እንመሃረሉ መዓልቲ እዩ።
እዚ ሰንበት እዚ(ግንቦት 28, 2017): ሳብዓይ ሰንበት ናይዚ ዘሎናዮ ቅነ (ዘመነ) ትንሳኤ እዩ። ድሕሪ ዕርገት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ ቀዳማይ ሰንበት ብምዃኑ ድማ፡ ንዕርገት ኣመልኪትና እንመሃረሉን እነስተንትነሉን መዓልቲ እዩ። ጐይታና ኢየሱስ ድሕሪ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ