ብምኽንያት 6ይ ዓመት ስሜት ኣቡነ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ተዋህዶ ቤክ ኤርትራ ዝወጸ ስነ-ጽሑፍ
ናይዚ ዕለት እዚ ንባብ ወንጌል፡ ብዛዕባ ክልተ መስተንክር ዝዀኑ ተኣምራት ናይ ኣምላኽናን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶ ዜዘንትው እዩ። እቲ ቐዳማይ ማዕበል ናይ ምህዳእ ተኣምር፡ መድሃኔ ዓለም ክርስቶስ፡ “ጐይታ ሕገ ተፈጥሮ ምዃኑ ኼመልክተና ኸሎ፡ እቲ ኻልኣይ ተኣምር ከኣ “መላኽ ኣጋንንቲ” ምዃኑ ዜመልክተና እዩ። ሰይጣንን ኣጋንንቱን ዋላ እኳ ብዕልወት ካብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ዝወጹን ንእግዚኣብሄርን ሰዓብቱን ዚጻረሩ እንተ ዀኑ፡ ገና ኻብ ምልክን ቍጽጽርን ናይ እግዚኣብሄር ወጻኢ ኸም ዘይዀኑ ዘርእየና ተኣምር እዩ።
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላኽ። ኣሜን።
ዝኸበርኩም ኣሰናዳእቲ መርበብ-ሓበሬታ ተዋህዶ በዚ ትገብርዎ ዘለኹም ክርስቲያናዊ ኣገልግሎት መድሃኔ ዓለም ባዕሉ ይሓግዝኩም። በሉ በርትዑ! ኣጆኹም ቀጽልዎ እናበልኩ እዘን ዝስዕባ ርእይቶታት እሰደልኩም፣-
ናይዚ መዓልቲ እዚ ናይ ወንጌል ንባብ ማእከላይ መልእኽቲ፡ እቲ ኣብ ዮሃ 5፡24 ተገሊጹ ዘሎ፡ “እቲ ንቓለይ ዚሰምዖን በቲ ዝለኣኸኒ ዚኣምንን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ። ንሱ ኻብ ሞት ናብ ህይወት ተሳገረ እምበር፡ ናብ ፍርዲ ኸም ዘይበጽሕ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።” ዝብል እዩ። ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚርከብ ብቓል ክርስቶስ እዩ።
ኣብዚ ናይዚ ዕለተ ሰንበት ንባብ ወንጌል፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሂቡና ዘሎ መጠንቀቕታ ኻብዚ ናይ ግብዝነት ኣበሳ ርእስና ብንጽህና ኽንሕልው እዩ። ግብዝነት ማለት ኣምሰሉ ምዃን፡ ውሽጥኻን ደጌኻን ነንበይኑ ዀይኑ ድርብ መንነት ምሓዝ፡ ዕላማኻን ተግባርካን ዝተፈላለየ ምዃን ማለት እዩ። ጐይታና ብዛዕባ ኽብደት ናይዚ ኣበሳ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ናይ ከረን ስብከቱ ኺምህሮ ምድላዩ፡ ንዕቱብነት ናይቲ መልእኽቱ ዜመልክተና እዩ። ኣብዚ ጥራይ ዘይኰነ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታትውን ደጋጊሙ ካብ ግብዝነት ኪሕለዉ ንደቀ መዛሙርቱን ነቲ ህዝብን ይዛረቦም ነበረ።
ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ፥ ንስቓይና ኸኣ ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ፥ ንሕና ግና ብእግዚኣብሔር ከም ዝተወቕዐን ከም ዝተቐዝፈን ከም ዝተዋረደን ጌርና ቆጸርናዮ። ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቆሰለ፥ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፥ ንሕና ሰላም ምእንቲ
ኣብ ሃገርና፡ ኣብ ምድሪ ሓበሻ (ኤርትራን ኢትዮጵያን)፡ ኣብዚ ዘሎናዮ ቕንያት እቲ ኣብ ወቕቲ ክራማት ተዘሪኡ ናብ ፍረ ዝበቕዐ በብዓይነቱ እኽልታት ዚእከበሉ ናይ ቀውዒ ወርሓት እዩ። ስለዚ ድማ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያን፡ ኣብዚ ዕለት እዚ፡ “ጸገየ ወይን፡ ወፈርየ ሮማን” እናበሉ መዝሙር ሰንበት ሰንበት ብምዝማር ነቲ ብፍርያት ምድሪ ዝባረኸና እግዚኣብሄር ኬመስግንዎ ይስምንዑ።
ማእከላይ ንባብ መልእኽቲ ወንጌል ናይዚ መዓልቲዚ: ካብ ህይወትና ጭንቀት ከነወግድ እዩ ዚእዝዘናን ዚምዕደናን። እቲ ጭንቀት ኣብ ምግብን መስተን ክዳንን ኣተኵሩ እኳ እንተ ተጻሕፈ፡ ኣብኡ ጥራይ ዚድረት ግን ኣይኰነን። ኣብኡ ጥራሕ እንተ ደረትናዮ፡ ነቶም ብዛዕባ ዚምገብዎን ዚኽደንዎን ዝዀነ ይኹን ጸገም ዘይብሎም ሰባት እዚ መልእኽቲ እዚ ኣይምልከቶምን እዩ ማለትና እዩ። ጭንቀት ግን ደረጃ ቝጠባ ኸይፈለየ ንዅሉ ዚምልከት ኵነተ ኣእምሮ እዩ። ነቲ ስኡን ድኽነቱ ኼጨንቖ ኸሎ ነቲ ርኹብ ድማ ሃብቱ የጨንቖ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ