እዚ ሰንበት'ዚ ዳግማይ ትንሳኤ ተባሂሉ ይስመ። ነቲ ጐይታ ድሕሪ ትንሳኤኡ ንሓዋርያት ዳግማይ ኣብ ሻሙናይ መዓልቲ ተጋሂዱ ዘጸናንዓሉን እምነቶም ዝሓደሰሉን ግዜ ዝዝኸረሉ መዓልቲ እዩ።
እዚ ሰንበት እዚ፥ በዅሪ ሰንበት ዘትንሳኤ (ኣውደ ኣመት) እዩ። ብዛዕባና ትርጉምን ኣገዳስነት ትንሳኤ እንመሃረሉ መዓልቲ ድማ እዩ።
እዚ ሳምናይ ሰንበት ናይ ጾመ ኣርብዓ ሆሳእና ተባሂሉ ይጽዋዕ። ነቲ ጐይታና ብኽብሪ ናብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ዝተፈጸመ ታሪኽ፡ መንፈሳዊ ትርጉሙን መልእኽቱን እንሓስበሉ ግዜ ድማ እዩ።
እዚ ሳብዓይ ሰንበት ናይ ጾመ ኣርብዓ ብስያሜ ቤተ ክርስትያን “ኒቆዲሞስ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ኒቆዲሞስ እዚ እቲ ብስውር ወደ መዝሙር ጐይታ ዝነበረ ሓለቃ ኣይሁድ ፈሪሳዊ እዩ። ነቲ ጐይታ ምስኡ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ዝገለጾ ምስጢር ሰማያዊ ልደት እነስተንትነሉ ሰሙን ድማ እዩ።
እዚ ሳድሳይ ሰንበት ናይ ጾመ ኣርብዓ (መጋቢት 26) ገብር ኄር ይስመ። እዚ ክፍሊ፡ ካብቲ ብዛዕባ እቶም መኽሊት ተቀቢሎም ከሽርፉ ዝወጹ ባሮት፡ ጐይትኦም ምስ ተመልሰ ብዛዕባ እቲ ዝሃቦም መኽሊት ከም ዝተጸባጸቦም ዝምህር ክፍሊ ወንጌል ዝተወስደ እዩ።
ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ዝጸንሐ ሕግን ሥርዓት ብዝእዝዞ መሠረት ሕፃናት ወዲ ኣብ 40 መዓልቲ፡ ጓል ድማ ኣብ 80 መዓልቲ ጸጋ ጥምቀት ክቕበሉ ግቡእ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ሕፃናት ኣብ ዕለተ ጥምቀቶም ብቅብኣት
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ