ዝኸበርኩም ኣዳለውቲ ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን:
ዝሓለፈ ሰሙን ‘’ዓብይ ብስራት’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣብ መርበብ ሓበሬታ ተዋህዶ ኣዝዩ ዘሕጉስን ባህ ዘብልን ጥዑም ዜና ኣስሚዕኩሙና። ንሱ ከኣ ነታ ዓቢ ስምን ጽቡቕ ታሪኽን ዘለዋ ልሳን ተዋህዶ ዝነበረት ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን ዳግማይ ክትጅምርን ክትበራበርን ምዃና ኣበሲርኩሙና። እዚ ንኣመንቲ ተዋህዶ ተስፋ ዘስንቕን መንፈሳዊ ረብሓ ዘለዎን ሰፊሕ ኣገልግሎት ስብከት-ወንጌል ብምዃኑ፡ ነዚ ክትገብሩ ልብኹም ዘነቓቕሐን ሓሳብኩም ዘስመረን እግዚኣብሔር ስብሓት ይኹኖ!።
እዚ ሰንበት እዚ (ነሓሰ 13 2017)፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ምስ ኽራማት፡ ዘርእን ዘራእትን ዝተኣሳሰር ምንባባት ዝወሃበሉ መዓልቲ እዩ። ካብቲ ብመዓልቲ ሰንበት ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ብሰንበት ናብ ግራት ዘራእቲ ኣትዮም እናመሓዉ ክበልዑ ምስ ረኣይዎም እቶም ናይ ሕጊ ምሁራት ዝበሃሉ ፈርሳውያን ንዘልዓልዎ ተቓውሞ ብጐይታ ዝተዋህቦም መልሲ፡ ዝተወስደ እዩ።
“ኣቱም ብእግዚኣብሄር ተስፋ እትገብሩ ኵልኹም በርትዑ ልብኹምውን ይጽናዕ“ (መዝ 31፡24)
“ካልእ ምስላ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፡ መንግስተ ሰማያት ኣብ ግራቱ ጽቡቕ ዘርኢ ዝዘርኤ ሰብ እያ እትመስል።” (ማቴ 13፡24)
ኣብዚ ናይ ሎሚ ሰንበት ነሓሰ 6, 2017 ዝተነበልና ምንባባት፡ ምስቲ ዝሓለፈ ሰንበት ዝጀመርናዮ ናይ ክራማት ስብከት ዝተኣሳሰር ዀይኑ ንዘርእን ዘራእትን ተጠቒሙ መጽሓፍ ቅዱስ ዘመሓላልፈልና መንፈሳዊ ሓቅታት እንምልኸተሉ እዩ ክኽውን።
ኣብዚ ሰንበት ሓምለ 30, 2017 ዝተነበልና ቃል ቅዱስ ወንጌል ነቲ ጐይታና ዝነገሮ ምስላ ዘራኢ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣዝዩ መሃሪ ዝዀነ ምስላ ማእከል ዝገበረ እዩ። እዚ ምስላ እዚ ብዘይ ጥርጥር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሰፊሩ ካብ ዘሎ ትምህርትታት ብህብቡነቱ (ተፈላጥነቱ) ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ካብ ዝስርዑ ትምህርትታት ሓደ እዩ።
ኣብዚ ሰንበት እዚ (ሓምለ 16 2017)፡ ዝተነበበልና ክፍሊ ወንጌል “ምስላ መርዓ ወዱ ዝገበረ ንጉስ” ዝብል እዩ። እቲ ኣብ ሉቃ 14፡ 15-24 ተጠቒሱ ዘሎ ተመሳሳሊ ዛንታ፡ እቲ ዕድመ ናይ ድራር ዕድመ ምዃኑ እዩ ዝነግረና።
ኣብዚ ሰንበት እዚ (ሓምለ 9, 2017): ተዋሂቦምና ካብ ዘለዉ ኣርባዕተ ንባባት: ቅዱስ ሓዋርያ ጴጥሮስ ካብዞም ኣብ መሪሕ ጥቕስና ተዘርዚሮም ዘለዉ ንህይወትና ዘዕንዉ ኣበሳታት ክንርሕቕ ድሕሪ ምምዓዱ: ካብቲ ካብ ነፍሲ ዝዋጋእ ስጋዊ ትምኒትን እኩይ ግብርን ነጺህና:
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ