ትንሳኤ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዕለተ ትንሳኤ ጀሚርና ኽሳዕ እዚ ዕለት እዚ ንኣስታት ሾብዓተ ሰናብቲ ኽንዝኽሮን፡ ንእኡ ዚምልከቱ ንባባት ኸነንብብን፡ ከምቲ ስርዓት ቤተ ክርስቲያን ድማ፡ “ክርስቶስ ተንስኣ እምሙታን” እናተባሃሃልና ክሳዕ እዛ ዕለተ ጰራቅሊጦስ ብእኡ ሰላምታና ኽንለዋወጥ ኢና ጸኒሕና። ምኽንያቱ እቲ “ተስፋ ኣቦ” ዝተሰምየ መንፈስ ቅዱስ ኽንቅበል ዘብቅዓና ትንሳኤ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።
ኣዳም ዝሞተ በቲ ኣብ ኣእምሮኡ ዝተፈጸመ ምእማንን ዘይምእማንን ጥራይ ነይሩ እንተዝኸውን፡ ንሕናውን ብዘይ ግብሪ ኣሚነ ጥራይ ኢልና ምደሓንና ኔርና። እንተዀነ ኣዳም ብግብሪ ካብታ ዘይትብላዕ ኦም ስለዝበልዔ ክሕደቱ ብግብሪ ኣርኣየ። ሕጂ’ውን ሰብ ኣሚነ ክብል እንተድኣ ኰይኑ፡ ካብቲ ህይወት ዝህብ ሥጋ ክርስቶስ እንተዘይበልዐ፡ በቲ ኣብ ኣእምሮኡ ዝፍጸም ምእማን ጥራይ ህይወት ክረክብ እዩ ማለት ኣየስምዕን። ከምኡ ነይሩ እንተዝኸውንሲ ክርስቶስ ሥጋይ ዚበልዕ ደመይ’ውን ዚሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፥ … (ዮሃ፡ 6፡55-56) ኣይምበለን። Read more...
ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያት ጸዊዑ ርኹሳት መናፍቲ ኬውጽኡን ንብዘሎ ሕማማት ኬሕውዩን ሥልጣን ሂቡ ክልእኮም ከሎ ‘’እንሆ ኣነ ከም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም ኣሎኹ፡ ደጊም ብልህታት ከም ተመን ገርህታት ከኣ ከም ርግቢ ኩኑ’’ (ማቴ 10፡16) ኢሉ ኣጠንቀቖም። ሓዋርያት ድማ ቅዱስ ማዕዳ ናይ ክርስቶስ ስለ ዘጽንዑ ኣብ ዕዮ ወንጌል ዕዉታትን ንቑሓትን ብምዃን ሰላሳ፡ ሱሳ፡ ሚእቲ እናፈረዩ ግብኦም ፈጺሞም ሓሊፎም እዮም።
እዚ ናይዚ ዕለት’ዚ ንባብ ወንጌልን ግብሪ ሃዋርያትን ብዛዕባ ዕርገት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዚገልጽ እዩ። ጐይታና ድሕሪ ትንሳኤኡ ነርብዓ መዓልታት ደጋጊሙ ኺረኣዮምን ህያውነቱ ኼረጋግጸሎምን ድሕሪ ምቕናዩ፡ ናይ ዕርገቱ’ውን ምስክር ምእንቲ ኪዀኑ፡ እናረኣይዎ ኺዓርግ ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ቢታንያ ወሰዶም። ኣብቲ ናይ ዝሓለፈ ሰንበት ንባብና ኸም ዝረኣናዮ፡ ኣብ ባሕሪ ገሊላ ዓሳ እናገፈፉ ኸለው’ዩ ዝተራእዮም።
ሰላም ዝኽበርኩም አዳለውቲ እዚ መደብ ነዚ መንፈሳዊ መደብኩም ምስ ረኽብክዎ ካብ መጠን ንላዕሊ ደስ ኢሉኒ’ሞ መንፈሳዊ ሰላምታይ ተቕበሉኒ ይብለኩም። ንቐፃሊ ድማ ዘሎኒ ሓበሬታን ርኢቶን ከምዝሰደልኩም ቃል ይአትወልኩም ሰላም ንህዝቢ ኢትዮጵያን ንህዝቢ ኤርትራን!
ዲ/ን ብርሃነ ገ/ሚካኤል ካብ መቐለ-ኢትዮጵያ
ጐይታና ደጊሙ፡ ካብ ምግፋፍ ዓሳ ናብ ምግፋፍ ሰብ ምስ መለሶም፡ ንሃዋርያ ጴጥሮስ ብስሙ ረቝሑ ኣዝዩ በዳሂ ሕቶ ሓተቶ። ነቲ ሕቶ ብውክልና ናይ ኵላቶም፡ ንሃዋርያ ጴጥሮስ ፈልዩ እንተ ኣቕረበሉ እኳ፡ ንዅላቶም ኣብኡ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርትን፡ ብድሕሪኦም ንዝመጹ ዅላቶም ወለዶታትን ዚምልከት እዩ ዝነበረ። በእምሮና፡ “እዚ ሕቶ’ዚ ንጴጥሮስ ጥራይ ዝተሓትተ ሕቶ እዩ” ኢልና ዘይንሓስብ እኳ እንተ ዀንና፡ ብግብሪ ግና መዓልታውን ምሉእ ዕድሜናን ኸም ዘይምልከተና ጌርና ኸም እንርእዮ ኣሉ ኺበሃል ዘይከኣል ሓቂ እዩ።
ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን ኣሕዋትን ወለድን። ከመይ ኣለኹም? ኣብ ስራሕኩም እግዚኣብሄር ክሕግዘኩም ናይ ወትሩ ጊዜ ጸሎተይ እዩ። ኣነ ካብ ኣብ ሰሜን ኣሜርካ ትቕመጡ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ብሩህ ተስፋ ክጽበ እየ ጸኒሐ። እንሆ ብሩህ ተስፋይ ሓደ ኢሉ ጀሚሩስ ድሮ እኳ ፕሮፈሶር ብክህነት ክቕባእ ሰሚዐ ኣለኹ እሞ ሓጎሰይ ወሰን ስኢነሉ ብሓጎስ ነቢዐ። እሞ ንኹልኹም ኣመንቲ ኦርቶዶክስ እንቋዕ ሓጎሰኩም። ኣምላኽ እምነትና ይባርኽ። ንስኹም ከኣ ኣጆኹም ኣሕዋትን ወለድን እናበልኩ ኣምላኽ ምሳኹም ይኹን።
ሰላም, ቻው።እዚ ናይዚ ዕለት ንባብ ወንጌል፡ ኣብ ምድሪ ገሊላ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ጥብርያዶስ ዝተፈጸመ ኣስተርእዮ (ግልጸት) ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። እቲ ኽሳዕ እዚ እዋን’ዚ ብእኩባቶም ክልተ ሳዕ ዝተራእዮም፡ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም’ዩ ዝነበረ። በቲ፡ “ናብ ገሊላ ኽቕድመኩም እየ” ዝበሎም መሰረት ናብ ዓዶም ተመሊሶም ነበሩ።
ጐይታና፡ ኵሎም ደቀ መዛሙርቱ ብፍርሃት ተዋሒጦም፡ ነቲ ዝነበሩሉ ገዛ ኣጽንዖም ሸጒሮም ይነብሩ ኸም ዘለው ምስ ረኣየ፡ ካብዚ ሳቓዪ ፍርሃትን ዘይምእማንን ምእንቲ ኼናግፎም ኪረኣዮም ወሰነ። ከምቲ ዝነበሮም ፍርሃትን ምጥርጣርን፡ ኣብ ኣፍደገ ማዕጾ ደዉ ኢሉ ብምዅሕኳሕ ኪኸፍትዎ እንተ ዚሓትቶም ኪኸፍትዎ ምተጸገሙ ነይሮም።
በስመ ኣብ ወወልድ ወመነፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ. ኣሜን።
ስለምንታይ ብኦርጋን መዝሙራት ትጥቀሙ ኣለኹም? እዚ ናይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣይኮነን፣ ስለዚ ብኦርጋን መዝሙር ምዝማር እንተተረፈ ይሓይሽ ።
መልሲ ካብ ኣመሓዳራ መርበብ ሓበሬታ
ብክርስቶስ ፍቁር ሓውና ግርማይ፣ ሰላም ኣምላኽ ንዓኻ ይኹን።ስለ ሕቶኻ እናመስገንና፣ ንሕቶኻ ብጌጋ ተረዲእና ግጉይ መልሲ ከይንህብ ምእንቲ ስለምንታይ ኦርጋን ናይ ኦርቶዶክስ ኣይኮነን ከምዝበልካ ሓሳባትካ ከተነጽረልና ብተስፋ ንጽበ። ኣቦታት ካህናት መልሲ ክህቡኻ ድማ ድልዋት እዮም።
ኣንበብቲ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዘለኩም ርእይቶ ክትልእኩልና ድማ በዚ ኣጋጣሚ ነዘኻኽር።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ